ፕረዚደንትነት ትራምፕ ክትዕ የለዓዕል - ክንደይ ዝኣክል ስልጣን እዩ ልዕሊ ዓቐን?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብግህዶ ውልቃዊ ስልጣኑ ናይ ምርኣይ ወይ ናይ ምጉላሕ ባህጊ ዘለዎ ይመስል።

ኣብ ኣደባባይ ብግልጺ ብዝንእድዎ ሰበስልጣንን ኣባላት ካቢነ እዩ ተኸቢቢ ዘሎ። ካብ ሞጐሱ ንዝወደቑ መራሕቲ ዓለም የጥቅዕ። ንገለ ካብተን ዝዓበያ ኮርፖሬሽናት ኣመሪካ ድማ ድሌቱ ንኽፍጽማ ጸቕጢ ይገብር።

መፋርቕ ካልኣይ እብረ-ስልጣኑ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተፋረቐሉ ኣብዚ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት "ዓቕሚ ስልጣነይ ደረት የብሉን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ስምዒት እዚ፡ ነቲ ቅድሚ 250 ዓመታት እታ ሃገር ካብ መግዛእቲ ንጉሳዊ ስርዓት ብሪጣንያ ናጽነታ ኣብ ዝኣወጀትሉ እዋን ዝጀመረ 'ኣመሪካዊ ፈተነ' (American experiment) ዝጻረር ይመስል።

እቶም ሰውራውያን ብዛዕባ እዚ ሕጂ ርእሰ-ብሄር ዘሎ ትራምፕ እንታይ ምበሉ ነይሮም? ነቐፍሩ ከም ዝብልዎ፡ ብዙሕ ኣይምበሉን።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ መላእ ኣመሪካን ዓለምን፡ "ነገስታት ኣይድልዩናን!"፡ "ደሞክራሲ እምበር ኣይፋል ንንጉሳዊ ስርዓት!" ከምኡ'ውን "ቅዋም እምበር ንጉስ የብልናን!" ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ኣንጻር ትራምፕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም እዮም።

ትራምፕ ንስልጣኑ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ፕረዚደንታት ዘይፈተንዎ ስልጣኑ የስፍሕ ኣሎ ድማ ይብሉ።

ንኣብነት፡ ኣብ ኢራን ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ካብ ኮንግረስ ፍቓድ ኣይረኸበን። ከምኡ'ውን ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮ ንምሓዝ ኣብ ቬንዝወላ ብዛዕባ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ንመብዛሕትኦም ሓገግቲ ሕጊ ከይፈለጡ ብምስጢር ከም ዝተሓዝ ገይሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ኣብ መላእ ዓለም ንግዳዊ ታሪፍ ቅድሚ ምምዳቡ፡ ነቲ ናይ ሕጊ ኣድላይነት ንምሕላፍ ናይ ህጹጽ እዋን ስልጣን ተጠቒሙ እዩ፤ እዚ ስጕምቲ ግን ድሒሩ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቅዋማዊ ኣይኰነን ተባሂሉ ተወሲኑ።

ክፍሊ ፍትሒ ተጠቒሙ ድማ፡ ነቶም ከም ዳይረክተር ኤፍ.ቢ.ኣይ ነበር ጀምስ ኮሚ ዝኣመሰሉ ተቓወምተይ እዮም ዝብሎም ሰባት ንምምርማርን ንምኽሳስን ብምጥቃሙ፣ ነቲ ካብ ግዜ 'ቅልውላው ዎተርጌት' ዝፍለጥ ኣብ ዘመነ ፕረዚደንት ሪቻርድ ኒክሰን ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ዋይት ሃውስን ፈደራላውያን ዓቀብቲ ሕግን ዝነበረ ልሙድ ምክፍፋል ስልጣን ጥሒስዎ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ እዩ።

ብዛዕባ እቲ 'ነገስታት ኣይድልዩናን' ዝብል ተቓውሞታት ምስ ተሓተተ፡ "ከም ንጉስ ኰይኑ ኣይስምዓንን እዩ" ኢሉ ነይሩ። "ነገራት ንኸጽድቕ ብሲኦል ክሓልፍ ኣለኒ" ድማ ኢሉ።

ዘይሕለል ትፅቢት

ትራምፕ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት ፖሊሲ መንግስትን ኣመሪካ ርኡይን መሰረታውን ለውጢ ከምጽእ እየ ኢሉ ተመባጺዑ እዩ ተመሪጹ።

