ቀጥታ, ብውሕጅ ኔፓል ቁጽሪ ዝጠፍኡ ሰባት ናብ 4,247 ክብ ኢሉ፡900 ድማ ሞይቶም ኣለው

ኣብ ኔፓል ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ናብ ሻድሻይ መዓልቲ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ቍጽሪ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ወሲኹ።ቍጽሪ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት 4,247 በጺሑ ከምዘሎ ሃገራዊ በዓል መዚ ምንካይን ምሕደራን ሓደጋታት እታ ሃገር ይሕብር።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብርቱዕ ኵነነ ስዒብሉ
  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኢራን፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝተነብረላ ሓድሽ ቍጠባዊ እገዳ "ፕሮፓጋንዳ" ክትብል ነጺጋቶ

    መራኽብ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ እናተንቀሳቐሳ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዋሽንግተን ንቴህራን ብዝያዳ ንምንጻልን ንመሻርኽታ ንምጥቃዕን ዝዓለመ ሓድሽ ናይ እገዳ ዘመተ ካብ 24 ነሓሰ ጀሚራ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ኢራን ዳግማይ ሓያል ቍጠባዊ ጸቕጥታት የጋጥማ ኣሎ።

    ምኽትል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ካዘም ጋሪባባዲ፡ ነቲ ብወገን ኣመሪካ ዝቐረበ ክስታት ከም "ፕሮፓጋንዳዊ" መታለሊ ገሊጽዎ።

    ሰበ-ስልጣን ኢራንን መርበባት ዜና እታ ሃገርን፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣመሪካ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንዘጋጠማ ወተሃደራዊ ውድቀት ንምሽፋን ዝተገብረ ቀጻሊ ጻዕሪ’ዩ ክብሉ የቃልሕዎ ኣለዉ።

    ብዘይካ’ዚ፡ ኣመሪካ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ንምዕጋት ዝዓለመ ባሕራዊ ከበባ ትቕጽሎ ኣላ።

    ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ብቐዳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ከም ኣካል እቲ ዕጽዋ ንሰለስተ መራክብ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ከም ዝገበረን፡ ንኽልተ መራኽብ ብምቍጽጻር ንኻልኦት 82 ድማ ኣንፈተን ከም ዘቐየረን ሓቢሩ።

    እቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካ፡ እስራኤልን ኢራንን ብ28 ለካቲት ዝጀመረ ኵናት፡ ሕጂ መበል ሽዱሽተ ወርሑ ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ግጭት`ዚ ነቲ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ንመጓዓዝያ መራኽብ ዕጽው ኰይኑ ከም ዝጸንሕ ገይሩዎ ኣሎ።

  2. ዩክረይን፡ ትምህርቲ ክጅምር ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ ሩስያ ብዘውረደቶ መጥቃዕቲ 12 ሚልዮን መጻሕፍቲ ዓንዩ

    ፋሕ ኢሉ ዝዓነወ መጻሕፍቲ ሓንቲ ጓለንስተይቲ ድማ ደው ኢላ ናብ ካሜራ ትርኢ

    ዩክረይን ሓድሽ ዓመተ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ-ሕትመትን መኽዘናትን ብዘውረደቶ ደብዳብ ሚሳይል፡ 12 ሚልዮን ዝዀኑ መጻሕፍቲ ከም ዝዓነዉ ተገሊጹ።

    እዚ መጥቃዕቲ እዚ፡ ሓደ ሲሶ ካብቲ ኣብዛ ሃገር ኣብዚ ዓመት ዝተሓተመ መጻሕፍቲ ዘዕነወ ኰይኑ፡ ንመስርሕ ትምህርቲ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

    ሓደ ካብቶም ቀንዲ ግዳይ ዝዀኑ ትካላት ኣብ ወሰን ከተማ ኪቭ ዝርከብ ቤት-ማሕተም ኰይኑ፡ 1.3 ሚልዮን መጻሕፍቲ ትምህርቲ ንምዝርጋሕ ኣብ ምድላው ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ብሚሳይል ተሃሪሙ።

    እዚ ድማ 10 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ንተምሃሮ ዩክረይን ተባሂሉ ዝሕተም ዝነበረ መጻሕፍቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

    ምኒስትሪ ባህሊ ዩክረይን ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ስጕምቲ እዚ ኣካል እቲ ንመንነትን ታሪኽን ዩክረይን ንምድምሳስ ዝዓለመ ስትራተጅያዊ ኵናት’ዩ።

