ኤርትራ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣሰሩ ጕጅለ 15 ብዓል መን'ዮም፡ ሕቶኦምከ?

ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም
መግለጺ ስእሊ, ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ቅድሚ 25 ዓመት፡ ኣብ መስከረም 2001፡ 11 ካብቶም "ጕጅለ 15" ተባሂሎም ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ገዳይም ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን መራሕቲ ሰውራን መንግስትን፡ ብዘይ ወግዓዊ ክሲን ንቡር መስርሕ ቤት ፍርድን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ደሃዮም ኣይተነግረን።

ካብቶም 15 ፈረምቲ ናይቲ ዝዘርግሕዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያምን ሃይለ መንቀርዮስን ኣብቲ እዋን ካብ ኤርትራ ወጺኦም ስለዝጸንሑ ኣይተኣስሩን፤ መሓመድ ብርሃን ብላታ ድማ ካብቲ ተበግሶ ደገፉ ድሕሪ ምስሓቡ ካብ ኤርትራ ወጺኡ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ጕጅለ 15፡ ኣብ እዋን ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998–2000፡ ንናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ኣካይዶም፣ ምስ መሪሕነት ህወሓት ርክብ ፈጢሮምን "ክድዓት" ፈጺሞምን ዝብል ዘይወግዓዊ ክሲ እዩ ዘቕርበሎም።

ብ19 መስከረም 2001 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፣ "ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት፣ ጸጥታን ድሕነትን ሃገር ክፍጸም ንዝጸንሐ ከቢድ ገበን መዕገቲ ክገብረሉ ጀሚሩ'ሎ" ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ። እንተዀነ፡ እቶም እሱራት ክሳብ ሎሚ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ክሶም ብወግዒ ከይተሰምዐን መልሲ ናይ ምሃብ ዕድል ከይረኸቡን 25 ዓመታት ሓሊፉ።

ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዘይ ወግዓዊ ክሲን ፍርድን ንነዊሕ ዓመታት ምእሳሮም ብምኹናን፡ ከም "እሱራት ሕልና" ይገልጽዎም። ሃለዋቶም፡ ጥዕናኦምን ሕጋዊ ኵነታቶምን ክግለጽ ድማ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

እቲ ድሕሪ 25 ዓመት ገና ዘይተመለሰ ቀንዲ ሕቶ፡ "እዞም ሰባት ኣበይ ኣለዉ፣ እንታይ ኰይኖም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረቡን?" ዝብል እዩ።

ቢቢሲ እውን ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።

ሕቶኦም እንታይ ነይሩ?

እቲ ኣብ 2001 ዝተዘርግሐ ቅሉዕ ደብዳብ ጕጅለ 15 ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶታት ናይቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍን መንግስትን፡ ኤርትራ ብሰላማዊ፡ ሕጋዊን ዲሞክራስያዊን መንገዲ ካብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንኽትወጽእ ዝጽውዕ እዩ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ደብዳበ፡ ንምእራም ዝዓለመ፡ ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ዘተ፡ ሓድነት፡ ሕጋዊ ምሕደራን ፍትሕን ከም መሰረት ሃገራዊ ፍታሕ የቕርብ።

እቲ ጽሑፍ ድሕሪ ናጽነት ስልጣን በብቕሩብ ኣብ ውሑዳት ኣእዳው እናተኣከበ፡ ሓባራዊ ውሳነ፡ "ተሓታትነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን እናደኸመ ስለዝኸደ፡ ሃገር ብውልቃዊ ውሳነ ዘይኮነስ፡ ብቅዋም፡ ብሕጊ፡ ብትካላትን ብተሳትፎ ህዝብን ክትመሓደር ኣለዋ" ይብል።

እቲ ቀዳማይ ጠለብ፡ ቅዋማዊ ምሕደራን ልዕልና ሕግን ክሰፍን ኣለዎ። እቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ተግባር ክውዕል፡ ስልጣን መንግስቲ ድማ ብዝተፈላለዩ ሕጋውያን ትካላት ክግታእን ክምዘንን ከም ዘለዎ ይምጕት።

እቲ ካልኣይ ጠለብ፡ ሃገራዊ ባይቶን ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ስሩዕ ኣኼባታቶም ክገብሩን ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ኣካል ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነቶም ክፍጽሙን ዝብል እዩ።

ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓደ ሰብ ወይ ብውሑዳት ሰባት ዘይኮነስ ብሓባራዊ ምኽክርን ብሕጋዊ ትካላትን ክውሰን ከምዘለዎ ይገልጽ።

እቲ ሳልሳይ ጠለብ፡ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ፡ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክጸድቕ፡ ርትዓዊነቱ ዝተረጋገጸ ናጻ ኮምሽን ምርጫ ክቐውም ዝብል እዩ።

ህዝቢ፡ ንዝመርጾ መንግስቲ፡ ብነጻ ድምጹ ዝህበሉ ስርዓት ከይተተኽለ፡ ናጽነት ብቕዋማዊ ዲሞክራሲ ከም ዘይረጋገጽ ይምጕት።

እቲ ራብዓይ ጠለብ፡ ናጽነት ፍርዲ፡ ምኽባር መሰላት ዜጋታትን ናጽነት ሓሳብን ምርግጋጽ ዝብል እዩ።

እቲ ጠለብ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲን ብፕረዚደንት ዝቘመ ፍሉይ ናይ ምርመራ ኮሚቴን ክፈርስ፡ ፍርዳዊ ኣካል ካብ ፈጻሚ ኣካል ናጻ ክኸውን፡ ሕጊ ፕረስ ክኽበርን ናጽነት ምግላጽ ሓሳብ ክውሓስን ይጽውዕ።

