ኤኣይ፡ ብሓቂ ንደቂ ሰባት ከጥፍእ ይኽእል ድዩ - ብኸመይ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሻቕሎት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ይመፅእ ኣሎ። ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ተመሳሳሊ መፅናዕቲ ቀሪቡ ነይሩ።
መጠንቀቕታ ሓደጋታት ቴክኖሎጂ ስዒቡ ድማ፡ ካብ ተመራመርቲ ጀሚሩ ክሳብ ተራ ሰባት ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ገለ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰምዑ ኣሉታዊ ትንበያታት፡ ኤኣይ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ንዅሎም ደቂ ሰባት ናይ ምጥፋእ ዕድል ልዕሊ 10 ሚእታዊ ከምዝዀነ የጠንቅቑ።
ካልኦት ድማ፡ እቲ ዝዓበየ ስክፍታ ደቂ ሰባት ኤኣይ ኣንጻር ካልኦት ደቂ ሰባት ምጥቃም ምዃኑ ይዛረቡ።
ጋዜጠኛ ሳይበር ጆ ቲዲ፡ ገለ ካብቶም ተመራመርቲ ዝሓስብዎ ዘለዉ እንተታት ኣብ ግምት ኣእትዩ ነዚ ዝስዕብ ሓተታ ኣዳልዩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ እንተ፡ ትሕተ ቅርፂ
እቲ ቀዳማይ እንተ፡ ጃኮብ ኮክሰን ዝተብሃለ፡ ተመራማሪ ኦፐንኤይን ድሕሪኡ ድማ ኣንትሮፒክን ዝነበረ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብዝገርም መንገዲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ሓደጋ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ፡ ካብ ስልጣኑ ዝለቐቐ እዩ።
ንሱ፡ እተን ኩባንያታት "ብህይወት ሰባት ጠላዕ ይጻወታ ኣለዋ" ክብል ሞጒቱ።
ኮክሰን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ዘደንግፅ ናህሪ ምዕባለ"፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዓውድታት ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ዝነበሩ ነገራት ሕጂ "ሓቂ ይዀኑ" ከምዘለዉ የመልክት።
ሓደ ጭቡጥ ዝበሎ ኣብነት ድማ ይጠቅስ።
"ኣይ ናብቲ ዓለም እትመሓደረሉ ዘላ ወሳኒ ትሕተ ቅርጺ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም" ኢሉ።
ሓደ ዝዀነ ውፅኢት ኣኤይ፡ ናብ ስርዓት መርበባት ኮምፒተር - ከም ወሃብቲ ኢንተርነትን ጸዓት ሽቦታትን ዝኣመሰሉ ነገራት ኢዱ ከእቱ ከም ዝኽእል ይግምት።
ብኸምዚ፡ እቶም ሰብሰራሕ ብልሓት፡ ንዅሉ ነዚ ስርዓት እንተዓጽይዎ፡ መብራህቲ፡ መሞቒ፡ መዝሓሊ ወይ ርክባት ኢንተርነት ዘይብሉ፡ ቅልውላው ክስዕብ ይኽእል እዩ።
እቲ ኣብነት፡ ልዕሊ እዚ እንተወጢጥናዮ ድማ - ይብል፡ ኒዩክለራዊ ሓደጋታት ከስዕብ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚታት የለን ኣይበሃልን።
ካልኣይ እንተ
እቲ ዝቕፅል እንተ፡ ካብቲ ኣብ ሚያዝያ 2025 ብጕጅለ ተመራመርቲ ኤኣይ ዝተሓትመ፡ ኣዝዩ ፀላዊ ግን ድማ ኣዝዩ ግምታዊ - ውፅኢት መጽናዕታዊ ጽሑፍ AI 2027።
ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ቶማስ ላርሰን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጸብጻብ ዕላዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ እዚ ቴክኖሎጂ ይንህር ከምዘሎ፡ እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ዝፈርሖ ተርእዮ ምዃኑ ገሊጹ።
