መንሽሮ ንዘይብለይ ን11 ዓመት ኬሞቴራፒ ተገይሩለይ

ቤኪ ጆንስ ጓል 21 ዓመት እንከላ እያ ኣብ ሓንጎላ ቀታሊ ሕበጥ ከም ዘለዋን ንሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ከም እትነብርን ተነጊርዋ።
ኣብ ሓንጎላ ሕበጥ ከም ዘለዋ ቅድሚ ምንጋራ ቅሩብ ኣቐዲማ እያ ንመፃምዳ ረኺባቶ።
ፖሊስ ኰይና ክትሰርሕ ሕልሚ ነይርዋ፤ ሃንደበት ግና፡ መፃኢ ዕጫኣ ሕማቕን ተስፋ ኣልቦን መሰለ።
እቲ ብስፔሻሊስት ሓኪም መንሽሮ ዝተነገራ ውፅኢት፡ ን11 ዓመታት ኬሞቴራፒ ክትገብር ደሪኹ።
እዚ፡ ኣብ ህይወታ ዓብይ ፅልዋ ዘሕደረ ኰነ።
ወትሩ ትሓምም ነይራ፣ ኣብ ስድራቤታዊ ኣጋጣሚታት ኣይትሳተፍን፣ ስርሓ ኣቋሪፃ፣ ብቐፃሊ "ትሓርቕ፣ ትጭነቕን ትፈርሕን" ነይራ።
ቤኪ፡ ሕጂ ጓል 34 ዓመት እያ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ መንሽሮ ዝበሃል ሕማም ከም ዘይነበራ ፈሊጣ።
ኣብ ሓንጎላ ዝነበረ ሕበጥ'ውን፡ ብስቴሮይድ ሕበጥ ንምንካይ ብዘገልግሉ ኣፋውስ ክሕከም ዝኽእል'ዩ ነይሩ።
ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝዀነት ቤኪ፡ ካብ መንጐ እቶም ዝተናውሐ ወይ ዘየድሊ ሕክምና መንሽሮ ክወስዱ ብምግዳዶም ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ ኮቨንትሪን ዋርዊክሻይርን ናይ ኤንኤች ትረስት ሕጋዊ ስጕምቲ ዝወሰዱ ዘለዉ 40 ተሓከምቲ እያ።
"ሕክምና ኬሞቴራፒ እንተድኣ ዘይገይረ ከም ዝመውት ብተደጋጋሚ ተነጊሩኒ'ዩ" ትብል።
"ንህይወተይ ኣበላሽይዎ።"
ንሳ ከም እትብሎ፡ መንእሰይ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮቨንትሪ ሆስፒታል ዝሰርሕ ምኩር ክኢላ ፕሮፌሰር ኢያን ብራውን 'ቴሞዞሎማይድ' ዝተባህለ መድሓኒት ኬሞቴራፒ ምሉእ ዕድመኣ ክትወስድ ከም ዘለዋ ነጊርዋ።
እንተዀነ፡ ሕክምናዊ መምርሒታት ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ወርሒ ሽድሽተ ዙርያ ሕክምና ክወሃብ'ዮም ዝድንግጉ።
ቤኪ ጆንስ ዝገበረቶም ብዙሓት ስካናት፡ ሕበጥ መንሽሮ ከም ዘለዋ ንምንታይ ምልክት ከም ዘየርኣዩ'ኳ እንተሓተተ፡ ሕበጥ ብዘይ ፍሉይ መሳርሒ "ብዓይኒ ጥራይ ክረኣይ ከም ዘይክእል" እቲ ሓኪም ከም ዝነገራ ትገልፅ።
ኣብ 2025 ግና፡ ምስ ብራውን ዝተሓሓዙ መዝገባት መንሽሮ ኣብ ዝግምገምሉ እዋን ነቲ ሓቂ ፈሊጣ።
"ናይ ሓንጐል ሕበጥ ከም ዘይብለይ ፈሊጠ። ጌጋ ውፅኢት ሕክምና እየ ተዋሂበ ነይረ። እቲ ቀንዲ ግርዝውና ዕድመይ ብዘይ ምኽንያት ኣብ ዘየድሊ ሕክምና ኣሕሊፈዮ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Becky Jones
