ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ተሰማሚዑ፡ ቓዛ ብሓድሽ መንግስቲ ፍልስጤም ክትመሓደር ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ሓማስን ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታትን ምሉእ ብምሉእ ዕጥቆም ንምፍታሕ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ።
ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ እውን ሓማስ ምስቲ ትራምፕ ዘውጽኦ 'ቦርድ ኦፍ ፒስ' ዝተሰምየ መደብ ሰላም ከም ዝተሰማምዐን ኣብ ሓጺር እዋን ወግዓዊ መግለጺ ከውጽእ ምዃኑን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እስራኤል ዛጊት ብዛዕባ እዚ ዝሃበቶ ወግዓዊ መግለጺ የሎን።
እቲ መደብ ሰላም (ቦርድ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ዘተ ከም ዝተዛዘመን ሕጂ ናብ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ከም ዝተኵርን ሓቢሩ።
እቲ ብኣመሪካ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፡ ቀዳማይ ምዕራፉ ብምቍራጽ ተዅሲ ተዛዚሙ፡ ሕጂ ከኣ ናብቲ ሓማስ ዕጥቑ ዝፈትሓሉ ካልኣይ ምዕራፍ ሰጊሩ ኣሎ።
ነዚ ስዒቡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ቓዛ ክወጽእን ቓዛ ብሓድሽ መንግስቲ ፍልስጤም ክትመሓደርን ዳግመ ህንጸት ክጅምርን ትጽቢት ይግበር።
"ቓዛ ብሓድሽ መንግስቲ ፍልስጤም ክትመሓደር እያ"
ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ 'ትሩዝ ሶሻል' ዝተሰምየ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እዚ ቓዛ ብሓድሽ መንግስቲ ፍልስጤም ክትመሓደር ዘኽእል ወሳኒ ስጕምቲ እዩ፡" ኢሉ።
ቓዛ ንነበርታን ጐረባብታን ውሕስቲ ንኽትከውን ድማ ዓለምለኻውያን ሓይልታት ምስ ፖሊስ ፍልስጤም ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ሓቢሩ።
ትራምፕ ነቲ 20 ነጥብታት ዝሓዘ መደብ ሰላም ናብ መዓልቦኡ ኣብ ምብጻሕ ከም ኣሸማገልቲ ንዝሰርሓ ሃገራት ግብጺ፡ ቀጠርን ቱርኪን ኣመስጊኑ።
ሓደ ብዓልመዚ ኣመሪካ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እስራኤል ነቲ ኣቐዲማ ዝተሰማማዓትሉ 20 ነጥብታት ክትትግብሮ ምዃና ከም ዝተኣማመን ገሊጹ።
እስራኤል ሰራዊታ ካብ ቓዛ ንኸይተውጽእ እንተ ወሲና ግን ትራምፕ ሕማቕ ከም ዝስምዖ እቲ ብዓልመዚ ኣመልኪቱ።
ምስጢራት እቲ ስምምዕን ኣፈጻጽማኡን
ቢቢሲ ከም ዝተዓዘቦ፡ እቲ ስምምዕ ሓማስ ዘለዎ ከበድቲ ኣጽዋር ንምርካብ ዝዓለመ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ብትራምፕ ዝምራሕ ዘሎ ተበግሶ ሰላም ከጋጥሞ ዝኽእል ዓቢ ዕንቅፋት ዘወግድ እዩ።
መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ በቶም ንኡሳን ዕጡቓት ጕጅለታት ክጅምር ከሎ፡ ሓማስ ምሉእ ብምሉእ ዕጥቁ ንምፍታሕ ግን ዝነውሐ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል ሰብመዚ ኣመሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ መደብ ኣብ "ባዶ ምትእምማን" ዝተመስረተ ኰይኑ፡ ሓማስ ይዅን እስራኤል ነቲ ዝተሰማማዕሉ ነጥብታት ከይፈጸሙ ናብ ዝቕጽል ስጕምቲ ከም ዘይሕለፍ ተገሊጹ ኣሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ ብውሕዱ 1,168 ፍልስጤማውያን ብመጥቃዕቲ እስራኤል ክቕተሉ ከለዉ፡ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል እውን ተቐቲሎም እዮም።
ኣቐድም ኣቢሉ ሮይተርስ ስሞም ዘይጠቐሶም ምንጭታት ተጠቒሙ እቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ሓማስን ኣሸማገልትን ኣብ ካይሮ ዝተኻየደ ዘተ ውሑድ ምዕባለታት ከም ዝተረኣዮን እስራኤል'ውን በቲ ዝቐረበ ነጥብታት ዕግብቲ ከም ዘይዀነትን'ዩ ኣቓሊሑ።
ትራምፕ ሓማስ ዕጥቁ ክፈትሕ ምስምምዑ ድሕሪ ምግላጹ ግን፡ ማዕከን ዜና ታይምስ ናይ እስራኤል ስሞም ዘይገለጸቶም ምንጭታት ብምጥቃም፡ ሓማስ፡ ኣዛተይቲ ሃገራትን እቲ ቦርድን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ከም ዝተፈራረሙ ጸብጺባ።
ታይምስ ኦፍ እስራኤል፡ ሓማስን እቲ ቦርድን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ከም ዝተፈራረሙ እኳ እንተ ሓበረት፡ እስራኤል ግን ምፍታሕ ዕጥቂ ሓማስ ንሕቶ ኢዮሩሳሌም ዝምልስ ከም ዘይኰነ ኣፍሊጣ ኣላ።
እቲ ዘተ ኣብ ካይሮ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።
ልኡኻት ኣመሪካ፡ ቱርኪ፡ ቀጠርን ግብጽን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ብዛዕባ እዚ ዘሎ ምዕባለታት ክዛተዩ ምዃኖም'ውን ምስ መንግስቲ ግብጺ ርክብ ዘለዋ ማዕከና ዜና ኣል ቓሄራ ሎሚ ዓርቢ ኣቃሊሓ።
ሓማስ ድሕሪ ሞት ያሕያ ሲንዋር፡ ካሊል ኣል ሓያ ዝተባህለ ሓድሽ መራሒ ምምራጹ ይፍለጥ።
እቲ ግጭት ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብሰንኪ መጥቓዕቲ ሓማስን ስዒቡ ብዝመጸ ግብረ-መልሲ እስራኤልን ኣብ ቓዛ ልዕሊ 73,000 ሰባት ተቐቲሎም እዮም።
ቤት ፍርዲ ገበኛታት ዓለም (ICC) ኣብ 2024፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁን ምኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዝነበረ ዮቭ ጋማንትን ከምኡ'ውን መራሕቲ ሓማስ ገበን ኲናት ፈጺሞም እዮም ብምባል ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ መሓመድ ድይፍ፡ ብመጥቓዕቲ ኣየር እስራኤል ከም ዝተቐተለ እኳ እንተ ተገልጸ፡ ሓማስ ግን ነዚ ኣይኣመነሉን።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
