ጀርመን፡ ክልተ ኣባላት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ቀይዲ ኣእትያ

ምንጪ ስእሊ, AP
ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ጀርመን ክልተ ኣባላት ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሓመዱ ኣብ ልዕሊ ፈስቲቫላት ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ሓይልታት ፖሊስን ዓመጽ ብምውዳብ ንዝጠርጠሮም ክልተ ሰባት ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝውዓሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ።
እቶም ብመሰረት መርማሪ ዳኛ ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀርመን ዘውጽኦ ትእዛዝ ዝተኣስሩ ውልቀ-ሰባት፡ ዜጋ ኤርትራ ዝዀነ መርሃዊ ከምኡ'ውን ዜጋ ጀርመን ዝዀነ ሽማንጉስ ዝተባህሉ እዮም።
ክልተኦም ተኸሰስቲ ኣብ ጥቓ ከተማ ሳርብሩከንን ሽቱትጋርትን ብፈደራላዊ ፖሊስ ገበን እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝወዓሉ ኰይኖም፡ ኣብቲ ምንቅስቓስ ኣባል ብምዃን ብጽኑዕ ከም ዝጥርጠሩ ዓቃብ ሕጊ ገሊጹ።
መርሃዊ ብተወሳኺ ምስዚ ተተሓሒዙ "ምዝራግ ህዝባዊ ሰላም" ብዝብል ክልተ ክስታት ቀሪብሉ ኣሎ።
ብመሰረት መዝገብ ክሲ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ "ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን" ኣብ ነሓሰ ዝተመስረተ ኰይኑ፡ "ንመንግስቲ ኤርትራ ንምውዳቕ" ዝዓለመ ኣህጉራዊ መርበብ ዘለዎ ምንቅስቓስ እዩ።
እቲ ምንቅስቓስ ዕላማኡ ንምዕዋት፡ ኣብ ጀርመን ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝዳለዉ መደባት ናይ ዓመጽ ስጕምትታት ይወስድ ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት መንግስቲ ጀርመንን ነቶም መደባት ንምሕላው ኣብ ዝዋፈሩ ሓይልታት ፖሊስን ዓመጽ ምጥቃም ከም "ቅቡል መንገዲ" ይርእዮ ነይሩ ኢሉ።
እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከም ዘረድኦ፡ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ከተማታት ጊሰንን ሽቱትጋርትን ኣብ ልዕሊ ዝተኻየዱ ፈስቲቫላትን ሰልፍታትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍትን ኣባላት ፖሊስን መቝሰልቲ ኣስዒቦም እዮም።
እቲ ዓመጽ ብመራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ ከም ዝተወደበ ዝኸሰሰ ዓቃብ ሕጊ፡ 'ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሓይሊ ምጥቃም' ሓዊሱ ብደንጓላታትን ኣእማንን ናብቶም ተሳተፍቲ ዒላማ ብምግባር ከም ዝተፈጸመን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስን ተሳተፍትን ከቢድ መውጋእቲ ከም ዘስዓበን የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ኣብዚ ምንቅስቓስ'ዚ መርሃዊ ዋና ጸሓፊ፡ ሽማንጉስ ድማ ኣቦ-መንበር ብምዃን "ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን" ኣብ ምቛምን "ናይ ዓመጽ ስጕምትታት ኣብ ምውዳብ"ን ወሳኒ ግደ ከም ዝነበሮም ወሲኹ ይገልጽ።
መርሃዊ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ጊሰን ኣብ ዝተኻየደ ዕግርግር ብኣካል ብምስታፍ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጕጅለ መጥቃዕቲ መሪሑ ምንባሩ ዓቃብ ሕጊ ኣረዲኡ።
ሰበ-ስልጣን ሕጊ ጀርመን ነዚ ምንቅስቓስ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ገበን እታ ሃገር ዓንቀጽ 129a ብምምዳብ ከም "ውሽጣዊ ግብረ-ሽበራዊ ውድብ" ገይሮም ክኸስዎ ምውሳኖም፡ ኣብ ታሪኽ ፍርዲ እታ ሃገር ሳሕቲ ዘጋጥም ከቢድ ሕጋዊ ስጕምቲ ምዃኑ ተንተንቲ ሕጊ የረድኡ።
እዚ ዓንቀጽ'ዚ ብልሙድ ኣብ ልዕሊ ውሽጣውያን ጽንፈኛታት ጕጅለታት ዝውዕል ኰይኑ፡ ንሓደ ናይ ስደተኛታት ምንቅስቓስ በዚ መንገዲ'ዚ ምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ነዊሕ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጀርመንን መላእ ኤውሮጳን ዘለዎም ናይ ዕቝባ ውሕስነትን መንበሪ ፍቓድን ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ዘውድቕ ከቢድ ሳዕቤን ክህሉዎ ዝኽእል እዩ።
