'እንቐብሮ ኣስክሬን የብልናን' - ቃንዛ ኣብ ስዑዲ ደቆም ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስድራ

ወረዳ እገላ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ካብተን ንዶብ ኤርትራ ዝቐረባ ከባቢታት እያ። እታ ወረዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ንስደት መንእሰያት ዝተቓልዐት ኰይና ጸኒሓን ኣላን።
ኣብዚ ንሕጽረት ማይን ጸገማት ጸጥታን ተቓላዓይን ዝዀነ ከባቢ፡ ስድራቤታት ከባቢኦም ኣብ ክንዲ ንብዙሕ ዝናብ ንሓዘንን ስምብራትን ተቓሊዑ ምህላዉ ይዛረቡ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣጕዶታትን መረባዓትን ገለ ስድራቤታት ንመርዓ ወይ ሃይማኖታዊ ጽንብል ዘይኰነ ሓዘን ፈጺሞም ክቐብሩዎም ዘይኽእሉ መንእሰያት ከተኣናግዳ ቀንየን ኣለዋ።
"በዅሪ ወደይ'ዩ ነይሩ፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ ገብረመስቀል።
እዚኦም፡ ስድራቤት እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ "ሓሽሽ ምዝውዋር" ብዝብል ተኸሲሶም ብ26 ሰነ 2026 [ኣ.ኤ] ኣብ ዞባ ኣሲር ዝተቐትሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት'ዮም።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብኽሲ ምስግጋር ዕጸፋርስ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ዞባ ኣሲር ኣብ እትርከብ ኻሚሽ ሙሸይት ኣብ እትበሃል ከተማ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ፡ ንሞት ዝተፈርዱ 60 ስደተኛታት ከም ዘለዉ ይግለጽ።
እቶም ሓሙሽተ ድሮ ብሞት ከም ዝተቐጽዑ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሽም ዝርዝሮም ሓዊሱ ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
ምኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰኑይ 13 ሓምለ 2026 [ኣ.ኤ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ዝርከቡ ብፍላይ ድማ ብመስርሕ ሕግን ፍርድን ውሳነ ዝተመሓላለፈሎም ዜጋታት ኣመልኪቱ ምስ ሰብመዚ እታ ሃገር ይዘራረብ ከም ዘሎ ጠቒሱ።
" 'ታይ'ሞ ኢና ክንብል፡ ኣይሰማይ ኣይ ምድሪ ኣለና፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ፡ ድምጾም ሕርኽርኽ እናበለ።
ኣስዒቦም፡ "ንፈልጦ ነገር የብልናን፡ ከም ሰብና ግን ንኣቱ ንወጽእ፡ ንመጻኢ ከኣ ሕስብ ነብል እሞ፡ ናብ ማሕረስ ወፊርና ንምለስ፡" ኢሎም።
በዅሪ ወዶም፡ ብኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ 2000 ካብታ ሃገር ክወጽእ ከሎ ገና ወዲ 18 ዓመት'ዩ ነይሩ።
ሽዑ፡ እቲ ግዜ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምንባሩ ዝገልጹ ኣቶ ሓጐስ፡ ብሰንኪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዝተሃሰየ ከባቢ ብምዃኑ መንእሰያት ዕድላት ስራሕ ንምርካብ ኣዝዮም ከም ዝተጸገሙ ሓቢሮም።
ስድራ ኣቶ ሓጐስ ዓብዪ'ዩ - ኣቦ ሸሞንተ ቈልዑ'ዮም። እቲ ዝሓርሱዎ መሬት ድማ ዝበዝሐ ናይ ክራይ እዩ።
ንሕሉፍን ህልውን ኵነታት ስድርኦም እናሓሰቡ፡ "ገባር እየ፡ ንሱ ግን ቈልዑ የተዓብየኒ፡ ይሕግዘኒ ነይሩ፡" ይብሉ።
"ኣብ ዓድና ብዙሕ ናይ መንእሰይ ስራሕ ስለ ዘየለ፡ ቈልዑ ናብ ስዑዲ እንተ ከይደ ክሓልፈለይ እዩ እዮም ዝብሉ፤ ንዓይ ክሕግዝ ስለ ዝደለየ'ዩ ከይዱ፤ ኣብ ቀረባ 'ኣቦይ ክሕግዘካ'የ፤ መጺአ ምሳኻ ክሓርስ'የ' ይብለኒ ነይሩ፡" ኢሎም።
ክብሮም ገብረማርያም፣ ጽጋቡ ሓጐስን ኪዳነ ኣንገሶምን ካብቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ዝተቐጽዑ ተጋሩ ስደተኛታት'ዮም።
"መጻእኹ፣ ክድግፈካ'የ ይብለኒ ነይሩ"
