ኢትዮጵያ፡ ፍትሒ ዝጸምኣ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን መልሲ ምኒስትሪ ፍትሕን

ምንጪ ስእሊ, BBC/MELAT/SM
ንሜላት ከዘራርባ ከለኹ፡ ድምጻ ኣትሒታ እያ ትዛረብ ነይራ—ምናልባት ኣብ ጥቓኣ ዝነበሩ ትሕቲ-ዕድመ ደቃ ከይሰምዕዋ ደልያ ትኸውን።
እቲ ኣብ ኣካላታ ዝወረደ ከቢድ መጥቃዕቲ ግን ካብ ዓይኒ ደቃ ክትሓብኦ እትኽእል ኣይኰነን።
ኣደ ክልተ ቈልዑ ዝዀነት ሜላት፡ ቅድሚ ዓመታት ብዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ኣሲድ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሳ ኣትሒዙ ኣብ ፍርቂ ኣካላታ ከቢድ ባርዕ በጺሕዋ።
ሓንቲ ብርሃን ዓይና ዝሰኣነት እዛ ኣደ፡ ሓንቲ እዝና'ውን ድሕሪ ነዊሕ ሕክምናዊ ጻዕሪ እያ ክትሰምዕ ጀሚራ፤ ሓካይም ደረጃ መጠን ቃጸሎኣ 33 ሚእታዊት ምዃኑ ሓቢሮማ።
ነቲ መጥቃዕቲ ብምውዳድ ዝተኸሰሰ ብዓል-ቤታ ነበር፡ ዝተበየነሉ ናይ 16 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ብይግባይን ምሕረትን እናተነከየ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ክፍታሕ ከሎ፡ እቲ መሻርኽቱ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተታሕዘን።
ዓመታት እኳ እንተ ሓለፈ፡ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን በሰላ ሜላት ግን ገና ኣይሓወየን።
ሜላት፡ ናብ ዝለዓለ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ናይ ምባል ሕጋዊ መሰል እኳ እንተ'ለዋ፡ እቲ መዝገብ ክዕጾ እያ መሪጻ።
"ካብቲ ዝወረደኒ ጕድኣት ንላዕሊ፡ ኣብቲ መስርሕ ፍትሒ ዘሕለፍክዎ መከራ ስለ ዝኸበደኒ፡ ፍትሒ ከይረኸብኩ ተሪፈ፡" ክትብል ስቓያ ትገልጽ።
እዚ ናይ ሜላት ጓሂ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ሓሙሽተ ግዳያትን ስድራቤታቶምን ዝካፈልዎ ሓቂ እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ናይ ስራሕ ቦታኣ ተጨውያ እተደፈረት ጸጋ በላቸው፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ገበነኛ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ እኳ እንተ ተበየነ፡ ምስቲ ዘሕለፈቶ ሰቖቓ ክነጻጸር ከሎ እቲ ውሳነ ሚዛኑ ከም ዝሰሓተ ትኣምን።
"እዚ ውሳነ'ዚ እውን እንተዀነ፡ ብብዙሕ ኣውያትን ብርቱዕ ቃልስን እዩ ተረኺቡ፡" ትብል።
ኣብ ባህርዳር ብዘስካሕክሕ ተደፊራ ንዝተቐትለት ጓል ሸውዓተ ዓመት ሄቨን ዓወት'ውን፡ እቲ ዝተበየነ 25 ዓመት ማእሰርቲ ብይግባይ ናብ 23 ዓመት ወሪዱ፤ እቲ መዝገብ ክሳዕ ሕጂ ኣይተዓጽወን።
ኣደኣ ኣበቅየለሽ ኣደባ፡ "ካብቲ መሪር ሓዘንን ምግልታዕን ክሳዕ ሕጂ ኣይወጻእኩን፤ እዚ ነገር'ዚ ናብ ስነ-ኣእምሮኣዊ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ኣውዲቑኒ፡" ትብል።
ቅድሚ ክልተ ዓመት ህይወታ ንዝሓለፈት ቀነኒ ኣዱኛን ኣብ መቐለ በዓል ኣሸንዳ ኣኽቢራ ክትምለስ ከላ ብጭካነ ንእተቐትለት ዘውዱ ሃፍቱን'ውን ፍትሒ ሕቖኣ ከም ዝሃበትን ተጣበቕቲ የረድኡ።
