BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ሓዳስ ጋንታኡ ዳግማይ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ክሰርሕ ዝዳሎ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ኮኾብ
መበገሲ ውድድር፡ ኣብታ ከም ኵለን ከተማታት ኣውሮጳ ብጸሓይ ትቝሎ ዘላ ባርሰሎና'ዩ ክፍልም። እንተኾነ ነቲ ኣብ ሓደ ሰዓት ዘይመልእ ግዜ ሰለስተ ወቕትታት እናሰገረ ምልምማድን ምውድዳርን ዝለመደ ቢንያም፡ እቲ ኵነታት ኣየር ናብ ረብሓኡ ከውዕሎ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።
ኢትዮጵያ፡ 'ዕጡቓት' ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ዞን ሆሮ ጉድሩ ወለጋ፡ ወረዳ ኣሙሩ፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣገምሳን ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን "ብዕጡቓት ፋኖ ተፈጺሙ" ብዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ንጹሃን ዜጋታት ሓዊስካ 11 ሰባት ከም እተቐትሉ ነበርትን ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞንን ገሊጾም።
ስንብት ኬፕ ቨርደ፡ ዋንጫ ዓለም ፈጺሙ ዘይርስዖ ፍሉይ ታሪኽ
እቶም ንፈለማ እዋኖም ናብዚ ውድድር ክሳተፉ ዝመጽኡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኬፕ ቨርደ ዝያዳ ሊዮነል ሜሲ፡ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ኤርሊንግ ሃላንድን ሃሪ ኬንን ቈላሕታ ብምርካብ ኣቓልቦ ስሒቦም ተፋንዮም ኣለዉ።
ተይለር ስዊፍትን ትራቪስ ኬልሲን 'ናይዚ ዘመን ድግስ' ብዝተባህለሉ መርዓ፡ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም
እታ ዓለማዊ ተፈላጥነት ዘለዋ ድምጻዊት ተይለር ስዊፍትን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ትራቪስ ኬልሲን፡ ብፍሉጥ ተዋሳኢ ኮሜድያን ኣዳም ሳንድለር ኣብ ዝተመርሐ፡ ሓያሎ ስሙያት ሰባት ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት መርዓ ቃል ኪዳኖም ኣሲሮም።
ናሳ፡ ናብ መሬት ዝወድቕ ዘሎ ተለስኮፕ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ሓድሽ መንኮርኮር ወንጪፉ
'ስዊፍት ኦብዘርቫቶሪ' ዝተሰምየ ተለስኮፕ፡ ኣብ ኣድማስ ልዑል ነትጒ ቅድሚ ምኽሳቱ መጽናዕቲ ዝገብር ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ግን ናብ መሬት ተወንጪፉ ብምውዳቕ ክጋጮ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ፕረዚደንትነት ትራምፕ ክትዕ የለዓዕል - ክንደይ ዝኣክል ስልጣን እዩ ልዕሊ ዓቐን?
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብግህዶ ውልቃዊ ስልጣኑ ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምጉላሕ ባህጊ ዘለዎ ይመስል። ኣብ ኣደባባይ ብግልጺ ብዝንእድዎ ሰበስልጣንን ኣባላት ካቢነ እዩ ተኸቢቢ ዘሎ። ካብ ሞጐሱ ንዝወደቑ መራሕቲ ዓለም የጥቅዕ። ንገለ ካብተን ዝዓበያ ኮርፖሬሽናት ኣመሪካ ድማ ድሌቱ ንኽፍጽማ ጸቕጢ ይገብር።
ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት፡ ንምንታይ ናብ ዋንጫ ዓለም ኣይሓልፋን?
ብብዝሒ ህዝቢ ንዓለም እትመርሕ ዘላ ህንዲ፡ ባንግላድሽ፡ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን፡ ናብ ዋንጫ ዓለም ንምብጻሕ ካብ ምምናይ ሓሊፈን ተሳተፍቲ ክዀና ኣይበቕዓን።
ካብ ቴህራን ክሳብ ዒራቕ፡ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቕጽል ስነስርዓት ቀብሪ ዓሊ ኻመኒ እንታይ ክመስል እዩ?
ንላዕለዋይ መራሒ ኢራን ነበር ኣያቶላ ዓሊ ኻመኒ ዝግበር ተዝካር - ድሕሪ ምቕታሉ ልዕሊ ኣርባዕተ ኣዋርሕ - ቀዳም 4 ሓምለ ኣብ ቴህራን ክጅምር እዩ። ሰበስልጣን ኢራን ነዚ ፍጻመ "ናይ ክፍለ-ዘመን ቀብሪ" ክብሉ ይጽውዕዎ ኣለዉ።
ኣስመራ፡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ዝሃቦ መብርሂ
ምኒስተር ዑስማን ብረቡዕ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መዝነት እቲ ንሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል ኮምሽን ንምስሊ ኤርትራ ኣብ ምድዋን "ከቢድ ጉድኣት" ከም ዘውረደ እዩ ገሊጹ።
ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ቅድመ መረጻ ዝተዓወተት ሜላት ኪሮስ መን'ያ?
