ቀተልቲ ሳተላይት፡ ኣብ ህዋ ዝግበር ውግእ እንታይ ክመስል ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እተን ንመሬት ዝዞራ ሳተላይታት ኣብዚ ዘመናዊ ግጭታት ክሳዕ ሕጂ ብሰላም እየን ጸኒሐን። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ህዋ ደሓን ዝዀነ ቦታ ኰይኑ ክቕጽል ዝኽእል ኣይመስልን።
24 ለካቲት 2022፡ ወጋሕታ ሰዓት 03:00፡ ኣብ መላእ ዩክረይንን ማእከላይ ኤውሮጳን ዝርከቡ ኣሽሓት መሳርሒታት መራኸቢ (ሞደማት) ሳተላይት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኰይኖም።
ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ድማ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተጀሚሩ።
ኣብ ኣመሪካ ናይ ዝርከብ ማእከል ስትራተጅያውን ኣህጉራውን መጽናዕቲ (CSIS) ዳይረክተር ፕሮጀክት ድሕነት ኣየርን ህዋን ካሪ ቢንገን፡ "ቀዳማይ መጥቃዕቲ ውግእ ሩስያን ዩክረይንን እተን ናብ ዩክረይን ዝኣተዋ ታንክታት ዘይኰናስ፡ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ ስርዓት ሳተላይት እተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ እቲ መጥቃዕቲ ብመንግስቲ ሩስያ ከም እተፈጸመ ተረጋጊጹ፡" ትብል።
ኣስዒባ ድማ፡ "ንምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም? ንዓቕሚ መራኸቢታት ሰራዊትን መንግስትን ዩክረይን ንምድኻም እዩ፡" ክትብል ትገልጽ።
ኣብ ዘመናዊ ውግእ፡ እቲ ቀዳማይ ተዅሲ ብጠመንጃ ወይ ብሚሳይል ዘይኰነስ፡ ኣብ ህዋ ንዝርከባ ሳተላይታት ዒላማ ብዝገበረ ጐዳኢ ናይ ኮምፒዩተር ኮድ ክጅመር ይኽእል እዩ።
ኣብ ግዜ ዝሑል ኲናት፡ ኣመሪካን ሩስያን ብምድሪ፡ ብኣየር፡ ብባሕሪ ከምኡ'ውን ብዙሕ ከይተነግረሉ ኣብ ህዋ ይገጥማ ነይረን።
ሕጂ ግን እቲ ኣብ ህዋ ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ይመጽእ ኣሎ፤ እዚ ድማ ነቲ 626 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ቍጠባ ህዋ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ለካቲት፡ ክልተ ሳተላይታት ሩስያ ካብ ወራር 2022 ጀሚረን፣ ናይ ልዕሊ ዓሰርተ ዝዀና ናይ ኤውሮጳ ሳተላይታት መራኸቢታት ሰልየን ክዀና ከም ዝኽእላ ተገሊጹ።
እዚ ስለያ'ዚ፡ ስለያዊ ትካላት ሩስያ ነቲ ዝመሓላለፍ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንኸንብቡ፡ ወይ ድማ ብግምት፡ ነተን ሳተላይታት ንኽቈጻጸሩወን ዕድል ክህቦም ይኽእል እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት፡ ኣብ መሬት ዝርከቡ ተለስኮፓትን ኣብ ህዋ ዘለዋ ካሜራታትን፡ ሉች-1ን ሉች-2ን ዝተባህላ ክልተ ሳተላይታት ሩስያ ኣብ ህዋ ዘጠራጥር ምንቅስቓስ ክገብራ ከም ዝጸንሓ ኣስተውዒለን።
ብፍላይ ምስቲ ንኤውሮጳ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ 'ኢንተልሳት 39' ዝተባህለ ሳተላይት ኣዝየን ተቐራሪበን ተራእየን እየን።
እዚ ሳተላይት'ዚ ንመራኸቢታት፡ መርበብ ሓበሬታን ወተሃደራዊ ዕላማታትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ንመጥቃዕቲ ተቓላዒ ይገብሮ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ከም ሩስያ ዝኣመሰላ ሓይልታት ግጭት እንተ ተፈጢሩ፡ ነዚ መጥቃዕቲ እዚ ንምክልኻል መደባት የውጽኣ ኣለዋ።
ኣብ ፈረንሳ ዝመደብሩ ትካል ምክትታል ሳተላይት ኣልዶርያ ክኢላ ሰብ-ሞያ ኖርበርት ፑዚን፡ "ሓደ ሳተላይት ኣብ ህዋ ናብ ካልእ ሳተላይት ኣዝዩ ክቐረብ ከሎ፡ መን ቅድም ምንቅስቓስ ይገብር፡ እቲ ካልእ ከኣ ከመይ ይምልስ ዝብል ናይ ብልሓት ጸወታ እዩ፡" ይብል።
እዚ ምንቅስቓስ'ዚ ምስቲ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ነፈርቲ ዝግበር ናይ ኣየር ውግእ ይመሳሰል። እንተዀነ፡ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ህዋ እዩ ዝካየድ።
እዚ ናይ ሩስያ ስጕምቲ፡ ክፍሊ ናይቲ ወተሃደራውያን ዘይኰኑ ሜላታት ዝጥቀም (ንኣብነት፡ መራኸቢታት ምዝባዕ) "ሕውስዋስ ውግእ" እዩ።
ሩስያ ንሳተላይታት ከም ድኹም ጐድኒ ኣመሪካን መሻርኽታን እያ ትርእዮም፤ ምኽንያቱ፡ ምዕራባውያን ኣብ ሳተላይታት ኣዝዮም ዝተመርኰሱ ስለ ዝዀኑ።
ነዚ ስርዓት'ዚ ምዝባዕ (ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምግባር) ድማ ኣብ ስቪላውን ወተሃደራውን ትሕተ-ቕርጺ ዓቢ ጕድኣት ከውርድ ይኽእል።
