እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣደይ ይቕረታ ሓቲታትኒ' - ግዳይ ግዝረት ዝዀነት ሳራ ዘሕለፈቶ ስዉር ስቓይ
ሳራ ካሕሳይ ኣብ ሱዳን እያ ዓብያ፤ ኣብ 2022 ድማ ምስ ሓደ ተቐማጢ እታ ከተማ ዝዀነ መራሒ ኣውቶቡስ ድሕሪ ምምርዓዋ፡ ናብ በርሚንግሃም፡ ዓዲ እንግሊዝ ገዓዘት።
ይዅን'ምበር፡ ንሓዳራን ሓድሽ ቤታን እናተላመደት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ንህይወታ ዝቐየረ ሓድሽ ሓቂ ክትርዳእ ጀመረት።
ሳራ፡ ግዳይ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ (FGM) ምዃና ተረድአት፤ እዚ ድማ ንእሽቶ ቈልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዝተፈጸመላ ሕክምናዊ መሰረት ዘይብሉ ተግባር እዩ ነይሩ።
ሳራ በቲ ዝፈለጠቶ ሓቂ ኣዝያ ሰንበደት፤ ብፍላይ ድማ ነቲ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ዝጀመረት ከቢድ ስቓይ ምስ ኣስተውዓለትሉ።
"እቲ ስንባደ ኣዝዩ ከቢድ እዩ ነይሩ፡" ትብል።
"ምስ ሰብኣየይ ኣብ ዝነበረኒ ስጋዊ ርክብ ዓቢ ጸገም ፈጢሩለይ ነይሩ - ንሱ ግን ኣዝዩ ለዋህን ዕጉስን እዩ ነይሩ።"
(መተሓሳሰቢ፤ እዚ ዛንታ፡ ብዛዕባ ተግባራት ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ዝገልጹ ትሕዝቶታት ዝሓዘ እዩ።)
ምስ ኣደ ዝተገብረ ርክብን ይቕረታን
ሳራ ነቲ ነገር ዘወደበቶ ምዃና እትፈልጣ እንኮ ሰብ - ማለት ናብ ኣደኣ - ብምድዋል ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበረት ሓተተታ።
ኣደኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ እያ እትነብር። ሳራ ኣደኣ ዝበለታ ክትገልጽ ከላ፡ "ህጻን ኢኺ ነይርኪ፣ ንዅሉ ሰብ ከምኡ ምግባር ባህሊ እዩ ነይሩ፡" ከም ዝበለታ ትሕብር።
"ምስ ኣደይ ምስ ተዛረብኩ ኣዝያ ጕህያ፤ ይቕረታ ድማ ሓቲታትኒ፡" ትብል ሳራ።
ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቈልዑን ስፍሓት እቲ ጸገምን
ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብዘይካ ሕክምናዊ ምኽንያት፡ ንኽፋል ወይ ምሉእ ብልዕቲ ደቂ-ኣንስትዮ ምቝራጽ ወይ ምውጋድ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን እስያን ይፍጸም እዩ።
እዚ ተግባር፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከቡ ገለ ማሕበረ-ኮማት ስደተኛታት እውን የጋጥም እዩ። ኣብታ ሃገር ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ዘይሕጋዊ ኰይኑ፡ ከም ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ እዩ ዝቝጸር። ነዚ ተግባር ንኽትፍጸም ንሓንቲ ጓል ናብ ወጻኢ ሃገር ምውሳድ እውን ብሕጊ ገበን እዩ።
እዚ ተግባር ዝፍጸመሉ ምኽንያታት፡ ማሕበራዊ ተቐባልነት ንምርካብ፡ ብስም ሃይማኖት፡ ብዛዕባ ንጽህና ካብ ዘሎ ግጉይ ኣረኣእያን ድንግልና ጓል ንምዕቃብን ዝብሉ እዮም።
መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ፡ ንጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምጥቃስ ከም ዘረድኦ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ኣዋልድ ብዝተፈላለየ መልክዕ ግዝረት ይፍጸመለን።
ፍሉይ ሕክምናዊ ክንክንን ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋን
ሳራ ምስ ጠነሰት፡ ኣብ ቍልዕነታ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝተፈጸመላ ንሰብ-ሞያ ጥዕና ነጊራቶም። ብኡብኡ ድማ ኣብ ሆስፒታል ደቂ-ኣንስትዮ በርሚንግሃም ብመወልዳን ናብ ዝካየድ ፍሉይ ክሊኒክ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ተላእከት።
መሕረሲት ሬናታ ሃኒፍ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ኣስታት 200 ዝዀኑ ጉዳያት ተተኣናግድ። ስርሓ ድሕነት ደቂ-ኣንስትዮ ምርግጋጽን ገና ዘይተወልዱ ህጻናት ምክልኻልን ምዃኑ ትገልጽ።
"ገለ ዓይነታት ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ብማህጸን ዝግበር ንቡር ሕርሲ ጸገም ክፈጥር ይኽእል እዩ፡" ትብል ሃኒፍ።
እቲ ክሊኒክ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ተጣቢቑ ዝጸንሐ ስጋ ብምኽፋት ውሑስ ሕርሲ ንኽህሉ ዘኽእል 'ዲኢንፊቡለይሽን' ዝተባህለ ናይ ምኽፋት ሕክምናዊ ስጕምቲ ይህብ።
