ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣበሽገ ዝተፈጸመ ቕትለትን ጭውያን ብመን ተኻይዱ?

ብረት ዝዓጠቐ ሰብኣይ ኣብ ሓዲጊ ሰማይ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ዞባ ጉራጌ ኣብ እትርከብ ወረዳ ኣበሽገ ብሰኑይ ኣብ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 10 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ዓሰርተታት ከም ዝተጨውዩን ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

እዚ ዕጡቓት ኣብታ ዋልጋ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ ናይቲ ወረዳ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ፍርሕን ጃምላዊ ምምዝባልን ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዝወረደ ጕድኣት ዘጻሪ ጕጅለ ናብቲ ቦታ ተላኢኹ ምህላዉ ዝሓበረ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ተመስገን ካሳ፡ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ከም ዝተጨውዩን'ኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ዛጊት ናይቲ ጕጅለ ስራሕ ተዛዚሙ ወግዓዊ ጸብጻብ ከም ዘይቀረበ ኣረዲኡ።

ንድሕነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዘረዱእዎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ሰኑይ 4 መስከረም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ኣቢሉ እዩ።

ሓንቲ ነባሪት ከም ዝገለጸቶ፡ እቶም ዕጡቓት ተዅሲ ዝኸፈቱ፡ ካብ ቀብሪ ተመሊሶም ንመኣዲ ኣብ ዝተቐመጡ ሓዘንተኛታት እዩ ነይሩ።

በዚ ድማ እቶም ሰብ-ሓዘን ሰምቢዶም ካብ ጫካ ናብ ጫካ እናጐየዩ፡ ንሰለስተ መዓልታት ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽናሕ ረቡዕ ምምላሶም ገሊጻ።

እቲ መጥቃዕቲ ዘስዓቦ ጕድኣት ኣመልኪቱ ሓደ ነባሪ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብታ ከተማ "ወዶ" ኣብ ዝበሃል ከባቢ 11 ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ክልተ ጕድጓድ ከም ዝተቐብሩን ካብኡ ቀጺሉ ድማ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ብምቕታል ብድምር 15 ሰባት ግዳያት ምዃኖም ሓበሬታ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።

"ካብቶም ዝተቐትሉ ከም ቤተሰብ ዝርእዮም ሰባትን ኣዕሩኽተይን ይርከብዎም፤ ግና ፈሪሐ ናብቲ እንዳ ሓዘን እኳ ክበጽሕ ኣይከኣልኩን፡" ክብል ድማ ጓሂኡ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ 16 ሰባት ተጨውዮም ከም ዝተወስዱን ኣብታ መዓልቲ'ውን ተወሳኺ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ብዕጡቓት ከም ዝተጨወያን ወሲኹ ሓቢሩ።

ካልእ ነባሪት እቲ ከባቢ ብወገና፡ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ከም ዘረጋገጸት ብምጥቃስ፡ ቍጽሪ እቶም ግዳያት ካብዚ ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊጻ። ብመሰረት ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ቍጽሪ እቶም ዝተጨውዩ 17 ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ተወከልቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንምፍታሕ ምስቶም ዕጡቓት ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ጃምላዊ ምዝንባልን ስእነት ውሕስነትን

እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ተወሳኺ መጥቃዕቲ'ኳ እንተ ዘይተራእየ፡ እቶም ዕጡቓት "ዳግማይ ተመሊሶም ከጥቁዑና እዮም፡" ብዝብል ስግኣት ነበርቲ መረበቶም ገዲፎም ይሃድሙ ኣለዉ።

ሓደ ነባሪ "ህዝቢ ጠቕሊሉ እዩ ወጺኡ" ብምባል መብዛሕትኡ ናብታ ናይቲ ዞባን ወረዳን ርእሰ-ኸተማ ዝዀነት ወልቂጤ የምርሕ ከም ዘሎ ክገልጽ ከሎ፡ ካልኦት ድማ ናብታ ጐረቤት ዝዀነት ወረዳ ኖኖ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ይስደዱ ኣለዉ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልካል ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ከም ዘምርሑ ዝሓበረት ሓንቲ ነባሪት ድማ፡ "ኣብዚ ንሕና ዘለናዮ ባንክን ካልኦት ትካላትን ኣለዉ። ምእንትኡ ኢሎም እንተ ኣድሒኖምና እምበር ንሕና'ውን ዓቕሚ የብልናን፤ ብህይወት ምንባር ይበልጽ ብምባል ድማ ኵሉ ሰብ መረበቱ ገዲፉ ይወጽእ ኣሎ፡" ኢላ።

ኣስዒባ'ውን፡ "ብዙሓት ንጹሃን ይቕተሉ ኣለዉ፤ ሃገር ትጠፍእ ኣላ። ንሃገር ዘቐውም መንግስቲ እንተ ዝመጽኣና ደስ ምበለና። ሃገር ምስ ሞተት መን ይጥቀም?" ብምባል ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብቲ ወረዳ ተመሳሳሊ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተራእየ ኣዘኻኺራ።