ካልኦት ተሓከምቲ ብራውን ዝነበሩ ግዳያት'ውን፡ ንዓመታት ቴሞዞሎማይድ ዝተባህለ መድሓኒት ኬሞቴራፒ ከም ዝተውሃቦምን ከቢድ ፀገማት ጥዕና ከም ዘስዓበሎምን ንቢቢሲ ገሊፆም።
ሓንቲ ተሓካሚት፡ ኣምኪኑኒ ላ ከም ትኣምን ተዛሪባ፤ ካልእ ልዕሊ 100 ዙርያ ዘየድልይ ሕክምና ዝወሰደት ግዳይ ድማ ንመንሽሮ ደም ተቓሊዓ።
ኣፈናዊ ውፅኢት እቲ ብሓኪማት ሮያል ኮሌጅ (RCP) ዝተኻየደ ምርመራ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ተሓከምቲ፡ ዝግበረሎም ሕክምና ረብሓ ከም ዘለዎ ንእሽተይ ወይ መርትዖ ኣብ ዘይብሉ፡ ንነዊሕ እዋን መድሓኒት ቴሞዞሎማይድ ብስሩዕ ክወስዱ ከም ዝተገበረ ይገልፅ።
እዚ ምርመራ፡ "ተሓከምቲ ኣብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ንዘንበርዎ እምነት ምስ ምኽሓድ" ዝዳረግ ጌጋታት ሰራሕተኛታት ረኺቡ።
ብተወሳኺ፡ ምስ መንሽሮ ዝዛመድ ሕክምናዊ ክንክን ሓላፍነት ዘለዎም ጕጅለ ፋርማሲ'ውን፡ ተሓከምቲ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ብኣፍ ዝውሰድ ኮሞቴራፒ ብተኸታታሊ እንትወስዱ፡ ንምንታይ ሕቶ ከም ዘየልዓሉ ሓቲቱ።
ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላት ኮቨንትሪን ዋርዊክሻይርን፡ ኣብ ጉዳያት ውልቀሰባት ርእይቶ ከም ዘይህብ ገሊፁ።
እንተዀነ፡ መድሓኒት "ቴሞዞሎማይድ (TMZ) ከመይ ከም ዝእዘዝን ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ዝምልከት፡ ዝያዳ ንምክትታል ስጉምቲታት ተኣታትዮም ኣለዉ፡" ኢሉ።
ፀብፃብ ሮያል ኮሌጅ ሓካይም (RCP) ትኽክለኛ ሽም ፕሮፌሰር ኢያን ብራውን ኣይተጠቐመን፤ ዶክተር ዋይ ብዝብል'ዩ ጠቒስዎ።

ምንጪ ስእሊ, Supplied
2012 ጆንስ ገና ህይወት እትጅመረሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ኣብ ሲቲ ስታድየም ኮቨንትሪ ተቘፃፃሪት ካሜራታት ሲሲቲቪ ኰይና ትሰርሕ ነይራ።
ኣብ እትሰርሐሉ ቦታ ከም ኣተሓባባሪ ኰይኑ ንዝሰርሕ መፃምዳ ፔት ተላለየት።
ብዙሕ እንከይፀንሐት ግና ከቢድ ርእሲ ሕማም ከሳቕያ ጀሚሩ፤ ሕክምና ንምርካብ ናብ ሆስፒታል ከይዳ።
ብናይ ውልቀ ሓኪም መጥባሕቲ ነርቭ ባዮፕሲ ሓንጎል (ንምርመራ ዝኸውን ንእሽተይ ቅምሶ ቲሹ ሓንጎል ተወሲዱ) ተገይሩላ።
ጠበቓ ፊዮና ቲንስሌይ ከም ትብሎ ግና፡ ፕሮፌሰር ብራውን፡ ቅድሚ እቲ ውፅኢት ባዮፕሲ ምምፅኡ፡ ቤኪ ጆንስ ደረጃ ኣርባዕተ እቲ ዝሓሰመ መንሽሮ ሓንጎል 'ግሊዮብላስቶማ' ከም ዘለዋ ነጊርዋ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ነቲ ጥሮታ ዝወፅአ ፕሮፌሰር ንምርካብ ብዙሕ ግዘ ፈቲኑ።
