'ወለደይ ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን እየ' - ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣስሩ ጀጋኑ ኲናት

ምንጪ ስእሊ, Hanna Petros Solomon
ሃና ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ቅድሚ 25 ዓመት ኣቦኣ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ብዘይ ፍርዲ ምስ ተዳጐነ፡ ንሳን ኣሕዋታን ዘኽታማት ዝዀንሉ ህሞት እናዘከረት ንብዓታ ክትዓግት ኣይከኣለትን።
ቀጺላ ኣደኦም እውን ተኣሲራ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ ክልተኦም ይዅን ሓደ ካብ ክልተኦም ዝተሰምዐ ደሃይ የሎን።
ጓል ዓሰርተ ዓመት ከላ ኣቦኣ ንጕያ ክወጽእ እንከሎ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣየትሉ ኣጋጣሚ ንቢቢሲ ክትገልጽ ከላ፡ "ልክዕ ከም ስፖርተኛ ኣብ መንኵቡ ሽጎማኖ ኣንቢሩ ነይሩ፡" ትብል።
"ኵሉ ሳዕ ንግሆ ንግሆ ኣካላዊ ምውስዋስ የዘውትር ነይሩ።"
ወለዳ ኣብቲ ኤርትራ ብ1991 ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ዘረጋገጸትሉ ነዊሕ ቃልሲ ሓርነት ክልተኦም ኣብ ዝተጋደልሉ እዋን እዮም ተፋሊጦም።
ኣቦኣ ጴጥሮስ ሰሎሞን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ዝነበረ ኰይኑ፡ በቲ ዝነበሮ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ድማ ብብዙሓት ከም ሃገራዊ ጅግና ይቝጸር።
ድሕሪ ናጽነት ምኒስተር ምክልኻል፡ ቀጺሉ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ዘገልገለ ኰይኑ፡ እዚ ናብ ማእሰርቲ ዘምርሖም ኵነታት ክጅምር ከሎ ድማ ሓላፊ ምኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ነይሩ።
እዚ ድማ ብግንቦት 2001፡ ንሱን ካልኦት 14 ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝጸደቐ ቅዋም ክትገበርን ሃገራዊ ምርጫታት ክካየድን ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ ምስ ፈረሙ እዩ ነይሩ። ድሒሮም ድማ "ጕጅለ 15" (G-15) ተባሂሎም ተፈልጡ።
እቲ ንህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) መሪሑ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተቓለሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ነቐፌታ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን።

ምንጪ ስእሊ, Hanna Petros Solomon
ሃና ከይፈለጠት፡ ኣቦኣ ካብ ምኒስተርነቱ 'ደስኪሉ' እኳ እንተ ነበረ፡ ኵሉ መዓልቲ ንግሆ ንኣካላዊ ምውስዋስ ምውጻእ ኣየቋረጸን።
ምሉእ ዓለም በቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝወረደ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣብ ዝተሰርቀሉ እዋን፡ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ እዩ እቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ጸሊም መቐይሮ ዝዀነ ቍጥዓ ኢሳይያስ ኣብታ ሃገር ዝተጋህደ።
ብ18 መስከረም ወጋሕታ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ኣባይቲ 11 ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ወፈሩ።
ጴጥሮስ ስፖርታዊ ክዳኑ ለቢሱ እናወጽአ ከሎ ብኣባላት ጸጥታ ተወሲዱ።
