እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልል ኣምሓራ፡ ሰለስተ ዓመታት መንጐ ሞትን ሕየትን
ኣስቴር* ካብ ቅድሚ ውላዳ ግልል ኢላ፡ ኣብ ቀፅሪ ገዛኣ ኰፍ ኢላ፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ንህይወታ ዝቐየረ ክስተት ንድሕሪት ምልስ ኢላ ተስተትንት።
ንሓደ ደቒቕ'ኳ ብስርዓት ኣየውገዐትን፤ ንብዓት ይቕድማ ነይሩ።
ኣስቴር ብፍላይ ሓንቲ መዓልቲ ፈፂማ ኣይትርስዓን፤ ከምተን ካልኦት ተራ መዓልታት ኣይነበረትን።
ንሳ፡ ንበዓል እንድኣ ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣየቶ ዕለተ ቀዳም ንምሳሕ ናብ ገዛ ኣብ ዝመፅኣሉ እዋን እዩ። ምሳሕ በሊዑ ንጓል ክልተ ዓመት ውላዱን ንዓኣን ስዒሙ ተሳናቢቱ ወፂኡ።
ድሕሪ ቀትሪ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢ ብዝተሰምዐ ዜና ዝተረበሸት ኣስቴር፡ ናብ በዓል እንድኣ ደጋጊማ ደወለት። በዓል እንድኣ ድማ "ኣይትሻቐሊ፣ ንሕና ደሓን ኢና፣ ዝፍጠር ስለ ዘይፍለጥ ግን ካብ ገዛ ከይትወፅኢ" ኢልዋ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ 10 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም [ግ] ክልተ "ኣዘዝቲ" ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተቐተልሉ ዕለት - እቲ ከባቢ ተረቢሹ እዩ ነይሩ።
እቶም ወተሃደራት በዓል እንድኣ ኣብ ዝመርሖ ሓደ ትካል ፊት ንፊት እዮም ተቐቲሎም።
"ንስኹም ኢኹም ንፋኖ ጠቊምኩም ኣቕቲልክሞም" ብዝብል፡ ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ንወዲ 36 ዓመት በዓል እንዳ ኣስቴር ሓዊሱ ወናኒ እቲ ህንፃን ሓለዋ እቲ ትካልን፡ ናብ ሓደ ወተሃራዊ ካምፕ ከም ዝወስድዎም መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪቦም።
ካብ መንጐኦም ብህይወት ዝተመለሰ ግና ሓደ ሰብ ጥራይ እዩ።
"ድሕሪ እዚ ዝኾነ ነገር ኣይንፈልጥን" ትብል ኣስቴር።
ኣስቴር፡ "ክሳብ ሰዓት 12፡00 ተፀብየ፣ ካብኡ ድምፂ ጥይት ሰሚዐ፣ ሰንቢደ፡ 'ክቐትልዎ እዮም' ኢለ ኣይተፀበኹን። ምስ ሰባት ዝፃባእ ኣይኰነን። በዓል እንዳይ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ንሱ ንጓና ኰነ ንዘመድ ሕያዋይ እዩ፣ ልዕሊ ነብሱ ንሰባት'ዩ ዘቐድም" ትብል።
ምስ ተወሰደ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት በዓል እንዳ ኣስቴር ብጥይት ተወቒዑ፡ ሬሳኡ ኣብ መንገዲ ተረኺቡ።
ውላዶም ገና ጓል ክልተ ዓመት'ያ ነይራ።
ምስኡ ተወሲዱ ካብ መንጎ ዝተቐተለን ሬሳኦም ካብ ከተማ ወፃኢ (ኣብ ጥቓ እቲ ካምፕ) ዝተረኸበ ሰራሕተኛ ሓለዋ ኣይተ ኣበበ*፡ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበረን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን'ዩ ነይሩ።
ነቲ ሳልሳይ ውላዶም ክስዕም ግን ኣይተዓደለን፤ ንሱ ክቕተል እንከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ብጽሕቲ ሸሞንተ ወርሒ ወርሒ እያ ነይራ።
ቢቢሲ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።
እቲ ሰለስተ ዓመቱ ዘቝፀረ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ብዘይ ፍርዲ ዝፍፀም ቅትለት ሓዊሱ፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ይገብር ኣሎ።
28 ሓምለ 2015 ዓ.ም. [ግ] ኣብ መንጎ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስቲ ፈደራልን ዝተወልዐ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ህይወት ሚልዮናት ዝጸለወ፡ ሓበሬታ ዕጥቃዊ ግጭታት ዝስንድ ትካል ኣክለድ የመልክት።
