ኤርትራ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ እሱራት ዝተሰወሩላ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ዒላዒሮ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Satellite image ©2026 Vantor
ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ "ኣትዩ ንዘይወጽእ - ወፊሩ ንዘይምለስ" ከም መመሰሊ ዝጥቀመላ "ዳስ ሓውያ!" እትብል ዝውትርቲ ዛንታ ኣላ።
ዒላዒሮ እምበኣር ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ክትከልን ስልጣን ናብ ህዝቢ ክርከብን ዝጸውዑ ምኒስተራትን ጀነራላትን ኣባላት ባይቶ ዝርከቡዎም ገዳይም ተጋደልትን ርእይቶ ናይቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታቶምን ዝጸሓፉ ጋዜጠኛታትን፡ ብዘይ ወግዓዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤት ፍርድን ን25 ዓመታት ተኣሲሮም ዝተሰወሩላ ቦታ እያ።
-----------
ኣብ ኤርትራ ካብ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሳብ ሕጂ እታ ዝኣቱ'ምበር ዝወጽእ ዘይተራእየላ ኣብ ኣጻምእ ሰምሃር ኣብ እግሪ ሰሜናዊ ባሕሪ እትርከብ ልዑል ጸቕጢ ኣየር ዘለዋ ወዲ ሰብ ክነብረሉ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ ዓሚቚ ማዕቡጥ ቦታ እትርከብ ዒራ-ዒሮ/ዒላ ዒሮ እያ።
ዒላዒሮ ካብ 2002 ኣትሒዛ ኣብ ዝርዝር ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ እትጥቀስ ቦታ እኳ ትዅን እምበር ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ከባቢ ቤት ማእሰርቲ ኣውሒተት እትበሃል ከምዝነበረት ይጥቀስ።
ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ቀዋሚ ድፍዓት ሓይልታት ምክልኻል ምዝንባል ዘስዓበ ሓያሎ ፈታኒ እዋን፡ ብኣተሓሕዛን ኣካይዳን እቲ ኲናት ብቐንዱ እውን ብኣጀማምራን ኣመዓባብላን እቲ ኲናት ቅሬታ ዝነበሮም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ብውሽጢ ውሽጢ ፈኸም ክብል ዝጀመረ ግርጭት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዘቕረቡሉ ናይ ዘተ መኣዲ ስለዝነጸጎ ናብ ህዝቢን ኣባላት ህግደፍን ቅሉዕ ደብዳበ ብምዝርግሖም ኣብ 2001 ቃልዕ ወጽአ።
ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ወተሃደራውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ኤርትራ ምግምማዕ ከም ዘጋጠመ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳንኮነል ይገልጽ።
ቀንዲ ሕመረት ሕቶኦም፡ እቲ ግዜኡ ዘሕለፈ ኣኼባ ሃገራውን ማእከላይን ባይቶታት ክጋባእ፡ እቲ ብኲናት ዶባት ዝተወንዘፈ ቅዋም ክትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክርከብ፡ ኣተሓሕዛን ኣልያን እቲ ኲናት ክግምገም ዝብል ዓበይቲ ዛዕባታት ዝሓቘፈ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን [1998-2000] ብውዕል ኣልጀርስ ተዛዚሙ፣ ዓቓቢ ሰላም ሰራዊት ኣትዩ ነይሩ።
ኵሉ እቲ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶን ጠለብን " ትጋገዩ ኣለኹም" ብዝብል ሓጺር መልሲ ፕረዚደንት ስለዝተነጽገ ከኣ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝወገኑ ካድራት ህግደፍ ብስሩዕ ወፈራ ሰሚናራት ኣንጻሮም ዓቢ ጐስጓስ ስለዝተጀመረ ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቀሪቦም ርትዓውነት ሕቶታቶም ንምብራህን ንምንጻርን ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ቃለ-መሕተት ክገብሩ ጀመሩ።
እቲ ጉዳይ እናተጓሃሃረ ምስ ከደ ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ኒው ዮርክ ብዘጋጠመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ዓለም ኣብ ዋኒና ተጸሚዳ እንከላ ብ18 መስከረም 2001 ን11 ካብቶም ኣብቲ እዋን ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣባላት ጕጅለ 15፤ ከምኡ ከኣ ኣብተን ጋዜጣታት ብሕቲ ከም ኣሰናዳእቲ፡ ኣዳለውቲ ዓምድን ኣበርከትቲ ጽሑፋትን ዝነበሩን ካልኦትን 12 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከካብ ገዛኦም ይዅን ስርሖምን ጽርግያን ተለቒሞም ተኣስሩ።
እቶም ኣባላት ጕጅለ-15 ፈለማ ኣብ እምባትካላ፤ ኣብ ሰነ 2003 ከኣ ናብ ዒላዒሮ ከም ዝገዓዙ ኣብቲ እዋን ዝወጽአ ሰነዳት የረድእ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ኣብ እዋን ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998–2000፡ ንናጽነትን ልኡላውነትን ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምንቅስቓስ ኣካይዶም፣ ምስ መሪሕነት ኢትዮጵያ ርክብ ፈጢሮምን "ክድዓት" ፈጺሞምን ዝብል ዘይወግዓዊ ክሲ እዩ ዘቕርበሎም።
ነቶም ጋዜጠኛታት'ውን "ካብ ወጻኢ ሓገዝ እናተቐበሉ ንሃገራዊ ጸጥታ ዝሃሲ ናይ ሓሶት ወረታት ዘርጊሖም" ብዝብል ምስቶም ሰበ-ስልጣን ኣተኣሳሲሩ ይኸሶም።
ብ19 መስከረም 2001 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት፡ ጸጥታን ድሕነትን ሃገር ክፍጸም ንዝጸንሐ ከቢድ ገበን መዕገቲ ክገብረሉ ጀሚሩ'ሎ" ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ግን መንግስቲ ኤርትራ ንኣባላት ጕጅለ 15ን ጋዜጠኛታትን ብወግዒ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ዝርዝር ክሲ የለን።
ዒላዒሮ ኣበይ'ዩ ዝርከብ?