ብደሞክራስያውያን ሶሻሊስት ኣመሪካ (DSA) ዝድገፍ ጕዕዞ ሜላት፡ ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2028 ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብ ኮንግረስ ኣመሪካ ንምካል ኣብ ዝተኻየደ ከባቢያዊ ቅድመ መረጻ ድማ ተዓዊታ ኣላ። ንምዃኑ እዛ ድምጺ እዚ ወለዶ ኣመሪካ ዝዀነት ትውልደ ኢትዮጵያዊት መን'ያ?
ኤርትራ፡ ንባጤራ ናቕፋ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ
ባንክ ኤርትራ፡ ኣብ ኢድ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ብዘይ ዓቐን ተታሒዙ ዘሎ ባጤራ ናቕፋ ብዝምልከት፡ ሰሉስ 30 ሰነ 2026 ጽኑዕ ሕጋዊ መተሓሳሰቢ ኣውጺኡ።
ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 400 ኣኽላባት ብኣሰቃቒ መገዲ ዝተቐተልሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ኣብ ሆሳእና ኣስታት 10 ሽሕ ኣኽላባት ከም ዘለው ሓበሬታ ምምሕዳር እታ ከተማ የመልክት።
ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።
ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።
ከይሓልፈኩም
ኣብ ዘይኲናቶም ተኸርዲኖም ምሩኻት ኲናት ዝዀኑ ኣፍሪቃውያን
ሓደ ካብ ሸሞንተ ብዩክረይን ዝተትሓዙ ምሩኻት ኲናት፡ ኣፍሪቃዊ እዩ። እዚኦም ቀጻሊ እንታይ'ዩ ከጋጥሞም ዝፍለጥ ኣይኰነን።
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
"ምስ ሞትኩ መርድእ ምንጋር ይሓይሽ"፡ ዘሰቅቕ ዛንታታት ሞት ዝተፈረዶም ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድያ
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ። "መቕፃዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍፀም ይፅበዩ ኣለዉ" ክብል'ውን ኣመልኪቱ። ኣብ መስርዕ ሞት ካብ መንጎ ዝርከቡ ናይ ገሊኦም ዛንታ፡ 31 ዓመት ዘድመኡ ካብ ዞባ ምብራቕ ዝተሰደደ ደስታ እዩ።
ብዛዕባ እታ 'ሕብሪ ወርሒ' እትሰምየት ኤርትራዊት ዘውዲ ኣርኣያ እንታይ ንፈልጥ?
ኤርትራውያን ኣብ ናይ መንግስቲ ይዅን ብሕቲ ስራሓት ዝወፍረሉ፣ ሰብ-ሓዳር ቪላታት ዘስርሕሉ፣ ብዙሓት ደቀ'ባት ካብ ጣልያን ዝተረከብዎ ፋብሪካታት ዘመሓድርሉ፣ ብብዝሒ ዲታታት (ኩባንያታት) ዝነበርሉ፣ ቍጠባ እታ ሃገር ዝደንፍዓሉ፡ ደቂ ከባቢ ኣብታ ብጽሬታ እትነኣድ ኣስመራ ኣትዮም እቶት ዝምእርርሉ ግዝያት ነበረ።
ንሕንሕ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ንቐርኒ-ኣፍሪቃ ናብ ዓውደ-ውግእ ይቕይሮዶ?
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከም ጂኦፖለቲካዊ መናሕንሕቲ ዝርኣኣዩ ሓይልታት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ለውጢ ኣሰላልፋታት ኣስዒቦም ኣለዉ። ሃገራት እዚ ዞባ፡ ነቲ ግጭትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ለውጢታትን ንምግጣም ብኸመይ ከም ዝሕዝኦ ከሰላስላ ደሪኹወን ይርከብ።
ዝጐሃሃር ዘሎ ዳርባ ቃላት ኢትዮጵያን ኤርትራ ናበይ ከምርሕ'ዩ?
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣስታት ክልተ ዓመታት ክባላሕ ዝጸንሐ ናይ ቃላት ኲናትን ምትኹታኽን እናገደደ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ እዋናዊ ኵነታት ዝደረኸ ምዕባለታት እንታይ እዩ? ናበይ ከ ክመርሕ ይኽእል ንዝብል ዛዕባታት ቢቢሲ ንዝተፈላለዩ ምሁራትን ተንተንትን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦት ጐረባብቲን እንታይ ይመስል?