    ክሳብ ሕጂ፡ ሩስያ ንልዕሊ 2,000 ባህላዊ ትካላትን 1,900 ታሪኻዊ ቅርሰታትን ከም ዘዕነወት ይግለጽ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ኪቭ ዝዓነወ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፡ ጥንታውያን ገዳማት፡ ቤተ-መዘክራትን ኣብያተ-መጻሕፍትን እውን ግዳይ ደብዳብ ድሮንን ሚሳይልን ኰይኖም ኣለዉ።

    ክረምሊን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስቪላዊ ሸቶታት ኰነ ኢሉ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ከም ዘየሎ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

    ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዩክረይን ንባህላዊ ቦታታት ንወተሃደራዊ ንጥፈታት ትጥቀመሉ ኣላ ክብል ወቂሱ።

    ይዅን`ምበር፡ ኣብ መላእ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ከቢድ ዕንወት የውርድ ምህላዉ ይፍለጥ።

  3. ኣማኢት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣይተፈልጠን

    ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ በጻሕቲ ንኣኽራናታን ቅዱሳት ቦታታትን ኔፓል ንምብጻሕ ይኸዱ እዮም።

    ጸብጻባት ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፤

    ህንዲ - ብውሕዱ 320 ህንዳውያን ዜጋታት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ካብ ደልሂ ሓቢሩ።

    ቻይና - ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ኔፓል ኣስታት 100 ቻይናውያን ዜጋታት ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ገሊጹ።

    ኣሜሪካ - 90 ኣሜሪካውያን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከምዘይጠፈልጥ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ።

    ዩክረይን - 62 ዜጋታት ዩክረይን ደሃዮም ጠፊኦም ክብል ፖሊስ ኔፓል ሓቢሩ።

    ማሌዥያ - 51 ማሌዥያውያን በቲ ውሕጅ ተወሲዶም ክዀኑ ከምዝኽሉ ሰበስልጣን ገሊጾም።

    ኣውስትራልያ - 41 ኣውስትራሊያውያን ደሃዮም ከምዘለየለ ተሓጋጋዚ ምኒስተር ኢሚግሬሽን እታ ሃገር ገሊጹ።

    ዓባይ ብሪጣንያ - ፖሊስ ኔፓል 33 ዜጋታት ብሪጣንያ ደሃዮም ጠፊኦም ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ። ቻይናዊ መንግስታዊ ፈነወ ሲሲቲቪ እውን 15 ዜጋታት ብሪጣንያ ካብቶም ኣብ ቲቤት ዝጠፍኡ ምዃኖም ጸብጺቡ - ካብዚኦም ክንደይ ኣብቲ ኔፓል ዝጸብጸበቶ ኣሃዝ ከምዝተኻተቱ ንጹር ኣይኰነን።

    ካናዳ - 30 ካናዳውያን ጠፊኦም ከምዘለዉ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ።

    ካብ ደቡብ ኮርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ፖርቱጋል፡ ሆላንድን ኒውዚላንድን ዝመጹ ውሑዳት ገያሾ’ውን ካብቶም ዝጠፍኡ’ዮም።

    ኣማኢት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ኣየተፈልጠን

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  4. ብስእሊ፡ ወተሃደራት ኣብ ስርሓት ህጹጽ ረዲአት

    ስድራቤታት ብሓደጋ ንዝጠፍኡወን ኣባላታት ብሓዘን ይዝክራ፤ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነቲ ብረቡዕ ዝተኸስተ ሓደጋታት ስዒቡ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ተዋፊሮም ኣለዉ።

    እዋናዊ ኣሳእል፤

    ህጹጽ ረዲአት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ህጹጽ ረዲአት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ህጹጽ ረዲአት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ህጹጽ ረዲአት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ህጹጽ ረዲአት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  5. ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 275 ህንዳውያን ደሃዮም ጠፊኦም ኣለዉ

    ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 275 ህንዳውያን ዜጋታት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኣፍሊጡ። ካልኦት 128 መበቆል ህንዲ ዝኾኑ ሰባት እውን ደሃዮም ኣይተረኽበን ዘሎ።

    እቲ ምኒስትሪ፡ 403 ዜጋታት ህንዲ ካብ ቻይና ናብ ኔፓል ከም ዝሰገሩ፡ ካልኦት 500 ድማ ኣብ ቻይና ኣብ ውሑስ ኵነታት ከምዘለዉ ሓቢሩ። ብድምር ክሳብ ሕጂ 149 ሰባት ድሒኖም ኣለው።

