ኢትዮጵያ፡ ሻብዓይ ሃገራዊ መረፃ ይካየድ ኣሎ
ኣብቲ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ብዘይካ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ካብ ወጋሕታ ሰዓት 12 (6) ድምጺ ምሃብ ተጀሚሩ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን መረፃ ከምዘይካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር፣ ደጋ ዳሞትን ኣምባሰልን ሓዊሱ ሎሚ ኣብ 8 ክልላት መረፃ፡ ድምፂ ከምዘይወሃብ እውን እቲ ቦርድ ገሊፁ።
ንሻብዓይ ሃገራዊ ሓፈሻዊ መረፃ ልዕሊ 54 ሚልዮን መራጽቲ ከምዝተመዝገቡ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ መረፃ 42 ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፋ ኮይነን፡ እተን ውድባት ልዕሊ 10 ሽሕ ሕጹያት ኣመዝጊበን ኣለዋ።
ካብዚኦም እቶም 2080 ንባይቶ፤ 8,352 ሕጹያት ንቤት ምኽሪ ዞባታት፤ 80 ሕጹያት ድማ ብውልቂ ክወዳደሩ እዮም።
55 ሲቪላዊ ማሕበራት ውሽጢ ሃገር ነቲ መረፃ ይዕዘባኦ ከምዘለዋ ይግለፅ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ተዓዛቢ ልኡኽ ኣዋፊሩ ኣሎ።