ብመሰረት ትንተና ኣክለድ፡ ክሳብ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ንግጭት ተቓሊዖም።
እቲ ግጭት ናብ ብዙሓት ከባቢታት እቲ ክልል ዝተዘርግሐ'ኳ እንተኾነ፡ ከም መረዳእታ እቲ ትካል ግን፡ ሰሜን ወሎን ሰሜን ሽዋን ሰፊሕ ግጭታት ዝካየድሎም ከባቢታት እዮም።
ስሙ ከይጥቀስ ዝሓተተ ተንታኒ ጉዳያት ፖለቲካ፡ እቲ ኣብቲ ክልል ሰለስተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግኣት፡ "ንዅሎም ወገናት ዘዕኑ ዘሎ ኲናት" ብምባል ይገልፆ።
ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ብግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዝኽሰሱ ኰይኖም፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝፍፀሙ ዝበዝሑ ግህሰታት ይኽሰሱ።
ሰብሞያ፡ መንግስቲ መሰል ዜጋታት ናይ ምሕላውን ምውሓስን ሕጋዊን ሞራላዊን ግቡኡ ብዘይምፍጻም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንባዕሉ 'ኣጥቃዓይ' ብዝብል ከቢድ ክሲ የቕርቡ።
ንዕጡቓት ፋኖ ዝኸስስ መንግስቲ፡ ነቶም ክስታት ኣይቅበልን።
መብዛሕትኦም ንንፁሃት ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተፃባእቲ ሓይልታት ውግእ ድሕሪ ምክያዱ ዝፍፀሙ ኰይኖም፡ ቍፅሪ ዒላማኦም ብዝሰሓቱ መጥቃዕቲታት ከበድቲ ብረት ዝተቐተሉ ነበርቲ ብዙሕ ከም ዝኾነ ፀብፃባት የመልክቱ።
ካብ ዓውደ ግንባር ወፃኢ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዝፍፀሙ ቅትለታት'ውን (ብዕጡቓት ፋኖ)፡ መርኣያ ናይቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ግጭታት እዮም።
ሓይልታት መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራ ዕጡቓት ፋኖ ብምቕናዕ፣ "ንፋኖ ይድግፉ'ዮም" ዝበሉዎም ሲቪላት ሓዊሱ፡ ማእሰርቲ፣ ቅትለትን ካልኦት መጥቃዕቲታትን ብስፍሓት ከም ዝፍጽሙ፡ ምርመራታት የመልክቱ።
ኣደዳ ግፍዒ ዝዀኑ ነፍስታት
29 ግንበት 2016 ዓ.ም. [ግ]፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ጽዋ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ወረዳ ቀወት ወይዘሮ ሚሊሹ በቀለ ኣብ መንገዲ ተቐቲላ። ናይ ሽድሽተ ወርሒ ነፍሰ ፆር እያ ነይራ።
ወይዘሮ ሚሊሹ፡ በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ውግእ፡ ንሓለፍቲ መንግስቲ ዒላማ ካብ ዝገበሩ መጥቃዕቲታ ግዳያት ሓንቲ እያ።
እቲ ውግእ ካብ ዝውላዕ ንነጀው፡ ወይዘሮ ሚሊሹ ሓዊሱ ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ብዕጡቓት ፋኖ ካብ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ንምህዳም፡ ገዛኦም ገዲፎም ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ምምሕዳራት ከም ዝሓድሩ ስድራኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ንኣስታት 15 ዓመታት ኣብ ሕክምና ዝሰርሐት ወይዘሮ ሚሊሹ ኣብ ቢሮ ምምሕዳር ክትሓድር እናተጓዕዘት እንከላ ተሓቢኦም ብዝኣተዉ "ዕጡቓት ፋኖ'ዮም" ብዝተብሃሉ ክልተ ዕጡቓት ከም ዝተቐተለት በዓል እንድኣ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
