ምቍጽጻር ባብ ኣል-መንደብ ብሑቲ፡ ንቝጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ሓደጋ እዩ?

ደገፍቲ ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ እቲ ጕጅለ ነታ ስትራተጅያዊት ወደባዊት ከተማ ሞኻን መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን ምቍጽጻሩ ንምብዓል ኣብ ርእሰ-ከተማ ሰንዓ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ኣጽዋሮምን ዕማዅ ኢዶምን የልዕሉ፤ 11 መስከረም 2026።

ምንጪ ስእሊ, Mohammed Hamoud/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ንወደብ ሞኻን መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን ኣብ ሰንዓ ዝተኻየደ ናይ ደገፍ ሰልፊ
Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ መጀመርታ መስከረም፡ ዕጡቓት ሑቲ ብዘካየድዎ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ፡ እቶም ንዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ የመን ዝድግፉ ሓይልታት ሃንደበት ተፈራኸሹ።

እዚ ምዕባለ'ዚ፡ ስዑዲ ዓረብ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዘውፈረቶ ወተሃደራዊ፡ ዲፕሎማስያውን ቍጠባውን ጻዕርታት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ከም ዝፈሸለ ኰይኑ እዩ ተራእዩ።

ምንቅስቓስ ኣንሳር ኣላህ (ሑቲ)፡ ንመብዛሕትኡ ምዕራባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ብምቍጽጻር፡ ክሳብ እቲ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ገስጊሱ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከብ ወሳኒ ኣፍደገ፡ ኢራን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ንመጻብቦ ሆርሙዝ ካብ እትዓጽዎ ንነጀው፡ ንስዑዲ ዓረብ ቀንዲ መተሓላለፊ ሰደድ ነዳድን ንግድን ኰይኑ ዝጸንሐ መስመር እዩ።

እዚ ናይ ሑቲ ገስጋስ ዝተራእየ፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ'ቲ "ስዑዳዊ ጸላኢ" ክብል ዝጸውዖ ወገን ዕጽዋ ባሕሪ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምእዋጁ ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ከተማታትን ትሕተ-ቅርጺ ጸዓትን ስዑዲ ዓረብ ዝዓለመ መጥቃዕትታት ሚሳይልን ድሮንን ተኸታቲሉ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ብኢራን ዝድገፉ ምሊሽያታት ዒራቕ'ውን ዝተወሰኑ መጥቃዕትታት ከም ዝፈጸሙ ሓላፍነት ወሲዶም ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ ቍጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ዝወረደ ከቢድ ውቅዒት

ኣብ ሪያድ ዝመደበሩ መድረኽ ዓለምለኻዊ ወሽመጥ ተመራማሪ ዶክተር ዓዚዝ ኣልጋሽያን፡ እዚ ኵነታት ከም ሓደ ናብ ባይታ ዝወረደ ሕማቕ ሕልሚ ምዃኑ ይገልጽ።

ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ቀንዲ ቍጠባዊ መትኒ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነ ሰደድ ነዳዲ ብኸቢድ ተዓናቒፉ ኣሎ፤ ካብዚ ዝኸፍእ ካልእ ሓደጋ ምሕሳብ'ውን ኣጸጋሚ እዩ፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስዑዲ ዓረብ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘጋጠመ ምዕጻው፡ ነዳዲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናብ ዝርከብ ወደብ ያንቡዕ ንምልኣኽ፡ ብዓብዩ ኣብቲ ናይ 'ምብራቕ-ምዕራብ' ናይ ድፍድፍ ነዳዲ ቱቦ ክትምርኰስ ተገዲዳ ጸኒሓ እያ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሃገራት ሰደድቲ ነዳዲ (ኦፔክ)፡ ክሳዕ 80 ሚእታዊት ዝበጽሕ ሰደድ ድፍድፍ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ናብ ዕዳጋታት እስያ ዝፈስስ ብምዃኑ፡ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ሰሙናት፡ ዕጡቓት ሑቲ ነተን ኣብ ጥቓ'ቲ መጻብቦ ዝርከባ ከተማታት ሞካን ዙባብን ብምቍጽጻር፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ኣብ ማእከል'ቲ መተሓላለፊ ማይ እትርከብ ስትራተጅያዊት ደሴት ፐሪም ዘለዎም ምሉእ ቍጽጽር ኣደልዲሎም ኣለዉ።