በዚ ምኽንያት፡ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም 'ሃገራዊ ቅልውላው' ተገይሩ ክእወጅ ዝሓቱ "ኣሸንዳ ብጸሊም"ን "ትሰማዕ!"ን ዝብሉ ወፍርታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክካየዱ ጸኒሖም እዮም።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ንዘቕረቦ ሕቶ ዝመለሰ ምኒስትሪ ፍትሒ፡ መጥቃዕትታት መብዛሕትኡ ግዜ ብመቕርብ ሰባትን ብሕቡእን ስለ ዝፍጸም፡ ባህላዊ ጸቕጢ፡ ምስዋር መርትዖታትን ካልእ ብድሆታትን ከም ዘሎ ኣሚኑ፡ "ኵሎም ግዳያት ምሉእ ብምሉእ ፍትሒ ረኺቦም እዮም፡" ምባል ከም ዘጸግም'ውን ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እተን ጉዳየን ናብ ቤትፍርዲ ዘብጽሓ ተበደልቲ ግቡእ ፍትሒ ንክረኽባ ፍሉይ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ኣስሚርሉ።
"ኣብ ሓደ ዓመት ልዕሊ 12,000 ጥርዓናት"
መጽናዕቲ ስነ-ህዝብን ጥዕናን ኣብዚ ዓመት'ዚ ዘውጽኦ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ፡ ካብ 15 ክሳዕ 49 ዕድመ ዘለወን 24 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፡ 8 ሚእታዊት ድማ ጾታዊ ዓመጽ የጋጥመን።
ኣብ ትሽዓተ ክልላትን ኣዲስ ኣበባን ናጻ ሕጋዊ ደገፍ ዝህብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ንልዕሊ 12,000 ግዳያት ደገፍ ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ። ካብዚኦም እቶም 1,500 ምግሳስ ዝርከቦም ከበድቲ ጾታዊ ዓመጻት ምዃኖም ዋና ዳይረክተር እቲ ማሕበር ወ/ሮ ሕብረት ኣባሆይ ገሊጻ።
መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ መጥቃዕቲ ካብ ዘጋጥመን ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣርባዕተ ጥራይ እየን ጸብጻብ ዘቕርባ፤ ሕጋውን ሕክምናውን ደገፍ ረኺበን ዝቕጽላ ድማ ትሕቲ ክልተ እየን። ጠንቁ ድማ ባህላዊ ተጽዕኖ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ትሑት ግምት፡ ተበጻሕነት ፍትሒ ዘይምህላውን ቍጠባዊ ጽግዕተኛነትን ምዃኑ ወ/ሮ ሕብረት ትገልጽ።
ምኒስትሪ ፍትሒ ብወገኑ፡ ዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ዝሕበርሉ ኣሰራርሓ ክሳዕ ኣብያተ-ትምህርቲ ስለ እተዘርግሐ እቲ ቍጽሪ ክውስኽ ከም ዝኸኣለ ብምግላጽ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኣዩ ጸብጻባት'ውን ገበናት ንኽፍጸሙ የነቓቕሑ ኣለዉ ክብል ይከራኸር።
ናብ ሕጊ ካብ ዝመጽኣ ውሑዳት ተበደልቲ፡ ክንደይ ዝኣኽላ ግቡእ ፍርዲ ከም ዝረኸባ ዘረጋግጽ መጽናዕቲ የሎን። እተን ፍትሒ ረኺብና ዝብላ ንባዕለን ኣብኡ ንምብጻሕ ዝኸፈልኦ ስነ-ኣእምሮኣውን ቍጠባውን ዋጋ ከቢድ ምዃኑ የረድኣ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ወ/ሮ ሕብረት ከም እትብሎ፡ "ምስዋር መርትዖታትን ቍጠባዊ ጸገማትን ተደሚርዎ፡ ብዝድለ መጠን ፍትሒ ተረኺቡ ኢልካ ምሉእ ብምሉእ ምዝራብ ኣየኽእልን።"
ብኣንጻሩ፡ ኣብ ምኒስትሪ ፍትሒ ዳይረክተር ዓቃቢ ሕጊ ገበናት ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ወ/ሮ ማስተዋል ኣዳነ፡ ኣብ 2018 (ግእዝ) ናብ ፍርዲ ዝቐረቡ ክስታት ብምሉኦም (100%) ውጽኢት ከም ዝተረኽበሎም ትገልጽ።
