ደቡብ ወሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ለጋምቦ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ህዝባዊት መጓዓዝያ (ሚኒባስ) ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ሰበስልጣን እቲ ዞባን ምንጭታት ሆስፒታልን ሓቢሮም።
ሓላፊ መምርሒ ጸጥታ እቲ ዞባ ኮምሽነር ዘለቀ ኣለባቸዉ፡ ረቡዕ ንግሆ ካብ ሰዓት 1፡30 ክሳብ 2፡00 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ ገነቴ ናብ ኣቀስታ ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩ ንጹሃን ተጓዓዝቲ ተዅሲ ከም ዝተኸፈተ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኮምሽነር፡ ሰለስተ ሰባት ብኡንብኡ ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፡ ሓሙሽተ ድማ ጕድኣት በጺሕዎም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም።
እቲ ኮምሽነር ነቲ መጥቃዕቲ "ጽንፈኛታት" ክብል ዝጸውዖም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቃት ፋኖ ከም ዝፈጸምዎ ብምግላጽ፡ "እቲ ጽንፈኛ ኣብ ከባቢ ገነቴ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ይደሊ ስለ ዝነበረ፡ ተወሳኺ ሓይሊ [ወገን] ይመጽእ ይኸውን ብዝብል መንገዲ ዓጽዩ ኣድብዩ ጸኒሑ፡" ኢሉ ተዛሪቡ።
እዚ ተግባር ድማ "ብጽልኢ ህዝቢ ዝተፈጸመ" ምዃኑ ወሲኹ ገሊጹ።
በቲ ካልእ ወገን፡ ሓደ ኣብ ሆስፒታል ኣቀስታ ዝርከብ ምንጪ፡ ናብቲ ትካል ሕክምና ሓሙሽተ ቍሱላት ከም ዝመጹን ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ህይወቱ ሓሊፋ ከም ዝበጸሐን ኣረጋጊጹ።
ካብቶም ንሕክምና ዝተወስዱ ቍሱላት ተወሳኺ ክልተ ሰባት ህይወቶም ብምሕላፉ፡ ሓፈሻዊ ቍጽሪ ናይቶም ዝተቐተሉ ሰባት ሓሙሽተ በጺሑ ኣሎ።
እቶም ዝሞቱን ዝቘሰሉን ብተዅሲ ጥይት ጕድኣት ከም ዝበጽሖም እቲ ምንጪ ገሊጹ።
ቢቢሲ ብዛዕባ'ዚ ፍጻመ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ፋኖ ግብረመልሲ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነ እኳ እንተ ዘይሰመረ፡ እቶም ዕጡቓት ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቡዎም መግለጺታት ግን ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይገብሩ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ምያዝያ 2015 ጀሚሩ ዝተወልዐ ግጭት ሳልሳይ ዓመቱ ሒዙ ኣሎ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ንሰበ-ስልጣን መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ክልል ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለት፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝፍጸም መጥቃዕትን ዕንወት ንብረትን ይፍጸም ከም ዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ክልል ዝርአ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ድማ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያን ተጓዓዝትን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ክበጽሕ ጸኒሑ።
ሕጂ እቲ መንገዲ ንምንቅስቓስ ክፉት ኰይኑ ከም ዘሎ ሰበ-ስልጣን እቲ ዞባ ሓቢሮም ኣለዉ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)