"ከርድኡኒ እንከለዉ ብደወይ ወዲቐ፣ ሰባት ደጊፎምኒ፡ ምስ ተረጋጋእኩ ጐይየ ከይደ ኣብ ሬሳኣ ወዲቐ። ካብ ዝወደቐትሉ ኣልዒሎም፣ ብነፀላ ከዲኖም ኣደቂሶማ። ክርእያ ኣለኒ ኢለዮም። 'እንታያ ክትርእይ?' ኢሎምኒ። ኣብ ዓይና እያ ተወቒዓ፣ ብግፍዓዊ ኣቀታትላ እያ ተቐቲላ" ይብል።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይን ኦሮምያን ምስ ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ዒላማ ከም ዝኾኑ ፀብፃብ ኣክለድ ይገልፅ።
እዚ ኵነታት፡ ኣብ መፋርቕ 2015 ዓ.ም. ናብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝተላብዐ ዝገልፅ እቲ ትካል፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓደርቲ ከባቢ ዝፍፀም መጥቃዕቲ ንፖለቲካዊ ዕላማ የገልግል ኣሎ ኢሉ።
ዕጡቓት ፋኖ፡ ንኣመሓደርቲ ወረዳታት፡ ንኣባላት ካቢነን ኣብያተ ፅሕፈት ውድብ ብልፅግና፡ ከምኡ'ውን ንሓለፍቲ ፀጥታ ዒላማ ከም ዝገብሩ ይእመን።
ዞባ ደቡብ ጎንደር ካብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ንላዕሊ፡ ብዙሓት ኣመሓደርቲ ወረዳን ሓለፍቲ ስራሕን ዝተቐተልሉ እዩ።
ሓደ ንመንግስቲ'ቲ ክልል ቅርበት ዘለዎ ምንጪ፡ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ንፋኖ ኣናሽዮም ወይ ድማ ኣናኢሶም ርእይቶ ዝህቡ ሓለፍቲ ብፍሉይ ዒላማ ፋኖ ከምዝዀኑ ተዛሪቡ።
ሓደ ሓላፊ መንግስቲ፡ ". . ሓበሬታ ኣለዎም'ዩ፡ ንገለ ሓለፍቲ ይመርፁ እሞ፡ 'ኣይንለቀኩምን፤ ከምዚ ክንገብር ኢና' ኢሎም መጠንቀቕታ ይልእኩሎም። ምቹእ ኵነታት ኣብ ዝረኽቡሉ፡ ኣይምሕርዎምን" ብምባል ኣብቲ ዞባ 10 ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ።
"ናይ መብዛሕትኦም ሓለፍቲ ደቂ፡ ዘኽታማት ይዀኑ ኣለዉ። ዘሎ ሓደጋ ከቢድ እዩ" ይብል።
ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብርሕቀትን ውሕስነት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ኰይኖም ክሰርሑን ብዓጀባ ክንቀሳቐሱን ተገዲዶም።
ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኮማንደር ንጉስ ታመነ፡ ቅትለት መራሕቲ "ብፍላይ ኣብ 2016 ን 2017 ዝከፍአ ነይሩ" ኢሉ።
ይዅን'ምበር፡ "መብዛሕትኦም" ሓለፍቲ መንግስቲ "ኣብ ውግእ" ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ።
መራሕቲ ሲቪል፡ "ኣብ ውግእ ብቐጥታ" ከም ዝሳተፉ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ተዛሪቡ። "ንርእሶም ንምንቅስቓስ ብረት ተዓጢቘም'ዮም ዝንቀሳቐሱ" ብምባል የብርህ።
"ምስ ተማረኹ ዝቕተሉ ግን ብዙሓት እዮም" ብምባል ስድራ መራሕቲ'ውን ግዳያት ከም ዝዀኑ ኣመልኪቱ።
ዕጡቓት ፋኖ፡ ንሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ "ኣፅዋር ካብ ዝተዓጥቐ ወተሃደር ፈሊና ኣይንርእዮን" ብምባል ኣካል እቲ ውግእ ከም ዝኾኑ ቅድሚ ሕጂ ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም።
ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ስድራ ዕጡቓት ፋኖን "ይድግፍዎም" ዝብልዎምን ምፍርራሕ፣ ማእሰርቲ፡ ምእጋድ ንብረት፡ ቅትለትን ካልእ መጥቃዕቲን ከም ዝፍፅሙ ፀብፃባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ኣብ 2016 ዓ.ም. [ግ] በዓል እንድኣ ኣባል ዕጡቓት ፋኖ ብምዃኑ ኣብ ወረዳ ደጀን ንኣዋርሕ ተኣሲራ ዝፀንሐት ነፍሰ ፆር ዝኾነት ንፁህ መኰንንን 44 ዝዕድመኣ ሓማታን፡ ካብቲ ዝተኣሰራሉ ነቝጣ ፖሊስ ብምውፃእ ብግፍዒ ከም ዝተቐተላ ኣባላት ስድራ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ህፃናት ዝርከብዎም ሽድሽተ ኣባላት ሓደ ስድራ እቲ ኣባል ዕጡቕ ፋኖ ዝኾነ በዓል እንዳ ንፁህ "ንኽምለስ" ንምግዳድ ንሽድሽተ ወርሒ ከም ዝተኣሰሩ ገሊፆም።