ካብ ጕዳይ ኢሚግሬሽን ክሳብ ንግዲ፡ ከምኡ'ውን ምስቶም ታሪኻውያን መሻርኽቲ ኣመሪካ ዘሎ ዝምድናታት ሓዊሱ - ብዙሓት ኣብ 2024 ንትራምፕ ዝመረጹ ደገፍቱ፡ ብዘይ ጥርጥር ሱር-በተኽ ለውጢ ትጽቢት ይገብሩ ነይሮም እዮም።

ብመሰረት እቲ ዝሓለፈ መጽናዕቲ ርእይቶ ዩጎቭ፡ ካብ ሓሙሽተ ሪፓብሊካውያን እቶም ኣርባዕተ፡ ትራምፕ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ይድግፉዎ እዮም።

ይዅን እምበር፡ ኣብ መንጎ ኵሎም ኣመሪካውያን መረጽቲ፡ እቲ ዝረኽቦ ዘሎ ናይ ደገፍ መጠን ትሕቲ 40% ወሪዱ ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ናይ ካልኣይ ዘመነ-ስልጣኑ ዝነበረ ኣዝዩ ዝጐደለ እዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣመሪካውያን ብዛዕባ መበል 250 ዓመት ሃገሮም እንታይ ይብል?

ብመሰረት ጁልያን ዘሊዘር፡ ኣብ ፕሪንስተን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ታሪኽን ጕዳያት ህዝብን፡ ትራምፕ ስልጣኑ ንምስፋሕ ዝፈተነ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት ኣይኰነን።

ይዅን እምበር፡ "ክንድዚ ዝኣክል ርሑቕ ዝኸደ፡ ብስልጣን ክሳዕ ክንድዚ ዝተሰሓበ ካልእ ፕረዚደንት ክዝክር ኣይክእልን እየ" ኢሉ።

ኣብቲ 'ኣመሪካ ፈርስት ፖሊሲ ኢንስቲትዩት' ዝበሃል ዓቃባዊ ትካል መጽናዕቲ፡ ላዕለዋይ ዳይረክተር ዝዀነ ጆሽዋ ትረቪኞ ግን፡ ነቲ ተጠንቂቑ ዝተሰርሐ ግላዊ ምስሊ ትራምፕ ምስ ምስፋሕ ስልጣን ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ከየነደናግሮ የተሓሳስብ።

"ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ግዳማዊ ትርኢት ወይ መልክዕ ምስቲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ምድንጋር ቀሊል እዩ፡" ክብል ትረቪኞ ይዛረብ።

ፍራንክሊን ደ ሩዝቬልትን ሪቻርድ ኒክሰንን ስልጣን ፈጻሚ ኣካል ንምስፋሕ ዝፈተኑ ናይ ቀደም ፕረዚደንታት ከም ዝዀኑ ብምጥቃስ፡ "ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ብባህሪኡ ፍሉይ ዝዀነ ነገር ይገብር ኣሎ ዝብል ሓሳብ ኣትሪረ እየ ዝነጽጎ፡" ኢሉ።

ስነ-ሓሳብ ኣቦታት ኣመሪካን ሎምን

ሓደ ፖለቲከኛ ብልክዕ ክንደይ ዝኣክል ስልጣን ክህልዎ ኣለዎ ዝብል ሕቶ፡ ኣብ ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ርሱን ክትዕ ጸኒሑ እዩ።

ንድሕሪት ናብ መበል 18 ክፍለ-ዘመን ክንምለስ ከለና፡ እቶም መስረትቲ ኣቦታት ኣብ ኢድ ሓደ ርእሰ-ብሄር ኣመና ብዙሕ ስልጣን ምፍናው ኣመና የሻቕሎም ስለ ዝነበረ፡ ገሊኦም ኣብ ክንዲ ሓደ ፕረዚደንት፡ ሓንቲ ፈጻሚት ሽማግለ ነታ ሃገር ክትመርሓ ይደልዩ ነይሮም።

ካልኦት ድማ ዝያዳ ስልጣን ክወሃብ ይምጕቱ ነይሮም።

"ንስኻ ካብቲ ሓደ (ውልቀ-ሰብ) ትፈርህ - ኣነ ድማ ካብቶም ውሑዳት (ጕጅለ)፣" ክብል ጆን ኣዳምስ - እቲ ካልኣይ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ኣብ 1787 ንቶማስ ጀፈርሰን - እቲ ሳልሳይ ፕረዚደንት ጽሒፉሉ ነይሩ። .