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝወጽአ መግለጺ ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ዓረብ፡ "ኪዳነ ኣንገሶም ወልዳይ፡ (ጽጋቡ) ፊልሞን ሓጎስ ገብረመስቀልን ክብሮም ገብረማርያም ገብረእግዚኣብሄርን ሓሺሽ ናብ ንግስነት ኣብ ምስግጋር ተሳቲፎም፡" ዝብል ኰይኑ፡ ብመሰረት ውጽኢት መርመራ ነቲ ገበን ፈጺሞም ከም ዝተኸሰሱ የመልክት።
እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ ምስ ተረጋገጸ ድማ ንሞት ከም ዝተፈረዱን ብመሰረት ሸሪዓ እቲ ፍርዲ ክፍጸም ውሳነ ከም ዝተመሓላለፈን ብምጥቃስ፡ "እቲ መቕጻዕቲ ሞት ኣብ ዞባ ዓሲር ተፈጻሚ ኰይኑ'ሎ፡" ክብል ኣፍሊጡ'ዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ።
"መቕጻዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍጸም ቅጽዓት ይጽበዩ ኣለዉ፡" ክብል'ውን ኣመልኪቱ።
ኣቦ ጽጋቡ ኣቶ ሓጐስ፡ እቲ ወዲ 26 ዓመት ወዶም ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበረ ይገልጹ።
ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ'ውን ግን ደሃይ ስድርኡ ካብ ምሕታት ኣይሰነፈን ነይሩ።
ንመወዳእታ ግዜ ብተለፎን ዝተዘራረብሉ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ከባቢ ጾመ-ኣርብዓ ምንባሩ'ዮም ዝዛረቡ።
"ጽቡቕ ኣውጊዑና ብስልኪ፣ ቀስ ኢለ ክመጽእ'የ፡ ክምርዖ'የ ኢሉና። ናይ መወዳእታ ብስልኪ ከነውግዕ ከለና መጻእኹ፣ ክድግፈካ እየ ይብለኒ ነይሩ፡"።

እዞም ስድራ ሞት ደቈም ብወግዓዊ መንገዲ ኣይኰነን ዝንገሮም ዘሎ፤ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝርከብ ቈንስላ ኢትዮጵያ ወይ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሖም ደብዳበ የሎን።
እኳ ደኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዘለዉ ወይ'ውን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጽኡ ሰባት ኣቢሉ ከም ዝበጽሖም ይገልጹ።
"ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ከም ዝተኣሰሩን ከም ዝተቐተሉን ኣርዲኦምና፤ ሬሳና ግን ኣይተቐበልናን። ፍርድኹም ተወሲኑ እዩ ምስ ስድራኹም ተራኸቡ'ውን ኣይበሉዎምን፤ ኣጻርዩ በዚ እዮም ተቐቲሎም ኢና ዝነገረና'ውን የለን፤ ተበዲልና ኢና፡ ግዜ ክፍእ ስለ ዝበደሎም ክሽቅሉ እዮም ከይዶም፡" ይብሉ ኣቶ ሓጐስ።
ካብ ማሕረስ ዘጽምዱዎም ኣቡዕር ፈቲሖም ንምሳሕ ናብ ገዛ ኣብ ዝተመለስሉ ሰዓት ብስልኪ ዘውጋዕናዮም ኣቶ ሓጐስ፡ ብዓልቲ ቤቶም ነዚ ክቕበልኦ ተሸጊረን ምህላወን ነጊሮምና።
"ብዙሕ ኣይነውግዕን፤ ወትሩ ተዓጺፋ ደቂሳ እየ ዝረኽባ።"
ኣብታ ወረዳ ነባሪት ሑጻ ጉዛ ዝተባህለ ከባቢ ዝዀና ካልእ ወላዲት ድርብ ሓዘን ተሰኪመን ይነብራ ኣለዋ። ወይዘሮ ግምጃ ገብረማርያም፡ ወደን ክብሮም ናብ ስደት ቅድሚ ምኻዱ ተስፋ ዝነበሮ ተመሃራይ ምንባሩ ይዛረባ።
ይዅን'ምበር፡ ብሰንኪ ቍጠባዊ ጸገማትን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ትምህርቱ ደው ኣቢሉ ናብ ስደት ኣምሪሑ።
"10ይ ክፍሊ እዩ ነይሩ፤ ናብ መበል 11 ክፍሊ ንኽሰግር ናይ ቤት ትምህርቱ ካርዲ ኣቐምጥለይ ኢሉኒ ምስ ከደ እዩ፡" ይብላ።
ብዓል ቤተን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ደው ዝበለ ኲናት ትግራይ ስዒቡ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ዝተረፈ ዘይበርዓነ ቦምባ ተፈንጂሩ ኣካላዊ መጕዳእቲ ኣብጺሑሎም'ዩ።
ክብሮም ድማ ኣብ ከባቢ ግንቦት 'ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍታሕ'የ' ዝብል ትጽቢት ከም ዝነበሮ ይገልጻ።
"ብጸገም፡ ዝስራሕ ምስ ሰኣነ እዩ ወጺኡ ዝኸደ፤ ወሰን ዶብ ኤርትራ ስለ ዝዀንና ድማ እቲ መንእሰይ ዳርጋ ህድማ እዩ ዝኸይድ፤ በዅረይ ኣብ ሊብያ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግር ተቐቲሉ'ዩ፡" ብምባል ስምብራተን ኣውጊዐናን።
