ኣመሪካ ምስ ኤርትራ 'ምስጢራዊ ስምምዕ' ከም ዘይገበረት ብምግላጽ ንኢትዮጵያ ኣረጋጊጻ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣማኻሪ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ምምሕዳር ትራምፕ ማሳድ ቡሎስ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዝዀነ ዓይነት ምስጢራዊ ስምምዕ ከም ዘይገበረት ብምግላጽ፡ እቲ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንሰላም እቲ ዞባ ጥራይ ዝዓለመ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣማኻሪ ትማሊ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣንጻር ካልእ ናይቲ ዞባ መሻርኽቲ ዝዓለመ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ወይ ዝሕሰብ ዘሎ "ምስጢራዊ ስምምዕ" ኣሎ ተባሂሉ ዝውረ ዘሎ ወረታት፡ "ፈጺሙ ሓሶት" ምዃኑ ብንጹር ገሊጹ።

እዚ ላዕለወይ ኣማኻሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ብ18 ሓምለ 2026 ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘካየዶ ርክብ "ጸረ-ኢትዮጵያ" ዝዀነ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተገይሩ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ።

ብዘይካ እዚ ናይ ትማሊ ጽሑፉ ቅድሚ ሰሙን'ውን ተመሳሳሊ ትሕስቶ ዘለዎ ጽሑፍ ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጽን ኤርትራን ኣብ ካይሮ ድሕሪ ምርኻቦም፡ "ጸጥታን ምምሕዳርን ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ እዩ፡" ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም።

እዚ መርገጺ እዚ፡ ምስቲ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ዘላ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዝጋጮ ብምዃኑ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ከም ዝገሃድ ገይሩ እዩ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ እዚ ዞባዊ ርክባት ንዓኣ "ብኸበባ ንምጽቃጥ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ" ከም ዝመስል ስግኣታ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።

ብሎስ ኣብዚ ትማሊ ኣብ ኤክስ ዘስፈሮ ሓጺር ጽሑፍ "ብዘይ ምግናን ከነጽር: ንኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዞባዊ መሻርኽቲ ዘሳትፍ ዝዀነ ይዅን ምስጢራዊ ስምምዕ ንላዘብ ወይ ንሓስብ ኣለና ዝብል ኣበሃህላ ብፍጹም ሓሶት እዩ፡" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ከምዚ ዓይነት ስምምዕ የሎን፣ ከምዚ ዝበለ ምድላው እውን ኣብ ምይይጥ ኣይርከብን። ዲፕሎማስያዊ ጽምዶታትና ሓደ ዕላማ ኣለዎ፡ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ምርግጋጽ'ዩ፡" ኢሉ።

ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝብን ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየትን ዝተኣሳሰር ናይ ህልውናን ሕጋውን ሕቶ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልጹ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣመሪካዊ ኣማኻሪ፡ ዋሽንግተን ምስ ሓደ ዞባዊ መሻርኽቲ እተካይዶ ርክብ ምስ ካልእ ሃገር ምግጫው ማለት ከም ዘይኰነ ኣስሚርሉ ኣሎ።

እቲ ዲምፕሎማት፡ "ዲፕሎማሲ ኣመሪካ ተነሓናሕቲ ጕጅለታት ምፍጣር ወይ ፍልልያት ምግፋሕ ዘይኰነስ፡ ግጭታት ብምውጋድ፡ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ብሃናጺ መንገዲ ምስራሕ እዩ፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ረብሓታት፡ ኣብ መስመር ንግዲ ባሕሪ ጸጥታ ምርግጋጽን ግብረ-ሽበራ ምውጋድን ዝዓለመ እዩ።

ኣብዚ ነቲ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ዓረብን ዘራኽብ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኢራን ተዓጽይሉ ኣብ ዘለዎ እዋን ከኣ፡ እቶም ብኢራን ዝሕገዙን ንኢራን ዝድግፉን ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነቲ ንህንዳዊ ውቅያኖስ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘራኽብ ባብ ኤል መንደብ ከይዓጽውዎ ወይ ኣብ ልዕሊ በዚ መስመር'ዚ ዝሓልፋ መራኽብ ሓደጋ ከየውርዱ ስግኣት ኣመሪካን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራትን ኣሎ።

ባብ ኤል መንደብ ከኣ ብምዕራብ ምስ ኤርትራን ጁቡትን ኤርትራን ብምብራቕ ከኣ ምስ የመን ዝራኸብ ኰይኑ ኣብዘን ሃገራት ዝፍጥር ዘይምርግጋእ ኣብቲ ጸቢብ መተሓላለፊ መራኽብ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ንቡር'ዩ።

ኣመሪካ፡ ነዚ መጻብቦ እዚ ንምውሓስ መስተን ናብ ባብ ኤል መንደብ ቅርበት ዘለወን ሃገራት ጥጡሕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክህልዋ ትደሊ ትመስል።

ዋሽንግተን ምስተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጸጥታዊ ዝምድናኣ ከተደልድል እንከላ፡ ብተመሳሳሊ ምስቲ ኣብቲ ዞባ ዓቢይ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጽልዋ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ሚዛናዊ ዝምድና ክትሕዝ ትጽዕር።

እቲ ዞባዊ ምስሕሓብ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ረቛሒታት ዝተሓላለኸ ኰይኑ ይርከብ።

ግብጺ ብሰንኪ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕብ ኵነታት ክትርከብ እንከላ፡ ኤርትራ ብወገና ብሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዘለዋ ትገልጽ።

ብተወሳኺ፡ ሶማልያ'ውን ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝገበረቶ መዘክር ስምምዕ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ትርከብ።

እዘን ሰለስተ ሃገራት ኣብ 2024 ኣብ ኣስመራ ናይ ሓባር ስምምዕ ምትሕብባር ምኽታመን ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ሕጂ ብኣማኻሪ ትራምፕ ዝተዋህበ መግለጺ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዞባዊ ምስሕሓባትን ስግኣታትን ንምህዳእ ዝዓለመ ስጕምቲ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ቡሎስ ኣብ መወዳእታ፡ ዝዀነ ይዅን መሰረት ዘይብሉ ክስታትን ስም ናይ ምጽላም ተግባራትን፡ ነቲ ብቕንዕና ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ዝሃሲ "ሓላፍነት ዝጐደሎ" ተግባር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ።