ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህግደፍን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ

ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ምስቲ ሰልፊ ዝተኣሳሰሩ ቍጠባዊ ትካላትን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ቍጠባዊ እገዳ ብምሉእ ከም ዘልዓሎ ኣፍሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር ናይ ወጻኢ ንብረት (OFAC) ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ብ18 መስከረም 2026 ኣብ ዘውጽኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ እቲ ብመሰረት ውሳነ ፈጻሚ ቍጽሪ 14046 (Executive Order 14046) ተኣዊጁ ዝነበረ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ግዜኡ ብምብቅዑ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ውሳነ ተገዲቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ኣካላት ካብ መዝገብ እገዳ ምእላዮም ኣረጋጊጹ።
ብ18 መስከረም 2026 ተግባራዊ ዝዀነ እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ምስቲ ግንባር ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ትካል ሕድርን ኮርፖረሽን ንግዲ ቀይሕ ባሕርን ተነቢሩ ዝጸንሐ ኵሉ ዓይነት እገዳ ዘጠቓለለ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፡ ሓላፊ ቍጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከምኡ'ውን ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሮም ንብረት ምእጋድን ዝዀነ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ምኽልካልን ናጻ ኰይኖም ኣለዉ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትካላት ኤርትራ ንሓሙሽተ ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ ጽኑዕ ቍጠባዊ እገዳ ዘብቅዐ ኰይኑ፡ ነተን ኣብ ናይ ወጻኢ ንግዲ፡ ምእታው ኣገደስቲ ኣቑሑትን ባንካዊ ምትሕልላፍን ዝነጥፋ ዝነበራ ትካላት ካብቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ፋይናንሳዊ ስርዓት ተነቢሩለን ዝነበረ ጽኑዕ ቀይድታት ዘላቕቕ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ዓለምለኻውያን ባንክታት ብሰንኪ ዝጸንሐ ሕጋዊ ስግኣታት ተጠንቂቐን ብምርኣይ ምስ ኤርትራ ብቐጥታ ናይ ዶላር ልውውጥ ንምጅማር ክሳብ ክንደይ ቅልጡፍ ስጕምቲ ክወስዳ እየን ስዒቡ ዝምለስ ሕቶ ክኸውን እዩ።
እዚ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ እገዳ ውሳነ ብ17 መስከረም 2021 ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ዝተፈረመ ፈጻሚ ትእዛዝ ቍጽሪ 14046 ኰይኑ፡ "ኣብ ሰብኣውን መሰላት ደቂ-ሰብን ቅልውላው ኢትዮጵያ ኢድ ኣብ ዘለዎም ውሱናት ኣካላት እገዳ ምጽዓን፡" ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝወጽአ ሰነድ ከም ዘመልክቶ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ውግእን ቅልውላውን፡ "ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወጻእን ኣመሪካ ዘይተለምደን ፍሉይን ስግኣት፡" ምዃኑ ብምጥቃስ ሃገራዊ ህጹጽ ኵነታት ኣዊጁ ነይሩ።
እቲ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ዕላማ እቲ እገዳ፡ "ተዅሲ ደው ናይ ምባል ዘተን ፖለቲካዊ ፍታሕን ንምስጓም፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ውሕስነት ንምሃብ፡ ከምኡ'ውን ሓድነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ምርጋእን ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ጻዕርታት ንምድጋፍ፡" ዝዓለመ ምንባሩ ብግሉጽ ሰፊሩ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ናይ ምምሕዳር ባይደን ኣገባብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ዞባዊ ተሓታትነትን ዘተኰረ እኳ እንተ ነበረ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ግን ነቲ ጉዳይ ብመነጽር ግብራዊ ረብሓን ስትራተጅያዊ ጸጥታን ብምርኣይ ነቲ ናይ እገዳ ውሳነ ከብቅዕ ከም ዝገብሮ ክግለጽ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።
ዋሽንግተን ነዚ ውሳነ ዘሕለፈትሉ ሃዋህው ብፍላይ ምስቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ምቅይያራት ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ብፍላይ ብ22 ምያዝያ 2026 መጽሔት ዎል ስትሪት ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ዝሑል ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስን እገዳ ንምልዓልን ምስጢራዊ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይድ ምንባሩ ኣቃሊሓ ነይራ።
ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ መስዓድ ቡሎስ፡ ብኣሳላጥነት ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ኣብ ካይሮ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስጢራዊ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ ናይ ካይሮ ተበግሶ፡ ኣብ መንጎ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ብሓደ ወገን፡ ከምኡ'ውን ኢትዮጵያ በቲ ካልእ ወገን ዘሎ ምትፍናን እናገደደ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ዝተኸስተ ኰይኑ፡ ኤርትራ ኣብ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን ጕዕዞ ንግዲ ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ልዕሊ 1,200 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ንጸጥታ ንግዲ ባሕሪ ንምሕላውን ተጽዕኖታት የመንን ኢራንን ንምምካት ዘለዋ ወሳኒ ግደ ኣብ ግምት ዘእተወ ስትራተጅያዊ ጕዕዞ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter/TesfaNews
ይዅን'ምበር፡ እዚ ምስ ኣስመራ ዝግበር ዝምድናታት ምሕዳስን ምልዓል እገዳን ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ጸኒሑ እዩ። ሓያለ ፖለቲከኛታት ኣመሪካ፡ ኤርትራ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ፡ ምርጫ ዘየካይድ፡ ደሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ዘይብላ ምዃና ብምጥቃስ፡ እገዳ ምልዓል፡ "ተሰዓርነት ኣመሪካ ዘመልክት፡ ንምልካዊ ስርዓት ድማ መጐስ ዝህብ፡" እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ገሊጾም ነይሮም።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ብ29 ምያዝያ 2026 ነዚ ኣብ ዋሽንግተን ዝተላዕለ ተቓውሞታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ነዚ ተበግሶታት ዝቃወሙ ወገናት፡ "ናጻ ተንተንቲ ተመሲሎም ዝቐርቡ ተኸፈልቲ ሎቢታት፡" ክብል ብትሪ ወቒስዎም ነይሩ።
እቲ መግለጺ፡ እዞም ኣካላት ነቲ ዝተፈጥረ ናይ ለውጢ ተስፋታት ንምዝራግ ናብ ዝበለየ ትረኻታቶም ተመሊሶም ጥርጣረታት ክዘርኡ ይፍትኑ ምህላዎም ኣመልኪቱ።
ኤምባሲ ኤርትራ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ጸቕጥን እገዳን፡ "ንዕላማታት ፖሊሲ ኣመሪካ ይዅን ዞባዊ ምርግጋእ ኣየገልገለን፡" ብምባል፡ "እዚ ከምዚ ዓይነት ትረኻታት ሰላም ኣየመጽእን ንስትራተጅያዊ ረብሓታት ኣየገልግልን፡" ክብል ኣስሚርሉ ነይሩ።
እቲ መግለጺ፡ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነታ ኣትሒዛ፡ "ኣብ ልኡላውነት ዝተሰረተ ጽግዕተኛነት ዘርሕቕ ፖሊሲ" ከምኡ'ውን "ኣብ ንግድን ወፍርን ሃገራዊ ዋንነት" ዘቐድም መትከል ክትክተል ከም ዝጸንሐት ኣዘኻኺሩ።
እዚ መግለጺ ናይቲ ኤምባሲ፡ ምስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ 2026 ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ዝሃቦ ቃል ዝተጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን እቶም ኣማኸርቲ ኢና ዝብሉ ሎቢታት ነቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ጽምዶ ዕድል ክህብዎ ከም ዘይደለዩ ተዛሪቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቶም ኣካላት፡ "መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ" ብምልኣኽ፡ ጉዳይ ወፍርን ቍጠባዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ነቲ ጽምዶ ንምብታን ከም ዝጽዕሩ ኣመልኪቱ፡ "ትጕንጽ፡ ተፈራርሕ፡ ትህድድ ተሰይጥን፡ ድሕሪኡ ዝደለኻዮ ትረክብ ዓይነት... ልምድን ባህልን'ዩ፡" ብምባል ነቲ ኣሰራርሓ ነቒፍዎ ነይሩ።
ነዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ምልዓል እገዳ ብዝምልከት ድማ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣመሪካ ብርሃነ ገብረሂወት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ኣመሪካ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተነቢሩ ዝነበረ በይናዊ እገዳ ምልዓላ ኣረጋጊጹ።
ብርሃነ ገብረሂወት ኣብ መልእኽቱ፡ "ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ በቲ ነዚ ምዕባለ ጋህዲ ዝገበረ ጽንዓቶም፡ ተጻዋርነቶምን መትከላዊ ኣቀራርባኦምን እንቋዕ ሓጐሰኩም፡" ኢሉ።
ኣስዒቡ ድማ፡ "እቲ ብ2021 ብምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ በይናዊ እገዳ ዘይግቡእን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘይዕቀን ጕድኣት ዘስዓበን እዩ ነይሩ። ሕጂ ስለ ዝተላዕለ ድማ ነዚ ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተወሰደ እወታዊ ምልክትን መአረምታ ስጕምትን ብጽቡቕ ንቕበሎ፡" ክብል ሓሳቡ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማሰኛ ወሲኹ፡ እዚ ናይ ዋሽንግተን ስጕምቲ፡ "ኣብ ልዑላዊ ምክብባር፡ ሓባራዊ ረብሓታትን ንኽልተኦም ወገናት ጠቓሚ ኣብ ዝዀነ ሽርክነትን ዝተሰረተ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድናታት ኤርትራን ኣመሪካን መፈወንታ ክኸውን ይግባእ፡" ብምባል ድሕሪ ዓመታት ንዝተኸፍተ ናይ ዲፕሎማሲ ዕድል ኣጕሊሑ።
እዚ እገዳ ኣብ ዝተነበረሉ 2021፡ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ውግእ ትግራይ ሓባራዊ ግንባር ፈጢረን እኳ እንተ ነበራ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ግን እቲ ዝምድና ናብ ሓርፋፍ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ተቐዪሩ ይርከብ።
እዚ ሎሚ ብዋሽንግተን ዝተወሰደ ስጕምቲ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ፖለቲካዊ ጋግ ኣብ ዝሰፍሓሉን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኣብ ዝቕረጸሉን ዘሎ ህሞት ዝመጽአ ብምዃኑ፡ ዞባዊ ጽልዋኡ ዓቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይሕብሩ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