ካብታ ብዂናት ዝተሃሰየት ክልል ትግራይ ሓዊሱ፡ ዓመታዊ ልዕሊ 100,000 ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ስራሕ ንምድላይ ከም ዝስደዱ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብልምዲ ካብ ጅቡቲ ወይ ሶማልያ ናብ የመን ብጃልባ ይጓዓዙ፤ ካብዚ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ኣብ ዝገብሩዎ ፈተነ ድማ ዝተፈላለየ ግህሰትን ሞትን ከም ዘጋጥሞም ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Family
ሃይማኖታውያን ትካላት እንታይ ኢለን?
ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብቲ ብ28 ሚያዝያ 2026 ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ንምንጪታት ጠቒሱ ከም ዝሕብሮ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይርከቡ።
"መቕጻዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ልዕሊ 200 ኢትዮጵያውያን ኣብ ኸሚስ ሙሻይት ተዳጒኖም ኣብ ልዕሊኦም ንዝፍጸም ይጽበዩ ኣለዉ፡" ክብል'ውን ኣመልኪቱ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ብ22 ሰነ 2026 [ኣ.ኤ] ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 100 ሰባት ከም ዝቐተሉ ብምግላጽ፡ ብውሕዱ 61 ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ዝፈጸሙ ተባሂሎም ከም ዝተኸሰሱ የረድእ።
"ካብዚኦም እቶም 39 ዜጋታት ወጻኢ፡ 22 ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ እዮም፡" ክትብል ተመራማሪት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳና ኣሕመድ ሓቢራ።
እቲ ትካል ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 22 ሰነ 2026፡ ስዑዲ ዓረብ 96 ቅትለት ዝፈጸመት ኰይና፡ 61 ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት እዮም።
ምስ ዕጸፋርስ ዝተኣሳሰሩ ገበናት ብምፍጻም ተኸሲሶም ካብ ዝተቐትሉ 39 ሰባት፡ እቶም 7 ካብ ኢትዮጵያ፣ ፓኪስታን (7)፣ ሱዳን (5)፣ ዮርዳኖስ (4)ን ሶርያን (3) ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን እዮም። እቶም 22 ድማ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ እዮም።
ስዑዲ ዓረብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም መቕጻዕቲ ቅትለት ብምፍጻም ዝፍለጣ ሃገራት እያ፤ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ 2025 ጥራይ ብውሑዱ 356 ቅትለት መዝጊቡ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2024 ዝነበረ ተዛማዲ ጠቕላላ ቅትለት ብዕጽፊ ወሲኹ (122)።
መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያንን ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቶም ሞት ዝተፈርዶም ስደተኛታት ምሕረት ክትገብረሎም ይጽውዑ እዮም ዘለዉ።
ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ዓዲግራት ተስፋ ስላሴ መድህን፡ እቶም ኣብ መስርዕ ሞት ዝርከቡ ዜጋታት ንምድሓን ህጹጽ ምትእትታው ክግበር ተላብዮም።
እቶም ጳጳስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ "ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ስድራ ቤት ዝሰምዖ ዘለኹ ነገር ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፤ ስቓይ። እዞም ወለዲ ኣረሜናዊ ኲናት ኣሕሊፎም፤ ኵሉ ነገር ስኢኖም'ዮም። ሕጂ ድማ ውሕስና ንምርካብ ዝሃደሙ ዝሕግዙዎም ደቈም፡ ቅትለት ክፍረዶም ብማዕዶ ይዕዘቡ ኣለዉ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣስታት 200 ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና፡" ኢሎም።