እታ ስድራቤት እንታይ ከም ዘጓነፈ እትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። ኣደኦም ኣስቴር ዮሃንስ ኣብ ኣመሪካ ትምህርታ ትከታተል ስለ ዝነበረት፡ ሃናን ሰለስተ ኣሕዋታን ናብ ዓባዮም (ኣደ ኣቦኦም) ከዱ።
ጴጥሮስ ካብ ዝስወር ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክንጽር ዝጀመረ፡ ትብል ሃና ነቲ መሪር ዝኽሪ እናኣዘንተወት።
"መሳቶይ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኣቦኺ ንሃገሩ ሸይጥዋ ኢሎምኒ።
"ሽዑ እየ እቲ ኵነታት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ፡ ሰባት ድማ ንኣቦይን ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገሮም ዝተቓለሱ ብጾቱን ብኸመይ ስሞም ከም ዘጸለሙዎም ዝተረድኣኒ። እምብዛ ከኣ ተጐዲአ።"
ኣብ ኣመሪካ ዝነበረት ኣስቴር በቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝያ ሰንበደት፣ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ኵነታት ከኣ ወደቐት። ንሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንደቃ ፓስፖርት ክህብዎም ሓቲታ፤ ንሕቶኣ ነጺጎም ናብ ሃገራ ክትምለስ ሓበሩዋ።
ንኽልተ ዓመት በቲ ኵነታት ድሕሪ ምጭናቕን፡ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ውሕስነት ከም ዝተዋህባ ስለ ዝተሓበራ ናብ ሃገራ ክትምለስ ኣቝሑታ ጠርነፈት።
ሃናን ኣሕዋታን ኣደኦም ክትምለስ ብሃንቀውታ ይጽበዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ ፍርሒ ግን ኣይተፈልዮምን።
"ብተለፎን፡ 'እንተ ኣሰሩኺኸ?' ኢለ ሓቲተያ ነይረ፡" ትዝክር ሃና።
"ንሳ ግን፡ 'ዝበደልኩዎ ነገር የብለይን፣ ደቀይ ከዕቢ ጥራይ እየ ዝመጽእ ዘለኹ' ብምባል ዝዀነ ነገር ከም ዘየጋጥማ ኣረዲኣትኒ።"
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ባዕሉ ንኣስቴር ዝዀነ ነገር ከም ዘየጋጥማ ቃል ከም ዝኣተወላ ድሒራ ከም ዝፈለጠት ሃና ትገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ እታ ስድራቤት ብ11 ታሕሳስ 2003 ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እናተጸበየት ከላ፡ ኣስቴር ምስቶም ካልኦት ተጓዓዝቲ ክትወጽእ ኣይከኣለትን።
ተስፋታቶም ምስቲ ሓቚፎሞ ዝነበሩ ዕምባባታት ቀምሰለ፤ "ነዊሕ፡ ኣዝዩ ነዊሕ ተጸቢና። ኣብ መወዳእታ ተስፋ ቈሪጽና ናብ ገዛ ተመሊስና። መጀመርታ ናብ ኣመሪካ ደዊልና፡ ፈተውትን ኣዝማድን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዘፋነውዋ ነጊሮሙና።"
ቀጺሉ ሓደ ሓላፊ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ደዊሉ፡ ኣስቴር ኣቝሑታ ክትወስድ ከም ዘለዋ ሓበረ፤ እዚ ድማ ዘይጽቡቕ ምልክት ነበረ። ሽዑ እዮም ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወት ግናኸ ናብ ቤታ ከም ዘይትመጽእ ዝተገንዘቡ።
ኣብ ዝቐጸሉ ኣዋርሕ ኵሉ ምሕጽንታታትን ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጻዕርታትን ሰማዒ ኣይረኸበን። ብኣንጻሩ ገለ ሰበ-ስልጣን ንኣደ ኣስቴር ሃለዋታ ካብ ምሕታት ከተቋርጽ ኣጠንቀቕዋ።
እታ ስድራቤት ድሒራ፡ ኣስቴር ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ካርሸሊ (ወንጀል መርመራ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲራ ከም ዘላ ሰምዐት።