ዒላዒሮ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ሽዕብ ገድገድ መጺኻ ናብ ፍሸይ ምራራን ፍልፍል ሰለሙና ዝወስድ ዓቐብ ቅድሚ ምሓዝካ ዝርከብ ወዳቕ ቦታ'ዩ ዝርከብ።
ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ ኣብያተ ማእሰርቲ እቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ክሳብ ሕጂ ዝተፈተሐ እሱር ዘይብሉን ቤት ማእሰርቲ እዩ።
እቲ ቦታ ካብ መስመር ጋሕተላይ ሽዕብ ብዑፍ በረር ኣስታት 10 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ሸጓሹግ ጎቦታት ዝርከብ ጽሙእ ቦታ እዩ።
ዒራዒሮ ካብ ቅናት ምድሪ ኣብ 15 ዲግሪ፡ 42 ደቂቕ 34.3 ካልኢት [15°42'34.4"N]፡ ንሸነኽ ሰሜን ከምኡ ከኣ ንሸነኽ ምብራቕ 38 ዲግሪ፡ 57 ደቂቕ፡ 28.8 ካልኢት [38°57'28.8"E] ዝርከብ ካብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ዝወረደ ክልተ ሩባታት ዝራኸብሉ ቦታ እዩ።
ዒላዒሮ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ነቲ ሰውራ እትምግብ ናይ መጀመርታ ትካል መጥሓን እኽሊ ዝተመስረተትሉ ቦታ'ዩ።
ኣብ ሓደ እዋን'ውን ግዝያዊ ቤት ማእሰርቲ ዝነበራ፣ ክሳብ ሻድሻይ ወራር ደጀን ናይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረት ካብ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት ውሑድ ዝናብ ባሕሪ ዝዘንቦ ካብ መፋርቕ ግንቦት ክሳብ መወዳእታ ነሓሰ ግን ክሳብ 45 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዝበጽሕ ኣዝዩ ብርቱዕ ሃሩርን ልዑል ሂሚዩዲቲ ዘለዎ ቦታ ምዃኑ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብቲ ቦታ ዝተቐመጠ ተጋዳላይ ጋዜጠኛ ብርሃነ ገብረትንሳኤ ይሕብር።
ብዛዕባ ዒላዒሮ እንፈልጦም

እዚ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሰለስተ በበይኑ ቀጽሪ ዝተሰርሐ 61 ሸላታት ከምዘለዋ፣ ካብቲ ሩባ ንሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ቦታ 28 ሸላታት፡ ካብቲ ሩባ ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ዘሎ ቦታ ድማ ክልተ ኣብታ ሓንቲ 18 ኣብታ ካልአይቲ ቀጽሪ ከኣ 15 ሸላታት ከምዘለዋ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ምስ ማዕከናት ዜና ቃለ መሕትት ዘካየደ እዮብ ባህታ ዝተባህለ ኣባል ሓለዋ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ይገልጽ።
እቲ ካብ ሳተላይት ዝተረኸበ ስእሊ ከምዘመልክቶ ኵሉ እቲ ናሕሲ ብኮንክሪት ዝተሃደመ ኰይኑ 3̋.5 ሜትሮ ብ2.6 ሜትሪ ደጋዊ ዓቐን ከምዘለዎ ኣብ ነብሰ ነፍሲ ወከፍ ሸላ ከኣ ብልዕሊ ቁመት ሰብኣይ ዝተነድቐ 2.6 ሜትሮ ብ1.9 ሜተሮ ካንሸሎ ከምዘለዎ የርኢ።
እዮብ ባህታ እውን እቶም እሱራት ኣብ ነናይ ውልቆም ሸላታት ንበይኖም ተኣሲሮም ከምዝነብሩ፡ ኣእዳዎም ብእስሩ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሰዓት ጸሓይ ክጽለው ከምዝፍቀዶም ኣብ 2009 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትቱ ብዝርዝር ኣረጋጊጽዎ ነይሩ።