"እቶም ብዙሓት (ህዝቢ) ምሉእ፡ ፍትሓውን ፍጹምን ዝዀነ ውክልና ክህልዎም ከም ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ንሰማማዕ ኢና። ንስኻ ብንጉሳዊ ስርዓት ትሰግእ፤ ኣነ ድማ ብምሕደራ ውሑዳት ልዑላን (Aristocracy) እሰግእ። ስለዚ ድማ እየ ንፕረዚደንት ዝያዳ ስልጣን፡ ንሰነት ድማ ውሑድ ስልጣን ምሃብኩ።"

ኣብ ሓደ እዋን፡ እቶም መስረትቲ ኣቦታት ፍሉይ ንጉሳዊ ቃና ዘለዎ መዓርጋት ንምጥቃም እውን ሓሲቦም ነይሮም። ንፕረዚደንት "ልዑልነቶም" (His Highness)፡ "ክቡርነቶም" (His Excellency) ወይ "ብህዝቢ ዝተመርጹ ግርማ ሞገሶም" (His Elective Majesty) ኢሎም ንምጽዋዕ ተመያይጦም ነይሮም።

ሕሉፍ ሓሊፎም "ሓያልነቶም" (His Mightiness) ኢሎም ንምጽዋዕ'ውን ሓሲቦም ነይሮም።

ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣብ 1776 ኣብ ኣዋጅ ናጽነት

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣብ 1776 ኣብ እወጃ ናጽነት

ጆርጅ ዋሽንግተን፡ ቶማስ ጀፈርሰንን በንጃሚን ፍራንክሊንን ነዞም ቅዋማዊ ሕቶታት ኣብቲ ኣብ ኣናፖሊስ፡ ሜሪላንድ - ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ፓብ ሚድልተን ታቨርን፡ ካብታ ሃገር ባዕላ ዝዓበየ ዕድመ ዘለዎ- ተኻቲዖም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

እታ ታቨርን - እንዳ መስተ፡ ኵሎም ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ሓዳስ ሪፓብሊክ፡ ኣብኡ ከም ዝሰትዩ ትምካሕ እያ።

ኣብኡ ድማ እየ ምስታ መበል 60 ዓመት ልደታ እተብዕል ዝነበረት ሎረይን ሮስ ተራኺበ።

ንሳ እውን፡ ዕለተ ልደት ኣመሪካ ከተስተማቕር ከም እትደሊ፡ እንተዀነ ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገር ግን ከም እትሻቐል ገሊጻ።

"ያይ! ኣመሪካ ናጻ ኰይና ኢለ ክዘልል ኣይኰንኩን" ትብል።

ብፍላይ ንዝተጸገሙ ስድራቤታትን ፍሉይ ድሌት ዘለዎም ህጻናትን ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ ምቍራጽ ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ።

ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንባህርያት ፕረዚደንታት ዝግድብ ዝነበረ ኮንግረስ ፡ "ንዕኡ [ትራምፕ] ግን ብኢደወነኑ ንኽጎዪን ንዅሉ ሕግታት ሸለል ክብሎን ብምፍቃዱ" ኣብ ልዕሊኡ ቍጥዓኣ ገሊጻ።

ካልኦት ኣብቲ እንዳ መስተ ዘዘራረብክዎም ኣመሪካውያን፡ ነቲ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ፡ ዝሓሸን ክኸውን ቃል ዝኣተወሉ ጽምብላት 4 ሓምለ ብሃንቀውታ ጥራይ እዮም ዝጽበይዎ ዘለዉ።

ጆን ኖክስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፖለቲካ ኣትዩ ክስቀል ከምዘይደሊ ይዛረብ።

እቲ ካብ ኣትላንታ ዝመጸ፡ ዑደት ዝገብር ዝነበረ ኖክስ፡ ሰባት ምስ ትራምፕ እንተዘይተሰማሚዖም፡ እዚ ስምዒቶም ዝገልጽሉ ግዜ ኣብ መፋርቕ መረጻ ሕዳር እምበር፡ ኣብ እዋን ጽምብል 4 ሓምለ ከምዘይኮነ ይገልጽ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ 2026 ኣመሪካዊ ምዃን እንታይ ማለት እዩ?