ዕጡቓት ሑቲ ድሮ'ውን ኣብ ርእሰ-ከተማ ሰንዓ ብዝመደበሩ ምምሕዳር ኣቢሎም፡ ኣብ መስመር ዶብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መብዛሕትኡ ሰሜናዊ ግዝኣት የመን ይቈጻጸሩ ነይሮም እዮም።

ኣብ 2015፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን "ሕጋውነት ናብ ቦታኡ ንምምላስ" ዝዓለመ ወተሃደራዊ ልፍንቲ መስረተት። እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኪዳን ብኣሽሓት ዝቝጸር ደብዳባት ኣየር ዘካየደ ኰይኑ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፡ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ነቐፌታ እውን ኣስዒቡ እዩ።

ኣብ 2021 ድማ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ንመጥቃዕታዊ ስርሒታት የመን ዝወሃብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ደገፍ ኣመሪካን ምስኡ ዝተሓሓዝ መሸጣ ኣጽዋርን ደው ከም ዝብል ገበረ።

እዚ ንዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ልዕሊ 150,000 ሰባት ከም ዝቐተለን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበን ይግለጽ። ብሰንኩ 4.8 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ዝዀኑ 19.5 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።

ካርታ የመን

ዕብየት ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሑትን ምትእስሳር ኢራንን

ድሕሪ'ቲ ኣብ 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ንዓመታት ዝቐጸለ ተዛማዲ ህድኣት ሰፊኑ እኳ እንተ ጸንሐ፡ እዚ ናይ ቀረባ መጥቃዕቲ ሑቲ ግና እቲ ምንቅስቓስ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራውን ውዱባውን ዓቕሚ ዘግሃደ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ተመራማሪት ዶክተር ኤልሳቤጥ ኬንዳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ "ሎሚ ንርእዮ ዘለና ተመኵሮ ዘለዎ፡ ስነ-ስርዓት ዝሓለወን ውዱብን ምንቅስቓስ ጥራይ ኣይኰነን፤ ኣብ ምትሕልላፍ መልእኽትታትን ኣብ ምውቃዕ ዕላማታትን ከም ኪነታዊ ብልሒ (AI) ዝኣመሰሉ ምዕቡላት ተክኖሎጅታት ዝጥቀም ዘሎ ሓይሊ እውን እዩ፡" ትብል።

ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ኢራን እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ከም ድሮናት፡ ከምኡ'ውን ክሩዝን ባሊስቲክን ሚሳይላት ዝኣመሰሉ ኣጽዋር ብምስጢር ናብ ሑቲ ተስሉኽ ኣላ ክብሉ ይኸሱ።

ኢራን ነዚ ክሲ ብምንጻግ፡ ንዕጡቓት ሑቲ እትህቦ ደገፍ ፖለቲካዊ ጥራይ ምዃኑ ትገልጽ።

ይዅን'ምበር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ትካል ፖለቲካዊ መጽናዕትታት ኢጣልያ፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ የመን ፋብሪካታት መፍረዪ ድሮን ኣብ ምቛም ንሑቲ ሓጊዛቶም እያ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዌስት ፖይንት ዝመደበሩ ማእከል ጸረ-ግብረ-ሽበራ ከም ዘመልክቶ፡ ሑቲ ካብቲ ናይ ሊባኖስ እስላማዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ ወተሃደራዊ ምኽርን ደገፍን ረኺቦም እዮም።

ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም፡ ኣጀንዳ ኢራን ክስፋሕፋሕ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል ክሲ ነጺጎም እዮም።

ኣብ ቻታም ሃውስ (ሮያል ኢንስትቱዩት ኦፍ ኢንተርናሽናል ኣፌርስ) ተመራማሪ ፋረዕ ኣል-ሙስሊሚ፡ እዚ ናብ ባብ ኣል-መንደብ ዝተገብረ ገስጋስ ንዞባዊ ጽልዋ ቴህራን ብዓብዩ ከም ዘደልደሎ ይሕብር።

"ኢራን ሕጂ ምስ ኣመሪካ ኣብ እትገብሮ ርክባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝበለጸ ናይ ምውጋይ ዓቕሚ ሒዛ ኣላ፡" ይብል።

እንተዀነ፡ ዶክተር ኤልሳቤጥ ኬንዳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ "ሑቲ ነዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባር ብዘይ ደገፍ ኢራን ክቕጽልዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት ኣሎኒ። ናይ ገዛእ-ርእሶም ድራኸታትን ዕላማታትን ኣለዎም። ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ድራኸታት ብገንዘብ፡ ተሰማዕነት፡ ጽልዋ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዝተሓሓዝ እዩ ዝመስል፡" ትብል።