    ህንዲ፡ ኣብ ኔፓል ንዝካየድ ስርሒታት ህይወት ኣድሕን እውን ደገፍ ኣሐይላ ኣላ። 19 ኣባላት ዝሓቘፈ ፍሉይ ፎረንሲክ ጕጅለ ኣብ ካትማንዱ ስራሕ ጀሚሩ፡ ኣብ ምልላይ ግዳያት ይሕግዝ ኣሎ።

    ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 275 ህንዳውያን ደሃዮም ጠፊኦም ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, RSS

  6. ብውሕጅ ኔፓል ቍጽሪ ዝጠፍኡ ሰባት ናብ 4,247 ክብ ኢሉ፡ 900 ድማ ሞይቶም ኣለው

    ኣብ ኔፓል ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ናብ ሻድሻይ መዓልቲ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ እዋን፡ ቍጽሪ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ኣዝዩ ወሲኹ።

    ቍጽሪ ናይቶም ዝጠፍኡ ሰባት 4,247 በጺሑ ከምዘሎ ሃገራዊ በዓል መዚ ምንካይን ምሕደራን ሓደጋታት እታ ሃገር ይሕብር።

    እቶም ጠፊኦም ዘለው ሰባት መን እዮም?

    • 3,655 ዜጋታት ኔፓል
    • 592 ወጻእተኛታት

    ገለ ካብኣቶም

    • 933 ሰራሕተኛታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ
    • 102 ወተሃደራት ኔፓል፡ፖሊስን ጉምሩክን

    ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ቍጽሪ ሬሳታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ኔፓል ቍጽሪ ዝሞቱ ሰባት ዛጊት 903 በጺሑ ኣሎ።

    ኣብቲ ቤት ኣብዚ እዋን’ዚ ቍጽሪ ዝሞቱ 16 ከምዝዀነ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ሓቢረን።

    ብውሕጅ ኔፓልቁጽሪ ዝጠፍኡ ሰባት ናብ 4,247 ክብ ኢሉ፡900 ድማ ሞይቶም ኣለው

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

  7. ኣይስላንድ፡ ውፅኢት ህዝበ-ውሳነ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ይነፅግ

    ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር

    ኣይስላንድ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዳግማይ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣንጻር ኣባልነት ኣድሚፁ፤ ናይ ሓደ ጣብያ መረፃ ጥራይ ዘይተቘፀር ተሪፉ።

    ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተቖጽሩ 188,496 ድምጽታት፡ 52.5 ሚኢታዊት ንእማመ’ቲ መንግስቲ ክነጽግ እንከሎ፡ 47.5 ሚኢታዊት ድማ ናይ ምፅምባር ድሌት ኣንፀባሪቝ።

    ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር እትመርሖ መንግስቲ፡ ክሳብ 2027 ህዝበ-ውሳነ ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ዘስመዖ ናይ ምጥቕላል ምፍርራሕ ሓዊሱ፡ ዓለማዊ ወጥሪ፡ ንቕድሚት ከምፀኦ ኣገዲዱዎ።

    ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ደሴታዊት ሃገር፡ እቲ ጉዳይ፡ ንጸጥታዊ ስክፍታታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳኣ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

    ድሮ ኣካል ናይቲ ሓደ ዕዳጋ ሕብረት ኤውሮጳን ነፃ-ቪዛ ሸንገንን ዝኾነት ኣይስላንድ፡ ሙሉእ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ዓይነት ጉምሩክን ዩሮን ክትጥቀም ከኽእላ ይኽእል እዩ።

  8. ኔፓል-ቲቤት፡ ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቕፅል, ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ደሃዮም ኣይተረኽበን

    ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ከቢድ ዝናብ ይቕፅል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ከቢድ ዝናብ ይቕፅል

    ሰበስልጣን ኔፓል፡ እቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ውሕጅ ስዒቡ፡ ዛጊድ 734 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም። ብህይወት ዝተረኽበ ውፃእ መዓት የለን።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ብወገን ቲቤት ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 16 ከምዝዓበየ ይሕብራ።

    ቻይና ሓበሬታ ብጥብቂ ስለእትቈፃፀር፡ ብወገን ቲቤት ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንምግምጋም ኣፀጋሚ ገይሩዎ ከምዘሎ ይግለፅ።

    ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ከቢድ ዝናብ ይቕፅል

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ብወገን ኔፓል ልዕሊ 2,400 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተፈልጠን፡ ቻይና ድማ 261 ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝርከብዎም 546 ሰባት ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ኣፍሊጣ ኣላ።

    ናብቲ ከባቢ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩኳ'ኳ እንተነበረ፡ ሕማቕ ኣቀማምጣ መሬትን ዘየቋርፅ ዝናብን ግን ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

    ኣብ ኔፓል፡ ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ኣብቶም ብውሕጅ ዝተሃስዩ ከባቢታት፡ ኣብ ታንከራትን ሃይድሮኤሌክትሪክን ተዓጽዮም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንምብፃሕ፡ ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቃለሱ ኣለዉ።

    ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ጥቓ እቲ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሳገሪ ዶባት ኔፓልን ቲቤትን ፍርስራስ ኣለሻ ህይወት ይቕፅሉ ኣለዉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ጥቓ እቲ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሳገሪ ዶባት ኔፓልን ቲቤትን ዝዀነ ሩባ ኣለሻ ይቕፅሉ ኣለዉ
  9. ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደቱ ሰሪዙዎ

    ሳሊፍ ከይታ

    ምንጪ ስእሊ, Andalou Agency via Getty Images

    ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ሳሊፍ ከይታ ብሰንኪ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር መጥቃዕትታትን ጐስጓሳትን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዝሓሰበ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ከይታ ኣብ ኣውራጃ ፍሪ ስቴት ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ምርኢት ምስራዙ ከምዘጉሃዮም ሰብመዚ እቲ ዞባ ገሊጾም ኣለዉ።

    እቲ ወዲ 77 ዓመት ድምጻዊ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝግበር ጽልኢ ንዝገልጽ ጸብጻባት ዕሽሽ ከምዘይብሎ" ኣነጺሩ።

    "ስደተኛታት ክጥቅዑ ክርኢ እንከለኹ፡ 'ፖለቲካ' ኣይራኣየኒን እዩ። ስራሕ፡ ውሕስነትን ክብረትን ዝደለዩ ሰባት'ዮም ዝራኣዩኒ" ይብል እቲ "ወርቃዊ ድምጺ ኣፍሪቃ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነጥበባዊ ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብሪሁ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታትን ጽልእን ንብዙሕ ዓመታት ክቕጽል ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውዱብ ተቓውሞታትን ጐስጓሳትን ክካየድ ምጽንሑ ግን ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ።

    ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ምጽንሐን ይዝከር።

  10. ንጉስ ኖርወይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ዓሪፉ

    ንጉስ ሃራልድ መበል 5ይ

    ምንጪ ስእሊ, Ritzau Scanpix/Bo Amstrup via REUTERS

    ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ርእሰከተማ ኦስሎ ዓሪፉ።

    ንጉሳዊ ቤተሰብ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ንጉስ ሎሚ ወጋሕታ 28 ታሕሳስ ብሰላም ከምዝዓረፈ ኣፍሊጡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሰሜን ኣውሮጳዊት ሃገር ዮናስ ጋህር ስቶረ ዝርከቦም መራሕቲን ነገስታትን ዓለምን፡ ከምኡ'ውን ህዝቢ እታ ሃገር ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ወዲ 53 ዓመት ወዱ ልኡል ሃኮን ዘውዲ ወላዲኡ ብምውራስ ሓድሽ ንጉስ ኮይኑ ኣሎ።

    እቲ ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ዝዓበየ ንጉስ ኮይኑ ዝጸንሐ ሃራልድ፡ ወላዲኡ ንጉስ ኦለቭ ኣብ ጥሪ 1991 ምስ ዓረፈ'ዩ ናብ ዙፋን ደይቡ።

    ንጉስ ሃኮን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ወዱ ልኡል ሃኮን ሓድሽ ንጉስ ኖርወይ ኮይኑ ኣሎ

    ኣብ 1968 ነታ ዝፈትዋ ዝነበረ ናይ ንግስነት ዘርኢ ዘይብላ ብዓልቲ ቤቱ ሶንያ ሃራልድሰን ብምምርዓዉ ኣብ ታሪኽ ንግስነት እታ ሃገር ፈላሚ ታሪኽ ከምዘመዝገበ'ዩ ዝንገረሉ። ደቊ'ውን ኣሰሩ ብምኽታል ካብ ንግስነት ወጻኢ ሓዳር ክምስርቱ ተራእዮም እዮም።