"ኣብዚ ዓመት ብናጻ ዝተዓጽወ መዝገብ የሎን። ክሳዕ ማእሰርቲ ምሉእ ዕድመ ዝተበየነሉ ኣሎ፡" ትብል።
ሕጊ መቕጻዕቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ዝድንግግ እኳ እንተዀነ፡ ክኢላታት ሕጊ ግን እቲ ዝወሃብ ፍርዲ መሃሪ ብዘይምዃኑ ገበናት እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ ብምባል ሕግታት ክመሓየሽ ይጽውዑ።
ስልጣን፡ ገንዘብን ጽልዋን ዝዓገቶ ፍትሒ
ግዳያት ዘልዕልኦ ዘለዋ ጥርዓን ግን ካብ ሕጊ ዝሓለፈ እዩ።
ኣቦ ቀነኒ ኣቶ ኣዱኛ፡ እቲ ተጠርጣሪ [ድምጻዊ ኣንዱዓለም ጎሳ] ፍሉጥ ሰብ ብምዃኑ ዓቃቢ ሕጊ ክኸሶ ከም ዘይደለየ ይወቕስ።
"ንድኻታት ዝቘምኩ እየ ዝብል ምኒስትሪ ፍትሒ፡ ጥርዓነይ ንምስማዕ'ኳ ሓደ ዓመት ምሉእ ኣመላሊሱ መልሲ ኣይሃበንን፤ መርመራ ዘይኰነስ ድራማ እዩ ተገይሩ፡" ክብል የረድእ።
ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተጨወየት ጸጋ'ውን፡ እቲ ዓማጺ ናይቲ ከንቲባ ዝነበረ ውልቃዊ ሓላዊ ብምንባሩ፡ ፖሊስ ዝሕብሮ ኵሉ ይበጽሖ ከም ዝነበረን ጉዳዩ ብሽማግለታት ክዕጾ ጸቕጢ ይግበረላ ከም ዝነበረን ትገልጽ።
"ፍትሒ ጠሊሙና፡ ዋጋ ዘይብልና ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡" ትብል።
ኣብ መቐለ ንመንእሰይ ዘውዱ ሃፍቱ ብምቕታል ማእሰርቲ ምሉእ ዕድመ ተፈሪድዎም ዝነበሩ ሰባት "ብጣልቃ-ምእታው" ሰበ-ስልጣን ከም እተለቁ ይንገር።
ሓደ ካብቶም ተኸሰስቲ ወዲ ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ትግራይ ኮሎነል ገብረስላሰ በላይ ምዃኑ ይጥቀስ። ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ደያኑ ጸቕጢ ይግበር ብምንባሩ ስርሖም ኣቋሪጾም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዓቃቢ ሕጊ መቐለ ኣብቲ ውሳነ ይግባይ ከም ዝበለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ወ/ሮ ማስተዋል ግን ብስልጣን ይዅን ብዝና ኣድልዎ ዝግበረሉ ኣሰራርሓ የሎን ብምባል ትነጽጎ።

ምንጪ ስእሊ, Melat Tesema
ኣብቲ ምኒስትሪ ዳይረክተር ወ/ሮ ዳግማዊት ኣላምነ ብወገና፡ 85 ሚእታዊት መጥቃዕትታት ብመቕርብ ሰባት ስለ ዝፍጸም፡ መብዛሕትኡ ብሽምግልና ዘተ፡ ብምትዕሻውን ብሽማግለታት ዕርቅን ከም ዝበላሾ ትገልጽ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘሎ ኲናትን ግጭትን ድማ ነቲ ስርዓተ-ፍትሒ ዝያዳ ኣዳኺምዎ ይርከብ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ ኲናት ምስ ፈደራል ትካላት ዝነበረ ናይ ተለኮምን ሕክምናዊ መርመራን ምትሕብባር ምብታኹ ከም ዓቢይ ዕንቅፋት ይጥቀስ።
ሜላት፡ ተበደልቲ ፍትሒ ብምሕታተን ዳግማይ መጥቃዕቲ ከይወርደን ዝከላኸል ውሕስነት ዘይምህላዉ ተስፋ ከም ዘቝርጽ ትሕብር።
ኣቦ ቀነኒ ኣቶ ኣዱኛ ተስፋኦም ዋላ እኳ እንተ ጸልመተ፡ "ናይ መዓልትን ግዜን ጉዳይ እምበር ደም ጓለይ ክፍደ እዩ፡" ይብል።
ስድራቤት ዘውዱ ብስግኣት ስቕታ ክመርጹ ከለዉ፡ ኣደ ሄቨን፡ ጸጋን ሜላትን ግን ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ግፍዒ ከይበጽሕ ድምጸን የስምዓ ኣለዋ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


