ኢራን ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘውረደቶ ዕንወት ዘርኢ ኣሳእል ወጺኡ

 ብጸጋም ዝዓነወት መኪና ብየማን ከኣ ትኩ ገና ዘይጠፈአ ብቴንዳ ዝተሰርሐ ዓቢ መኻዚኖ

ምንጪ ስእሊ, CBS

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ደብዳብ ኢራን ኣብ ሓያለ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘስዓቦ ዕንወት መላፍንቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ክረከብ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ካብ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝተረኸበ ኣሳእል፡ ዝተሰባበራ ራዳራት ነፈርቲ፡ ዝዓነወ ኮንተይነራትን ተጎተትቲ መካይንን ዝፈረሰ ህንጻታትን ዘርኢ'ዩ።

እቲ ዕንወት መዓስ ከምዘጋጠመ ዘይገልጽ ኣሳእል፡ ኣብ ስዑድ ዓረብን ኩዌትን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘጋጠመ'ዩ።

ሓደ ካብቶም ነዚ ስእሊ ንማዕከን ሲቢኤስ ዝሃበን ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየን ኣመሪካዊ ወተሃደር "እዚ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ዘጋጠመ ዓቢ ዕንወት ፈጺሙ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣይተነገሮን፣ ኣዒንትና ዓሚትና ኣብ ገጽና እናተሃረምና ኢና ደው ኢልና ዘለና" ይብል።

ቢቢሲ ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ዋይት ሃውስ መልሲ ንኽረክብ ኣብ ዝተወከሰሉ፡ ንማእከላይ እዚ ኣመሪካ ክውከስ'ዩ ተሓቢርዎ፤ እንተዀነ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ንሕቶ ቢቢሲ ብቕጽበት ርእይቶ ክህበሉ ኣይክኣለን።

እቶም ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ዘየረጋገጾም ኣሳእል፡ ተቘጻጻሪ ትካል ፔንታጎን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራውያን መደበራት ኣመሪካ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ህንጻታትን መሓውራትን ብኢራን ከምዝተሃስዩን ከምዝዓነዉን ዘረጋግጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምውጽኡ'ዩ ዝሕተም ዘሎ።

ሓደ ካብቲ ኣሳእል፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ልኡል ሱልጣን ቦይንግ ኢ-3 ኤንቲሪ ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ጭራኣ ተቘሪጻን ነዲዳን እንከላ ዘርኢ'ዩ። ከባቢ እታ ነፋሪት ከኣ ብዝነደደን ዝተሰባበረን ሓጻውን ምልእ ኢሉ ይርአ።

እቲ ስእሊ መዓስ ከምዝተሰኣለ ዝገልጽ ጽሑፍ'ኳ እንተዘይብሉ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብ መጋቢት ተመሳሳሊ ስእሊ ረኺቡ ሓቅነቱ ኣጻርዩን ነይሩ'ዩ።

ቦይንግ ኢ-3 ኣውክስ ካብ ርሑቕ ንዝተወንጨፈ ዝዀነ ዓይነት ተወንጫፊ ኣቐዲመን ብምፍላጥ ቅድመ መጠንቀቕታ ክህብ ዝኽእል ቴክኖሎጂ ዝዓጠቓ'የን።

ኣብቲ እዋን ሓደ ወተሃደር ኣመሪካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኢራን ኣብቲ መዓስከር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ክልተ ኣዝዩም ዝተሃሰዩ ዝርከብዎም 12 ወተደገራት ኣመሪካ ከምዝተወግኡ ሓቢሩ ነይሩ።

ካልእ ክልተ መዓስ ከምዝተሰኣለ ዘይተገለጸ ኣሳእል'ውን ኣብቲ ኣብ ኩዌት ዝርከብ ባህሪንግ ዝብሃል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዘጋጠመ ዕንወት ዘርኢ'ዩ።

ኣብቲ ስእሊ ዝዓነወ ባጎኒታትን ካልእ ወተሃደራዊ ማሽናትን ከምኡ ከኣ ዝተቓጸለ ዓቢ ወተሃደራዊ ቴንዳ ትኪ ከይጠፈአ እንከሎ'ዩ ዘርኢ።

ዝዓነወት ቦይንግ ኢ-3 ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ክኤል ሱልጣን ካብ ጭራኣ ነዲዳ አንከላ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CBS News

ካልእ ስእሊ'ውን ኣብ ኩዌት ኣብ ዝርከብ ኣሪፍጃን ኣብ ዝበሃል ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ፡ ኣርባዕተ ደርቢ ህንጻ ዓንዩ እንከሎ ዘርኢ'ዩ።

እቲ ዕንወት ኣብ መጋቢት ከምዘጋጠመ ምስቲ ህንጻ'ውን ናይ ርክባት ሃርድዌርን ካልእ ናይ ሳተላይት መራኸቢታትን ከምዝዓነወ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ነይሩ'ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኰይኑ ዝሰርሐ ብርያን ካቱሊስ ነቲ ኣሳእል ድሕሪ ምዕዛብ "ኣመሪካ ንምክልኻል እኹልን ብቑዕን ምድላዋት ከምዘይገበረት ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "ከም በዓል ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰሉ ተጻባእቲ ኣመሪካ ድማ ንኢራን ዕላማኣ ንኽትሃርም ሓጊዞምዋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ጽኑዕ መርትዖታት ኣሎ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ከኣ ነዞም ተቓላዕነት ንምፍታሕ ዝገበሮ ነገር የለን" ኢሉ።

