ኢትዮጵያዊ ተወልደ ገብረማርያም ላዕለዋይ ሓላፊ መንገዲ ኣየር ህንዲ ኰይኑ ተመዚዙ

ኣቶ ተወልደ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓላፊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ላዕለዋይ ሓላፊ ኰይኑ ንመንገዲ ኣየር ህንዲ ከምርሕ ብኣባላት ቦርዱ ከም ዝተመዘዘ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ተወልደ ነቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ነቲ መንገዲ ኣየር ዝመርሖ ካምፕቤል ዊልሰን ብምትካእ'ዩ ነቲ ሓላፍነት ተረኪብዎ ዘሎ።

ኣባላት ቦርድ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ነቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓለም ፍሉጣት ምስ ዝዀኑ መንገዲ ኣየራት ክሰርዖ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ኣለዉ።

እቲ ቦርድ፡ ንመንገዲ ኣየር ህንዲ ብምምሕዳር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘበርኽ፡ ድልዱል ባህሊ ድሕነትን ኣገልግሎትን ዘዕቢ ከምኡ'ውን መኽሰብን ዝርግሐን ዘለዎ ስራሕ ከካይድ ዝኽእል መራሒ ከለሊ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ነዚ ዝበቕዖ ኰይኑ ከምዝረኸቦን ብምሉእ ድምጺ ከምዝመረጾን ሓቢሩ።

ኣቶ ተወልደ ሓደ ካብቶም ዕዉታት ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ኣቬሽን ብምዃኑ ሰፊሕ ተፈላጥነት ዘለዎ እዩ።

ኣብቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዋና ኣካያዲ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ብዝርገሐን ብመኽሰብን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ከምዝገበሮ ይፍለጥ።

ኣቶ ተወልደ ኣብ እዋን ስልጣኑ ንመጠን መኽሰብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድን ነተን እቲ ትካል ዝውንነን ዝነበራ ነፈርቲ ብዝሐን ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዘዕበዮ ሰነዳቱ ይሕብር።

ኣባል ቦርድን ኣቦ መንበርን መንገዲ ኣየር ህንዲ ኤን ቻንድራሰካራን ንመዝነት ኣቶ ተወልደ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ንዅሎም ኣባላት ቦርድ ወኪለ ንኣቶ ተወልደ ናብ መንገዲ ኣየር ህንዲ እንቋዕ ብድሓን መጻእካ እብሎ" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወሲኹ፡ "ኣየር ህንዲ ሕጂ ናብ ወሳኒ ዘመን ምስፍሕፋሕ'ዩ ዝኣቱ ዘሎ፣ ኣቶ ተወልደ ኣብ ምህናጽ ሓደ ካብቶም ብቝዓትን መኽሰብ ዘለዎምን ጕጅለታት መንገዲ ኣየር ዓለምና ዘለዎ ሕሉፍ መዝገብ፡ ንመንገዲ ኣየር ህንዲ ንምምራሕ ፍሉይን ብቑዕን ዝገብሮ ረቋሒ'ዩ። ናይ ስራሕ ክእለቱ፡ ንውሕስነት ዘለዎ ተወፋይነትን ራእይን ነዚ መንገዲ ኣየር ከም ቀዳማይ ዓለማዊ መንገዲ ኣየርን ምንጪ ሃገራዊ ሓበንን ኣብ ምግባሩ ዓቢ እጃም ክህልዎ'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ ተወልደ'ውን፡ በቲ መንገዲ ኣየር ነዚ ሓላፍነት ምምዛዙ ሓበን ከምዝስምዖ ብምግላጽ "ምስ ኣቦ መንበር ቻንድራሰካራን፡ ቦርድ፡ ሰራሕተኛታትን፡ ከምኡ'ውን ኵሎም መሻርኽቲ መንግስትን ኢንዱስትሪን ብቐረባ ብምስራሕ ቀጻልነት ዘለዎ ዕብየት ክምዝገብ ክሰርሕ'የ "ኢሉ።

ብኣየር ህንዲ እትውነን ነፋሪት ምስ 260 ተሳፈርታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ምውዳቓ እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዓቢ ፈተነ'ዩ ዝርከብ።

ኣቶ ተወልደ ነቲ ንሓያለ ዓመታት ነቲ መንገዲ ኣየር ክመርሖ ዝጸንሐ ካምፕቤል ዊልሰን ብምትካእ'ዩ ነዚ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ።

ካምፕቤል ዊልሰን እቲ ንሱ ዝመርሖ መንገዲ ኣየር ሓደጋ ነፋሪት ምስ ኣጋጠሞ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ'ዩ ብወለንታኡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ፤ ስርሑ ከኣ 30 መስከረም ምሉእ ብምሉእ ክሓድግ'ዩ።

መንገዲ ኣየር ህንዲ ብዘለዎ ዝርግሐን ብዝሒ ነፈርትን ኣብ ህንዲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ግዙፍ መንገዲ ኣየር'ዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብዚ እዋን ኣብ ከቢድ ገንዘባዊ ክሳራ'ዩ ዝርከብ። ኣብ ዓመት 2025-2026 ጥራይ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ከምዝኸሰረ ኣብቲ መንገዲ ኣየር 25 ሚእታዊት ብርኪ ዘለዎ መንገዲ ኣየር ሲንጋፑር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ዝተረፈ 75 ሚእታዊት ናይቲ መንገዲ ኣየር ብታታ ሳንስ ሆልዲን ዝብሃል ትካል'ዩ ዝውነን።