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምኽንያት መበል 90 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2030 ዓ.ም. [ግ] ናብ ሓምሻይ ወለዶ ክሰጋገር መደብ ከምዘሎ ተዛሪቡ።እዚ ንኤርትራ ዘመላኽት ከምዝዀነ ብዙሓት ይግምቱ፣ ትሕዝቶአን ክነጻጸር እንከሎ ኸኣ...፤
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ እቲ ዝኸበረ ኲናት ኣመሪካ ድዩ?
ኣመሪካ ኣብ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ብዙሕ ወፍሪ እያ ትገብር፣ እዚ ኣብ ዓመት ሓደ ትሪልዮን ዶላር ይበጽሕ። ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ባጀት ምምሕዳር ትራምፕ ብዓቢኡ ምስ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝሰማማዕ እዩ።
ቪድዮ, ኢራን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራዕዲ ንምፍጣር ብኸመይ'ያ ሕሱራት ድሮናት ትቀጥም ዘላ?
ዶናልድ ትራምፕ፡ ብ28 ለካቲት ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክፍጸም ምስ ጀመረ፡ ሚሳይልን ኢንዳስትሪ ሚሳይልን ኢራን፡ "ምሉእ ብምሉእ" ክጠፍእ'ዩ፡" ኢሉ። ድሮናት ዝምልከት ግን ኣይተዛረበን። እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ትሑት ዋጋ ዘለወን ድሮናት ተጠቒማ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ትንታነ
ዝተዓግተ ሃብቲ ኢራን፡ እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣሎ፡ ስለምንታይከ ኣገዳሲ ኰይኑ?
ጠቕላላ ዋጋ እቲ ተዓጊቱ ዘሎ ሃብቲ ኢራን ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ዝገልጽ ወግዓዊ ኣሃዝ የሎን። እንተዀነ፡ ግምታት ካብ 27 ቢልዮን ክሳብ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ የረድእ።
ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ስለምንታይ እየን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዘጠንቅቓ ዘለዋ?
ምምሕዳር ኣመሪካ ተሪር መጠንቀቕታ ብምውጻእ፡ ኵሎም ነቲ ተነቃፊ ዝዀነ መስርሕ ሰላም ይዕንቅፉ ኣለዉ ዝበሎም ሰበስልጣን ህወሓት፡ ካብ ኣካይዳኦም ተቘጢቦም ብህጹጽ ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክምለሱ ክጽውዕ እንከሎ ሕብረት ኤውሮጳ’ውን እቲ ኵነታት ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።
27 በረራታት 24 ግጥማት፡ ፕረዚደንት ፊፋ ብኸመይ ኣረኻኺቡሉ ሳዕቤናቱኸ?
ፕረዚደንት ፊፋ ጃኒ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ጥራይ ኣብ መላእ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየዱ 24 ግጥማት ተረኺቡ።
ኲናት ኢራን ንዞባዊ ፖሊሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኸመይ ቀዪሩዎ?
ኲናት ኢራን፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትእስሳር ጥራይ ርሑቕ ከም ዘየብጽሕ ዘርኣየ ክስተት ኰይኑ ኣሎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣብቲ ብቝልጡፍ ዝልወጥ ዘሎ ማእከላይ ምብራቕ፡ ስትራተጅያዊ ቦታ ንምሓዝ እትገብሮ ጻዕሪ ኣሐይላቶ ኣላ።
መጠን ዘርኢ ወዲተባዕታይ ንምውሳኽ ዝምከሩ ዘለዉ ልምድታትን መድሓኒትን
መጠን ፍረ ወዲ ተባዕታይ ንምብዛሕ ዝዝርግሑ ዘለዉ ልምድታትን መድሓኒትን
ሓዳስ ኩዕሶ ዋንጫ ዓለም ንሓለውቲ ልዳት ተጸግሞም ኣላ ድያ?
ኣዲዳስ ነዛ ኩዕሶ ንምስራሕ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝወሰደሉ ኰይኑ፡ ኣስታት 300 ናይ ላቦራቶሪ ፈተናታት ድማ ኣካይዱ እዩ።
ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ዘላ?
እዚ ጽሑፍ ዓባይ ብሪጣንያ ስለምንታይ'ያ መራሕታ ትቐያይር ከምዘላ ዝድህስስ እዩ።
4 ዓበይቲ ሕቶታት ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጥረታት
እዚ ጽሑፍ፡ ምስ ግዳማውያን ህይወታት ብዝተኣሳሰር ዝለዓሉ ቀንዲ ኣርባዕተ ሕቶታት ዝድህስስ እዩ።
ካብ ብሬክሲት ክሳብ መረጻ 2027፡ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ኣብ መስቀላዊ መንገዲ
ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ሓድሽ ዘተ ብሰንኪ እዚ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ ዘሎ ዘይምርግጋእ ክዕንቀፍ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይለዓል እዩ።
ብሪጣንያ፡ ስልጣኑ ዝለቐቐ ሰር ኬር ስታመር መን እዩ?
