እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብምዕራባዊ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ዝተወልዐ ውግእን ምዕባለታቱን
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ቀዳም 01 ነሓሰ ዝተወልዐ ከቢድ ውግእ ኣብዚ እዋን ሃዲኡ ከም ዘሎ፡ እንተዀነ ብኻልኦት ግንባራት ክውላዕ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ወተሃደራዊ ምንጪ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ሸረሪና ክካየድ ዝወዓለ ውግእ ሽዑ ቀዳም ኣማስያኡ ደው ኢሉ'ሎ - ኢሉ።
እቲ ምንጪ፡ "ፈለማ መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ሓይልታት ፈደራል እዮም፣ እቲ ግጭት ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ምዕራባዊ ዶብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ሸረሪና፡ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ንግሆ ሰዓት 5፡30 ጀሚሩ ክሳብ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 4፡00 ቀጺሉ ነይሩ፡" ይብል።
ኣብቲ ውግእ፡ ብወገን ሓይልታት ትግራይ 'ኣርሚ 13'፡ ብወገን ፈደራል ድማ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምዕራብ ትግራይ ንምቍጽጻር ብመንግስቲ ፈደራል ዝተመስረተ "ተከዘ ዘብ" ዝበሃል ሓይሊ ዝተደገፈ ሰራዊት ፈደራል ከም ዝተሳተፉ እቲ ወተሃደራዊ ምንጪ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ሸረሪና ዘጋጠመ ውግእ ዛጊት ዝዀነ ወግዓዊ መንግስታዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ኣብዚ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ቢቢሲ ንጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብኢመይልን ብተሌፎንን ተወኪሱ ምላሽ ኣይረኸበን።
ብተወሳኺ ኮሎኔል ቢረሳው ሽፈራው ሓላፊ ዝህባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ብተሌፎን ንምዝርራብ ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይተኻእለን።
ሸረሪና ዝበሃል ከባቢ፡ ኣብ መዳውብቲ ትግራይን ሱዳንን ዝርከብ ብወገን ሱዳን ድማ ኡም-ባራካት ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢታት ምዃኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር። እዚ ኰይኑ ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ መሬት ሱዳን እቲ ብ ኣርሚ 70 ዝፍለጥ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ክንቀሳቐስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዱ - ኣርሚ-13 ግን መዓስን ብኸመይን ኣብዚ ከባቢ ትሕዞኡ ከም ዘደልደለ ብንጹር ዝተፈልጠ የሎን።
ኣብዚ ናይ ቀዳም ውግእ፡ ሓይልታት ፈደራል ከበድቲ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕሙን ክልተ መጥቃዕትታት ድሮን ከም ዘካየዱን እዩ እቲ ብወገን ሰበስልጣን ትግራይ ዝተዋህበ መግለጺ ዘመልክት።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሰኑይ ንግሆ ብስም "መንግስቲ ትግራይ" ዝወጸ መግለጺ ከም ዝጠቕሶ፡ እቲ ብ1 ነሓሰ (25 ሓምለ ግእዝ) ወጋሕታ ዝጀመረ ውግእ ተሳትፎ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝነበሮ ይኸስስ።
"ኣብቲ ውግእ ህጹጽ ሓይልታት ደገፍ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሔሚቲ) ዝምራሕ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳንን፡ ካብቲ ከባቢ ተገዲዶም ዝተኣከቡ ዕጡቓትን፡" ከም ዝተሳተፉ ከሲሱ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ እቶም "ተገዲዶም ዝተኣከቡ" ዝበሎም ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ግን ናይ መን ምዃኖም ኣየነጸረን።
እዚ ሓበሬታ እዚ ግን ብናጻ ምንጪ ኣይተረጋገጸን። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ቀንዲ መስመር ደገፍ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ኰይና ከም ዝጸንሓት ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሱዳን ብፍላይ ከኣ መዓርፎ ነፈርቲ ኻርቱም ንዝተገብረ መጥቃዕቲታት ድሮን ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ባህር-ዳር ቀንዲ መናሃሪያ ምዃና ሰራዊት ሱዳን ከሲሱ ነይሩ እዩ።
ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሱዳን ተዋፊሮም ከም ዘለዉን ኣንጻር ዶባትን ልዑላውነትን ሃገሩ ካብ ሱዳን ዝተፈላለየ ደገፋት ከም ዝግበረሎም ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ሰኑይ ንግሆ ዝወጸ መግለጺ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓይሊ ኢትዮጵያ ከቢድ ጕድኣት ከም ዘውረዱ እዩ ዘመልክት።
እንተዀነ ቢቢሲ ነዚ ዝተባህለ ካብ ናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን። መጥቃዕቲ ዝተጀመረ ካብቲ 'ወራሪ' ክብል ዝገለጾ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ኢትዮጵያ ኰይኑ፡ ትግራይ ርእሳ ክትከላኸል መሰል ከም ዘለዋ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ዝሓለፈ 7 ሓምለ 2026 ግን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዂናት ይዳሎ ከም ዘሎ ምኽሳሱ ይዝከር።
ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣናቱ በብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ብቐዳም መልእኽቲ ዘርጊሖም ኣለዉ።
እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረን ንዝተወሰነ እዋን ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኰይኑ ዝሰርሐን፡ ሕጂ ድማ ምኒስተር መስኖን ልምዓት ቈላታትን ዝዀነ ዶክተር ኣብርሃም በላይ፡ "መሪሕነት ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይብሩህ ዕላማ ዘለዎ ሓድሽ ኲናት ይደፍኦ ኣሎ፡" ክብል ወቒሱ።
መሪሕነት ህወሓት ነዚ ግጭት ደው ከብሎን መንእሰይ ትግራይ ኣብ ከንቱ ሕልቂት ከይወድቕ ክገብርን ጸዊዑ።
ብተመሳሳሊ፡ ቀደም ወሃቢ-ቓል ህወሓትን ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ነቶም ብስም ዝጠቐሶም መራሕቲ ከይስዕብዎም ዝእምት መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ "ደብረጽዮንን ፈትለን ናብ ስልጣን ኣራት ኪሎ ንምምላስ ኣብ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዕጡቓት ፋኖ ኣምሓራን ይምርኰሱ ኣለዉ፡" ክብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ብኻልእ ወገን ሱዳን ትሪቡን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ሓድሽ ግጭት ናብ ውሽጢ ዶብ ሱዳን ከም ዝተላብዐን ዝተተኰሱ ከበድቲ ኣጽዋራት ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ብምውዳቖም ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝተቐትሉን ሓቢሩ።
ትካል ስደተኛታት ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ዶብ ዝርከቡ መዓስከራት ንምክልኻል ኣህጉራዊ ሓገዝ ክግበር ጸዊዑ ኣሎ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና...
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተገብረ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ብምንጻግ፡ ጀነራል ታደሰ "ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር" ኣእትይዎ ከም ዝርከብ ይግለጽ። ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምምላስ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ ዝሕታለ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ንዂናት ብዝግበር ምድላዋትን ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ። ብፍላይ ንኣስታት መንፈቕ ዓመት፡ መንግስቲ ፈደራል ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ እታ ክልል ብምኽልካል፡ ናብቲ ከልል ዝኸይድ ነዳዲ፡ መድሓኒትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብምቍራጹ፡ ብወገን ትግራይ ከቢድ ክሲ ይቐርብ።
ማእከላይ መንግስቲ ብዛዕባ እዞም ክስታት ዝህቦ ምላሽ ኣይጸንሐን።
እዚ እናዀነ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣውሐስቲ እቲ ውዕል ዝዀኑ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ ዝብል ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣመሪካ፡ ነቲ መስርሕ ሰላም "የተዓናቕፉ ኣለዉ" ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ፖለቲከኛታትን ላዕለዎት መራሕትን ህወሓት ናይ ቪዛ እገዳ ምግባራ ይዝከር።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላን፡ ምፍራስ ግዝያዊ ምምሕዳርን ስክፍታ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ ነይሩ።