ኢራን ኣብ ትሕተ ቅርጺ ስርዓተ ማይ ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ ድያ?

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ኣብ 30 ትሕተ ቅርጺ ስርዓተ ማይ ናይታ ክፍለ ግዝኣት 'ዝተዋደደ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ' ተፈጺሙኒ ምስ በለት ብዙሓት'ዮም ተገሪሞም።

ድሕሪ ውሑዳት መዓልታት ኤፍቢኣይ'ውን ኣብ ሸውዓት ክፈለ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ ስርዓተ ትሕተ ቅርጺ ማይ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ገለ ካብቲ መጥቃዕትታት ንመስርሕ ምክፍፋል ማይ ከምዘጎናደቦን ኣፍሊጡ።

ማዕከናት ዜና ኣመሪካ እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ትሕቲ ቅርጺ ማይ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ኢራን ከምዘለዎ ሲሳ (Cybersecurity and Infrastructure Security Agency)ዝተሰመየ ኣመሪካዊ ትካል ምክትታል ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝሓበረ ኣቃሊሐን።

ሲሳ ግን ኣብዚ ዛዕባ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን።

ዋላ ድኣ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስዚ ጉዳይ ተተሓሒዙ ንኢራን እንተዘየልዓለ፡ ክኢላታት ቢቢሲ ሳይበር ግን እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝተማእከለ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕብሩ።

ኢራን ኣብዚ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዋ ድዩ?

ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ጸረ ግብረ ሽበራ ዝነበረ ሞርጋን ራይት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝካየዶ ቃለ መሕተት፡ እዚ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ብዙሕ ግዜ ምስ ሰሜን ኮርያ ወይ ኢራን ከምዝተኣሳሰር'ዩ ዝገልጽ።

"ሕጂ ኸአ ምስ መን ዲና ኣብ ግጭት ዘለና? ብርግጽ ኢራን'ያ፤ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ናይ ምፍጻም ድሌታት'ውን ኣለዎም"ይብል።

ነዚ ጉዳይ ዝምርምሩ ዘለዉ ኣመሪካውያን ክኢላታት'ውን እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ምስ ኢራን ምትእስሳር እንተሃልይዎም ንምርግጋጽ ይምርምሩ ከምዘለዉ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ምክትል ዳይረክተር ሃገራዊ መጥቃዕትታት ሳይበር ዝነበረ ጃክ ብራውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሓበሬታ ኲናት ይሳተፍ ስለዘሎ፡ ኢራን ብርግጽ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ማይ ኣመሪካ ኢዳ ከምዘእተወት ዋላ እንተ ተረጋገጸ ክእመን ተኽእሎ ከምዘይህልዎ ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት፡ ትራምፕ፡ ንኣመሓዳሪ ቲም ዋልዝ ሓዊሱ "ኣዝዮም ብቕዓት ዘይብሎም" ሰበስልጣን ሚነሶታ ብምባል ነቲ ጠንቂ ምስ ድኽመቶም'ዩ ኣተሓሒዝዎ።

ዋልዝ ንነቐፌታ ትራምፕ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "ትራምፕ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መን ሓላፍነት ክወስደሉ ከምዘለዎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ'ዩ፣ ንሕና ጥራይ ዘይኰንና ከኣ ካልኦት ክፍለ ግዝኣታት'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙወን'ዩ" ኢሉ።

ኢራን ብዛዕባ እዚ ዝብሃል ዘሎ ነቐፌታታት ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበትን ዘላ፣ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንሳ እያ ፈጺማቶ ክብሃል ኣብ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ከምዘይውዓለቶ ክትሕብር ጸኒሓ'ያ።

ንኣብነት ኣብ 2024 ኣብ ሓደ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝርከብ ትካል ጠላዕ [ካሲኖ] ኣብ ስርዓት ማይ፡ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስን ሆስፒታላትን ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዋላ ድኣ ኢራን'ያ ፈጺማቶ ይብሃል፡ ኢራን ግን ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ኢድ ከም ዘይብላ'ያ ኣብ እዋኑ ገሊጻ።

