ሓይልታት ፑንትላንድ ምስ 'ብሶማልያ ዝድገፉ ዕጡቓት' ኣብ ከቢድ ውግእ

ምንጪ ስእሊ, BBC somali
ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድን ምስ መንግስቲ ፈደራል ሶማልያ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበሃሉ ዕጡቓትን፡ ኣብ ከተማ ጋልካዮ ከቢድ ውግእ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።
ምምሕዳር እታ ግዝኣት፡ እቶም ኣንጻር ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ምስ መንግስቲ ሶማልያ ምትእስሳር ከምዘለዎም ከሲሱ ኣሎ።
ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ሶማልያ ዝተወለዐ ውግእ፡ ክልቲኦም ወገናት ከቢድ ኣጽዋር ከምዝተጠቕሙ መሰካኽር ዓይኒን ምንጭታትን ሓቢሮም።
ኣብታ ከተማ ዝነብር ሓደ ጋዜጠኛ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብውሕዱ ሓደ ሲቪል ክመውት እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ቈሲሎም። ከምኡ ድማ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሓይልታት ጸጥታ ቈሲሎም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ብኽልቲኡ ወገን ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ብወግዒ ዝተገለጸ ነገር የለን።
እቲ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ሒደት መዓልታት፡ ፕረዚደንት ፑንትላንድ፡ ማእከላይ መንግስቲ ነታ ግዝኣት ንምዝራግ ኣጽዋርን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
መንግስቲ ፈደራል ሶማልያ ግን ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን።
እቲ ውግእ ምስተወልዐ፡ ፕረዚደንት ፑንትላንድ ሰይድ ዓብዱላሂ ደኒ፡ ሓይልታት ጸጥታኡ "ዝተወደበ ስርሒት" ከምዘካየዱ፡ ኣብ ተለቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ ተዛሪቡ።
እቲ 'ዝወደበ ስርሒት' ዝበሎ፡ 'ንጸጥታ ፑንትላንድ ንምድኻም ዝተኸዘነ ኣጽዋር ፈደራል መንግስቲ ዝሓዘ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቍጽጻር' ዝዓለመ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ፕረዚደንት እታ ግዝኣት ኣብ መግለጺኡ፡ ንፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብተደጋጋሚ "እዋን ስልጣኑ ዝሓለፈ ፕረዚደንት" ክብል ክኸሶ ተሰሚዑ።
ከምኡ'ውን፡ "ኣብቲ ኣዝዩ ርጉእ ከባቢታት እታ ሃገር ጸጥታ ንምዝራግ" ይጽዕር ኣሎ ክብል'ውን ንፕረዚደንት ሶማልያ ከሲሱ።
ቢቢሲ ነዞም ክስታት ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጸን።
ፕረዚደንት ፑንትላንድ ወሲኹ፡ ገለ መንእሰያት ፑንትላንድ ብፈደራል ብዝድገፉ ሓይልታት ተታሊሎም፡ ናብ ሰራዊት ተጸንቢሮም ምስ ካብ ካልኦት ከባቢታት ሶማልያ ዝመጹ ሓይልታት ኰይኖም ክዋግኡ ከምዝጸንሑ ገሊጹ።
ፑንትላንድ፡ ካብ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳራዊ መሓውር ወጻኢ ንዝርከቡ ሓይልታት ኣፍልጦ ከምዘይትህብ እውን ገሊጹ።
"ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ፑንትላንድ ዘለዉ ሓይልታት፡ ንሳቶም ጥራይ እዮም፤ ካልእ ሓይሊ የለን" ኢሉ።
እቲ ውግእ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኻየደ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።
ሓይልታት ፈደራል ኢና ዝብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ግን፡ ኣብ "ትካላት ጸጥታ ፑንትላንድ" ክምዝገቡ ብምሕታት፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዘየማልኡ ድማ "ስጕምቲ ክውሰድ" ምዃኑ ኣጠንቂቝ።
ሓይልታት ፑንትላንድ ነቶም ዝማረኹዎም፡ "ብሰብኣዊ ኣገባብ ክሕዙዎም፡ ንዝተጐድኡ ሓገዝ ክገብሩን፡ ኣብ እዋን ስርሒታት ዝተማረኹ ከይምዝምዙን" ኣተሓሳሲቡ።
መደረ ፕረዚደንት ፑንትላንድ፡ ብዓቢኡ ኣብቲ ምስ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ዶባት እተካይዶ ዘላ ግጭት ጋልካዮ ዝምልከት ከምዝዀነ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ፑንትላንድ ምስ ከም ኣልሸባብን እስላማዊ መንግስቲን ዝኣመሰሉ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ምውጋእ ዓመታት ከምዘሕለፉ ሓቢሩ።
ኣብ ኣኽራናት በካል ሚስካድን ጋልጋላን ዝተኻየዱ ውግኣት'ውን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዘለዎም ኣበርክቶ ከም ኣብነታት ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ፑንትላንድ፡ መንግስቲ ፈደራል ንኣልሸባብ ንምምካት ክውዕል ዝግበኦ ሃገራዊ ጸጋታት ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሕምስምስ የውዕሎ ከምዘሎ'ውን ከሲሱ።
"መንግስቲ ፈደራል ንኣልሸባብ ንምውጋእ ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝግበኦ ጸጋታት ንሶማልያውያን ንምውጋእ ምውዓል ደው ከብል ነተሓሳሰብ" ኢሉ።
እዚ ክሲ ዝቐርብ ዘሎ፡ ሶማልያ ምስቲ ንገለ ክፋል ደቡብን ማእከላይን ክፋላት እታ ሃገር ዝቈጻጸር ኣልሸባብ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ እዋን'ዩ።
ኣልሸባብ ቀንዲ ስግኣት ጸጥታ እታ ሃገር ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ ኣሎ።
ፑንትላንድ ኣብ 1998 ዝተመስረተት ሓውሲ- ነጻ ግዝኣት ኰይና፡ ሓንቲ ካብተን ፈደራላዊ መንግስቲ ዘቘማ ግዝኣታት ሶማልያ እያ።
ምስ ግዜ ድማ ናይ ባዕላ ሓይልታት ጸጥታ ብምውዳብ፡ ንፈደራል መንግስቲ ኣብ ወፍርታት ጸረ-ግብረሽበራ ክትድግፍ ጸኒሓ እያ።
ኣብ ከባቢ ከተማ ጋልካዮ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝመጽአ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግን፡ ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ኣብ ቀረባ እዋን ኣጠንቂቖም ነይሮም እዮም።
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድን ሰራዊት መንግስቲ ፈደራልን ዝተጀመረ ውግእ ግን ክሳብ ትማሊ ምልክታት ምህዳእ ኣየርኣየን።
ቢቢሲ፡ ፕረዚደንት ፑንትላንድ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ፡ ንዘቕረቦም ክስታት ምላሽ ክወሃቦ ሓቲቱ ኣሎ።

![ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ [የማነይ] ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ብሎስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/990d/live/06c4c2b0-908e-11f1-a253-e98660850eb3.jpg.webp)










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