 ኣብ ኩዌት ወተሃደራዊ መዓስከር ቡህሪንግ ዝዓነወ ንብረት ኣመሪካ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, CBS News

ተቘጻጻሪ ኣካል ፔንታጎን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከኣ ደብዳባት ኢራን "ኣብ ኩዌት፡ ባሕረይን፡ ቐጠር፡ ስዑድ ዓረብ፡ ኢራቕ፡ ዖማንን ዮርዳኖስን ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ኣማኢት ህንጻታትን ትሕተ ቅርጽታትን ዕንወት ኣውሪዱ" ይብል።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ እቲ ዝወረደ ዕንወት 3.7 ቢልዮን ዶላር ከምዝትመንን ክሳብ 29 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ ከኣ ኣመሪካ ብሓፈሻ ኣብዚ ምስ ኢራን ተካይዶ ዘላ ኲናት 33.4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝገበረት ይሕብር።

ተቘጻጻሪ ኣካል ፔንታጎን ኣብ ጸበጻቡ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ኣብ ዝነበራ ቀዳሞት ኣዋርሕ "ዓሰርተታት ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ዓንየን ወይ ማህሰይቲ ወሪዱወን'ዩ" ይብል።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ዘቐመጦ ዝርዝር፡ ሓሙሽተ ኣብ ሰማይ ኰይነን ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ ዝመልኣ ዓበይቲ ነፈርቲ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብደብዳብ ኢራን ከምዝተሃረማ ይገልጽ።

ካልእ ካብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባጀት ዝወጽአ ጸብጻብ'ውን ነፋሪት ኢ-3 ኣብ ስራሕ ከምዘየላ ብምሕባር ብኻልእ ዝማዓበለት ኢ-7 ክትትካእ ዝጠልብ ጽሑፍ ኣስፊሩ ኣሎ።

እቲ ጸብጻብ ኢ-3 ዋጋኣ 500 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ብምሕባር ብሓፈሻ ኣብቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ፡ ድሮናትን ካልእ ወተሃደራዊ ንዋትን ዝበጽሐ ዕንወት 1.9 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ተሚኑ'ሎ።

 ኣብ ኩዌት ኣብ ልዕሊ መዓሰከር ወተሃደራት ኣመሪካ ዝወረደ ዕንወት ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CBS News

እቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባጀት ዝሃቦ ግምት፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ክረኽቦ ዝግበኦ ሓበሬታታት ስለዘይበጽሖ ግምታዊ ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።

ንነዊሕ ዓመታት ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኰይኑ ዝሰርሐ ብርያን ካቱሊስ፡ "እዚ ወጻኢታት ምምሕዳር ትራምፕ ብዙሕ ከርእዩ ዘይደለየ ክቡር ወተሃደራዊ ጸጋታት ከመይ ከም ዘባኸነ ዘርኢ እዩ" ይብል።

"ኣመሪካ ወተሃደራዊ ንብረታን ወተሃደራታን ካብ ኤስያ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ከተግዕዝ ስለዝነበራ፡ ነተን ኣብ ኤስያ ዝርከባ መሻርኽታ ዝዀና ሃገራት ብዝያዳ ንቻይና ተቓላዕቲ ከምዝዀና ገይራተን'ያ፡ ብተወሳኺ ኣመሪካ ዝያዳ ኣብዚ ኲናት ስለዝተጸመደት ኣብ ኔቶ ዝነበራ ኣተኵሮ ስለዝነከየ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከምድላያ ከተካይዶን ጸብለል ከትብል ኣኽኢልዋ'ዩ" ኢሉ።

ብርያን ካቱሊስ ኣስዒቡ፡ ኣመሪካ ነቲ ዘጋጠማ ክሳራ ንምፍታሕ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ እኳ እንተሃለዋ፡ ድሮ ናይ ባጀት ጸገማት ኣጋጢምዋ ስለዘሎ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ይዅን ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ክመጽእ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ምልዕዓላት ግብረ መልሲ ንምሃብ ንምድላው እኹል ቅልጣፈ ከምዘይህልዋ ሓቢሩ።

 ኣብ ኩዌት ብደብዳብ ኢራን ዝዓነወ ብዓል ኣርባዕተ ደርቦ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, CBS News

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ሓባራዊ መጥቃዕቲ ምስ ኣካይዳ ብ28 ለካቲት ዝጀመረ ግጭት መዓልቦ ንምርካብ ኣብ ልዕሊ ዋይት ሃውስ ህዝባውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኢራን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከባ ወተሃደራዊ መደበራት ኣመሪካን መሻርኽቲ ሃገራትን ከምኡ'ውን ንእስራኤል ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈጺማ።

ትማሊ ሰሉስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ከብቅዕ ንሳልሳይ ግዜ ድምጺ ብምሃብ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዘይ ፍቓድ ኮንግረስ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣመሪካ ከብቅዕ ዘገድድ ስጉምቲ ኣጽዲቑ።

እቲ ድምጺ ብሓገዝ ሓያሎ ሪፓብሊካን ዝሓለፈ ኰይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ መፋርቕ ምርጫ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ድምጺ ባይቶ ክኸውን ዝኽእል እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሓያለ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዘጋጠመ ዕነወት ዘርኢ ቪድዮ