'ንኣፍቃርየይ ከለልዮ ኣይከኣልኩን' - ብዛዕባ 'ፕሮሶፓግኖዝያ' እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, BBC/Maryam Nikan
- Author, ካሮላይን ስቲል
- Published
- ንባብ: 5 ደቓይቕ
ሓደ እዋን፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣፍቃርየይ ንዝነበረ ሰብ ከለልዮ ኣይከኣልኩን።
ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሓባር ድሕሪ ምጽናሕና፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ድኳን ብሃንደበት ተራኺብና። ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ናይ መሸጣ ከብሒ እናተሓላለፍና ከለና፡ መን ምዃኑ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
ድምጹ ሰሚዐ መንነቱ ክሳብ ዘለሊ፡ ኣዝዩ ቀሪቡኒ ብምንባሩ ሻቕሎት ተሰሚዑኒ ከም ዝነበረ ይዝከረኒ።
ብዘይካ'ዚ፡ ንሱ በቲ ኵነታት ባህ ከም ዘይበሎ ርዱእ እዩ። ንዓይ ግን እዚ ልሙድ ተርእዮ እዩ። ንሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ይፈልጦ ብዘየገድስ፡ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም ወትሩ የጋጥመኒ ነይሩ እዩ።
በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ክፍሊ ናይቲ 'ክራውድ ሳይንስ' ዝተሰምየ ናይ ቢቢሲ ፖድካስት ብምዃን፡ 'ፕሮሶፓግኖዝያ' ወይ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም እንተ ሃልዩኒ ንምፍላጥ መርመራ ክገብር ዝወሰንኩ።
ጠንቂ እቲ ጸገም እንታይ እዩ?
ክኢላታት ከም ዝሕብርዎ፡ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም ካብቲ መብዛሕትኡ ሰብ ዝግምቶ ንላዕሊ ልሙድ ኰይኑ፡ ካብ 50 ሰባት ንሓደ የጥቅዕ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ቦርንማውዝ ዓዲ እንግሊዝ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሰር ሳራ በይት፡ እዚ ጸገም'ዚ ሓድሓደ ግዜ ድሕሪ ናይ ሓንጎል ጉድኣት (ንኣብነት ስትሮክ) ስዒቡ ክመጽእ ከም ዝኽእል ትገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ "በዚ መንገዲ እዚ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም ዘጋጥሞም ሓያሎ ሰባት ኣይንረክብን ኢና፡" ትብል።
እቲ ብብዝሒ ዝረአ ግን፡ ካብ ንእስነት ጀሚሩ ዘጋጥም ኰይኑ፡ 'ምዕባለኣዊ' ወይ 'ተፈጥሮኣዊ' ፕሮሶፓግኖዝያ ተባሂሉ ይጽውዕ።
እዚ ዓይነት ጸገም ብውርሻ ካብ ስድራቤት ዝመጽእ ምዃኑ ይእመን፣ እዚ ድማ ምስ ስነ-ፍጥረት ምትእስሳር ከም ዘለዎ የመልክት። እንተዀነ፡ እቶም ነዚ ጸገም ዝፈጥሩ ጂናት ክሳብ ሕጂ ብንጹር ኣይተለለዩን።
"ሓደ ጂን ጥራይ ከም ጠንቂ ዝውሰደሉ ቀሊል ኵነታት ኣይኰነን፡" ትብል ፕሮፌሰር በይት፣ "ብዝያዳ ምስ ስነ-ፍጥረታውን ከባብያውን ረቛሒታት ዝተሓላለኸ ምትእስሳር ዘለዎ እዩ።"
ፕሮፌሰር በይት ከም እትኣምኖ፡ ናይ ቀደም ተመኵሮ ምርኣይ'ውን ተራ ክህልዎ ይኽእል እዩ።