    ኖርወይ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ስካንዲናቪያ ኮይና ብዝሒ ህዝባ ልዕሊ 5.6 ሚልዮን ይበጽሕ።

  11. ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ግዳያት ልዕሊ 600 በጺሑ

    ተረፍ ናይቲ ደምሳሲ ውሕጅ ዝኾነ ህንጻታትን ነቲ ዕንወት ዝዕዘቡ ገለ ሰባትን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤትን

    ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ደምሳሲ ውሕጅ ዝሞተ ሰባት ዛጊት 547 ሰባት በጺሑ።

    ልዕሊ 1000 ካልኦት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰበስልጣን ኔፓልን ቻይናን ሓቢሮም ኣለዉ። ካብዚኦም 558 ብወገን ቲበት ጠፊኦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ብወገን ኔፓል'ውን 500 ዝኣኽሉ ሰባት ኲነታቶም ኣይተፈልጠን።

    ብህይወት ንምርካቦም ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑ ከምዘሎ ሰብመዚ ቻይና ገሊጾም ኣለዉ።

    ብዙሓት በጻሕቲ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ሰብመዚ ኔፓል፡ ዛጊት ኣስታት 100 ወጻእተኛታት ድሒኖም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

    ብዙሓት ስድራቤታት ድሃይ ሃለዋት ዘጥፍኡ ኣባላተን ንምፍላጥ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ተርባጽን ይርከባ ኣለዋ።

    ጠንቂ ናይቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም ኣብ ኣኽራናት ናይቲ ከባቢ ዝነበረ ከውሒ በረድ ምዃኑ ይግለጽ።

  12. ብምጽናት ዓሌት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ 'ሓራዲ ቦዝንያ' ሞይቱ

    ራትኮ ምላዲች

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ብምጽናት ዓሌት ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ ቦስንያዊ-ሰርብ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ።

    እቲ "ሓራዲ ቦዝንያ" ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ወዲ 84 ዓመት ጀነራል ራትኮ ምላዲች ኣብታ ዩጐስላቪያ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ምብራቕ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እስላም ቦዝንያውያን ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለታት ንዓመታት ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ኣብ 2017 ተፈሪዱ።

    ንሱ ዝመርሖም ዝነበረ ሓይልታት ቦዝንያ-ሰርብ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ይፍለጥ።

    ምላዲች ኣብ ሄግ (ነዘርላንድስ) ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተሰናቢቱ ዘሎ።

    ራትኮ ምላዲች

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ብፍላይ ኣብ ቦዝንያ-ሄርዞጐቢና ስረብረኒካን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዘስካሕክሕ ምንባሩ ይዝከር

    እቲ ንዩጎስላቭያ ናብ ሓያሎ ሃገራት ዝጐዛዘየ ኲናት ብምትእትታው ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ድሕሪ ምህድኡ፡ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ኣብ ሓደ ደንበ ተሓቢኡ ጸኒሑ።

    እቲ ሓይልታቱ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰራዊት ሂትለር ዝተፈጸመ፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።

  13. ኣሸሓት ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብ ስርሒት ህይወት ምድሓን ይሳተፉ'ለዉ

    ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ምስ ከልቦም ኣብ ዞባ ኑዋኮት ካብ ሞት ዝተረፉ ሰባት እናደለዩ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ምስ ከልቦም ኣብ ዞባ ኑዋኮት ካብ ሞት ዝተረፉ ሰባት እናኣለሹ

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤትን ትማሊ ዘጋጠመ ከቢድ ውሕጅ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ።

    ሃገራዊ በዓል መዚ ምሕደራ ሓደጋታት ኔፓል፡ 9,260 ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብቲ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ዝርከቡዎም ትሕተ-ቅርፂ ሰፊሕ ዕንወት በፂሑ ኣሎ።

    ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ገና ኣብ ምፅራይ ርከብ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ፡ ወጻእተኛታት ዜጋታት እዮም።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ኔፓል ብሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዝዓነወ ከባቢታት ዑደት እንትገብር

    ምንጪ ስእሊ, PMO Nepal

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኔፓል ብሓደጋ ውሕጅ ኣብ ዝዓነወ ከባቢታት ዑደት እንትገብር

    ፖሊስ ኔፓል ሕዚ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 359 ክብ ከምዝበለ የመልክት። ከምኡ ድማ፡ ልዕሊ 900 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተረኽበን።

