እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ 'ሓድሽ ወተሃደራዊ ጐንፂ' ከም ዝተልዓለ ተገሊጹ
ብምዕራብ ትግራይ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳወብ ከባቢ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ጎንፂ ከምዝተላዕለ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ሓድሽ ጎንፂ ብምብጋስ፡ ብህወሓት ዝምራሕ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ፌደራልን ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝተጣየሰ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ህወሓት ዘቘሞ ክልላዊ ምምሕዳር፡ ትማሊ 25 ሓምለ 2018 ዓ.ም (ግ)፡ "ስርዓት ብልፅግና [መንግስቲ ኢትዮጵያ] ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብኣንፈት ሸረሪና፡ 'ቅሉዕ ውግእ' " ከም ዝኸፈደተ ከሲሱ።
እቲ ብስም ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝወፅአ መግለጺ፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ብምጥሓስ ንህዝቢ ትግራይ 'ንምምብርካኽን ንምብታንን' ዝተገብረ ምዃኑ ድማ ወሲኹ ይኸስስ።
ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኰነ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዛጊድ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
ቢቢሲ፡ ካብ ሚኒስተር ኮሙኒኬሽን መንግስትን ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ምክልኻልን፡ ብተሌፎንን ብሓፂር መልእኽትን ንዝሓተቶ መብርሂ'ውን ምላሽ ኣይረኸበን።
ይኹን እምበር፡ በዓል ስልጣን መንግስቲ ፌደራል፡ ሚኒስትር መስኖን ቆላታትን፡ ኣብርሃም ባይ (ዶ/ር) ፡ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ህወሓትን ግጭት ከምዝተበገሰ ኣረጋጊፁ ኣሎ።
እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ወግዓዊ ገፁ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብትግርኛ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ጉጅለ ህወሓት ብወገን ሸረሪና ኲናት ኣዊጁ ኣሎ"፡ ክብል ዝኸሰሰ ዀይኑ፡ "እዚ ኲናት ቀልጢፉ ደው እንተዘይኢሉ" ዝኸፍአ ጉድኣት ክስዕብ ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።
እዚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ተላዒሉ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ንኣስታት ሓደ ዓመት ክካየድ ዝጸንሐ ተሪር ናይ ቃላት ኲናትን ምክሳስን ዝመጽእ ዘሎ እዩ።
ኣብ ምትግባር ውዕል ፕሪቶርያን ተዛመድቲ ጉዳያትን ክልቲኦም ወገናት ክካሰሱ ዝፀንሑ ዀይኖም፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳርን ብምፍራስ፡ ነቲ ፕረዚደነት ብምእላይን፡ ስልጣን ድሕሪ ምቍፅፃሮም፡ እቲ ወጥሪ ሰማይ እናዓረገ መፂኡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ7 ሓምለ 2026 ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዂናት ይዳሎ ከም ዘሎን ንኢትዮጵያ ክወርር ይሕልን ከም ዘሎን ምኽሳሱ ይዝከር።
ኣብይ ኣብቲ ዘረባኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመንእሰያት "ከም ገላዩ" ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት የሰጋግሩ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ፡ ነቶም ሓይልታት ድማ ናይ ወጻኢ ተልእኾ ዘፈጽሙ "ምሳር" ክብል ወቒስዎም ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ወሲኹ፡ "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ እውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ህወሓት ብወገኑ፡ እቶም ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝቐርቡሉ ዘለዉ ክስታት ብምፃግ፡ እቲ መንግስቲ ባዕሉ ምድላዋት ኲናት ይገብርን፡ ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ሕጂ ተኸፊቱ ዘሎ ዝበሃል ዘሎ ግጭት፡ መቐጸልታ ናይቲ ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ጀሚሩ፡ ክረአ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ውጥረት እዩ።
ኣብ መጀመርታ ለካቲት 2026፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ምስ ሓይልታት ፈደራል ወተሃደራዊ ጐንጺ ምንባሩ ይግለፅ።
እቲ ግጭት ብፍላይ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ (ጸለምቲ)፡ ኣብ ከባቢታት ማይ-ዳጕሻን ማንጫራን ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ምንባሩ ጸብጻባት የመልክቱ።
ብ31 ጥሪ 2026 ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ከተማ እንትጮን ወረዳታት ኣሕፈሮምን ብድሮን ዝተፈጸመ ደብዳባት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንግዳዊ መካይንን ከቢድ ጕድኣት ኣብጺሑ እዩ።
ሓይልታት ትግራይ ነቲ ስጕምቲ "ናብ ምሉእ ጐንጺ ዘሰጋግር" ክብሉ ክዅንኑዎ ከለዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ድሮን ዝሃቦ መግለጺ ኣይነበረን።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ መፂኡ ኣሎ።
ህወሓት፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ (ባይቶ) ዳግማይ ናብ ቦታኡ ብምምላስ፡ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ ይርከብ።ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ኣትዩ ከምዝርከብ ቢቢሲ ትግርኛ ዝገበሮ ምፅራይ የዕሕብር።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ ይርከብ።
ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ንህወሓት ከም ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምዝገብ ብምሕታቱ፡ እቲ ውድብ ድማ ነዚ ውሳነ ብዘይምቕባሉ፡ ሕጋዊ ሰብነት ካብ ዝስእን ፀኒሑ ኣሎ።
ኣብቲ ሕዳር 2020 ተወሊዑ ንኽልተ ዓመት ዝዝለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐ፡ ኣብቲ ክልል መሰረታዊ ልምዓታት ከምዝዓነወን ሰፋሕቲ ግህሰት ሰꬅብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀሙን ፀብፃባት ይሕብሩ።
ምፍራም ውዕል ፕሪቶርያ ስዒቡ፡ እቲ ተፃብኦታት ክሃድእን እቲ ክልል ማሕበራዊ ግልጋሎታት ክረክብን እንተተገብረ'ኳ፡ ኣብ መንጐ እቶም ተወዓዓልቲ ሙሉእ ምትእምማን ኣይተፈጥረን።
ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ መረበቶም ከይተመልሱ፡ እነሆ ንዝሓለፉ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣደዳ ፀሓይን ቍርን ኰይኖም ይርከቡ፤ ሓይልታት ትግራይ ድማ ብመሰረት እቲ ውዕል ዕጥቈም ኣይፈትሑን ተባሂሎም ይንቀፉ።
ብፍላይ ንኣስታት መንፈቕ ዓመት፡ መንግስቲ ፌዴራል መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ክልል ብምኽልካል፡ ናብቲ ከልል ዝኸይድ ነዳዲ ጠጠው ኣቢሉ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ማእከላይ መንግስቲብዛዕባ እዞም ክስታት ዝሃቦ ምግለፂ የለን።
ሻቕሎት ማሕበረሰብ ዓለም
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣውሐስቲ እቲ ውዕል ዝዀኑ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ ዝብል ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣመሪካ፡ ነቲ መስርሕ ሰላም "የተዓናቕፉ ኣለዉ" ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ፖለቲከኛታትን ላዕለዎት መራሕትን ህወሓት ናይ ቪዛ እገዳ ምግባራ ይዝከር።
ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግዱድ ወተሃደራዊ ምልመላን፡ ምፍራስ ግዝያዊ ምምሕዳርን ስክፍታ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ሕዚ ኣብ ዞባ ምዕራብ ተኸፊቱ ዘሎ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ተኣፋፊ ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ደማዊ ግጭት ከይመልሶ ተሰጊኡ ኣሎ።