እምነቱ ተስፋይ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2026

ምንጪ ስእሊ, PEN Eritrea
ፍሉጥ ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ድከም ዝተሰምየ፡ እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ወግዓዊ ገይሩ።
ፐን ኤርትራ ነዚ ሽልማት ዘፍለጠ፡ ኮሚተ ሽልማት 2026 ነቶም ዝተረቝሑ ሕጹያት ድሕሪ ምግምጋም፡እምነቱ ተስፋይ ነቲ ዝለዓለ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምርግጋጻ እዩ።
እታ ኮሚተ፡ ንህይወትን ኣበርክቶን ናይቶም ታሪኾም ክጠፍእ ወይ ዕሽሽ ክበሃል ዝኽእል ዝነበረ ኣገደስቲ ኤርትራውያን ንምስናድ ዝገበሮ ፍሉይ ጻዕሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ ኣቶ እምነቱ ተዓዋቲ ክኸውን ከም ዝወሰነት እቲ ሓበሬታ የነጽር።
ፐን ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ስርሓት እምነቱ ተስፋይ ነቶም ብሓባር ኰይኖም ሓባራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዘቝሙ ውልቃዊ ዛንታታት ኣብ ምዕቃብ ኣገዳሲ ተራ ከም ዝተጻወተ ሓቢሩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ እምነቱ፡ ታሪኽ ህይወት ናይቶም ካብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሞያዊን ድሕረ-ባይታ ዝመጹ ፍሉጣት ኤርትራውያን ንምስናድ ሰፊሕ ፕሮጀክት ኣካይዱ ኣሎ።
ካብ 2020 ኣትሒዙ፡ እምነቱ፡ ታሪኽ ህይወት ናይ ሓያሎ ፍሉጣት ኤርትራውያን ዝሓዘ ተኸታታሊ መጻሕፍቲ ኣሕቲሙ እዩ።
ገለ ካብቶም ታሪኾም ዝተሰነደ ሰባት፡ ጠበቓ ተስፋይ እያሱ፡ ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም፡ ኪዳነ ክፍሉ፡ ዶ/ር እምባየ ወልደማርያም፡ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም፡ ሸኽ ዓብደልቓድር ከቢረ፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ማርታ መብራህቱን ኣባ ተኽለሃይማኖት ምስጉንን ይርከቡዎም።
ሓያሎ ካብዞም ስራሓት ብትግርኛን ብእንግሊዝኛን ተሓቲሞም ዘለዉ ኰይኖም፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ መላእ ዲያስፖራ ኤርትራን ዝርከቡ ኣንበብቲ ብሰፊሑ ንኽረኽቡዎ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ እታ ኮሚተ ሽልማት፡ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ስርሓት ኣቶ እምነቱ ተስፋይ፡ እቲ ታሪኾም ክስንድ ዝመረጾም ውልቀሰባትን ዘለዎም ብዙሕነትን እዩ።
እቶም ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ታሪኽ ህይወት፡ ንዝተፈላለዩ ወለዶታት፡ ሞያታትን ማሕበረሰባትን ዝሓቝፉ ኰይኖም፡ ነቶም ኣብ ሓፈሻዊ ታሪኻዊ ዛንታታት ዳርጋ ግቡእ ኣቓልቦ ዘይረኸቡ ክፋላት ታሪኽ ኤርትራ ጕሉሕ ንኽዀኑ ሓጊዙ ኣሎ።
እምነቱ ተስፋይ መብዛሕትኡ ግዜኡ ብነጻነት ብምስራሕ፡ ህይወት ናይቶም ዝጽሕፈሎም ሰባት ንምጽናዕ ኣብ ኣፋዊ ምስክርነት፡ ውልቃዊ ዛንታታትን ኣዝዩ ውሑድ ዝዀነ ናይ መዝገብ (archival) ንዋትን ተሞርኲሱ እዩ ዘዳሉዎ።
ፐን ኤርትራ ድማ፡ እዚ ጻዕሪታት እዚ ነቶም እንተዘይኰነ ካብ ህዝባዊ ዝኽሪ ክጠፍኡ ወይ ክሃስሱ ዝኽእሉ ዝነበሩ ድምጽታትን ተመኵሮታትን ኣብ ምዕቃብ ሓጊዙ እዩ ክብል፡ ነዚ ጻዕሪ ብፍሉይ ክብሪን መጐስን ከም ዝርእዮ ኣብቲ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, PEN
ተሳትፎ እምነቱ ተስፋይ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኡ እዩ ጀሚሩ። ካብ 13 ዓመቱ ኣትሒዙ ኣብ ፖለቲካ ንጡፍ ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ (ኣዲስ ኣበባ) ትምህርቲ ጋዜጠኝነት ቅድሚ ምምሃሩ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ ነይሩ። ድሒሩ ድማ ከም ኣካያዲ ቤት-ንባብን ክኢላ ሓበሬታን ኰይኑ ኣብ ጐንደር ሰሪሑ።
ኣብ 1976 ናብ ኖርወይ ድሕሪ ምግዓዙ፡ ንታሪኽን ባህልን ኤርትራ ኣብ ምምርማርን ምስናድን ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ተወፋይነት እናዓቀበ፡ ሞያዊ ስራሑ ቀጺሉ እዩ።
ነዚ ዝተዋህቦ ሽልማት ኣመልኪቱ ኣቶ እምነቱ፡ "እዚ ብፐን ኤርትራ ንስርሐይ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ንዓይ ዓቢ ትርጕም ኣለዎ፣ ነዚ ክብሪ ድማ ምስ ኵሎም እቶም ብዝተፈላለየ መዳያት ኣብዚ ስራሕ እዚ ኣበርክቶ ዝገበሩ ይካፍሎ፡" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ'ሎ።
ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ምዕቃብ ስነ-ኣእምሮኣዊን ባህላዊን ህይወት ኤርትራን ብሉጽ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውልቀሰባት ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ኣብ 2019 ዝተመስረተ እዩ።
ፐን ኤርትራ ነቲ ናይ 2026 ሽልማት ንእምነቱ ተስፋይ ክህብ እንከሎ፡ ነቲ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡ ምስናድ ሓበሬታን ምዕቃብ ታሪኽን ዘሕለፎ፣ እሞ ድማ እቶም ክርሰዑ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ ዛንታታት ኣካል ሃገራዊ ዝኽሪ ኤርትራ ኰይኖም ንኽቕጽሉ ንዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ዘኽብር ምዃኑ ኣረዲኡ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