"ካብ ማእሰርትን መውቃዕትን ሓሊፈን፡ ብመንግስቲ ተታሒዘን ክቕተላ እየን ዝብል ጥርጣረ ኣይነበረንን" ብምባል ኣባል ስድራ ከሲሱ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቕትለት ንፁህን ሓማታን ካልኦት ተኣሲሮም ዝነበሩን ሰባት "ሕነ ምፍዳይ" ኢሎም ከም ዝገልጽዎ ሓደ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ቅትለት፡ ሓይልታት ፋኖ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ እዩ ተፈጺሙ።
ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንፁህ ኣብ ስድራቤታዊ ህይወታ እተተኵር፡ ኣብቲ ግጭት ዝዀነ ቀጥታዊ ተሳትፎ ዘይነበራ፡ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከም እተፈፀማ እዮም ዝዛረቡ።
ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ካብቲ ዓቢ ስእሊ ፈሊኻ ዝረአ ዘይኮነስ፡ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ክልለ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ዓመጽ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ እምበር ኣብ እዋን ውግእ ዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ጥራይ ኣይኰነን።
ሞት፡ ቅትለት፡ ገደብ ምንቅስቓስን፡ ስቅያት፡ ስደት፡ ተስፋ ምቝራጽን ሽግርን ዝኣመሰሉ ገበናት ኲናት፡ ንዓመታት ኣብቲ ክልል ልሙዳት ተግባራት ኰይኖም ኣለዉ።
"ሲኦል እዩ ኰይኑና ዘሎ"
ብመሰረት ጸብጻብ ሰለስተ ዓመት ትካል [ኣክለድ]፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ዝካየድ ውግእ፡ 80 ሚእታዊት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ግጭት ዝሽፍን እዩ።
ኣብቲ ክልል ዝፍጠሩ ግጭታት ክብ ለጠቕ ናይ ምባል ባህሪ ኣለዎም።
"ወፍሪ ክጅምር ከሎ ኣዝዩ ጽዑቕ እዩ፤ እቲ ወፍሪ ንኽልተ ሰሙን ወይ ኣስታት ሓደ ወርሒ ይጸንሕ፡ ድሕሪኡ እቲ ውግእ ይሃድእ" ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኣክለድ ዶክተር ጃለሌ ጌታቸው።
"እቲ ግጭት ኣብ በረኻ ኣይኮነን ዘሎ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እዩ፡ ስለዚ [ንጹሃት ሰባት] ይጽለዉ። መረዳእታና ከምኡ እዩ ዘርኢ" ኢሉ።
13 ሚእታዊት ናይቲ ዞባ ኣብ እዋን ኲናት ዝካየድ ንጥፈታት፡ ንጹሃት ሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ጥሪ 2016 ዓ.ም [ግ] ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ጃምላዊ ቅትለት ፈፂሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱላ ከተማ መርዓዊ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል - ባህርዳር ኣስታት 35 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ።
እታ ከተማን ከባቢኣን ካብቶም ቀዳሞት በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ቦታታት ሓንቲ እያ።
ነበርቲ ኣብ መርዓዊን ካልኦት ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ናብራኦም ፅልምትምት ዝበለ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
ፍርሒ፡ ዘይውሕስነት፡ ተስፋ ምቝራጽ፡ ስደት፡ ዓመጽ፡ ሞት . . . ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ደጋጊሞም ዘውፁእዎም ቃላት እዮም።
ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ወይ ዝፈልጥዎም ሰባት ዝበጽሐ ዘሕዝን ዛንታታት የካፍሉ።
ነቲ ግህሰት መሰላት "ክትጻወሮ ኣጸጋሚ" ብምባል ይገልጽዎ።
ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ዝኾነ ቀሺ ስመኘው*፡ ነቲ ፅንኩር ኵነታት እቲ ኲናት ክገልጽ እንከሎ፡ "ሞትን ምምዝባልን ልሙድ ኰይኑ ኣሎ" ይብል።
"ቈልዑ እንተዘይተማሂሮም፡ ኣደታትን ኣቦታትን ክንቀሳቐሱ እንተዘይክኢሎም፡ ሰራሕተኛታት ክሰርሑ እንተዘይክኢሎም፡ ሰባት ብናጽነት ቤተክርስትያን ተሳሊሞም ብሰላም ክምለሱ እንተዘይክኢሎም?" ንህይወት ከቢድ ምዃኑ ይገልጽዎ።
ኣብ ኵሉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ግጭታት ክህልዉ እንከለዉ ቀንዲ ዓውደ ውግእ ኰይኑ ዘሎ ምዕራብ ጎጃም እዩ።
"ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ኣብ ምዕራብ ጎጃም ተመዝጊቡ'ሎ" ይብል ሓደ ላዕለዋይ ተንታኒ ኣብ ኣክለድ።
ካብቲ እዚ ከባቢ ቀፂሉ ዝለዓለ ግጭት ዘተኣናገደ ከባቢ ሰሜን ወሎ ከምዝዀነ መረዳእታ እቲ ትካል የመልክት።
ኣብ ሰሜን ወሎ ዝርከብ ታሪኻዊ መስሕብ - ላሊበላ ናይ ቀደም መልክዑ ተቐይሩ፡ በጻሕቲ ስኢኑ ይርከብ።
ኣቶ ገዛሃኝ* ዝተባህለ ወዲ 60 ዓመት መምህር ነበር - ነባሪ'ታ ከተማ፡ እዚ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበሮ ህይወት ከምዘይምለስ ንሓዋሩ ከምጠፍአ ይዛረብ።
ህሉው ኵነታት እቲ ሕብረተሰብ "ሲኦል" ክብል ይገልጾ።
"ህይወት ኣይኮነን ንነብሮ ዘለና፣ ስቓይ'ዩ። ከመይ ገይረ በየናይ ቋንቋ ክገልፆ? ኵሉ ነገር ከቢሩ እዩ ዘሎ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ሓደገኛ'ዩ። ኣብ ዝደለይዎ እዋን ይቐትሉኻ፣ ይሃርሙኻ፡ ይኣስሩኻ፤ . . ከቢድ'ዩ። ጸልማት'ዩ።"
"ኣብ ብገዛእ ዓድና ስደተኛታት ኴንና ኣለና። ዳርጋ ኣብ ስደት ዘለና ሰባት ኢና" ይብል፤ ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዘለዎም ነበርቲ ካብቲ ክልል ከምዝወጹ ብምምልካት።
ሓይልታት ፋኖ፡ ድልዱል መሰረት ከምዘለዎም ዝእመነሉ ወረዳ ምዕራብ ጎጃም - ደጋ ዳሞት፡ ነቲ ከባቢ ንምቍጽጻር ከቢድ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ወረዳ ሓረስታይ ዝኾነ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ኣቶ ሲሳይ*፡ "ካብ ግጭት ነጻ ዝዀነ ከባቢ ኣይኮነን" ብምባል፡ "ኵሉ ግዜ ሰቘቓ'ዩ" ይብል።
ሓይልታት ፋኖ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ነታ ወረዳ ዳግማይ ካብ ዝቈፃፀሩዋ ንደሓር፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ "ከቢድ ውግእ" ኣብኡ ይካየድ ኣሎ።
ኣቶ ሲሳይ ግጭት ምስ ዝለዓል "ጥሪት ናብ ገዛ ኣእቲና ኢና ንሃድም" ይብል።
ሻቕሎቱ ክገልጹ ከሎ፡ "ሎሚስ ተሪፈ፣ ጽባሕኸ ንብል"ይብል።
ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ፡ ስክፍታኡ፡ "ዝናብ ዘኒቡዶ ኣይዘነበን። ሓደ ብዕራየይ ጽባሕ ክልተ ክገብሮም'የ። ብዘይካ ስራሕ ካልእ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ይብል።
ኣቶ ሲሳይ፡ ሎሚ ቀንዲ ስርሑ፡ ኣባላት ስድራኡ ድራር ጥይት ከይኮኑ ምሕላው ምዃኑ ይገልፅ።
ምንቅስቓስ ከም መጋየጺ ከም ዝርአ ነበርቲ እቲ ክልል ይዛረቡ። ብሰንኪ ምዕጻው ጽርግያታትን ገደብ ምንቅስቓስን ምውጻእን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ኣዝዩ ዝተገደበ ምዃኑ ይዛረቡ።