ጆንስ፡ ነቶም መድሓኒታት ኬሞቴራፒ ብምውሳድ ዝሓለፈቶም ዓመታት "ኣዝዩ ዘሰክሕ" ብምባል እያ ትገልፆም።
"ቀፃሊ ዕውልውል፡ ቃንዛ ከብዲ፡ ቁስሊ ኣፍ፡ መዓልታዊ ድኻም ነይሩኒ፡ ዘሰቅቕ እዩ ነይሩ፡" ትብል።
እቲ መድሓኒት ንሕድሕድ ክፋል ህይወታ እዩ ፀልይዎ። ረኽሲ ስለ ትፈርሕ፡ ካብ ማሕበራዊ ምድላዋትን ናይ ስድራ ምትእኽኻብን ክትንፀል ተገዲዳ።
መኪና ናይ ምዝዋር ፍቓዳ'ውን ኣብ ፈለማ ተመንጢላ፤ ድሒሩ ድማ ከይትዝውር ገደብ ተገይሩላ።
"ቅድሚ እቲ ሕክምና ኵሉ ግዜ ናብ እንዳ ጂም እኸይድ ነይረ፣ እጐዪ ነይረ፣ ኣነን ፔትን ምግቢ ክንበልዕ ኵሉ ግዜ ንወፅእ ነይርና። ድሕሪ እዚ ሕክምና ግና ነዚኦም ክገብር ኣይኸኣልኩን" ትብል።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ እዞም መፃምዲ፡ ቤኪ ክትጠንስ ከም ዘይትኽእል ተነጊርዎም።
"ክጠንስ ከም ዘይክእል'ኳ እንተ ተነግረኒ፡ ክልተ ቈልዑ ወሊደ። እቲ ዶክተር ክልቲኦም ቈልዑ ተኣምር እዮም ኢሉኒ፡" ትብል ቤኪ።

እቲ ክትትል ሕክምና ኬሞቴራፒ ንልዕሊ 10 ዓመት ቀፂሉ። ኣብ 2024 ግና ሓደ ዶክተር እቲ ንዓመታት ክትገብሮ ዝፀንሐት ኮሞቴራፒ ከም ዝቋረፅ ሃንደበት ነጊርዋ።
ቤኪ፡ "ንምንታይ ከም ዘቋርፅ ኣይገለፀለይን። ኢያን ብራውን ጥሮታ ከም ዝወፅአ ነጊሩኒ። ንመጀመርታ ዝሰማዕኽዎ ነገር እዚ'ዩ ነይሩ፡" ትብል።
ንዘለውዋ ሕቶታት ብሓድሽ ክኢላ ሕክምና መንሽሮ ከም ዝምለሰላ ተነጊርዋ። ሽም እቲ ዝከታተላ ዶክተር ግን ኣይተነገራን።
"እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ፣ ኣበይ ሓገዝ ክረክብ ከም ዝኽእል፣ ንመን ከዛርብ ከም ዘለኒ ኣይፈልጥን ነይረ። ምኽንያቱ እቲ ሆስፒታል ኣብቲ እዋን ይሕግዘኒ ኣይነበረን፡" ትብል።
ግንቦት 2025፡ ብሽም ጠበቓታታ፡ ዘይሻራውያን ሓኻይም መጥባሕቲ መትኒን ራዲዮሎጂታትን (ንሕክምናዊ ስካናት ዝምርምሩ ዶካትር) ብዘይሻራውነት ንጉዳያ መርሚሮም። ፈፂማ መንሽሮ ሓንጎል ከም ዘይነበራ ድማ ነጊሮማ።
ግደ ሓቂ ግን፡ ቤኪ 'ቱሜፋክቲቭ ዲማይሊኔሽን' ብዝበሃል ሕማም'ያ ክትሳቐ ፀኒሓ።
እዚ ሕማም፡ ነድሪ ንመሸፈኒ ፅሕግታት መትኒ ኣብ ዝጐዳሉ ዘጋጥምን ሕበጥ መሳሊ ክፈጥር ዝኽእልን ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስፔሻሊስት መትኒን ብብርቱዕ መድሓኒታት ስቴሮይዳትን ዝሕከም'ዩ።
ቤኪ ጆንስ፡ ምስ ጠበቓታታን ሰብሞያን ብቪድዮ እናውገዐት እንከላ እያ፡ መንሽሮ ሓንጐል ከም ዘይብላ ንዝገልፅ ብስራት ሰሚዓ።
ተወካሊት እቶም ተሓከምቲ ዝዀነት ቴንስሌይ፡ "እቲ ሓቂ ምስ ፈለጥና፡ ኵሉ ሰብ ስምዒታዊ ኰይኑ፡ኵሉ ይነብዕ ነይሩ፡" ብምባል ነቲ ህሞት ትዝክሮ።