ኣብ 2016'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ስርዓታት ባንክን ካብ ኒው ዮርክ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ዲጋን ንዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኢራን'ያ ፈጺማቶ ምስ ተባሃለ፡ ወሃቢ ቃል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሰይን ጃብሪ ኣንሳሪ ኣብ ሃገራዊት ቴለቪዠን ሃገሩ ቀሪቡ "ኢራን ከምዚ ዓይነት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ዝዀነ ኣጀንዳ የብላን፣ ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት'ውን ፈጺማ ኣይትድግፍን'ያ" ብምባል ኣመሪካ ነቲ ከምዚ ዓይነታት ጠቐነ መርትዖ ከተቕርበሉ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።

እዚ ክሲ ምስ ሕሉፍ መዝገባት ኢራን ዝተኣሳሰር ድዩ?

ክኢላታት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕተት፡ ኢራን ኣብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ሽማ ምዝጉብ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ነዚ ናይ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ትሕተ ቅርጺ ማይ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብኢራን ዝድገፉ ግን ከኣ ካብ ኢራን ወጻኢ ዝርከቡ ጕጅለታት ፈጺመሞ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ከኣ እዞም ክኢላታት የብርሁ።

ቢቢሲ ከምዘረጋገጾ ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን እስራኤልን ንዝተፈጸሙ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ብሓደ ሃንዳላ ዝተበሃለ ጕጅለ ሰርሰርቲ ከምዝተፈጸመ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።

ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ከኣ እዚ ጕጅለ እዚ ምስ ኢራን ከም ዝተሓሓዝን ንክፍሊ ስለያን ጸጥታን ኢራን ወኪሉ ዝሰርሕ ምዃኑ'ዩ ዝሕብር።

ኲናት ኢራን ጅምር ኣብ ዘበለለሉ፡ ጕጅለ ሰርሰርቲ ሃንዳላ ንውልቃዊ ኢመላትን ሓበሬታን ዳይረክተር ኤፍቢኣይ ካሽ ፓተል ከይተረፈ ሰርሲሮሞ ተባሂሎም ሽሞም ተጠቒሱ ነይሩ'ዩ።

ሃንዳላ ኣብ መፋርቕ ሰነ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ምንባሩ'ውን ቢቢሲ ቨሪፋይ ከረጋግጽ ክኢሉ።

ጕጅለ ሰርሰርቲ ሃንደላ ኣብ ሰነ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ማይ ኢራን ደብዳብ ምስ ፈጸመት ንሶም'ውን ከም ግብረመልሲ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ማይ ካሊፎርንያ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ብወግዒ ሓቢሮም ነይሮም።

እቲ ካልእ ኢራን ፈጺማቶ ዝብሃል ሳይበራዊ መጥቃዕትታት ከኣ እዚ ዝስዕብ'ዩ።

  • 2026፡ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትሕተ ቅርጽ ስርዓት ቴክኖሎጂ ጥዕና ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጕጅለ ሰርሰርቲ ሃንዳላ ከምዝፈጸምዎ ገሊጹ፤ ብዘይካ'ዚ እቶም ሰርሰርቲ ብዛዕባ ኣባላት መንግስቲ እስራኤልን ሰራዊት እስራኤልን ኣዝዩ ተኣፋፊ ሓበሬታ ኣውጺኡ ተባሂሉ ተኸሲሱ
  • 2024፡ ኢራን ንፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ኣመሪካን ንመስርሕ መረጻን ዝምልከት ስርሰራ ፈጺማ ከምኡ ከኣ ሓበሬታ ክህብዋ ንዝኽእሉ ኣመሪካውያን ሰብ መዚ ንምርካብ ሓባቢላ ዝብል ክሲ ቀሪብዋ።
  • 2023፡ ኣብ 2023 ከምኡ ከኣ 2024 ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ ሰርሰርቲ ንስርዓተ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ኣመሪካ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ፈጺምሉ ተባሂሉ ተኸሲሱ። ብሰንኪ እዚ እቲ ንከተማ ፐንሰልቪንያ ዝዕደል ማይ መጠኑ ዝቈጻጸር ክፍሊ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ስለዝተፈጸሞ ንግዜኡ ማይ ተቋሪጹ ከምዝነበረ ይዝከር
  • 2020፡ ክልተ ዜጋታት ኢራን፡ ምስጢራዊ ሓበሬታ መረጽቲ ኣመሪካ ብምርካብን ሰባት ንትራምፕ ክመርጹ ዘፈራርሕ መልእኽቲ ብምልኣኽን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኢዶም ከእትዉ ፈቲኖም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም
  • 2017፡ ኣብ ኢራን ዝመደበሮም ሰርሰርቲ'ውን ንዓመታት ንከባብያዊ መንግስታት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ፋይናንሳዊ ትካላትን ዒላማ ብምግባር ተኸሲሶም

እዚ ንቀረብ ማይ ኣመሪካ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድዩ?

