ኢትዮጵያ፡ በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ንተሌቪዥን ትግራይ ዳግማይ ኣጊዱ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Tv/fb
በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ንተሌቪዥን ትግራይ ብግዝያዊነት ከምዝኣገደ ኣፍሊጡ።
ሎሚ ረፋድ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፈይቡክ እቲ በዓል መዚ ዝወፅአ መግለፂ ከምዘመልክቶ፡ ንጸጥታ ሃገርን ህዝብን፡ ከምኡ'ውን ሃገራዊ ረብሓታት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ግጭት ዘላዕሉ ኣኽራሪነት ዘተባብዑን መልእኽትታት ይመሓላለፉ ከምዘለዉ "ኣረጋጊጸ" ይብል።
"በዓል መዚ መራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ሕጋዊ ሓላፍነቱ፡ መደብ ተሌቪዥን ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ እዋን ተኣጊዱ ምህላዉ ይሕብር" ይብል እቲ መገሊፂ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ህወሓት፡ ፋኖ-ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከቡዎም፡ ሸውዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ሓድሽ ኪዳን ከምዘቘሙ፡ ትማሊ ምሸት ብተሌቪዥን ትግራይ ኣቢሎም ዕላዊ ድሕሪ ምግባሮም እዩ።
እቲ ሓድሽ ኪዳን ምትሕብባር ሰፊሕ ዓለማውን ዞባውን ትዅረት ዝሰሓበ ዀይኑ፡ እቲ በዓል መዚ ኣብ ፅባሕ እዚ እወጃ እዩ ነዚ ስጕምቲ ወሲዱ ዘሎ።
እቲ ፈደራላዊ በዓል መዚ ሚድያ፡ ቅድሚ ምውላዕ ኲናት ትግራይ፡ ፈነወ ተሌቪዥን ትግራይን ድምፂ ወያነን ክቋረፅ ዝገበረ ዀይኑ፡ ሕዳር 2022 ምፍራም ውዕል ሰላም - ፕሪቶርያ ድሕሪ ምፍራሙ ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ ምንባሩ ይዝከር።
ተሌቪዥን ትግራይ፡ ምስ ምቛም ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብዝገበሮ ምርድዳእ ድማ ከም ብሓድሽ ስርሑ ክጅመር ብዝበፅሖ ስምምዕ መሰረት ስርሑ ጀሚሩ ኣብ ፈነወ ፀኒሑ።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ በዓል መዚ፡ ዝዀነ ይዅን ትካል ዲጂታል፡ ፈነወ ወይ ሕትመት ሚድያ፡ ንተሌቪዥን ትግራይ ከም ምንጪ ሓበሬታ ተጠቒሙ ዝዀነ ሓበሬታ ምፍናው ድማ ከም ዝኸልከለ ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ነዚ መምርሒ ኣብ ልዕሊ ጥሒሱ ዝተረኸበ ዝዀነ ይዅን ትካል ሚድያ፡ ኣድላዪ ሕጋውን ምምሕዳራውን ስጕምትታት ከምዝውሰድ በዓል መዚ ብትሪ የጠንቅቕ።"
እቲ በዓል ሞያ ከምዝብሎ፡ ተሌቪዥን ትግራይ ሕጋውን ሞያውን መንገዲ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ንጋዜጠኛታት ስልጣን ምሃብ ሓዊሱ ብዙሕ ፃዕርታት ክገብር ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ ኣሎ።
ዛጊድ፡ ካብ ተሌቪዥን ትግራይ ኰነ ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
ብዛዕባ እቲ ወጥሪ
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ዘሎ ወጥሪ እናዓረገ ክመጽእ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ድሮን ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ምስረታ እዚ ሓድሽ ምትሕብባር ድማ፡ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ተለቪዥን ትግራይን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ኣብ ዝተመሓላለፈ ፈነወ ብቀንዲ መራሒ ፋኖ- ኣምሓራ፡ ዘመነ ካሴ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ።
እቲ መግለጺ ብስም እቲ ሓድሽ ዝቘመ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ወይ 'ምሕዝነት ንህልውና' ብዝተባህለ ህወሓት ዝርከበሉ ጥምረት ዝቐረበ እዩ።
እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ግጭት፡ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ቍጠባዊ ውድቀትን ጅምላዊ ምምዝባልን ከም ዘስዓበ ከሲሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ'ዚ መግለጺ እቲ ኪዳን ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
እንተዀነ ነቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ክግበር ዝጸንሐ ኪዳናት ናይ ገለ ካብዞም ኣብቲ ጥምረት ዝተጠቕሱ ሓይልታት ከም ንኢትዮጵያ ንምድኻም ዝተኣልመ ውዲት እዩ ክብል ክገልጾ ጸኒሑ እዩ።
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ብተደጋጋሚ "ታሪኻውያን ጸላእቲ" ብምባል ናብ ኤርትራን ግብጺን ዝቐንዐ ክሲታት ክቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።

















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