ቀጺላ ድማ፡ "ሑቲ ብዘይ ኣጽዋር ኢራን፡ ስልጠናን ስለያን ኣብዚ ደረጃ'ዚ ክንቀሳቐሱ ኣይምኸኣሉን ነይሮም፤ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ቀጥታዊ ናይ ትእዛዝን ምቍጽጻርን ስልጣን ኣለዋ ድዩ ግና ንጹር ኣይኰነን፡" ኢላ።

ወተሃደራዊ ልብሲን ዝተኸድኑን ኣርፒጂን ብረታትን ዝዓጠቑን ኣባላት ሑቲ ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Mohammed Huwais / AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊኦም ዓሰርተታት መጥቃዕትታት ከም ዘካየደት ይኸሱ

ምምሕዳር ትራምፕን ዲፕሎማስያዊ ሻቕሎት ሪያድን

ምምሕዳር ባይደን ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ጥሪ 2021፡ ንዕጡቓት ሑቲ ካብ መዝገብ ናይ ወጻኢ ግብረ-ሽበራ ውድባት ኣመሪካ ኣውጺእዎም ነይሩ።

ኣብ 22 ጥሪ 2025 ግና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብቲ መዝገብ መሊስዎም።

ይዅን'ምበር፡ ምኽትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋሽንግተን ብዛዕባ'ቲ ኣብ የመን ዝተራእየ ሓደስቲ ምዕባለታት ምስ ዕጡቓት ሑቲ ቀጥታዊ ዘተ ከም ዘካየደት ኣፍሊጡ። ኣመሪካ እቲ ጕጅለ ንደሴት ፐሪም ምቍጽጻሩ ከም ዘተሓሳሰባን ነቲ ኵነታት ብቐረባ ትከታተሎ ከም ዘላን ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ መግለጺ ቫንስ ዝመጽአ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዕጡቓት ሑቲ ምስ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ግጭት ከም ዘይደልዩ ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን ኣብ የመን ጣልቃ ከይትኣቱ ከም ዝሓተቱ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ኣብ 14 መስከረም፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣድሚራል ብራድ ኩፐር ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምብጻሕ ምስ ወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ ነይሩ።

ሲኤንኤን ንምንጭታት ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ ቢን ሳልማን ምስ ትራምፕ ክልተ ሳዕ ተዘራሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ፍቓድ ክህቦ ሓቲትዎ ነይሩ፤ ትራምፕ ግና ነዚ ጠለብ ነጺግዎ እዩ።

ዶክተር ኣልጋሽያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘለዋ ናይ ጸጥታ ርክብ ዝፈጠረላ ዓቢ ቅሬታ የመልክት፤ ስዑዳውያን ብኣመሪካ ጥራይ ክምርኰሱ ከም ዘይክእሉ ተረዲኦም ኣለዉ፡" ይብል።

ሪያድ ልዑላውነታ፡ ዜጋታታን ህያው ረብሓታታን ናይ ምክልኻል ሕጋዊ መሰል ከም ዘለዋ ብተደጋጋሚ ተስምረሉ ኣላ። ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ስዑዲ ዓረብ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ የመን ዓሰርተታት መጥቃዕትታት ኣየር ከም ዝፈጸመት ይኸሱ።

ዕላማታት ሑቲ፡ ውሕስነት ባሕርን ተኸታታሊ ተጻብኦታትን

ወሃቢ-ቓል ዕጡቓት ሑቲ መሓመድ ዓብዱልሰላም፡ እዚ ናይ ቀረባ ስርሒታቶም ንዓለማዊ ናጻ ንግዲ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑን እቲ ንሳቶም "ስዑድያዊ ዕጽዋ ኣብ ልዕሊ የመን" ዝበልዎ ምስ ዝልዓልን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም ዝግበር መጥቃዕቲ ደው ምስ ዝብልን ብኡንብኡ ደው ከም ዝብል ገሊጹ።

ኣስዒቡ ድማ፡ "ኣብ ቀይሕ ባሕርን ባብ ኣል-መንደብን ዝካየድ ዓለምለኻዊ ናይ መርከብ ጕዕዞን ንግድን ውሑስን ስሩዕን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ፡" ኢሉ።