ኣብ ሕምብርቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ኪስቶን፡ ሳውዝ ዳኮታ ኣብ ዝርከብ ኣዝዩ ፅቡቕ ቦታ፡ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ይበራ ነይረን።

መኮንናት ምስጢራዊ ኣገልግሎት ድማ፡ እቲ ፕረዚደንት ንዓርቢ ኣብኡ ንዝገብሮ ዑደት ይሸባሸቡ ኣለዉ።

ኣብ ድሮ መበል 250 ዓመት ዝኽሪ ጽምብል፡ ኣብቲ ኣርባዕተ መስረትቲ ኣቦታት ዝበሃሉ - ፕረዚደንታት ምስሊ ኣብ ከውሒ ግራናይት ዝተቐርጸሉ እምባ ራሽሞር ብምብጻሕ ከሕልፎ እዩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጐድኒ ሓወልቲ ጆርጅ ዋሽንግተን፡ ቶማስ ጀፈርሰን፡ ኣብርሃም ሊንከንን ቴዎዶር ሩዝቨልትን - ዝርከበሉ እምባ ተጸጊዑ ክሰኣል እዩ።

ብዙሓት ደገፍቱ ነቲ ሓሳብ ብሓጎስ ይቕበልዎ። ኣብ ቅድሚ ኮንግረስ ትራምፕ ኣብቲ ምልክት ሓወልቲ ምስሉ ክሰፍር ዝጠልብ እማመ ከይተረፈ ቀሪቡ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ኣብ 2026 ብዛዕባ ኣመሪካ እንታይ ይሓስቡ ኢልና ሓቲትናዮም

ቴሪ ዳቪስን ቲም በርክን ካብቶም ብሞተር ብሽክለታኦም ኣብቲ ከባቢ እናተዘዋወሩ ዝነበሩ ኣዕሩኽ እዮም።

ንዓርቢ ምሸት ናይቲ ፕረዚደንት ርችት ዝትኰሰሉ ትኬት ክረኽቡ ፈቲኖም፡ ግን ኣይቀንዖምን።

ገጽ ትራምፕ ኣብቲ ሃገራዊ ሓወልቲ ክውሰኽ ክግምቱ ይኽእሉ እንተዀይኖም ተሓቲቶም።

ወዲ 72 ዓመት ቴሪ፡ ትራምፕ ኣብ ቅድሚትን ማእከልን፡ እቲ ዝዓበየ ድማ ናቱ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

"ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ዝዀነ ካልእ ፕረዚደንት ከምዚ ዓይነት ፍቕሪ ኣይነበረንን።"

እዞም ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ነቲ፡ ከም ፕረዚደንት ስልጣኑ ተጠቒሙ ንኢድ ኣእታውነት ዲሞክራትን ፌደራላዊ ግዝኣታትን፡ ምውጋዱ ሕጉሳት እዮም።

ቲም፡ "ድሕሪ 20፡ 30 ዓመታት ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ 'ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ፕረዚደንታት ነይሩ' ኢሎም ክምስክሩ እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ" ይብል።

ገጽ ቴዎዶር ሩዝቨልትን ኣብርሃም ሊንከንን ካብቲ ኣብ ሳውዝ ዳኮታ ዝርከብ እምባ ራሽሞር ዝርከብ ግራናይት ዝተቐርጸ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገጽ ቴዎዶር ሩዝቨልትን ኣብርሃም ሊንከንን ካብቲ ኣብ ሳውዝ ዳኮታ ዝርከብ እምባ ራሽሞር ዝርከብ ግራናይት ዝተቐርጸ እዩ።

ንመጻኢ ኸ?

እቲ ፕረዚደንት ብኢደወነኑ ዝገብሮ ዘሎ ንህሉው ዜጋታት እታ ሃገር ጥራይ ኣይኮነን ዝጸሉ - መጻኢ ፕረዚደንታት ስልጣኖም ዝጥቀሙሉ ኣገባብ እውን ክቐርጽ ይኽእል።

እቲ ዘሊዘር ዝተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ፡ "ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ፕረዚደንታዊ ስልጣን፡ ነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤን ኣለዎ" ኢሉ።

"መጻኢ ፕረዚደንታት፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ክገብሩ ቅድመ-ኵነት ይፈጥር። እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ፕረዚደንታት ክገብርዎ እንጽበዮ፡ ምስዘይከውን ግጭት ይፈጥር።"

ቅርጺ ስርዓተ-መንግስቲ- ኣመሪካ፡ ፕረዚደንታዊ ስርዓት- ኣብ 1789 እዩ ተሰሪቱ፤ ኣብቲ ጆርጅ ዋሽንግተን ኣብታ ሃገር ፈላማይ መሓላ ዝፈጸመሉ።

ዋሽንግተን ኣብ ናይ መጀመርታ መደረኡ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ዝሰግአ ኰይኑ ተራእዩ፤ ሓደ መራሒ "ናይ ገዛእ ርእሱ ድኽመታት ክፈልጥ ይግባእ" ኢሉ።

"ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ፕረዚደንት እየ" ዝበለ ትራምፕ ግን፡ ተመሳሳሊ ስምዒት ከንጸባርቕ እዩ ኢልካ ምግማት ኣጸጋሚ እዩ።