ኣብ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪሰስ (RUSI) ክኢላ ውግእ ህዋ ዝዀነት ጁልያና ሱዊስ፡ "እዚ ናይ ሩስያ ባህሪ ሓድሽ ኣይኰነን። ድሮናት ናብ ኣየር ፖላንድ ክኣትዋ ከለዋ ይዅን ሳተላይታት ሩስያ ናብ ናይ ምዕራባውያን ሳተላይታት ክቐርባ ከለዋ፡ ኵሉ ግዜ ዶባት ክጥሕሱ ንርእዮም ኢና። እዚ ንልዕሊ 10 ዓመታት ክገብርዎ ጸኒሖም እዮም፡" ትብል።
ካብ ግዜ ዝሑል ውግእ ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሳተላይታት ጕድኣት ንምብጻሕ ወይ ንምዝባዕ ዝዓለሙ "ጸረ-ህዋ ኣጽዋር" ክማዕብሉ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ድማ ካብ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ፡ ምልክታት ሳተላይት ምዕጋት ክሳብ ከም ሌዘርን ኤለክትሮማግነታዊ ማዕበልን (EMP) ዝኣመሰሉ ሳተላይት ከዕንዉ ዝኽእሉ ኣጽዋር የጠቓልል።
ብተወሳኺ፡ ካብ መሬት ወይ ካብ ኣየር ዝትኰሱ ሚሳይላት (kinetic weapons) ንሳተላይታት ክወቕዑ ይኽእሉ እዮም።
ቻይና ኣብ 2007 ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ስራሕ ዘቋረጸት ሳተላይት ሚሳይል ብምትኳስ ዘርኣየቶ ፈተነ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ህዋ ክጸንሕ ዝኽእል ብኣሽሓት ዝቝጸር ስብርባር ፈጢሩ እዩ።
ኣመሪካ ኣብ 2008 'ኦፐሬሽን በርንት ፍሮስት' ብዝተባህለ ስርሒት፡ ካብ መርከብ ብዝተተኰሰ ሚሳይል ተበላሽያ ዝነበረት ሳተላይታ ከም ዘዕነወት ይዝከር።
ህንድን ሩስያን እውን ተመሳሳሊ ናይ ሚሳይል ፈተነታት ኣካይደን እየን።
እቲ ካብዚ ዕንወት እዚ ዝፍጠር ስብርባር፡ "ሰንሰለታዊ ሳዕቤን ኬስለር" (Kessler Syndrome) ንዝተባህለ ሓደገኛ ኵነታት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ እቶም ስብርባራት ንባዕሎም ምስ ካልኦት ሳተላይታት እናተጋጨዉ ተወሳኺ ዕንወት ዝፈጥሩሉን ንህዋ ንጕዕዞ ሓደገኛ ዝገብሩሉን ኵነታት እዩ።
ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ህዋ
ኣብ 2022 ሩስያ 'ኮዝሞስ 2553' ዝተባህለ ሳተላይት ናብ ህዋ ኣልሚኻ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣመሪካ እዚ ሳተላይት'ዚ ሩስያ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ህዋ ንምውፋር እትገብሮ ዘላ ናይ ምድላው ስራሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጻ።
እዚ ንዩክለሳዊ ቦምብ'ዚ፡ ከምቲ ንዩክረይን ዓቢ ደገፍ ዝህብ ዘሎ ናይ ኢሎን ማስክ 'ስታርሊንክ' ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መርበባት ሳተላይት ንምዕናው ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ። ሩስያ ግን ነዚ ክስታት ትነጽጎ እያ።
ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ህዋ ናይ ምጥቃም ሓሳብ ሓድሽ ኣይኰነን። ኣብ 1962 ኣመሪካ 'ስታርፊሽ ፕራይም' ብዝተባህለ ፈተነ፡ ኣብ ህዋ ንዩክለሳዊ ቦምብ ኣተኲሳ ነይራ።
እዚ ድማ ኤለክትሮማግነታዊ ማዕበል ብምፍጣር ኤለክትሮንያዊ መሳርሒታትን መራኸቢታትን ከቋርጽ ገይሩ እዩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ 1964 ብዝተገብረ ስምምዕ ውዕል፡ ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣብ ህዋ ምፍታን ዝተኸልከለ ኰይኑ ኣሎ።
መጻኢ ውግእ ህዋ
ኣብ መጻኢ፡ ሃገራት ንሳተላይታተን ንምክልኻል "ሓለውቲ" ሳተላይታት ክሰርሓ ይኽእላ እየን። ጃፓን፡ ፈረንሳ፡ ህንድን ጀርመንን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንሓልዋ ዝወጽኡ ሳተላይታት ንምህናጽ ይጽዕራ ኣለዋ።
ብተወሳኺ፡ ቻይና ሓያል ኤለክትሮማግነታዊ ዕርዲ ብምፍጣር፡ ንምልክታት ስታርሊንክ ኣብ ሓደ ከባቢ ክትዓግት ከም እትኽእል ዝሕብሩ መጽናዕትታት ይወጹ ኣለዉ።
ክኢላታት ከም ዝሕብሩዎ፡ እቲ ዓቢ ስግኣት እቲ ብጌጋ ዝውሰድ ስጕምቲ እዩ። ኣብ ህዋ ሓደጋ ምስ ዝፍጠር፡ እቲ ሓደጋ ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ድዩ ወይስ ንቡር ሓደጋ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ናብ ዘይተደልየ ዓቢ ውግእ ከምርሕ ይኽእል እዩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