"ብኤኣይ ዝእለዩ ሮቦታት ብዙሕ ቍጠባዊ ንጥፈታት ይቈፃፀሩዎ ኣለዎ፤ ይዅን እምበር፡ እቲ ኣተሓሕዛ ምቹእ ኣይኰነን። ደሓር ከኣ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፍለጥን፤ ምናልባት ንደቂ ሰባት ከጥፍእ ዝኽእለ ጃምላዊ ኣፅዋር ይፍኑ'ሞ፤ እቲ ሮቦት ባዕሉ ምምራሕ ክቕፅል ይኽእል፤ ምኽንያቱ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ወዲ ሰብ ኣይከድልዩዎን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳልሳይ እንተ
ካልእ ተርእዮ፡ ናይ ሰብኣውነት መወዳእታ ብጌጋ ክፍፀም ይኽእል እዩ።
እቲ "paperclip maximiser hypothesis" ዝበሃል ቅድሚ 20 ዓመት፡ ብሽወደናዊ ፈላስፋ ኒክ ቦስትሮም ዝመንጨወ እዩ።
ቍፅርን ስፍርን ዘይብሎም ጥራዛት ምብዛሕ፡ ከም ማለት እዩ።
ነቲ "ናይ ሓሳብ ፈተነ" ኢሉ ይገልጾ፡ ሓደ ስርዓት ኤኣይ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ጥራዛት ወረቐት ምፍራይ እዩ ዝግደስ።
"ንደቂ ሰባት ኣይጸልኣናን ወይ ኣይቅየምናን፤ ግን ድማ ንሱ ጥራይ እዩ ዕላምኡ። ድሕሪኡ ድማ፡ ካብ መንፅር ምዕዋት ናይቲ ዕላማ፡ ዝያዳ ሓይሊ ምርካብ ወይ ዝያዳ ብልሒ ምርካብ ዘጠቓልል ንኡሳን ዕላማታት የመንጩ" ክብል ይገልጽ።
"ድሕሪኡ፡ መሸፈኒ ጥራዛት ይዅን ካልእ፡ ንደቂ ሰባት ምጥፋእ ዘጠቓልል፡ ቀዲሙ ዘይተኣንፈተ ዕላማታት ክፍፅም ይኽእል፡ ምኽንያቱ ኣብ ከባቢኡ ደው ዘብሉዎ ሰባት እንተዘይሃልዮም፡ ዝያዳ ጥራዝ ወረቐት ክሰርሕ ይኽእል'ዩ።"
ቦስትሮም፡ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ስነ-ሓሳብ ካብ ዘፍልቘ፡ ድሕሪ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እቲ "ሳይንሳዊ ፍልም" ዝመስል ልበ-ወለድ ትረኻ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ሓደጋ ንምፍጣር ተጻባኢ ዕላማ ምህላው ኣየድልየካን እዩ" ዝብል ሓሳብ ንምግላጽ ዝዓለመ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሕጂ ብዛዕባ ኤኣይ "ክልተ ዋልታ" ከምዘሎ ገሊጹ።
ብዛዕባ ክህልዎ ዝኽእል ረብሓታት ከምዝተሓጐሰ፡ ግን ከኣ ብዛዕባ ከስዕቦ ዝኽእል ድሕነት ከምዝተሻቐለ ገሊጹ።
ራብዓይ እንተ
እዚ ስነ-ሞጎት ብፕረዚደንት ዓለማዊ ማሕበር ውሑስነት ስነ-ምግባራውን ኤኣይ - ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ዘንፀባረቐ እዩ።
ስቱዋርት ራስል፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እዩ ከምኡ ኢሉ።
"ጋውና፡ ብልክዕ ደቂ ሰባት ብኸመይ ከም ዘጥፍኡ እንተሓቲትካዮም - ነዚ ንምምላስ ኣዝዮም ምተጸገሙ፡ ምኽንያቱ እቲ እንገብሮ ዘለና፡ ኣይርድኦምን'ዩ" ይብል።
"እንተታት ግን ክንሓስቦ ንኽእል ኢና... ኣብዚ ዝግበር ዘተ ግን፡ ካብ ደቂ ሰባት ኣዝዩ ዝያዳ ዝበልሐ ነገር እንተፈጢርና፡ ኣብቲ ውፅኢቱ ድሕሪ ደጊም ርእይቶ የብልናን ማለት እዩ"።
ሓላፊ ክፍሊ ኤ.ኣይ ማይክሮሶፍት ሙስጠፋ ሱሌማን፡ ብወገኑ ምስዚ ስነ-ሞገት ይሰማማዕ።
ንሱ ብፍላይ ኣብቶም ርእሶም ገንዘብ ከንቀሳቕሱን ክውንኑን ዝኽእሉ ስርዓት - ኤኣይ ኣብ ምፍጣር፡ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝምልከት እዩ ሻቕሎቱ።
እዚ ማለት "ብመሰረቱ ሓድሽ ዓይነት ዓሌት ሲሊኮን ከም ምፍጣር ማለት እዩ ይብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል።
'ሲሊኮን ቫሊ' ዝበዝሕ ዘመናዊ ምህዞታት ዝሰርሓሉ መደብር ኣመሪካ እዩ።
"ብዛዕባ ሰብኣውነት ክሳብ ክንደይ ይግደስን የፍቅረናን ብዘየገድስ፡ ንጸጋታት ምሳና ክወዳደር ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክውንነቱ ክንደይ ዝኣክል እዩ?