ዶክተር ኤልሳቤጥ ኬንዳል ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "ሑቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተዋደደ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከይለዓል ስለ ዝፈርሑ፡ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽትታት ኣዝዮም ጥንቁቓት እዮም። ንሕጂ መብዛሕትኡ ጽልኦም ናብ ስዑዲ ዓረብ ጥራይ እዮም ዘቕንዕዎ ዘለዉ፡" ትብል።

ኣብ እዋን ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን፡ ስዑዲ ዓረብ ብዓሰርተታት ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ተወቒዓ ነይራ። ተዅሲ ድሕሪ ደው ምባሉ'ውን፡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ብሑትን ካብ ግዝኣት ዒራቕ ብዝንቀሳቐሱ ብኢራን ዝድገፉ ምሊሽያታትን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከም ዝቐጸለ ይገልጹ።

ኣብ 11 መስከረም ድማ ካብ ደቡባዊ ዒራቕ ከም ዝተወንጨፋ ዝእመነለን ድሮናት ነቲ ናይ 'ምብራቕ-ምዕራብ' ናይ ድፍድፍ ነዳዲ ቱቦ ምስ ወቕዓኦ፡ ምኒስትሪ ጸዓት ስዑዲ ዓረብ ስርሓቱ ንግዜኡ ደው ከብል ተገዲዱ ነይሩ።

ሓደ ዕጡቕ ሑቲ እናተኰሰ

ምንጪ ስእሊ, Houthi Media Center via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ቍጽጽሮም የሐይሉ

ኣጸጋሚ ፈታኒ ኵነታት ስዑዲ ዓረብን ዝተደራረበ ቅልውላውን

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ፈታኒ ኵነታት ኣጋጢምዋ ኣሎ።

ካብቲ ካብ 2015 ክሳዕ 2022 ዝነበረ ግጭት ዝተረኽበ ተመኵሮ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ዝውሰድ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ውጽኢታዊ ንምዃኑ ዋሕስ የሎን።

ብተወሳኺ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘየሎ ዞባውን ዓለምለኻውን ደገፍ ዘድልዮ ኰይኑ፡ ብፍላይ ሑቲ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሉ ምዕቡል ዓቕሚ ሚሳይልን ድሮንን ኣብ ግምት ምስ ዝኣቱ ድማ ከቢድ ሓደጋታት ከስዕብ ዝኽእል እዩ።

ኣል-ሙስሊሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "መልክዐ-ምድራዊ ኣቀማምጣ የመን፡ ማሕበራውን ስነ-ሰብኣውን ባህርያታ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብብዝሒ ዝተዓጠቐ ምዃኑ፡ ድኽመት ትካላት መንግስቲ ከምኡ'ውን ሓያል ውሽጣዊ መሻርኽቲ ዘይምህላዉ ኵሉ ተደሚሩ፡ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ተልእኾ - ብስዑዲ ዓረብ ይዅን ብኻልእ ሓይሊ - ፈጺሙ ዘይከኣል እንተ ዘይኰይኑስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ዝገብሮ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ስጕምቲ ከይወሰድካ ስቕ ምባል እውን ንስዑዲ ዓረብ ንቐጻሊ ጸቕጥታትን ካብ ምሊሻታትን ዞባውያን ተዋሳእትን ንዝመጽእ መጥቃዕትታትን ተቓላዒት ክገብራ ይኽእል እዩ።

ዶክተር ኣልጋሽያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ስዑዳውያን ካብ ተነጺልና ዝብል ስምዒት ንላዕሊ፡ ሓይልና ኣብ ብዙሕ ግንባራት ተበታቲኑ ዝብል ስምዒት እዩ ዘለዎም። ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ሓዊ ኣብ ዝነደደሉን ብዙሓት ቅልውላዋት ኣብ ዘጋጠመሉን ዞባ ኢና ዘለና፤ ንዅሉ ብሓንሳእ ምግጣም ድማ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ፡" ይብል።

ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ኣብ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መተሓላለፊታት ማይ ዓለም ዝዀነ መስመር ዘንጸላለወ ስግኣት ሑቲ ንምምካት ዓለምለኻዊ ደገፍ ኣብ ምድላይ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዕጡቓት ኣንሳር ኣላህ ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎም ጽኑዕ ቍጽጽር የደልድሉ ኣለዉ።

ንሪያድ፡ ሎሚ ስጕምቲ ምድንጓይ፡ ጽባሕ ስጕምቲ ምውሳድ ፈጺሙ ዘይከኣል ከይገብሮ ዝብል ስግኣት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።