ካልእ ነባሪ ብወገኑ፡ እቲ ከባቢ ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ ክነሱ ስእነት ስርዓት ከም ዝገደደን እቶም ዕጡቓት "ካብ ዓቕሚ ሓይሊ ጸጥታ ንላዕሊ" ኰይኖም ከም ዘለዉን ገሊጹ።

ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕቲ መን እዮም፡ ጠንቁኸ እንታይ እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነበርቲ እቲ ከባቢ ከም ዝሕብርዎ፡ ፈጸምቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ንርእሶም "ፋኖ" ኢሎም ዝጽውዑ እኳ እንተዀኑ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ግና ዘመተን ገንዘብ ብሓይሊ ምምንዛዕን እዩ።

እዚ ቅልውላው ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ንነጀው እናበኣሰ ከም ዝመጽአ ዝገለጸ ሓደ ምንጪ፡ እቲ ጠንቂ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኖኖ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካብ ዝተመዛበሉ ሰባት ዝነቐለ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ እቶም ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ካብ ኖኖ ናብ ኣበሽገ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ "መሬትና ተመንዚዕና ውጽኡ ተባሂልና፤ እንታይ ሰሪሕና ንብላዕ ዝብሉ እዮም ጸገም ዝፈጥሩ ዘለዉ፡" ኢሉ።

ናይ ክልተኡ ክልላት ኣካላት መንግስቲ ብሓባርን ምስቶም ዕጡቓትን ተዘራሪቦም ነባሪ መፍትሒ እንተ ዘየምጺኦም ድማ እቲ ቅልውላው ዝገደደ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን እቲ ክልል ተመስገን ካሳ ብወገኑ፡ ነቶም ዕጡቓት፡ "ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ጕጅለ ሸፋቱ፡" ክብል ገሊጽዎም።

እዚ ጕጅለ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዘይተዋፈርሉ ቦታ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ድንገታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ከም ዝወጽአ ብምግላጽ፡ "ንርእሶም ፋኖ ኢሎም ይጽውዑ እዮም፤ ንሕና ግን ፋኖ ኢልና ኣይፈረጅናዮምን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምስ ዘሎ ዕጡቕ ጕጅለ ፋኖ ርክብ ከም ዘለዎም'ውን ጭቡጥ ሓበሬታ የብልናን፡" ኢሉ።

ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን) ብወገኑ፡ ኣብቲ ኣብ ኣበሽጌ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ-ቓል ኣፋብን ኣስረስ ማረ ዳምጤ፡ ምንቅስቓስ ናይቲ ውድብ "ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራይ ዝተደረተ ኣይኰነን፡" ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ነቲ ኣብ ወረዳ ኣበሽጌ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ግን፡ ከም ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ ተሓታትነት ኣይንወስድን፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣበሽጌ ይዅን ኣብ ካልእ ከባቢ "ነብሶም ንምክልኻል ዝውደቡ፡ ብስም ፋኖ ነብሶም ዝጽውዑ መንእሰያት ከም ዘለዉ ንኣምን ኢና፡" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ኣበሽጌ ዝተፈጸመ "መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም ክሲ ዝቐርበሎም ዘሎ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ናይቲ ውድብና 'ሰንሰለት ትእዛዝ' እንፈልጦም ኣይኰኑን፡" ብምባል፡ ኣፋብን ኣፍልጦ ዝሃቦ ዕጡቕ ጕጅለ ኣብቲ ቦታ ከም ዘይነበረ ኣረዲኡ።

እቶም ዕጡቓት ብዘመን ደርግ ብሰፈራ ካብ ዝኸዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተዋጽኡ ምዃኖም ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ራስያን ጭውያን ብምክያድ ገንዘብ ካብ ምእካብ ሓሊፎም፡ ንመንግስቲ ሓበሬታ ይህቡ እዮም ንዝብልዎም ሰባት መሪጾም ከም ዝቐትሉ ገሊጹ።

ተመስገን ካሳ ወሲኹ፡ ተመሳሰልቲ መጥቃዕትታት ካብ 2013 (ግእዝ) ጀሚሩ ክፍጸም ከም ዝጸንሐን ብሰላማዊ ዘተ ናብ ንቡር ናብራ ዝተመልሱ ከም ዘለዉን ኣረዲኡ።

ኣብቲ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ዝቐጸሉ ግና መንግስቲ ስጕምቲ ይወስደሎም ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ነቲ ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ ተመጣጣኒ ናይ ሕጊ ስጕምቲ ንምውሳድ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተወደበ መልክዕ ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ወረዳ ኣበሽገ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሰለስተ መንእሰያት ካብ ማኪና ኣውሪዶም ብዘይ ፍርዲ ዝቐተልሉ ስፍራ ምንባሩ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት እቲ ከባቢ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ተመስገን ካሳ እቲ ስጕምቲ "ናይ ሰላም ኣማራጺ ኣብ ዝነዓቑ ሸፋቱ" ዝተወስደ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ቢቢሲ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንዓኡ ሓዊሱ ካብ ሰበ-ስልጣን እቲ ከባቢ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።