ኣቦኣ ንሃና ምስቶም ብ18ን 19ን መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ካልኦት ሰባት፡ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ምብራቓዊ ጐላጕል ዝተደኰነ፡ ዒላዒሮ (ዒራዒሮ) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ርሑቕ፡ ንህይወት ኣጸጋምን ኣዝዩ ስዉርን ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑ ከም ዘሎ ይእመን።
ብኽድዓት ሃገር እኳ እንተ ተኸሰሱ፡ ዝዀነ ካብኦም ኣብ ፍርዲ ኣይቀረበን ወይ ምስ ቤተሰቡ ክራኸብ ኣይተፈቕደሉን።
ኣብቲ እዋን'ቲ መንግስቲ ንዅለን ጋዜጣታት ብሕቲ ዓጽዩ፡ ንኣሰናዳእተንን ጋዜጠኛታተንን እውን ኣሲሩ እዩ፤ ንሳቶም'ውን ኣብ ዒላዒሮ ተኣሲሮም ከም ዘለዉ ይእመን።
መንግስቲ ኤርትራ - እንተላይ ኤምባሲኡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ - እቶም እሱራት ኣበይ ከም ዘለዉን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ብዝምልከት ሓበሬታ ንኽህብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።
ሃና፡ ልክዕ ከምቶም ካብ ግዱድ ዕስክርና ዝሃድሙን ዝሓሸ ዕድላት ዝደልዩን ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ፡ ብዘይ ፓስፖርትን ብስቱር ዶብ ብምስጋርን ካብታ ሃገር ወጺኣ።
ሕጂ ጓል 35 ዓመት ኰይና፡ ተመርዕያ ኣብ ኣመሪካ ትነብር ኣላ፤ ከም ክኢላ ስነ-ኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ (trauma specialist) ኰይና ትሰርሕ እኳ እንተላ፡ ብሰንኪ ምስኣን ወለዳ ዘጋጠማ ናይ ገዛእ ርእሳ ማህሰይቲ ግን ዛጊት ይስምዓ እዩ።
ናብ ናይ ቀደም ኣሳእል ወለዳ እናጠመተት፡ እቲ ቅድሚ ማእሰርቶም ዝነበረ ናይ ሓጐስ እዋናት - ሰሓቕ፡ ምትእኽኻብ ስድራቤት፡ በዓላት ልደት - ዝኽርታታ ከይሃስስ ትሰግእ፣ "ኣቦይ ኵሉ ሳዕ ሰባት ኣብ ገዛ ክእከቡ ይደሊ ነይሩ፡ ጽቡቕ መዓልታት ነይሩ።"

ምንጪ ስእሊ, Hanna Petros Solomon
ኣደኣ እትኽሽነለን ዝነበረት ብፍሉይ እትዝክሮ ፓኒኖ እንቋቝሖን ድንሽን ወትሩ እያ እትናፍቖ።
ኣቦኣ ምኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጕዕዞ፡ ኣብ ውሽጢ መኪና ናይ ደርፊ ውድድር የዳልወሎም ከም ዝነበረ ሃና ትዝክር፡ "ሓደ ብሓደ ክንደርፍ ይሓተና ነይሩ፣ እቲ ዝሰዓረ ከኣ ሽልማት ይረክብ።"
ሓንቲ ካብተን ኣዝዩ ዝፈትወን ደርፍታት፡ "ጎልፊ ነይራትኒ ጎልፎ ሰማያዊት/ ሓብተይ ወሲዳታ ሓብተይ ተጋዳሊት..." እትብል ግጥሚ ዝነበራ ኰይና፡ ነታ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተሰውአት ተጋዳሊት ዝነበረት ሃና ሓብቱ እተዘክሮ ነበረት።
ኣደኣ እውን ሙዚቃ ትፈቱ ምንባራ፡ ደርፍታት ኣባ፡ ዶሊ ፓርተንን ዊትኒ ሂውስተንን እናወልዐት ትደርፍ ከም ዝነበረት ትዝክር።
ሃና ክሳዕ ማእሰርቲ ኣቦኣ ንወርሒ መስከረም ንሓድሽ ዓመት ግእዝ ሓዊሱ ብሰለስተ ዓበይቲ በዓላት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዝተዓጀበትን ብተስፋ ዝተመልአትን ወርሒ ገይራ እያ ትዝክራ ነይራ፣ ሕጂ ግን እታ ወርሒ ምንጪ ሓጎሳ ክትከውን ኣይከኣለትን።
ካልእ ስድራኡ በቲ ዕለት ዝተኣስሩዎ ኢብራሂም ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ እቲ ሃና ዝስምዓ ዕምቘቱ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ።
ክልተኦም ወለዱ፡ ላዕለዎት ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ዝነበሩ፡ ካብቶም ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣስሩ ኣባላት ጕጅለ 15 እዮም።
ኢብራሂም ኣብቲ እዋን ወዲ 13 ዓመት ነይሩ።
