ኢንፋንቲኖ ይቕረታ ሓቲቱ - ስልጣኑ ግን ክለቅቕ ድዩ ክጸንሕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ፡ ብጽሒት ውድድራት ፊፋ ንውልቀ ኣወፈርቲ ንምሻጥ ኣብ ዘውጽኦ ኣካታዒ ውጥን ብዝፈጸሞ "ጌጋታት" ይቕረታ ሓቲቱ።
ይዅን እምበር፡ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ራባት (ሞሮኮ) ካብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ላዕለዎት ፈጸምቲ ኣካላት እቲ ትካል ደገፍ ስለ ዝረኸበ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ እዩ።
ነቲ ኣካታዒ ዝዀነ ውጥን ስዒቡ ብርቱዕ ነቐፌታ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኢንፋንቲኖ ብረቡዕ ኣብ ራባት (ሞሮኮ) ምስ ላዕለዎት ኣባላት ቦርድ ኣመራርሓ ፊፋ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ።
ድሕሪ'ቲ ኣኼባ፡ ፊፋ ንፕረዚደንቱ ደገፍ ከም ዘለዎ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ኢንፋንቲኖን ዋና ጸሓፊ ፊፋ ማትያስ ግራፍስትሮምን፡ ንኵሎም ምክትል ፕረዚደንታት፡ ኣባላት ባይቶን 211 ኣባላት ማሕበራትን ኣብ ዝሰደድዎ ደብዳበ፡ ብጌጋታቶም "ብልቢ ይቕረታ" ከም ዝሓተቱን "ከምዚ ዓይነት ጌጋ ደጊሙ ከም ዘይፍጸም" መብጽዓ ኣትዮም።
እቲ መበገሲ ቅልውላው፡ ኢንፋንቲኖ ነቲ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ዝሓቍፍ ሓድሽ ውጥን 'ፊፋ ፎርዋርድ ኢንተርፕራይዝ' (FFE) ንዝድግፋ ሃገራዊ ማሕበራት ነፍሲ-ወከፈን 40 ሚልዮን ዶላር ክህብ ምምባጽዑ እዩ።
እዚ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተኻየደ ውጥን፡ ነቲ ናይ መሸጣ መሰላት ንጆሹዋ ኩሽነር (ሓው ንሰብኣይ ጓሉ ንዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ጃሬድ ኩሽነር) ንምሃብ ዝዓለመ ብምንባሩ፡ ነቲ ኵነታት ዝያዳ ኣካታዒ ገይሩዎ። ጋዜጣ 'ዘ ታይምስ' ነዚ ጕዳይ ብ28 ሓምለ ምስ ኣቃልዖ ድማ፡ ፊፋ ብዛዕባ'ቲ ጕዳይ "ጌጋታት" ከም ዝተፈጸመ ተኣሚኑ።
ኢንፋንቲኖ ኣብ ዝሓለፈ ከም ኣገባብ ኣመራርጻ ኣአንጋዲት ሃገር ዋንጫ ዓለም 2034 ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ቅልውላዋት ሓሊፉ'ኳ እንተዀነ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ጕዳይ ግን ንባዕሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ፊፋ እውን ከይፈለጡዎ ብምስጢር ዝተታሕዘ ብምዃኑ ሓያሎ ወገናት ኣቚጢዑ ኣሎ።
ተቓውሞ ዩኤፋ (UEFA)ን ዓለምለኻዊ ጽልዋኡን
ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኤውሮጳ (ዩኤፋ) ግና ኣብ ልዕሊ ኢንፋንቲኖ ዘለዎ እምነት ከም ዝጠፍአን፡ እቲ ፊፋ ንምክያዱ ዝሓሰቦ ውጥን (FFE) ድማ "ግልጽነት ዝጐደሎን ብድሕሪ መጋረጃ ዝተገብረን ሕሱር ስምምዕ" ምዃኑ ብምግልጽ ብትሪ ነቒፉዎ ኣሎ።
ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋልን ሪያል ማድሪድን ዝነበረ ሉዊስ ፊጎ ዝርከቦም ሓያሎ ወገናት፡ ኢንፋንቲኖ ስልጣኑ ብህጹጽ ክለቅቕ ጸዊዖም እዮም።
ወዲ 56 ዓመት ኢንፋንቲኖ፡ ኣብ መጋቢት 2027 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝካየድ ጕባኤ ፊፋ ንራብዓይ ግዜ ንምምራጽ ኣብ ምድላው እዩ ዘሎ። ሓደ ሕጹይ ንኽዕወት ካብ 211 ኣባላት እቲ ማሕበር ብውሑዱ 106 ድምጺ የድልዮ።
ዩኤፋ ብወገኑ ንኢንፋንቲኖ ክቃወሞ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ንበይኑ ካብ ስልጣን ንምውራድ ግና ዓለምለኻዊ ደገፍ የድልዮ እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ወጻኢ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ኢንፋንቲኖ ድልዱል ደገፍ ኣለዎ። ከም ሞሮኮ፡ ግብጺ፡ ኒጀርን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኢንፋንቲኖ ደገፈን ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
እዘን ሃገራት፡ ፊፋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ዓመት ብዝህቦ ናይ 8 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተጠቀምቲ ብምዃነን ነቲ ፕረዚደንት እሙናት ኰይነን ይቕጽላ ኣለዋ።
በዚ ድማ፡ ዩኤፋ ንካልእ ሕጹይ ፕረዚደንት ከተኣታቱ እንተደልዩ፡ ነዘን ዞባታት ተመሳሳሊ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ዝያዳ ግልጽነትን ከም ዝህብ ከእምነን ከቢድ ዕዮ ክጽበዮ እዩ።
ዛጊት ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ዮርዳኖስ ጥራይ እያ ኢንፋንቲኖ ስልጣኑ ክለቅቕ ብግህዶ ዝጸውዐት። ፊፋ ብወገኑ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ጽቡቕ ስሙን ምሕደራኡን ዝቐንዕ ዝዀነ ይዅን መጥቃዕቲ ከም ዘይጻወርን ክከላኸል ምዃኑን ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጻኢ ኣንፈት
እዚ ቅልውላው ኣብ ውሽጢ ፊፋ እውን ነቓዕ ፈጢሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፖሊሲ ኢንፋንቲኖ ዝዀነ ካርሎስ ኮርዴሮ ብሰንኪ እዚ ውጥን ስርሑ ክሓድግ ከሎ፣ ከም ሓላፊ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ኵዕሶ እግሪ ኣርሰን ቨንገርን ኬቨን ላሞርን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ ስርሖም እኳ እንተ ዘይለቐቑ ብውሽጢ ግን ነቐፌታኦም ኣስሚዖም እዮም።
ኢንፋንቲኖ፡ ነዚ ዅሉ ተቓውሞታት ንምህዳእ፡ ከምዚ ዓይነት ምስጢራዊ ስምምዓት ዳግማይ ንኸይፍጸም ዘኽእል ሓድሽ ናይ ጽገናን ተሓታትነትን ኣሰራርሓታት ከተኣታቱ ትጽቢት ይግበር።
ምናልባት እውን ነቲ 64 ሃገራት ዝሳተፋሉ ዋንጫ ዓለም ዝብል ውጥኑ ክስርዞ ወይ ካዝና ፊፋ ንኣባላት ዝያዳ ክኸፍት ይግደድ ይኸውን፡ ዝብል ግምታት ኣሎ።



![ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ [የማነይ] ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ብሎስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/990d/live/06c4c2b0-908e-11f1-a253-e98660850eb3.jpg.webp)











![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



