ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ እዋን ጸሎት ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 14 ሞይቶም

ሳንዱቕ ሬሳታት

ምንጪ ስእሊ, North Showa Zone Police

መግለጺ ስእሊ, ካብቶም 14 ሰባት እቶም ዓሰርተ ሓደ፡ ኣብቲ ገዳም ተቐቢሮም
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ሰሜን ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ወረዳ ሞጃን ወደራን ኣብ ዝርከብ ገዳም ጻድቃነ ደብረ ምጥማቕ ቅድስቲ ማርያም ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 14 ሰባት ሞይቶም።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ሓሙሽተ ሰባት ብኸቢድ ክቖስሉ እንከለዉ ክልተ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ምክትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕርሻን ወረዳ ሞጃን ወደራን ኣቶ ዳኛቸው ኣዝብጤ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብዓል መዚ እቲ ከባቢ፡ ለይቲ ምሉእ ዝሓደረ ዝናብ ክረምቲ፡ ሰኑይ 27 ሓምለ 2018 (ግእዝ) ከባቢ ሰዓት 12፡00 ንግሆ "ምህማም በዓቲ" ከምዘስዓበ ገሊጹ።

እቲ ምህማም መሬት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኣብ ኣፍደገ እቲ በዓቲ ቤተክርስትያን ኣብ ዝጽልዩ ዝነበሩ ኣመንቲ ጉድኣት ከምዘስዓበ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቶም ከቢድ መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ናብ መወከሲ ሆስፒታል ደብረኣብ ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ቀሊል መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ኣብ ማእከል ጥዕና ሰላ ድንጋይ ሕክምና ከምዝተገብረሎም ኣቶ ዳኛቸው ሓቢሩ።

ኣብ ገዳም ጻድቃነ ደብረ ምጥማቕ ቅድስቲ ማርያም ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ጸሎት፡ ኣብ መንጎ ንሕዱር ሕማማት መንፈሳዊ ፈውሲ ዝደልዩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ውሩይ ዝዀነ ቅዱስ ጸበል ዘጠቓለለ እዩ።

"ብዙሓት ካብቶም ዝሞቱ ነቲ ቅዱስ ማይ ክቕበሉ ተኣኪቦም ዝነበሩ እዮም" ክብሉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሃገረ ስብከት መጋበ ሓዲስ ነቃ ጥበብ ኣበቡ ንማዕከን ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊጾም።

ካብቶም ዝሞቱ እቶም ዓሰርተ ሓደ ኣብቲ ገዳም ክቕበሩ እንከለዉ፡ ሬሳ ናይቶም ካልኦት ድማ ናብ ዓዶም ተመሊሱ ንኽቕበር ከምዝተገብረ እቶም መጋበ ሓቢሮም።

ገለ ካብቶም ግዳያት ንምልላይ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ እውን ገሊጾም።

ኣብቲ ቦታ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ዘካይዱ ዝነበሩ ጉጅለታት ህጹጽ ረድኤት፡ ኣባላት ጸጥታ፡ ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕናን ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ነበርትን ከምዝርከብዎም ሰብመዚ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ሓላፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ሸዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ቅሌምንጦስ ናብቲ ገዳም ተጓዒዞም ህይወቶም ንዝሓለፉ ጸሎት ቀብሪ ከምዝመርሑ፡ ንዝተጎድኡ ከምዝጸለዩን ንሓዘንተኛታት ስድራቤታት ምጽንናዕ ከምዝሃቡን እቶም ሰብመዚ ወሲኾም ገሊጾም።

ምህማም መሬት ኣብ ኢትዮጵያ ብተለምዶ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ዝጸንሕ ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ሓደጋ እዩ።

ኣብ መጋቢት ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጋሞ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ውሕጅን ምህማም መሬትን ስዒቡ ልዕሊ 100 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ኣብ ጋም ጎፋ ኣብ ሓምለ 2024 ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ልዕሊ 229 ሰባት ሞይቶም፤ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠሙ ምስ ኵነታት ኣየር ዝተኣሳሰሩ ቀተልቲ ሓደጋታት ሓደ እዩ።

ብዙሓት መጽናዕትታት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓያል ጠልን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ደረቕ እዋንን ከምዝወሰኸ ሰኒዶም እዮም።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ብሰንኪ ደቂ-ሰብ ዝመጽእ ለውጢ ክሊማ፡ ከም ጽዑቕን ነዊሕ ዝጸንሕን ዝናብን ዝኣሰመሉ ከበድቲ ፍጻመታት ኵነታት ኣየር ተደጋጋምን ከበድትን ክዀኑ ይገብር ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ጸኒሖም እዮም።