ኢትዮጵያ፡ ክልተ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊን ፍሉጥ ጠበቓን ብገበናት 'ግበረ-ሽበራ' ተኸሲሶም

ብፖሊስ ተኸሲሶም ዘለዉ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, EZEMA/ABERA NIGUS

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኢህኣፓ ኣበበ ኣካሉን ይስሃቅ ወልዳይን ከምኡ'ውን ጠበቓ ምኒስተር ዲኤታ ሰላም ነበር ታየ ደንደኣ፡ ኣበራ ንጉስን፡ ብረቡዕ ናብ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ልደታ ቀሪቦም።

እቶም ብሰኑይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰለስተ ተኸሰስቲ፡ ብረቡዕ ናብ መጋብእያ ኣብ ዝቐረብሉ፡ ብተግባራት 'ሽበራ' ከምዝጥርጠሩ ቤት ፅሕፈት መርመራ ፖሊስ ፈደራል ኣመልኪቱ።

"ምስ ህወሓትን ካልኦት ፀረ ሰላም ሓይልታትን ከምኡ'ውን ምስ ፅምዶ ኢሉ ዝፅውዖ ጕጅለ፡ ብምትሕብባር፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ተወዲቦም ብምንቅስቓስ፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ብምስላልን፡ ከምኡ'ውን ንጕጅለ ፅምዶ ሓበሬታ ኣብ ምቕባል ተዋፊሮም" ምንባሮም ከሲሱ።

እቶም ተኸሰስቲ ብወገኖም፡ ብሰለማዊ መገዲ ሓሳቦም ካብ ምግላፅ ወፃኢ ኣብ ከምዚ ዓይነት ገበናት ግብረ-ሽበራ ከምዘይርከቡ ብምዝራብ፡ ዝቐረበሎም ከሲ ነፂጐም።

እቶም ተኸሰስቲ፡ "ተግባራት ሽበራ ንምፍፃም ብምዕላም፡ ኣብ ምድላዋት እናለሃለዉ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ" ዝገልፅ ፖሊስ ፈደራል ግን፡ ወተሃደራዊ ክንፊ፡ ክፍሊ ሚድያን ፖለቲካዊ ክንፍን ኣዋሂዶም ክሰርሑ ምፅንሖም ከሲሱ።

ተወሰኺ ምርመራ ንምክያድ፡ 14 መዓልታት ቈፀራ ክወሃቦ ዝሓተተ ፖሊስ ፈደራል፡ እቶም ተኸሰስቲ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ጉልባብ ተጠቒሞም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻየደ መረፃ ምትዕንቓፍ ዝሓወሰ፡ ተግባራት ከምዝተሳተፉን፡ ኣብ ኣዲስ አበባ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ፀጥታ ተግባራት ቅንፀላ ክፍፅሙ ዓሊሞም ከምዝነበሩ'ውን ብምጥቃስ ይኸስስ።

እቶም ጥርጡራት ብወገኖም ዝዀነ ገበን ከምዘይብሎም ብምዝራብ፡ ብ ዋሕስ ክልቀቑ ከምዝሓተቱ ጠበቓኦም ኣቶ ሰሎሞን ገዛሀኝ ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ጥርጡራት፡ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ዝተባህለ ፍሉጥ ፖለቲከኛን ኣቦ ቈልዑን፡ "ሃገረይ ሰላም ክትከውን 'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓመጽ ብምልዕዓል ክትዝረግ ኣይደልን እየ" ብምባል፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ፖሊስ ከምዘይተቐበሎ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኢህኣፓ ኣቶ ይስሃቕ ወልዳይ ብወገኑ፡ ኣባል ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምዃን ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ይዋሳእ ከምዝነበረን፡ "ኣብ መረፃ ከይተረፈ ተሳቲፈ ነይረ" ብምባል ንክሲ ፖሊስ ነጺግዎ።

ጠበቓ እቶም ክልተ ኣባላት ኢህኣፓን ጠበቓ ኣበራ ንጉስን፡ ዝዀነ ሰሎሞን ገዛሀኝ፡ "ሕገ መንግስታዊ መሰል ዝዀነ፡ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ መሰል እዮምተጠቒሞም" ብምባል፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ "መዐቀኒ ግብረ-ሽበራ ዘየማልእ" ክብል ይምጕት።

የማነ ፀጋም ሞጎት ከሳስን ተኸሰስትን ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ፡ ተወሳኺ 14 መዓልታት ንምርመራ ወይ ድማ ብዋሕስን ንምልቃቕ ንምውሳን ንረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ቈጸራ ሒዙ ነይሩ።