ርግጽ እዩ፡ ስእነት ተስፋ ኣዝዩ ሳይንሳዊ ዛንታ ይመስል።
ግን ኣብ ኤኣይ ዝሰርሑ ሰባት፡ ገለ ካብቶም ዝተጠቕሱ እንተታት ክውን ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ልዑል ምዃኑ ዝሓስብ ጕጅለ ኣሎ፤ ነቲ ዘይተርፍ ዝመስል ሓደጋ።
እዚ ዳሕረዋይ ስክፍታታት ድሕሪ'ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ብገለመስርሓት ኤኣይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝተላዕለ ይመስል።
ገለ ኣብ ዓለም ሳይበር፡ ነቶም ሞዴላት ዝሃንጹ ሰባት ዝሓዝዎ ሓላፍነት የጕልሑ።
ነቶም ማሽናት ዝሰርሑ ሰባት ኣብ ዕላማኦምን ሸቶኦምን እንታይ ዝኣክል ጥንቃቐ ይግበሩ ዝብል ሕቶ ተልዕል፡ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ናይቲ ዓለማዊ ዋዕላታት ሳይበር ድሕነት ዘካይድ ዋዕላ RSAን ጀን ኢስተርሊ።
"እቲ ቍምነገር፡ ኣፍራዪ ቴክኖሎጂ እንተዄንካ፡ ድሕንነት ከም ቀዳምነት ቍጽሪ ሓደ ሒዝካ ዓቕምኻ ክትነድፍን ከተማዕብልን ክትፍትንን ከተቕርብን ይግባእ" ትብል።
ሓደጋታት ኤኣይ ርኡይ እዩ ግን ከኣ ንደቂ ሰባት ከብቅዕ ዝኽእል ኣይኮነን ዝብሉ እውን ኣለዉ።
ሳይንቲስትን ደራስን ጋሪ ማርከስ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ንዓበይቲ ኩባንያታት ኤ.ኣይ. ኣብ ምንቃፍ ዝነጥፍ እዩ።
"ብሓቂ ኤኣይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ከቢድ ክሳራ ከብፅሕ ይኽእል እዩ፤ እዚ ዓቢ ሕቶ'ዩ - ከምኡ ዝገብር እንተዀይኑ ግን ደቂ ሰባት ክቃለሱዎ ይኽእሉ እዮም!" ኢሉ።
ማርከስ ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብቲ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎም ጸገማት ዝረኣዮምን ከም ኣብ መጻኢ ዓበይቲ ናይ ሳይበር መጥቃዕትታት፡ ደቂ ሰባት ንኤኣይ ተጠቂሞም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ደቂ ሰባት ከብፅሕዎ ዝኽእሉ ሃሰያ ትዅረት ክግበር ይጠልብ።
እቲ ናይ መወዳእታ ፍጻመታት ኣእማኒ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ክትዕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ዓበይቲ ኩባንያትት ኤኣይ ሕጂ ንልምዓት ከመይ ከምዝውዕልን ኣብ ምርምር ድሕነት ዝያዳ ከም ዝሰርሑን ብግልጺ ይዛተያ ኣለዋ።
ገለ ካብቶም ተመራመርቲ፡ ድሕነት ኤኣይ ኣብ መወዳእታ ዝግብኦ ኣቓልቦ ክረክብ ምኽኣሉ ከምዘሐጕሶም ይዛረቡ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


