እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ መፃረዪ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ዘውረዶ ዕንወት ዘረጋግጽ መርመራ
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ቀንዲ መስመር መፃረዪ ነዳዲ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ከምዝተሃስየ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ምስልታት የመልክቱ።
ክኢላታት ንቢቢሲ ቨሪፋይ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ጉድኣት ንምጽጋንን ንምዕራይን ልዕሊ ሓደ ወርሒ ክወስድ ከምዝኽእል እዚ ድማ ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ጠንቂ ከምዝኸውን ኣንፊቶም።
እቲ ምስሊ ከምዘርእዮ፡ እቲ ዝዓበየ ዕንወት ኣብ ጎኒ ምብራቕ-ምዕራብ መስመር ኣብ ዝርከብ መደበር ነዳዲ ከምዝኾነን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ክንዲ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ ንዓለማዊ መሸጣ ነዳዲ ትጥቀመሉ ዘላ መስመር እዩ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዒራቕ ንዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻታት ክኸስስ እንከሎ፡ ድሕሪ'ዚ ድማ ጉጅለ ሑቲ -የመን ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ምዕራብ ስዑዲ ዓረብ ካልእ ዙር መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ቀፂሉ።
ስዑዲ ዓረብ ሕነ ንምፍዳይ፡ ኣብ ምዕራባዊ የመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ዝርከባ ከባቢታት መጥቃዕቲ ክተካይድ ቀኒያ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሑቲ ድሕሪ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፡ ኣብ መደበር መዕርፎ ነፈርቲ ኣየር- ንጉስ ኻልድ ስዑዲ ዓረብ ዝወረደ ጉድኣት እውን ሓደስቲ ናይ ሳተላይት ምስልታት የርእዩ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ንመጥቃዕቲ ሑቲ "ተሪር" ምላሽ ከምዝህብ ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጡ።
ሑቲ፡ ኣንጻር ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ከካይዱ ዝፀንሑ ዀይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ወፍሩ ኣሐይሉ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መላእ ደቡባዊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ የመን ንወሳኒ መስመር ማይ ባብ ኣል-መንዳብ ዝጥምቱ ከባቢታት ሓዊሱ፡ ሓድሽ ግዝኣት ብምቍጽጻር፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣወጆ እገዳ ከተግብር ዓቕሙ ኣሐይሉ ኣሎ።
እዚ ወፍሪ - ንወሰንቲ ደሴታት ሓንሽ ምቍፅፃር ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሰፊሕ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ብዝወሰዶ ጥንቃቐ ነቲ መስመር ትዓጽዎ ከምዘላ ብዓርቢ ድሕሪ ምግላጻ፡ ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ወሲኹ።
ኣብዚ ሰሙን ንሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ክሳብ 108 ዶላር (80 ፓውንድ) ክሽየጥ እንከሎ፡ ካብቲ ብሰኑይ ዝነበረ 109.80 ዶላር ቅሩብ ወሪዱ።
ክኢላታት ትካል ስለያ ንግዲ ክፕለር፡ ምዕጻው እቲ መተሓላለፊ መስመር፡ ቀረብ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3.6 ሚልዮን በርሚል - ወይ ድማ ኣስታት 3.6% ካብ ዓለማዊ ጠለብ ክጐድል ከምዝኽእል ገሊጾም።
ሓላፊ ትንተና ዘይተጻረየ ነዳዲ ክለር ሆማዩን ፋላክሻሂ፡ "ብዝረኸብናዮ ሓድሽ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መስመር ነዳዲ ዝወረደ ጉድኣት ንምፍታሕ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰሙን ክወስድ ይኽእል'ዩ፡ " ይብል ።
ካብ ማእከል ዓለማዊ ፖሊሲ ጸዓት ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ እትሰርሕ ኣን-ሶፊ ኮርቦው፡ መስመራት ነዳዲ ተቓላዕቲ እዮም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ድማ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ምልክት" ምዃኑ ኣብሪሃ።
እዚ ድማ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ ሃዲምካ ዝገፍተኑ ዘለዉ ካልኦት መፍትሒታት፡ ክደርቁ ስለዝኽእሉ፡ "ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን'ዩ" ኢላ።
ሑቲ ንኻልኦት ትሕተ ቅርጺ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ዒላማ ብምግባር ገለ ስርሒታት ደው ክብሉ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት እውን ሰፋሕቲ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን ዝተረኽቡ ሓደስቲ ምስልታት ሳተላይት ከምዘርእዩዎ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጥቓ ካሚስ ሙሻይት ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ኻልድ ጉድኣት ከምዘርኣዩ ዘመልክት ኰይኑ፡ ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ዒላማ ከምዝገበርዎ ኣብ ልዕሊ የመን መጥቃዕቲ ኣየር ንምክያድ ከምዝተጠቕመሉ ገሊጾም።
ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝሰርሓ ኤፍ-15 ነፈርቲ ውግእ ዝመደበረን መሳለጥያ ሓይሊ ኣየር ንጉሳዊ ሓይሊ ኣየር ስዑዲ ብውሕዱ ሰለስተ ሃንጋራት ወይ ዝመደብር ነፈርቲ ተጎድኡ ይመስሉ።
ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ፡ ጸረ ሑቲ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ሃገራት ዓረብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሑቲ ብሚሳይልን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ናይቲ ጥምረት "ሲቪላዊ ትሕተቕርፂ" ዝተፈፀመ ዝበሎ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ 13 ሰባት ከምዝቖሰሉ ገሊጹ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ምዕራብ የመን ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ልዕሊ 50 መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ሑቲ ገሊጾም።
ኤጀንሲ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ በቲ ዝተሓደሰ ግጭት ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።