እቲ ቀንዲ ዘፍርሕ ብቐጥታ ኣብ ቀረብ ማይ ኣይኰነን፡ እቲ ቀንዲ ስግኣት ሰብ ኣብ ድሕነት ማይ ዘለዎ ምትእምማን ባይታ ከይዘብጥ'ዩ።

ሞርጋን ራይት "ብሰንኪ እቲ ኲናት ብዕምቈት ዝተኸፋፈለት ሃገር ኣብ ዘላትሉ፡ ነቲ ዝርካቡ ንሕና ኣብ ልዕሊ መንግስትና ዘለና እምነት'ዮም ዘጥቕዕዎ ዘለዉ" ኢሉ።

ሓንቲ መዓልቲ ከኣ እዞም ኢራናውያን ሰርሰርቲ ንስርዓተ ማይ ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሉ ናብ ዝኽእልሉ ደረጃ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ እዞም ክኢላታት ስክፍታኦም ይገልጹ።

ሞርጋን ራይት ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ማይ ከሜካላት ብምእታው፡ ወይ ምሉእ ብምሉእ ምዕጻው ዝኣመሰላ ሓደጋታት ከጋጥም ከምዝኽእል ዘለዎ ጥርጣረ ይገልጽ።

ሲሳን ኣጄንሲ ከባብያዊ ምክንኻን ኣመሪካን'ውን እዚ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ማይ ኣመሪካ ዓቢ ስግኣት ዝፈጥር ምዃኑ ስክፍታኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ኣመሪካ 152 ሽሕ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ዝስተ ማይን ልዕሊ 16 ሽሕ ትሕተ ቅርጺ ሰርዓት ምውጋድ ረሳሕ ፈሳስን ኣለዋ።

ሞርጋን ራይት "ንሓንቲ ሃገር ከተንበርክኻ እንተዄንካ ንክልተ ነገራት ኢኻ ትሃድን ንማያን ኤለክትሪካን" ይብል።

እዚ ብኸመይ'ዩ ክውገድ ዝኽእል?

ሞርጋን ራይት፡ ኣብ መስርሕ ማይን ረሳሕ ፈሳስን ዝርከብ መሳርሒታት ወይ ብምእራጉ ወይ እቲ ዝዓጠቖ ቴክኖሎጂ ግዜኡ ዘሕለፈ ብምዃኑ ንመጥቃዕቲ ዝተቓለዐ ምዃኑ ይሕብር።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት'ውን ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ስርዓት ማይ፡ ረሳሕ ፈሳስን ዘሎ ቴክኖሎጂ ከተመሓይሾ እንተዘይክኢላ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ሃገራዊ መጥቃዕትታት ከጋጥማ ከምዝኽእል ይገልጹ።

ኣብ ኣመሪካ ዘይከም መብዛሕትኦም ካልኦት ወሳንቲ ትሕተ ቅርጺ መብዛሕትአን ትካላት ማይ ብህዝቢ'የን ዝመሓደራ።

ካብዚ ብምብጋስ ነዚ ንምፍታሕ መንግስቲ ወሳኒ ነገር ክገብር ከምዘለዎ'ዮም እዞም ክኢላታት ዝሕብሩ።

ሲሳ ነዚ ሓደጋ ንምንካይ ተስፋ ብምግባር ኣብ መላእ ኣመሪካ ንዝርከቡ መንግስታት ዝተፈላለዩ ምዕባለታት ክገብሩ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሲሳ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእክቲ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ደው ንምባሉ፡ ስርዓታት ማይ ብቕልጡፍ ካብ ኢንተርነት ክእለዩን 'ፓስዎርድ' ክቕየሩን ከምዘለዎም ሓሳብ ኣቕሪቡ።