ኣብቲ ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ መጋባእያ፡ እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣስሚዖሞ ዝተባህለ "ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ" ግብረሽበራዊ ትሕዝቶ ዝሓዘ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላይ፡ ጽባሕ እቶም ጥርጡራት ዘስምዕዎ መደረታት ከቕርብ ኣዚዙ።

ነቲ መደረ ድሕሪ ምዕዛቡን ምስማዕን፡ ነቲ ፖሊስ ብዋሕስ ከይልቀቑ ዋሕስ ዘቕረቦ ሕቶ ንምውሳን ን ዓርቢ 1 ነሓሰ 2018 ዓ.ም [ግ] ኣቐሚጡ።

እዞም ክልተ ፖለቲከኛታትን እቲ ፍሉጥ ጠበቓን፡ ካብ ንግሆ ሰኑይ 27 ሓምለ 2018 [ግ] ጀሚሩ ብ"ፖሊስ ፈደራል" ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት ስድራቤት፡ ጠበቓን ፕረዚደንት ሰልፊ ኢህኣፓን ጠቒስና ጸብጺብና ምንባርና ይዝከር።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰዓታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ዀይኖም፡ ቀዲሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣበራ ንጉስ፡ ጠበቓ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ተቓወምቲ ውድባት ኰይኑ ብምስራሕ እዩ ብስፍሓት ዝፍለጥ።

ኣብ እዋን፡ ብሙሉ ነጋ [ዶ/ር] ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ'ቲ ክልል ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ኣቶ ኣበራ፡ ክእሰር እዚ ንፈለማ ግዜ ኣይኰነን።

ኣብ 2016 ዓ. ም ድማ "ኲናት ይኣክል" ብዝብል መደብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝነበሮ ተሳትፎ ተኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ኣባል ስድራቤት፡ ብሰኑይ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 1፡30 [ብኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ] ኣባላት "ፈደራል ፖሊስ" ናብ እንዳ ጠበቓ ኣበራ መፂኦም ከምዝወሰድዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣበራ፡ ኣብቲ እዋን ናብ ስራሕ ክወፍር ይሸባሸብ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ "ሃንደበት ምስ መፅኡ ሰንቢዱ" ኢሉ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ፈደራል፡ ኣበራ "ንሕቶ ይድለ" ከምዘሎ'ውን ኣዘኻኺሮሞ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ዝኾነ ኣበራ፡ ብልክዕ ዝርከበሉ ቦታ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ሓቢሩ።

ብሰሉስ ግን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ገዛኡ ንተፍትሽ መፂኡ ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ቀይዲ ዝኣተወሉ ኵነታት

ንማእሰርቲ ጠበቓ ኣበራ ንጉስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዘቃልሑ ቀዳሞት ሰባት ሓደ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰልፊ ኢህኣፓ፡ ይስሃቅ ወልዳይ እዩ።

ይስሃቅ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረጻ ነዚ ሃገራዊ ሰልፊ ወኪሉ ሕጹይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኰይኑ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ከይዲ ንርእሱ ከምዘግለለ ይግለፅ።

ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ንማእሰርቲ ተቓሊዑ ምንባሩ ይንገር።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ምንጪ ብወገኑ፡ ይስሃቅ ካብ መኪና ወሪዱ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ መርመራ ገበን ፈደራል ክኣቱ ከምዝረኣዮ ኣረዲኡ።

እቲ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ከም ዘምልክቶ፡ ኣበራ ንጉሰን ይስሃቅ ወልዳይን ካብ መንበሪ ቤቶም እዮም ወሲደሞም። ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ግን ካብ ገዛኡ ኣይኰኑን ሒዞሞ፤ ስድራቤቱ ኣብ ከቢድ ጭንቀት እዮም ነይሮም።

መእሰሪ ምኽንያቶም ብዝምልከት፡ ተኸሰስቲ ቅድሚ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ዝሓተትናዮ፡ ፕረዚደንት ሰልፊ ኢህኣፓ፡ ኣቶ ኣብርሃም ሃይማኖት በላይ፡ "ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ይርድኣና እዩ። እዞም ሰባት ሰለማውያን ተቓለስቲ እዮም፤ ኣብዚ ሰለማዊ ቃልሲ ኰይኖም ሓሳቦም ብናጽነት ምግላጾም ዘምጽኣሎም መዘዝ ክኸውን ይኽእል ኢልና ኢና ንኣምን" ኢሉ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ዝእሰሩሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ሓሳብቶም ብናጽነት ብምግላፆም ምዃኑ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ፈደራል ግን ነቶም ተኸሰስቲ ብተግባራት ሽበራ ከምዝጥርጥሮም ትማሊ ኣብ መጋባእያ ኣፍሊጡ ኣሎ።