ተመራመርቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝርዝራዊ ምስሊ ጸሓይ ዘርጊሖም
ተመራመርቲ ካብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ቴለስኮፕ ተጠቒሞም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝርዝራዊ ምስሊ ጸሓይ ዘርጊሖም።
እቲ ሓድሽ ዝተዘርግሐ ምስሊ ጸሓይ ቅድሚ ሕጂ ፈጺሙ ክርአ ዘይክእል ዝነበረ ኣብ ቀጸላ ጸሓይ ዝርከብ ሕምብሊል ዝብል ጓህርን ካልእን ዘርኢ'ዩ።
እቲ ስእሊ ብተወሳኺ ማግኔታዊ ሓይሊ ጸሓይ ብምንቅስቓስ ብርቱዕ ዋዒ ዘለዎ ጋዝ ኣንፈቱ እናቐየረ'ውን ዘርኢ'ዩ።
እዚ ብብርቱዕ ጋዝ ተሓጊዙ እናሻብ ኣንፈቱ ክቕይር ዝርአ ማግኔታዊ ሓይሊ ጸሓይ፡ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ንሕና ካብ ጸሓይ ንረኽቦ ጸዓት'ዩ።
ዶክተር ደቪድ ቦብልዝ ካብ ናሽናል ሶላር ኦብዘርቫቶሪ (NSO) ነዚ ከረድእ እንከሎ "ጸሓይ ናይ ኵሉ ኣብዚ ህዋ ዘሎ ጸዓት ቀንዲ ምንጪ እያ" ድሕሪ ምባል፡ ዝርዝራዊ ስእሊ ናይታ ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ዝዀነት ጸሓይ ምርካብን ምርዳእን ነዚ ኣብዚ ዓለምና ዘሎ ዝቐያየር ኵነታት ኣየር መልሲ ንኽርከበሉ ዝሕግዝ ምዃኑ የብርህ።
"ንኵነታት ኣየር ክንርደኦን ክንትንበዮን መጀመርታ ኣብ ጽሓይ ዘሎ ኩነታት ክሳብ እቲ ዝደቐቐ ነገር ክንርድኦ ኣለና" ይብል እዚ ምሁር።
እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምስሊ ጸሓይ በቲ ኣብ ሃዋይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተተኺሉ ዘሎ ኢኖየ ዝተሰመየ ዓቢ ቴለስኮፕ'ዩ ተሳኢሉ።
ሃዋይ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ርሒቓ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ እትርከባ ደሴት ኰይና፡ እቲ ተሌስኮፕ ኣብኡ ክትከል ዝተመረጸሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ሰማይ ብሩህ ሰማያውን እታ ደሴት ከኣ በይና ዝተፈለየት ብምዃና እቲ ሰማይ ዝዀነ ዶሮና ስለዘይብሉን ብምዃኑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, NSF/NSO/AURA/MPS
እዚ ከኣ ነቶም ተመራመርቲ ክሳብ እቲ ቴለስኮፕ ዝፈቕዶ ኣቕሪቦም ንጸሓይ ክስእልዋ ከም ዝሓገዞም ይገልጹ።
እቲ ኣሳእል ምስ ሰፊሕ ዝርዝራዊ መብርሂታት ኣብ ጆርናል ኔቸር ተሓቲሙ ይርከብ።
ኣባል ኤንኤስኦ ተመራማሪ ስነ ህዋ ደቪድ ኩርዲዝ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት "እቲ መመሊሱ ኣንፈቱ ዝቀያይር ማግኔታዊ ሓይሊ ማግኔታዊ ጸዓት'ዩ ዝፈጥር፤ እዚ ተደማሚሩ ዓቢ ሓይሊ ዘለዎ ምፍንጃር ክፈጥር ይኽእል" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, NASA/SDO
እቶም ተመራመርቲ ስነፍልጠት በዚ ናይ ሕጂ ተንቀሳቃሲ ምስልን ደረቕን ስእሊን ተሓጊዞም ኣብ ጸሓይ ዝተዓዘብዎ "ዘይምርግጋእ ኬልቪን-ሄልምሆልዝ" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።
እቲ ተርእዮ ዘጋጥም ኣብ ቀጸላታት ጸሓይ ዝርከቡ ውዑያት ጋዛት - ንሓድሕዶም ክጋጨዉ እንከለዉ ጽልዋኡ ክሳብ ኣብ መሬት'ዩ ዝበጽሕ። ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታት ዝርአ ብርቱዕ ማዕበላት ከኣ መበገሲኡ እቲ ኣብ ቀጸላታት ጸሓይ ዘጋጥም ምግጫው ውዑያት ጋዛት ምዃኑ'ዮም እዞም ተመራመርቲ ዘረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, NASA
ዶክተር ፍሪድሪክ ዎገር፡ ንሱ እውን ካብ NSO፡ ንምስሊ ጸሓይ ዘርኢ ዝርዝራዊ ስእሊ ምርካቡ ንምቅይያራት ኵነታት ኣየር ጥራይ ዘይኰነ ዋላ'ውን ንምንታይ ገጽ ጸሓይ ኣዝዩ ውዑይ ከምዝዀነ ንምርዳእ'ውን ከም ዝሕግዝ'ዩ ዘብርህ።
እቲ ስእሊ እቲ ካብ ጸሓይ ዝምንጩ ጸዓት ብኸመይ ናብ ላዕሊ ገጹ ከምዝጕዓዝ'ውን ዘርኢ ምዃኑ እቲ ምሁር የረድእ።
"ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላታት ጸሓይ እኹል ጸዓት ምስ ተኣከበ ብመልክዕ ባርዕ ወይ ጓህሪ'ዩ ናብ ላዕሊ ገጹ ዝኸይድ እዚ ከኣ 'ኮሮናል ማስ ኢጀክሽን' ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, NSF National Solar Observatory
ዶክተር ደቪድ ቦብልዝ ካብ ናሽናል ሶላር ኦብዘርቫቶሪ ብወገኑ "ንነብስና ካብ ናይ ህዋ ኵነታት ኣየር ንምክልኻል፡ እዚ ሓድሽ ርኽበታት፡ ጸሓይ "ፍልይቲ ቤተ-ፈተነ" ምዃና ዘዘኻኽር ምዃኑ ገሊጹ።
ብምስዓብ "ጸሓይ ዝቐረበት ኮኾብና'ያ፡ እዚ ኣሳእል ከኣ ንገለ ኣዝዮም መሰረታውያን ሕግታት ፊዚክስ ንምርዳእ ክሕግዘና ይኽእል'ዩ።"
"ናይ መጀመርታ ፈተነ መርትዖ ሓፈሻዊ ተዛማድነት ኣንስታይን ካብ ትዕዝብቲ ጸሓያዊ ግርደት ዝመጸአ እዩ፡ ስለዚ ብዛዕባ ከባቢና ዘለና ፍልጠት ንኸነዕቢ ከምዚ ዓይነት ፈተነታት ክህልወና ኣለዎ" ብምባል ድማ ይድምድም።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