እቲ ሓላዊ እዞም እሱራት ዝነበረ ውልቀሰብ፡ መን ኣበየናይ ሸላ ኣሎ ንኸይፍለጥ፡ ኣብ ክንዲ ብሽም እቶም እሱራት፡ ነቲ ሸላ ቍጽሪ ተዋሂብዎ ብቍጽሩ ጥራይ ከምዝጽዋዕን፡ እቶም እሱራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሸላታት ከምዝቐያይርዎምን'ዩ ገሊጹ ነይሩ።
ክሳብ እዚ እዋን ከኣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዞም ኣብ መስከረም 2001 ተኣሲሮም ኣብ ሰነ 2003 ካብ እምባትካላ ናብ ዒላዒሮ ዝገዓዙ ላዕለዎት ምኒስተራት፡ ወተሃደራውያን ኣዘዝትን ከምኡ ከኣ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን እዩ።
ኣብቲ 61 ሸላታት ክንደይ እሱራት ከምዘለው'ውን ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ ክልተ ናይ ሓመድ ጽርግያ'ዩ ዘሎ፤ እቲ ሓደ ብሸነኽ ምብራቕ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ብገምገም ሩባ ጀሚሩ በቲ ሩባ ዝለምዑ ዘራእቲ ሓሊፉ ንጽርግያ ጋሕቴላይ ሽዕብ ዝሕወስ'ዩ።
እቲ ካልኣይ ከኣ ካብ ዒላዒሮ ተበጊሱ ሓያለ ጎቦታትን ሩባታትን ኣቋሪጹ ካብ ፍልፍል ሰለሙና ናብ መትከል ኣብየት ኣብ ዘውርድ ጽርግያ ዝሕወስ'ዩ።
እቲ ከባቢ ብመንግስቲ ሕሩም ሕዛእቲ ተባሂሉ ስለዝተኣወጀ፡ እንትርፎ እቶም ኣብ ሓለዋ ዘለዉ ሰራዊት ሓረስቶት ይዅኑ ጓሶት ከምዘይንቀሳቕሱዎ እዮብ ባህታ የረድእ።
ስለምንታይ ኣብ ዒላዒሮ
ገዲም ተጋዳላይ ጋዜጠኛ ምኒስትሪ ዜና ነበር ብርሃነ ገብረትንሳኤ - ማንጁስ፡ " እቲ ቀንዲ ገባርን ሓዳግን ናይቲ ስርዓትን ቀንዲ ኣመሓዳሪ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮን እዞም ሰባት ብህይወቶም እንከለው መታን ክሓስሞንን ክሳቐዩን ብምባል ነቲ ቦታ መሪጹዎ፡" ይብል።
ምኽንያቱ "ዒላዒሮ ከምኡ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ማዕረ ክንደይ ጽንኩር ቦታ ምዃኑ ስለዝፈልጥ፡ ነዞም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዕርቃነይ ዘውጽኡኒ፡ ስልጣነይ ዝበድሁ፡ ዓቕመይ ዘቃልዑ ሰባት ከምታ ዘጕሃዩኒ ክጕህዩን ክሳቐዩን ኣለዎም ብምባል ብልዑል ጭካነ ብመደብ ከምዝፈጸሞ" ይኣምን።
ገዲም ተጋዳላይ 70ታት መጐስ ብርሃነ ብወገኑ፡ " እቲ ጭካነ ኣብ ቦትኡ ኰይኑ ኣብ ርእሲኡ እዞም ሰባት ምስ ተኣስሩ ገሊኦም ሰባት ተወዲቦም ብዝዀነ ይዅን ስርሒት ከውጽኡዎም ስለዝኽእሉ፡ ብቐረባ ክበጽሑዎ ኣብ ዘይክእሉ ርሕቕ ዝበለ ቦታ ብኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋን ብበራጌድን እዩ ሓጺሩዎም" ክብል ግምታቱ የቐምጥ።
መጐስ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ነቲ ቦታ ከም ከብዲ ኢዱ ዝፈልጦ ንዓመታት ዝተመላለሶ ስፍራ ብምዃኑ "ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሙቐትን ዋዕን ክጽወር ኣይከኣልን እዩ። ስለዝዀነ እቶም ሰባት ብንግሆኡ ተሳቕዮም ንኽሞቱ እዮም ተፈሪዶም" ብምባል እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ጭካነ ብምረትን ኣስተንትኖን ይገልጾ።
ዒላዒሮ ብጐቦታት ዝተኸበት ንፋስ ዘይኣትዋ ዕጸውቲ ከቢድ ጸቕጢ ኣየር ዘለዋ ኣብ እዋን ሓጋይ ፍጡር ዝበሃል ክሰፍራ እትኸብድ፡ ተገዲድካ እምበር ብምርጫ ኽትነብራ ዘይትኽእል ብጽኑዕ ንኽትሕልዋ ምችእቲ ስፍራ ምዃና ይገልጽ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


