ዋሕዚ ስደተኛታት ሲውታ ስዒቡ ሕብረት ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ

ዋሕዚ ስደተኛታታት ኣብ ገማግም ሴውታ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኣስታት 60,000 ስደተኛታት ናብታ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ እትርከብ ግዝኣት ስጳኛ ምእታዎም ስዒቡ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ።

እቲ ፍጻመ ኣብ መንጎ ስጳኛን ካልኦት ኣባላት ሃገራትን ዝተገብረ ወጥሪ ዝመልኦ ምልውዋጥ ቃላት ዘስዓበ ኰይኑ፡ እቲ ዝተጸውዐ ኣኼባ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሴውታ ዘጋጠመ ቅልውላው ንምዝታይ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።

22 ኣባላት ሃገራት፡ ኣስታት 60 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሞሮኮ ናብ ከባቢ ስጳኛ ድሕሪ ምእታዎም፡ ዝተዋደደ ስጉምትን ምሕያል ግዳማዊ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳን ዝጠልብ ሓባራዊ ደብዳበ ኣውጺአን።

ሰበስልጣን ስፓኛ፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ብ30 ሓምለ ናብ ሴውታ ዝበጽሑ ከምዝተመልሱን፡ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ድማ ብውሑዱ 67 ከምዝበጽሐን ይገልጹ።

እቲ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብ ዙርያ "ዘይሕጋዊ ምእታው ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ይከኣል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ንምፍጣር ዝግበር ምትሕውዋስ ስግኣታት" ዝምልከት ስክፍታታት ዝጥምት ኰይኑ፡ እዚ ኣተሓሳስባ ድማ "ተወሳኺ ፈተነታት ዘተባብዕ፡ ኣብ ሓባራዊ ፖሊሲ ስደትና ዘሎ እምነት ዘዳኽምን ንኹለን ኣባላት ሃገራት ሳዕቤን ክህልዎን'ዩ" ይብል።

እቲ መራሕቲ ሃገራት ሆላንድ፡ ፊንላንድን ቤልጅየምን ዝርከብዎም 22 ሃገራት ዝፈረማሉ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ሕብረት ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፣ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየንን ታኦይሳክ ማይክል ማርቲንን እዩ ተላኢኹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስጳኛ ፔድሮ ሳንቸዝ ናብ ቮን ደር ሌየን ኣብ ዝጸሓፎ ፍሉይ ደብዳበ፡ ብዛዕባ ገለ መንግስታት ኤውሮጳ "ከቢድ ስክፍታ" ከምዘለዎ ገሊጹ።

መንግስቲ ስጳኛ ነቲ ዶብ ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቖጻጸሮን ኣብ ትሕቲ 48 ሰዓታት ንዝኾነ "ዘይተፈቕደ ናብ ኣህጉራዊ ኤውሮጳ ዘምርሕ ምንቅስቓስ" ከምዝኸልከለን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት ዝተረኣየ ወሰኽ ዋሕዚ ስደተኛታት ፍሉይ እኳ እንተዀነ፡ ሴውታ ግን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ማእከል ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ዝፍትኑ ስደተኛታት ኰይና እያ ጸኒሓ።

ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሴውታ ንምብጻሕ ዓቢ ድፍኢት ይግበር፡ እዚ ድማ ብተለምዶ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውደብ እዩ።

ኣብ 2021 ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ኣስታት 8 ሽሕ ሰባት ናብ ሴውታ ብምእታውም፡ ስጳኛ ምስ ሞሮኮ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ክጋደድ ምኽንያት ኰይኑ ነይሩ።

ስጳኛ ኣብ ስደት ብተዛማዲ ምሕዝነታዊ ኣቀራርባ ኣለዋ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መንግስቲ ን500 ሽሕ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ሕጋውነት ንምሃብ ዝዓለመ መደብ ኣጽዲቑ እዩ። እዚ ድማ ብወግዒ ስራሕ ክቑጸሩ ዘኽእል ኣካይዳ እዩ።