"ንዓይ 18 መስከረም 2001 ጸላም መዓልቲ እያ፣ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነትስ ንኤርትራን ህዝባን እውን ጸላም መዓልቲ እያ። ምኽንያቱ፡ ሕግን ደሞክራስን ዝተኣስረላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡" ይብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
ሕጂ ወዲ 38 ዓመት ኰይኑ፡ ዕቝባ ተዋሂብዎ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ፤ ኣሰር ኣቦኡ ብምስዓብ ድማ ብፖለቲካዊ ስነፍልጠት ናይ ማስተርስ ትምህርቱ ይከታተል ኣሎ።
ኣቦኡ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ቅድሚ ማእሰርቱ ምኒስተር ዞባ ምምሕዳርን ከም ምኽትል ፕረዚደንት ይውሰድን ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Sherifo and Aster family
ኢብራሂም ምስ ኣደኡ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ኰይኑ ኣብ እንዳ ሓትኖኡ (ሓብቲ ኣደኡ) ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ወጋሕታ ኣባላት ጸጥታ ማዕጾ ኳሕኲሖም ፒጃማኣ እኳ ከይቀየረት ሒዞማ ከም ዝኸዱ ይዝክር።
ብዛዕባ ኣቦኡ ተሻቒሉ፡ ኢብራሂም ብኡንብኡ ናብታ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ቤት ጐየየ፤ እንተዀነ ንሱ'ውን ንኣካላዊ ምውስዋስ ኣብ ዝወጽኣሉ ድሮ ከም ዝተወስደ ተነግሮ።
ሃናን ኢብራሂምን፡ ስግኣታት እናሃለዎም ክነሱ፡ ብዘይ ወለዲ ኣብ ዝዓበይሉ እዋን ሓልዮትን ደገፍን ንዝገበሩሎም ኣዕሩኽትን ቤተሰብን ውዕለቶም ንዘለኣለም ከም ዘይርስዑዎ ይገልጹ።
ብተወሳኺ፡ በቲ ወለዶም ዝቘምሉ ዕላማን ለውጢ ክግበር ምድፋሮምን ይሕበኑ።
"ሕልና ነይርዎም፣ እቲ ዝተቓለስሉ ዕላማ ብኢሳይያስን ጕጅለኡን ክምንዛዕ ከሎ ስቕ ኢሎም ክዕዘቡ ኣይከኣሉን፡" ይብል ኢብራሂም።
"ከም ቤተሰብ መጠን፡ ብህይወት ኣለዉዶ የለዉን ክንገረና ይግባእ፡" ዝበለ ኢብራሂም፡ መንግስቲ ነቲ ናይ ፖለቲካውያን እሱራት ዝኽሪ ፈጺሙ ክድምስሶ እዩ ዝደሊ ብምባል ይኸስስ።
ሃና እውን ድምጺ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣዝማዶም ዝተሰወርዎም ብዙሓት ካልኦት ሰባት ክስማዕ ትደሊ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡዎም ተሓላቐቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኣባላት ጕጅለ 15 ከም እሱራት ሕልና ቈጺሮም ክፍትሑ ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ ናይታ ሃገር ቅዋም ክሳዕ ሕጂ ኣየተግበሮን፣ ዝዀነ ምርጫ ከየካየደ ድማ ኣብ ስልጣን ይርከብ።
ኣቦኣ ቅድሚ ምስዋሩ ኣብ ዝነበረት ምሸት "ሕማቕ ስምዒት" ተሰሚዕዋ ከም ዝነበረን እናደቀሰ ከሎ ስቕ ኢላ ናብ ዓራቱ ብምሕኳር ኣእጋሩ ምስ ኣእጋራ ብገመድ ኣሲራቶ ከም ዝደቀሰትን ሃና ትዝክር።
"ንግሆ ምስ ተበራበረ እግሩ ተኣሲሩ ጸንሖ፣ እናፈትሖ እንከሎ ኣእጋረይ ስለ ዝተሳሕበ ተበራበርኩ። ከይወጽእ ለመንክዎ፡ ንሱ ግን ጐይዩ ከም ዝምለስ ኣረጋገጸለይ።"
ካብ ሽዑ ንደሓር ዝነበሩ ዓመታት ሓዘን ክትገልጽ ከላ፡ ኣብ ጸልማት ዓዘቕቲ ባሕሪ ተዋሒጥካ ምንባር ይመስል - ትብል።
"ሓድሓደ ግዜ ጸጥ ትብል'ሞ ኣብ ልዕሊ ማይ ትንሳፈፍ፣ ካልእ ግዜ ግን እቲ ሓዘን ከም ማዕበል ኰይኑ ይውሕጠካ'ሞ ኣብቲ ማዕሙቝ የጥሕለካ።
"ሓድሓደ ግዜ ተስፋ ትቘርጽ፣ ትንፋስካ'ውን የቋርጽ።"
ናብ ወለዳ መልእኽቲ ከተመሓላልፍ እንተ ትኽእል እንታይ ምበለት ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ "ብዛዕባና ኣይትጨነቑ። ልክዕ ከምቲ ነቲ ቃልሲ ብጽንዓት ዝሰገርክሞ፡ ነዚ'ውን ሰጊርኩም ናባና ክትምለሱ ተስፋ ንገብር፡" ክትብል ትምልስ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