ገሊኦም እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ ግዜ ንእስነቶም ናይ ምርኣይ ዓቕሞም ተዳኺሙ ወይ ፍሉይ ኵነታት ከም ዝነበሮ ይገልጹ።
"ገጽ ናይ ምልላይ ክእለት ንምምዕባል ወሰንቲ ዝዀኑ መድረኻት ምዕባለ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፡" ትብል፣ "ሓደ ቈልዓ መነጽር እናኣድለዮ ከሎ እንተ ዘይረኺቡ... ወይ ድማ ንዓቕሚ ምርኣዩ ዝጸሉ 'ካታራትስ' ሒዝዎ እንተ ተወሊዱ፡ ነቲ ገጽ ናይ ምልላይ መስርሕ ክሃስዮ ይኽእል እዩ።"
ብውልቀይ፡ እዚ ሓሳብ'ዚ ምሉእ ብምሉእ ቅቡል እዩ። ኣብ ግዜ ንእስነተይ ናይ ምርኣይ ጸገም ነይሩኒ እዩ፣ ይዅን'ምበር፡ ኣብ ሸሞንተ ዓመተይ ዓይነይ ብመሸፈኒ (Eye patch) እሽፍኖ ስለ ዝነበርኩ፡ ዓብየ ንኣፍቃርየይ ክለልዮ ክጽገም እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን።
ካልኦት ረቛሒታት'ውን ኣስተዋጽኦ ክህልዎም ከም ዝኽእል ዝሕብሩ መርትዖታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ምስ ኦቲዝም ዝተሓሓዝ ኵነታት ዘለዎም ሰባት፡ ምስ ሰብ ዓይኒ ንዓይኒ ክረኣኣዩ ስለ ዘይደልዩ፡ ገጽ ኣብ ምልላይ ክጽገሙ ይኽእሉ እዮም።
ብተወሳኺ'ውን፡ ምስ ሰባት ዘለዎም ማሕበራዊ ርክብ ድሩት ኰይኑ ዝዓበዩ ቈልዑ፡ ጸኒሖም ገጽ ኣብ ምልላይ ክጽገሙ ከም ዝኽእሉ ፕሮፌሰር በይት ትውስኽ።

ምንጪ ስእሊ, Caroline Steele
ድኹም ምትእስሳር ሓንጎል
ንሓደ ዝፍለጥ ገጽ ምልላይ ንመብዛሕትኡ ሰብ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ፣ ተመራመርቲ ስነ-ሓንጎል ግን እዚ መስርሕ'ዚ ኣብ ሓንጎል ብዝተሓላለኸ ቅደም-ተኸተል ዝካየድ ስራሕ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብ ኢጣልያ ዩኒቨርስቲ ቤርጋሞ ብዛዕባ ኣረዳድኣ ገጽ እትመራመር ፕሮፌሰር ዛይራ ካታነዮ፡ "ገጽ ንምልላይ ዘገልግል ፍሉይ ናይ ሓንጎል ዑደት (circuit) ኣሎና፡" ትብል።
እቲ መስርሕ ካብቲ ኣብ ድሕሪት ሓንጎል ዝርከብ (occipital lobe) ነቶም ህዋሳዊ ሓበሬታታት ዝቕበሉ ክፍልታት እዩ ዝጅምር።
ድሕሪኡ እቲ ሓበሬታ ናብ 'ተምፖራል ኮርቴክስ' ይሓልፍ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ገጽ ዝፍለጥ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይልለ።
እቲ ናይ መወዳእታ መድረኽ ኣብ 'ፕሪፍሮንታል ኮርቴክስ' ዝካየድ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ገጽ ብንቑሕ ኣእምሮ ክንፈልጦ የኽእለና።
ከም ካታነዮ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ከም ዝኣምንዎ፡ እቲ ቅልጡፍ መስርሕ ምልላይ ገጽ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ሓንጎል ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቶም ክፍልታት ብሓባር ብኸመይ ይሰርሑ ኣብ ዝብል እዩ ዝምርኰስ።
ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ መንጎ እቶም ንገጽ ንምልላይ ዘገልግሉ ክፍልታት ሓንጎሎም ድኹም ምትእስሳር ክህልዎም ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/BSIP/UIG