    ብወገን ቲቤት፡ ብውሕዱ 558 ደሃዮም ከምዘይተረኽበ መንግስታዊ ሚድያ ቻይና ፀብፂቡ።

    እቲ ኣሃዛት፡ ምስቲ ብወገን ኔፓል ዝተገልፀ ሓዊሱ ድዩ ኣይኰነን፡ ንጹር ኣይኮነን።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔፓል ተመሰሳሊ ሓደጋ ውሕጅ ዝረኣየ ሓደ ፍሉጥ ተቐዳዳማይ ኣኽራናት፡ ከምዚ ዓይነት ሃንደበታዊን ሓደገኛን ሓደጋ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጹ።

    ፖሊስ ኣብ ግዝኣት ኑዋኮት ኔፓል ካብ ዝዓነዉ ገዛ ዝተደበዩ ነበርቲ እንተድሕኑ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኣብ ግዝኣት ኑዋኮት ኔፓል ካብ ዝዓነዉ ገዛ ዝተደበዩ ነበርቲ እንተድሕኑ
  14. ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ምውታት ዕልዕሊ 350 በጺሑ

    ኣብ ዶብ ዝርከብ ህንጻ በቲ ጋሻ ውሕጅ ኣብ ዝተደምሰሰሉ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    በቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዛጊት 359 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ኣረጋጊጾም።

    ብቐጻሊ ሬሳታት ይርከብ ብምህላዉ ግን ቊጽሪ ምውታት ክንህር ትጽቢት ይግበር።

    ካልኦት ኣስታት 900 ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ። ኣስታት 517 ካብኣቶም ወጻእተኛታት በጻሕቲ፡ ከምኡ'ው ልዕሊ 70 ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ከምዝኾኑ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ህይወት ናይቶም ብድበት ተደፊኖም ዘለዉ ሰባት ንምድሓን ጽዑቕ ናይ ቅድድም ስራሕ ይካየድ ኣሎ።

    ዛጊት ልዕሊ 350 ሰባት ብደገፍ ነበርቲን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ደገፍን ብህይወት ድሒኖም ኣለዉ።

  15. ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ድጋፈን ገሊፀን

    ሕብረት ኣውሮጳ

    ምንጪ ስእሊ, EU in Ethiopia/X

    በቲ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ኩነታት ከምዝተሻቐለ ዝገለፀ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብቕልጡፍ ናብ ልዝብ ውዕል ፕሪቶርያ ክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

    ልኡኽ እቲ ሕብረት፡ ምስ ኢምባሲታት ምዕራብ ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ምግለፂ፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት ናብ ጐንፂ ካብ ዘምርሑ ተግባራት ክቝጠቡን፡ ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዝርርብ ሰላም ክምለሱን፡ ሙሉእ ድጋፍ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    22 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ከምኡ'ውን ዓዲ እንግሊዝ፣ ኖርወይን ካናዳን ኣብቲ መግለፂ ተኻቲተን ኣለዋ።

    ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝገበሮ መገሻ ዘተባበዐ እቲ መግለፂ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ ኲናት ሃሰያ ሚሊኡ ዘይደሓነ ክልል፡ ድርቂ ተወሲኹዎ፡ "ናብ ካልእ ዙር ወተሃደራዊ ገጭት ክኣቱ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ" ከምዝኸውን፡ ኣስሚርሉ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ ትማሊ ተመሳሳሊ መግለፂ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።

    ክልቲኦም ኣውሓስቲ፡ እቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ እቲ ምቀራፅ ተፃብኦታት ብመመላእታ ክትግበር፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቕርበት ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

    ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዶባት ሱዳን፡ ሸረሪና ኣብ ዝበሃል - ምዕራብ ትግራይ- ናይ ሓደ መዓልቲ ከቢድ ውግእ ምስተገብረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ ድሮን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ። ኣብ ደቡባዊ መዋስንቲ ትግራይ ድማ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ግጭት ከምርሕ ዝኽእል፡ ብኽልቲኡ ገፅ፡ ወተሃደራዊ ምፅግጋዕ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ፡

  16. ቀዳማይ ምኒስተር ኔፓል፡ ዛጊድ 95 ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ, ብሓገዝ ወተሃደራዊ ነፈርት ናይ ብሕቲ ሄሊኮፕተራትን 114 ሰባት ድሒኖም

    ቀዳማይ ምኒስተር ባሌንድራ ሻህ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ባሌንድራ ሻህ

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኔፓል፡ ክሳብ ሕጂ 95 ሬሳታት ብኣለሻ ከምዝተረኽበ ኣረጋጊጹ።