ዕዳጋታት ተዓጽዮም ብምህላዎም፡ ኵነታት ጸጥታ ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብ ፈረስ ቤት ደጋ ዳሞት ዕዳጋ ሰሉስን ቀዳምን ዝካየደሉ ዕዳጋ ባዶ ምዃኑ ነጋዶ ይዛረቡ።
ድሕሪ እቲ ግጭት ንሰሙናት ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዕዳጋ፡ ሓረስቶት ኣብ ገጠር ንኣሽቱ ዕዳጋታት ክፈጥሩ ተገዲዶም።
ይዅን እምበር እዞም ሓደስቲ ዕዳጋታት ሓረስቶት ፍርያቶም ብዝተሓተ ዋጋ ክሸጡ ዘኽኣሉ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ከተማ ዝኣትዉ ፍርያት ጐዲሉ ኣሎ።
ቢቢሲ ኣብ መንጎ ቅድሚ ኲናትን ድሕሪን ኲናት ዋጋ መሰረታዊ ኣቑሑት ክሳብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ዝርዝር ዋጋ ሸቐጣት ተመልኪቱ።
ኵነታት መነባብሮ እቲ ክልል፡ ካብ ጽልዋ ሓፈሻዊ መነባብሮ እታ ሃገር ዝገደደ እዩ።
ነባሪ ላሊበላ ኣቶ ገዛሃኝ*፡ እቲ ቅልውላው ሱር ዝሰደደ ምዃኑ፣ ኣብ ከተማኡ ዘሎ ልመና ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ከምዝተዘርግሐ ጠቒሱ።
ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ኵነታት ተኣሳሲሩ ዝካየድ መጭወይቲ፣ ብዙሓት ካብ ከባቢኦም ክወፁ እውን ኣገዲዱ ኣሎ።
ሓደ ሰብ ንኽፍታሕ ክሳብ ዓሰርተ ሚልዮን ብር ይሕተት ከምዘሎ ዝገለፀ ኣዛዚ ፖሊስ ኮማንደር ኣኽሳግ፣ እቶም ዓገብቲ ዕላማታቶም ብምውጣን ዝተዋደደ መጥቃዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ገሊፆም።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣውፈርቲ ካብቲ ክልል ክወፁ ከምዝገበሮም እውን ገሊፆም።
ተስፋ ሰላም ?
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ተቓላዕቲ ዝገበረ፡ መጥቃዕቲ ድሮናትን ከበድቲ ኣጽዋር ከምዝካየዱ ይንገር።
በዞም መጥቃዕትታት፡ ትካላት ሃይማኖት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትካላት ጥዕና፡ ከምኡ'ውን ሲቪላዊ መሰረተ ልምዓት'ውን ዒላማ ኰይኖም ኣለዉ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ኣጠቓቕማ ከበድቲ ኣጽዋር፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ልዑል ጉድኣት ከምዘውረዱ ይኸስስ።
ብዘይካ'ዚ፡ ብቢቢሲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ኮሌጃት፡ ትካላት መንግስቲ፡ ልምዓታዊ ትካላትን ንብረት ውልቀ ሰባትን ከምኡ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ ከይተረፈ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተቐይረን ምህላወን ይሕብር።
ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብግቡእ ተሰኒዱ'ኳ እንተዘይተብሃለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ምስ ገበናት ኲናት ክመጣጠን ከምዝኽእል ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጻ።
ቢቢሲ፡ ካብ ነበርቲ እቲ ክልል እቲ ኲናት ከብቅዕ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዘይብሎም ኣስተውዒሉ።
"ብደቂ ሰባት ዝፍታሕ ኣይመስለናን፣ መድሃኔኣለም ባዕሉ 'ይኣኽለኩም' ይበለና" ክብል ነባሪ ላሊበላ ኣቶ ገዛሃኝ ተማሕጺኑ።
እቶም ተዋጋእቲ ወገናት፡ ብዅሉ ግንባራት ንሕና ኢና ተዓወቲ ኢና እናበሉ ይቕጽሉ ኣለዉ።
እቶም ዝፍተኑ ዘለዉ ሰላማዊ ፃዕርታት ድማ፡ ንይምሰል ዝግበሩን፡ ካብ ልቢ ዘይኰኑን - ክብሉ ተዓዘብቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ይነቕፉ።
*ገሊኡ ኣስማት ንድሕነት እቶም ሰባት ተቐዪሩ እዩ።