ንፕሮፌሰር ኢያን ብራውን ብሽም እንከይገለፀ 'ዶክተር ዋይ' ብዝብል ዝፀርሐ ገምጋም ሮያል ኮሌጅ ሓካይም (RCP)፡ ን20 መዝገባት ተሓከምቲ መርሚሩ።
እቶም 15 "ብሓፈሻ ዘየዕግቡ" ወይ ድማ ከቢድ ፀገም ዝነበሮም ከም ዝዀኑ ኣረጋጊፁ።
እቲ ሓኪም ፕሮፌሰር ኢያን ብራውን፡ ኣብዚ ገምጋም ኣይተሳተፈን።
እቲ ጕጅለ ምርመራ፡ እቲ መድሓኒት ምውሳድ ከስዕቦ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋታት ግቡእ ግንዛበን ከም ዝነበረን እዚኦም ድማ ከም ዝተሰነዱን ዘርእይ "ኣዝዩ ንእሽተይ መርትዖ" ረኺቡ።
እዚ ኣፈናዊ ውፅኢት፡ ኣብ ገለ መዝገባት "ዘይብቑዕ ክሊኒካዊ ናይ ምፍላጥ ሃንቀውታ" ማለት'ውን፡ ዶካትር ዘይተለመዱ ወይ ንፁር ዘይኰኑ ሓበሬታት ብንጥፈት ከም ዘይሓቱን ከም ዘየፃርዩን፡ ከምኡ'ውን ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ምስ ዝመፅኡ ሰብሞያ ጥዕና ዘይምትሕብባር ከም ዝነበረን የመልክት።
እዚ ድማ፡ ግጉያት ውፅኢት ተሓከምቲ ክቕፅሉ ደሪኹ።
ቤኪ ጆንስ፡ ነዞም ርኽበታት "ኣዝዮም ዘሰንብዱ" ብምባል ትገልፆም።
"እዚ ፀገም ንሱ ዝገበሮ ጥራይ ኣይኰነን፤ ካልኦት'ውን ንነዊሕ ግዜ እኹል ቍፅፅር ከይተገበሮ ክሰርሕ ፈቒዶምሉ'ዮም፡" ትብል።
"ዳርጋ ንሱ በይኑ ዝሰርሕ'ዩ ዝመስል ነይሩ፤ ንተግባራቱ ዋላ ሓደ ዝከታተሎ ኣይነበረን።"
ተወሰኽቲ ምርመራታት
ወሃቢቃል ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላት ኮቨንትሪን ዋርዊክሻይርን (UHCW) ኵሎም ተሓከምቲ ግዳያት፡ ብላዕለዎት ሰብሞያ ሕክምና ዳግማይ ከም ዝተርኣዩን፡ "ግቡእ መደባት ክንክን ከም ዝተዳለዉን፡" ገሊፁ።
"ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ዝዀነ ስግኣት እንተሓቢሮም ምሉእ ሓገዝ ከም ዝግበረሎምን ርእሰ ምትእምማን ከም ዝስመዖምን ንምርግጋፅ፡ ብዘይሻራዊ ኣካል ዝምራሕ ናይ ሰራሕተኛታት ስግኣቶም ዝገልፅሉ መስርሕና ንግምግም ኣለና።"
"እዚ ማዕከን (ናይ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታላት ኮቨንትሪን ዋርዊክሻይርን ናይ ኤንኤች ትረስት)፡ ምሉእ ፀብፃብ ሮያል ኮሌጅ ሓካይም (RCP) ምስ ተሓተመ ብምግምጋም፡ ብመሰረት እቶም ርኽበታት ተወሳኺ ስጕምቲታት ክወስድ እዩ።"
እቲ ማዕከን ወሲኹ፡ "ድሕነት ተሓከምቲ፡ ናይ ሕክምና ተመኵሮኦም፡ ከምኡ'ውን ኣካላውን ኣእምሮኣውን ድሕነቶም ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ ከም ዝዀነ ክነረጋግፅ ንደሊ፡" ኢሉ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