    ባሌንድራ ሻህ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሰፊሕ ሞት ዘስዓበ ውሕጅ "ከቢድ ሓዘን" ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ኔፓል፡ ኣብ ራሱዋ ኣብ ዝርከብ ሩባ ቦተኮሺ፡ 114 ሰባት ከምዝደሓኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።

    ሰራዊት እታ ሃገር ልዕሊ 80 ሰባት ከድሕን እንከሎ፡ 29 ሰባት ብዝተፈላለዩ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ሄሊኮፕተር ከምዝደሓኑ እቲ ፀብፃብ የመልክት።

    ኣብ ህይወት ምድሓን ዝነጥፉ ኣባላት ሰራዊት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ካብ ግዳያት እቲ ሓደጋ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ዜጋታት ብሪጣንያ ካብቶም ኣስታት 400 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ በጻሕቲ ዓዲ እዮም።

    ሓደ ኩባንያ ዑደት፡ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲቤትን ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን፡ እቶም 12 ብሪጣንያውያን ከም ዝጠፍኡ ኣረጋጊጹ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኔፓል ሺሺር ካናል፡ ኣብ ጥቓ እቶም ሩባታት ገና ሓደጋ ከምዘሎ ብምግላፅ፡ ነበርቲ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ ኣሎ።

    ሓደጋ ዕልቕልቕ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣብ ቻይና ኩለን መራኸቢ ብዙሓን- ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ቲቤት- ጥቡቕ ቁፅፅር ስለዝግበረለን፡ ሙሉእ ሓበሬታ እቲ ሓደጋ ክትረክብ ኩሉ ግዜ ኣጸጋሚ ምዃኑ ወኪል ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ትገልፅ።

    እንተዀነ፡ መራሒ ቻይና ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ፡ ኣብ ምድሓን ህይወት፡ ውልቃዊ መምርሒታት ክህብ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ፍጻመ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ እዩ፡ ትብል።

    ንሱ፡ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ነቶም ዝጠፍኡ ንምድላይ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

    ሓደጋ ዕልቕልቕ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

  17. ቻይና ዜጋታታ ካብ ኣፍሪቃዊት ንግስነት ክወጹ ተማሕጺና

    ፕረዚደንት ታይዋን ላይ ቺን-ተ ምስ ንጉስ ኢስዋቲኒ ምስ ንጉስ ምስዋቲ 3ይ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ታይዋን ላይ ቺን-ተ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናብ ኢስዋቲኒ ምብጽሑ ንቻይና ኣቖጢዑዋ ነይሩ

    መንግስቲ ቻይና ዜጋታቱ ካብ ንግስነት ኢስዋቲኒ ክወጹ ተማሕጺኑ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዴሳዊት ቻይና ከምዝበሎ፡ ኣብታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ንግስነት ዘለዉ ዜጋታቱ "ጸጥታዊ ሓደጋ" ኣጋጢምዎም ኣሎ።

    በይዢንግ ብሰንኪ እታ ንግስነት ምስ ታይዋን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኢስዋቲኒ ዝነበራ ርክብ ከምዝበተኸት ይፍለጥ።

    እታ ንግስነት ንታይዋን ኣፍልጦ ዝሃበት እንኮ ኣፍሪቃዊት እያ። ካልኦት 11 ሃገራት ዓለም'ውን ምስታ ቻይና ናተይ እትብላ ደሴት ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣለወን።

    ዜጋታት ቻይና ምስ ናይ "ሳይበር ምጥፍፋእን ገበናዊ ንጥፈታት ጠላዕን" ዝተሓሓዝ ጸጥታዊ ጸገማት ከምዘጋጠሞም ዘመልከተ እቲ ሚኒስትሪ ብህጹጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ መኺሩ።

    ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣስታት 40 ቻይናውያን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ 'ታይምስ ኦፍ ኢስዋቲኒ" ዝተባህለ ማዕከን ዜና ይሕብር።

    መንግስቲ ኢስዋቲኒ ብዛዕባ'ቲ ብወገን ቻይና ዝወጸ መጠንቀቕታ ዝሃቦ መግለጺ ዛጊት የለን።

  18. ‘ደረጃ እቲ ሓደጋ ንምሕሳቡ ዘጸግም’ዩ’: ንጥፈታት ህይወት ምድሓን ይቕፅል, ዛጊድ 31 ሰባት ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ተረጋጊፁ