እዚ ናይ ሕጂ ማእሰርቲ፡ ሰበ-ስልጣን ጸጥታ ጀርመን ንመስረትን መራሕትን እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ንዝጸንሖም መርመራ ስዒቡ ዝተወስደ ስጕምቲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ኣባላት ፖሊስ ብምስታፍ፡ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ጀርመን ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ተጠርጠርቲ ሰፊሕ ፍተሻ ምክያዶም ዝዝከር ኰይኑ፡ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዓቃብ ሕጊ ሽዑ ነቲ ምንቅስቓስ "ውሽጣዊ ግብረ-ሽበራዊ ውድብ" ክብል ሰይምዎ ነይሩ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣባላት እቲ ምንቅስቓስን ደገፍቲ መንግስትን ኣብ ከተማታት ጊሰንን ሽቱትጋርትን ዝተኻየደ ግጭታት፡ ብዓሰርተታት ዝቘጸሩ ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ከቢድ መውጋእቲ ከም ዝበጽሖምን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓሉን ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ተርእዮ ዓመጽ ኣብ ጀርመን ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይነበረን። ኣብ ኔዘርላንድስ፡ ብሪጣንያ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ካናዳን ኣብ ዝተዳለዉ ፈስቲቫላት ተመሳሳሊ ጐነጻዊ ባእሲ ተኸሲቱ እዩ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣወሃሃድቲ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ከቢድ ዕግርግር ብምስታፉ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተበዪንዎ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤምባሲታቱን ብወገኖም፡ ንምንቅስቓስ "ብርጌድ ንሓመዱ" ካብ ፈለማኡ ኣትሒዞም ብሓይልታት ወጻኢ ዝድገፍ ናይ ዓመጽን ዕግርግርን መርበብ ክብሉ ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ ዝተፈጥረ ደማዊ ግጭታት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓሚቝ ስግኣትን ምፍንጫልን ዘስዓበ ኰይኑ፡ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤውሮጳ ባህላዊ በዓላትን ፈስቲቫላትን ብውሳነ ሰበ-ስልጣን ንኸይካየዱ ክእገዱ ገይሩ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላት ሰባዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ግዱድ ዕስክርናን ምግሃስ መሰረታዊ ናጽነታትን፡ ንኣሽሓት መንእሰያት ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ኣብ ስደት ዕቝባ ንኽሓቱ ዘገድድ ዘሎ ቀንዲ ጠንቂ እዩ።
ኮምሽን መርመራ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ፍሉይ መርማሪ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ብተደጋጋሚ ከም ዘረጋገጽዎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዜጋታት ዘካይዶ ምክትታልን እቶም ኣብ ወጻኢ ዝዳለዉ ፈስቲቫላትን፡ ኣብቶም ካብቲ ስርዓት ሃዲሞም ዝመጽኡ መንእሰያት ዓቢይ ቍጥዐን ቅሬታን ምፍጣሩ ይግለጽ።
በዚ ምኽንያት፡ መብዛሕትኦም ኣባላት እዚ ምንቅስቓስ፡ እቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ሰላማዊ ተቓውሞታት ኣብ ኤርትራ ዝዀነ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ ብዘይምኽኣሉ ተስፋ ብምቝራጽ፡ ነቲ ብደገፍቲ መንግስቲ ዝዳለዉ ፈስቲቫላት ብቐጥታ ናብ ምግጣምን ጐነጻዊ ስጕምትታትን ክሰጋገሩ ከም ዝተራእዩ ተንተንቲ ይገልጹ።
"ብርጌድ ንሓመዱ ጀርመን" ኣብ ዝሓለፈ እዋን "ካብ ኤርትራ ወጻኢ ካብ ዝግበር ናይ ዓመጽ ግጭታት ከም ዝቝጠብ" ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ጠበቓታት እቶም ዝተኸሰሱ ውልቀ-ሰባት ይዅኑ መሪሕነት እቲ ምንቅስቓስ ብዛዕባ'ዚ ብሰበ-ስልጣን ጀርመን ዝቐረበ ከቢድ ክሲ ክሳዕ ሕጂ ዝሃብዎ ወግዓዊ ምላሽ የሎን።
እቶም ክልተ መራሕቲ ድማ ናይ ቅድመ-ፍርዲ ማእሰርቶም ንምውሳን ኣብ ቅድሚ መርማሪ ዳኛ ፈደራላዊ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀርመን ክቐርቡ እዮም።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