ሰር ኬር ወዲ 16 ዓመት እንከሎ’ዩ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ጨንፈር መንእሰያት ሌበር ፓርቲ ተጸንቢሩ። ንእተወሰነ እዋን ድማ ‘ሶሻሊስት ኦልተርናቲቭስ’ ንዝተበሃለት ኣኽራሪ ጸጋማዊት መጽሔት እውን ኣርታዒ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ኢትዮጵያ፡ ሰልፊ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣብ መረጻ ምዕዋቱን ስግኣት ሓድሽ ግጭትን
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተኻየደ መበል ሻውዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብልጽግና፡ ኣብዝሓ ድምጺ ባይቶ ዓቂቡ ኣብቲ መረጻ ከም ዝተዓወተ ብወግዒ ተገሊጹ።
ክታበት መንሽሮ ኣፍደገ-ማህጸን ንመን'ዩ ዝውሃብ? ንኹሉኸ ከበጽሕ ድዩ?
ተመራመርቲ ክታበት ኤችፒቪ ንመንሽሮ ክሳድ ማህጸን ብ90 ሚኢታዊት ከጉድሎ ከምዝኽእል'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ። መንሽሮ ክሳድ ማህጸን፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ራብዓይ ብብዝሒ ዝርአ ዓይነት መንሽሮ ዀይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰብ ይቐትል።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ኤርትራ ንመግለጺ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያን ጌታቸው ረዳን ዝሃበቶ ምላሽ
ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ምስ ጌታቸው ረዳ ተላፊኑ ኣብ ኣልጀዚራ ንዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ትያትራውን ፈጠራውን" ክስታት ብምባል ሓቅነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።
ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ናይ 'ጽምዶ' ሓይልታትን መረጻን ዝሃቦ ሓድሽ መግለጺ
እቲ ውጽኢቱ ገና ዘይተገልጸ ሃገራዊ ምርጫ ሰፊሕ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን፡ ከምኡ'ውን ክልል ትግራይ ብዓቢዩን ዘይተሳተፍዎ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ፡ ካብ 10,400 ንላዕሊ ን42 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ወኪሎም፡ 80 ድማ ብውልቆም ዝተሳተፉ ሕጹያት ንሃገራውን ክልላዊ ባይቶታትን ከም ዝተወዳደሩ'ውን ጠቒሱ'ሎ።
'ኤርትራ ዓንዲ ማእከል ጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እያ'- ግብጻዊ ሚኒስተር
ዓቢ ጕጅለ ልኡኽ መሪሑ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ከካይድ ዝቐነየ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ዶ/ር በድር ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ስፍሕ ዝበለ ቃለመሕትት ኣካይዱ። በድር ዓብደልዓጢ ከም ዝበሎ፡ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን "ዓቢ ዓይነታዊ ገስጋስ" ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን
ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ቅልውላው ትግራይ፡ ክልተ ፕረዚደንት ክልተ ካቢኔ?
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ "ብሓይሊ" ዝተኻየደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ "ኣኼባ ካቢኔ" ኮኒኑ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ንክልል ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣእትዩዋ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ዝተፈጸመ 'ጽዩፍ' ተግባር ወተሃደር እስራኤል
እቲ ተግባር ኣብ ሓንቲ ደብል ዝተባህለት ክርስትያን ብብዝሒ ዝነብሩላ ቍሸት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካልእ ወተሃደር እውን ንሓወልቲ የሱስ ክርስቶስ ብገጹ ብምድፋእ ብሞዶሻ ክሃርሞ እንከሎ ተራእዩ ነይሩ።
ትራምፕ፡'14 ነጥብታት' ኣብ ዘለወሉ ኲናት ኢራን 'ብቕልጡፍ ከም ዘብቅዕ ኣተንቢሁ
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብቕልጡፍ ክውዳእ" ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ።
ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።
ዝምድና ዋሽንግተን-ኣስመራ፡ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ እንታይ ይብል?
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ ዛዕባ ተበግሶታት ምልዓል እገዳን ምምሕያሽ ዝምድናን ኤርትራን ኣመሪካን ኣመልኪቱ ዝወሃብ ዘሎ ርእይቶታት ምላሽ ሂቡሉ።
መቐለ፡ ጀነራል ታደሰ ንውሳነ ህወሓት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ
ማእከላይ ኰሚቴ ህወሓት፡ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝተመስረተን ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፈሪሱ በቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝተገብረ በይናዊ መረጻ ዝቖመ ክለላዊ መንግስቲ ክትካእ እዩ ወሲኑ።
ሳይንስን ጥዕናን
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)





























