    ናብ ሆስፒታል ዝውሰድ ግዳይ እቲ ሓደጋ ውሑጅ

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ናብ ሆስፒታል ዝውሰድ ግዳይ እቲ ሓደጋ ውሑጅ

    ድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ኣስታት 9 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እዚ ናይ ሕዚ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ኣዝዩ ኣዕናዊ ሓደጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

    ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ዝርከባ ሓያሎ ታሕተዎት ግዝኣታት በቲ ሓደጋ ተሃስየን ኣለዋ።

    ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዓቢ ኪሳራ ከምዘጋጠመ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ንጹር ግምት ኣየቕረቡን።

    ኣብ ወሰን ሩባ ቦተኮሺ ዝርከባ ግዝኣታት፡ ራሱዋን ኑዋኮትን ዝርከባ ሓያሎ ከባቢታት፡ ዝያዳ ተሃስየን ኣለዋ።

    ዝደሓኑ ህፃውንቲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    እተን ግዝኣታት ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ኮይነን፡ ጽርግያታተን ግን ንንግዲ ኔፓልን ቻይናን ከም ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም።

    ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ሓዊሱ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓት ዓንዩ ኣሎ።

    ሰብመዚ እቲ ከባቢ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ዛጊት 31 ከምዝበጽሐ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሓደ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መጠን ዕንወት "ንምሕሳቡ ዘፀግም" ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

    ካብቲ ሓደጋ ሞት ዝደሓኑ ሰባት

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብበዝሒ ህንዳውያን ዜጋታት ዝርከብዎም ኣሽሓት በጻሕቲ ዓዲ፡ ዓመት መፀ፡ በዚ ከባቢ ብምስጋር ናብተን ኣብ ቲቤት ዝርከባ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ይገብሩ ነይሮም።

    ኣብዚ ኣማኢቲ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠሉ ኩነታት፡ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ምስ ግዜ ይቕፅሉ ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብዝተፈጥረ ሓደገኛ ውሕጅ፡ 18 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 6 ቢልዮን ሩፒስ (46 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ዕንወት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

    እዚ ኣብ ተመሳሳሊ ከባብን ግዜን ዳግማይ ዝተኸስተ ሓደጋ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ሕብረተሰብ ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ ኣሎ።

  19. ኣብ ኔፓል ኣብ ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

    ግዳይ ዕልቕልቕ ዝዀኑ መንበሪ ኣባይቲ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ኣብ ዝርከብ ሩባ ቦተ ኮሺ ብዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ብመሰረት፡ ቦርድ ቱሪዝም ኔፓል ኣብ ኤክስ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ 291 ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ተጓዓዝቲ ደሃዮም ብንፁር ኣይተረጋገጸን።

    "ሃለዋትን ኩነታት ድሕንነትን" ናይቶም በቲ ከባቢ ዝጓዓዙ ሰባት "ንምርግጋፅ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል፡ እቲ ቦርድ።

    ሓደጋ እቲ ሓያል ውሕጅ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ርእሰተማ ኔፓል ዝኾነት ካትማንዱ ኣብ እትርከብ ራሱዋ ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘንቀሎ ከምዝዀነ ይግለፅ።

  20. ንግዳዊ ኲናት ኦታዋን ዋሽንግተንን ይረስን፡ ካናዳ ሕነኣ ትፈዲ

    ማርክ ካርኒ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ካናዳ ነቲ ብኣመሪካ ዝተወሰነላ ቀረጽ ምላሽ ንምሃብ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

    ኦታዋ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ዶላር ብዶላር" ዝዳረግ ገብረመልሲ ከምእትህብ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ጸባን ንዋያት ገዛን ዝርከቦም ኣቚሑት ቀረጽ ክትውስን ምዃና ኣነጺራ።

    በዚ መሰረት ካናዳ ንኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንግዳዊ ኣቚሑት ካብ 15% ክሳብ 50% ቀረጽ ከተኽፍል'ያ።

    እቲ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 8 መስከረም፡ ፍርቂ-ለይቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ 50% ቀረጽ ድሕሪ ምውሳኑ'ዩ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ዘሎ። ኣቐዲማ'ውን ዋሽንግተን ካብ ካናዳ ንዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ኣልሚንየምን ተሽከርከርትን ዝርከቦ ንብረት ዒላማ ዝገበረ ወሰኽ ቀረጽ ኣንቢራ ነይራ'ያ።

    ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ ብዘይፍረ ከምዝተወድአ ይዝከር።