ፍሉጣት ገጻት
ሓደ ሰብ ዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ፡ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝኽእል መርትዖታት ይሕብሩ። እዚ ድማ ምስ ዕድመ ዝመጽእ ናይ ምዝካር ዓቕሚ ምንካይ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቶም ገጽ ንምልላይ ተራ ዘለዎም ክፍልታት ሓንጎል ምስ ዕድመ ምድፋእ ብቕዓቶም ስለ ዝቕንስ እዩ።
እቲ ናተይ ጸገም ግን ምስ ዕድመ ዝተሓሓዝ ኣይኰነን። ካብ ዝዝክሮ ጀሚረ ክጽገም ጸኒሐ እየ። ስለዚ ፕሮፌሰር በይት መርመራ ክትገብረለይን ብወግዒ እቲ ጸገም ከም ዘለኒ ንምርግጋጽን ምስ ሓተተትኒ ሕጕስቲ እየ ነይረ።
እቲ መርመራ ብዛዕባ ንዕለታዊ ተመኵሮታተይ ብምሕታት እዩ ጀሚሩ። ድሕሪኡ፡ ፍሉጣት ሰባት ዝርኣይሉ መርመራ ተገይሩለይ።
ንብሪጣንያዊ ስነ-ፍልጠተኛ ሰር ደቪድ ኣተንበራ ከለልዮ ብምኽኣለይ እኳ እንተ ተሓጐስኩ፡ ንኣባል ቢትልስ ባንድ ሰር ፖል ማካርትኒ፡ ንተዋስኣይ ቶም ሃንክስን ቀዳማይ ምኒስትሪ ዓዲ እንግሊዝ ንዝነበረ ሰር ቶኒ ብሌርን ግን ከለልዮም ኣይከኣልኩን።
ከምቲ ዝተጸበኹዎ፡ እቲ መርመራ ገጽ ናይ ምልላይ ጸገም ከም ዘለኒ ኣረጋጊጹ። እዚ ንዓይ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ብወግዒ ምርግጋጹ ግን ንስምዒተይ እፎይታ ሂብዎ እዩ።
ንሓንጎል ምልምማድ ይከኣልዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/ZeynepKaya
እዚ ጸገም'ዚ ንምሉእ ህይወተይ ምሳይ ዝጸንሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ተመራመርቲ ሕጂ ነቲ ገጽ ናይ ምልላይ መርበብ ሓንጎል ብንጥፈት ክመሓየሽ ምኽኣሉን ዘይምኽኣሉን ይምርምሩ ኣለዉ።
ካታነዮ መትንታት ሓንጎል ንምውህሃድ፡ ብርእሲ ኣቢሉ ዝሓልፍ ቀሊል ናይ ኤለክትሪክ ዋሕዚ ብምጥቃም ተጽዕኖ ናይ ምፍጣር መጽናዕቲ ተካይድ ኣላ።
ቀዳሞት ውጽኢታት እዚ ሜላ'ዚ ተስፋ ዝህቡ እኳ እንተዀኑ፡ ካታነዮ ግን "እቲ ንርእዮ ዘለና ለውጢ ኣዝዩ ንኡስ እዩ" ብምባል ልዑል ተስፋ ካብ ምሃብ ትጥንቀቕ።
ፕሮፌሰር በይት'ውን ብወገና፡ ንሓንጎል ብምልምማድ ገጽ ናይ ምልላይ ክእለት ንምምሕያሽ ዝተገብሩ ፈተነታት ውጽኢቶም ድሩት ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዝሕግዙ ሜላታት ምጥቃም ትመክር። ንኣብነት፡ ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ኣቐዲምካ ትልሚ ብምውጻእን ፍሉይ ናይ መራኸቢ ቦታ ብምምዳብን፡ እቲ ጸገም ከየባዅረካ ምጥንቃቕ ይከኣል።
ኣነ ሰባት ንምልላይ ኣብ ንኣሽቱ ዝርዝራት ከተኵር ተማሂረ ኣለኹ። ንኣብነት፡ እቲ ሰብ ፍሉይ ኣካይዳ ኣለዎዶ? ድምጹ ፍሉይ ድዩ? ወይ ድማ ወትሩ እትጥቀመሉ ፍሉይ ሕብሪ ከንፈር (ሊፕስቲክ) ኣለዋዶ?
እዚ ንዓይ ዝጠቕመኒ ኣገባብ እዩ፣ እንተዀነ ሓደ ሰብ ጸጕሪ ርእሱ እንተ ተቘሪጹ፡ ኵሉ ከለልየሉ ዝኽእል ተደምሲሱ ዳግማይ ካብ ባዶ ክጅምር ይግደድ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