እቲ ሓሙሻይ ጠለብ ከኣ ተሓታትነት፡ ግሉጽነትን ሓባራዊ ምምሕዳርን ክሰፍን ዝብል ኰይኑ፡ መንግስትን ህግደፍን ድሕሪ ናጽነት ዝነበሮ ተመኵሮ ድኻምን ሓይልን ክግምገም፡ ህዝባዊ ዘተ ክካየድን ሓለፍቲ ንውሳነታቶም ተሓተትቲ ክዀኑን ይጠልብ።

ቅሉዕ ደብዳበ ጕጅለ 15፡ ዲሞክራሲ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስሩዕ ኣኼባ፡ ግሉጽ ባጀት፡ ናጻ ፍርዲ፡ ናጻ ፕረስ፡ ተሓታትነትን ሕጋዊ ምምቕራሕ ስልጣንን ዝሓቁፍ ስርዓት ክትከል ከምዝግባእ ኣብ ሰነዶም ኣነጺሮም።

እንተኾነ፡ እቲ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ብዙሓት ሰልፊታት ዝሳተፉሉ ምርጫ ክካየድ ዝእምት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ቅዋም ክሳብ ሎሚ ኣይተተግበረን። ኣብ 2001 ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ'ውን ከይተተግበረ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ኣይትፍልጥን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናጻነታ ካብ ዝረኸበትሉ 1993 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ይመርሓ ኣሎ።

ጕጅለ-15 ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ምርጫን ትካላዊ ተሓታትነትን ጻውዒቶም ካብ ዘውጽኡ ርብዒ ዘመን ሓሊፉ፡ ብዙሓት ካብቲ ዝጣበቕዎ ዝነበሩ ጽገናታት'ውን ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ 11 ኣባላት ጕጅለ 15 መን እዮም?

1. ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ኰይኑ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ምኒስተር ዞባዊ ምምሓዳርን ዝነበረ።

ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ
መግለጺ ስእሊ, ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ

2. ሃይለ ወልደትንሳኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ምኒስተር ፋይናንስ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኰይኑ ዝሰርሐ እዩ።

ሃይለ ወልደትንሳኤ
መግለጺ ስእሊ, ሃይለ ወልደትንሳኤ

3. ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ምኒስተር ምክልኻል፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ምኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።

ጴጥሮስ ሰሎሞን
መግለጺ ስእሊ, ጴጥሮስ ሰሎሞን

4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን።

ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር
መግለጺ ስእሊ, ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር

5. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ።

ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ
መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

6. በራኺ ገብርስላሰ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ምኒስተር ትምህርቲ፡ ምኒስተር ዜና ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝነበረ።

በራኺ ገብርስላሰ
መግለጺ ስእሊ, በራኺ ገብረስላሰ

7. ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ሓላፊ ስታፍ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ዳይረክተር ጀነራል ኣታዊታት ውሽጢ ሃገርን።

8. ጀርማኖ ናቲ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካን።

9. ሳልሕ እድሪስ ኬክያ ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1994 ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ምኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን።

10. ሓምድ ሕምድ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ 1994 ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኰይኑ ዝተመረጸን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ።

11. ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ ብዓልቲ ቤት ማሕሙድ ሸሪፎ ነበር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ካብ 1994 ከሳብ 2001 ከምኡ'ውን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ዳይረክተር ጀነራል ኣብ ምኒስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት።

ኣስቴር ፍስሃጽዮን
መግለጺ ስእሊ, ኣስቴር ፍስሃጽዮን

እዚኦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ኮይኖም ብዙሓት ምስኦም "ተድናገጽቲ" ዝተባሃሉን፡ ናይ ውልቂ ጋዜጠኛታትን ብዙሓት ላዕለዎትን ታሕተዎትን ዝተብሃሉ ካድራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታትት ተኣሲሮም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2003 ናብ ዒራዒሮ ዝብሃል ቦታ ከምዝተሰጋገሩን እዩ ዝፍለጥ።

መንግስቲ ብዛዕባ እዞም እሱራት እንታይ ይብል?

ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላይ መስፍን ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላይ መስፍን ሓጎስ

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ጥሪ 2002 መወዳእታ ናይ ዝገበሮ ኣኼባ ንጕጅለ-15 ከዳዓትን ፈላለይትን ክብል ገሊጽዎም።

ሃገራዊ ባይቶ ብተወሳኺ እዞም ጕጅለ-15 ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ፈቲኖም ክብል ጠቂስዎም ነይሩ እዩ።ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ካብ 2002 ንደሓር ተኣኪቡ ኣይፈልጥን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንህሉው ኵነታት እሱራት ካብ ምግላጽ ተቘጢቡ እዩ ዘሎ።

ኣብ 2010 ምስ ናይ ቐጠር ጋዜጠኛ ንኵነታት ጕጅለ 15 ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፡ "ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡ እዚ ጉዳይ እንተተረስዐ ይሓይሽ" ኢሉ መሊሱ ነይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት'ውን ብዛዕባ ምስዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ኣብ ዝተሓተተሉ "ዝተኣሰሩ ኣይነበሩን፡ ዝተኣሰሩ የለዉን ዝንቡዕ ሓበሬታ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ" ክብል መሊሱ።