እቶም መራሒ ሃይማኖት፡ እቶም ብጥፍኣት ዝኽሰሱ ስደተኛታት ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ክረኽቡ ይምሕጸኑ።
ብተመሳሳሊ፡ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ትግራይ፡ ነቲ ምስ እስልምና ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ምድረ-ሓበሻን ለበዋ ነቢይ መሓመድን ብምጥቃስ፡ "መንግስቲ ስዑዲ ነዚ ታሪኻዊ ሕውነት ብምዝካር ነዞም ኢትዮጵያውያን ምሕረት ገይሩ ናብ ዓዶም ብሰላም ክሰዶም ብስም እምነት እስልምናን ሰብኣውነትን ንጽውዕ፡" ክብል ልመናኡ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ኒውስ ደይ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ ቅትለት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ሞት ዝተፈርዱ ሰባት ፍትሓዊ ፍርዲን ሕጋዊ ውክልና ከይረኽቡን ተኸልኪሎም ዝብል ክስታት ብዝምልከት መልሲ ንምርካብ ሓቲቱ'ዩ፤ ይዅን'ምበር ክሳዕ 13 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ መልሲ ኣይረኸበን።

ምንጪ ስእሊ, MoFA ETH/fb
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኵነታት ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ምስ ሕጋዊ መስርሕን ፍርዳዊ ውሳነታትን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ብቐረባ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብሰኑይ 13 ሓምለ 2026 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታቱ ድሕነት፡ ጸጥታን ቆንስላዊ ድጋፍን ንክረኽቡ ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ፡ ብላዕለዋይ ኣመራርሓኡ ኣቢሉ'ውን ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብዛዕባ ኵነታት ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኸታታሊ ዘተ ከም ዘካየደ ሓቢሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ብመንገዲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ርያድን ኣብ ጅዳ ዝርከብ ዋና ቆንስልን ኣቢሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ስዑዲ ዓረብ ዝገብሮ ዝነበረ ዘተ ኣጠናኺሩ ብምቕጻል ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ቆንስላዊ ደገፍን ግቡእ መፍትሒ ክወሃቦምን ይሓትት ምህላዉ ኣመልኪቱ።
እዚ ቀጻሊ ዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ጻዕርታት እወታዊ ውጽኢት ከም ዘምጽአ ብምግላጽ፡ ብድምር 1,971 ኢትዮጵያውያን ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተዋህቦም ንጉሳዊ ምሕረት ተጠቀምቲ ኰይኖም፡ ብተኸታታሊ በረራታት ናብ ሃገሮም ይመልሶም ኣሎ ኢሉ።
እቲ ምኒስትሪ፡ ረብሓታትን መሰላትን ድሕነትን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንምሕላው ዲፕሎማስያውን ቆንስላውን ኣማራጽታት ምጥቃም ክቕጽል ምዃኑን ንዜጋታቱ ዝትንክፉ ዝተረፉ ጉዳያት ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዘለዎ ዝምድና ኣጠናኺሩ ክቕጽል ምዃኑን እዩ ዝገልጽ።
ንሕጂ ግን፡ ከም ወይዘሮ ግምጃ ዝበሉ ስድራ ግዳያት፡ ደቅና "ክቐትሉዎም'ዮም ኢልና ኣይገመትናን፡" ብምባል፡ መርድእ ደቅና፡ "ካብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝወጽኡን ንዝፈልጡዎም ሰባት ሓበሬታ ዝሃቡን ሰባት ኢና ሰሚዕና፡" ይብሉ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