ግዳያት ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሽንቲ ኣብ ምሻንን ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያትን ከቢድ ጸገም ከጋጥመን ከም ዝኽእል እታ መወለዳን ትገልጽ።
ደቂ-ኣንስትዮ ንረኽስታት ከምኡ'ውን ንኸቢድ ረኽሲ ደም ዝያዳ ተቓላዕቲ ይዀና፤ ብተወሳኺ ድማ ብርቱዕን ቀጻልን ቃንዛ የስዕበለን። ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደ፡ ጭንቀትን መንፈሳዊ ውድቀትን እውን የጋጥመን።
ብዙሓት ሕሙማት ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመን ነገር ምዝራብ ከም ዝኸብደን ሃኒፍ ትሕብር።
"ኣዝዩ ኣጸጋምን ስምዒታውን እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ቅድሚት ወጺኣ ናብዚ ክሊኒክ ክትመጽእ፡ ኣብኡ ክትሳተፍን ምሳይ ክትዘራረብን ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡" ትብል ሃኒፍ።
"ኣነ ክሕግዘን ኣብዚ ከም ዘለኹ የረድአን፣ ኣብ ቍልዕነተን እንታይ ከም ዘጋጠመን ንኽርድኣ ድማ እጽዕር።"
መብዛሕትአን ደቂ-ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዝተጐድኣን ኣብ ኣካላተን ብኸመይ ምሉእ ቍጽጽር ክመልሳ ከም ዝኽእላን ዝሓሸ ግንዛበ ሒዘን ካብቲ ክሊኒክ ከም ዝወጽኣ ትገልጽ።
"ብዛዕባ ነፍሲ-ወከፍ ክፍሊ ኣካል፡ ንምንታይ ከም ዘገልግል፡ እንታይ ከም ዝተቘርጸ፡ እንታይ ዓይነት ስግኣት ከም ዘለዎን ኣብ መጻኢ ህይወተን እንታይ ጽልዋ ከም ዘለዎን ንዘራረብ፡" ትብል ሃኒፍ።
ኣብቲ ክሊኒክ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ዝወሃብ ኰይኑ፡ ሰብኡትን መሻርኽቲ ህይወተንን ብኸመይ ክድግፍወን ከም ዝኽእሉ ዘረድእ ሓበሬታ እውን ይቐርብ።
ምክልኻል፡ ሕግን ተራ ትምህርትን
ኣብ 2015፡ 'ባርናርዶስ' ዝተባህለ ናይ ቈልዑ ትካል ግብረ-ሰናይ፡ ንደቂ-ኣንስትዮን ኣዋልድን ዝሓሸ ዕቝባ ንምሃብ ሃገራዊ ማእከል ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ኣቚሙ።
እዚ ማእከል ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ንምክልኻል፡ ግንዛበ ንምዕባይን ነተን ግዳይ ንምድጋፍን ይሰርሕ።
እቲ ማእከል ከም ዝገለጾ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ከም ኣካል ትምህርቲ ርክባትን ጾታዊ ትምህርትን መጠን፡ ንተምሃሮ ብዛዕባ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮን ምስኡ ዝተሓሓዙ ሕግታትን ናይ ምምሃር ሕጋዊ ግዴታ ኣለወን።
እንተዀነ፡ እቲ ኣመሃህራ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መባእታ ኣብያተ-ትምህርቲ ክወሃብ ግዴታ ስለ ዘይኰነ ድማ እዚ ኣሰራርሓ'ዚ ክቕየር ይደልዩ።
ኣባል እቲ ማእከል ዝዀነት ሮህማ ኡላህ፡ "ንዓና፡ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምውጋድ እቲ ዝዓበየ ክፋል ምክልኻል እዩ፡" ትብል።
"እወ፡ ብገበን ምኽሳስን ምቕጻዕን ፍትሒ ከስፍን፡ ተሓታትነት ከረጋግጽን ናብ ሕብረተሰብ ሓያል መልእኽቲ ከመሓላልፍን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ክሳዕ ሽዑ እቲ ጕድኣት ድሮ በጺሑ እዩ ዝጸንሕ።"
ኣብ ምያዝያ፡ መንግስቲ ንደቂ-ኣንስትዮን ኣዋልድን ብዝሓሸ መንገዲ ምዕቋብ ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ንምዝታይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ንመጀመርታ ግዜ ፍሉይ ዋዕላ ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ኣካይዱ።
ካብቶም እናተመሓየሹ ዝመጽኡ ዘለዉ ስጕምትታት ሓደ፡ ነተን ንግዝረት ናብ ወጻኢ ሃገር ናይ ምውሳድ ሓደጋ ዘንጸላለወን ኣዋልድ ንምልላይ ዝሕግዝ ሓድሽ መምርሒታት ምድላው እዩ።
መልእኽቲ ሳራ፡ 'ሓገዝ ሕተታ'
ሳራ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ንዝርከባ ካልኦት ደቂ-ኣንስትዮ ህጹጽ ስጕምቲ ንኽወስዳ ትላቦ።
"ንዅለን ግዝረት ደቂ-ኣንስትዮ ዘጋጠመን ኣንስቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣሎኒ፡" ድማ ትብል።
"ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ መጽኣ እቲ ነገር ካልእ እዩ። ኣብዚ ሓገዝ ኣሎ — ናብ ሓኪም ስድራቤተን (GP) ይኺዳ፡ ሓገዝ ይድለያ፡ ሓገዝ እውን ይሕተታ።"
"ሓገዝ ክረክብ ከም ዝኽእል እንተ ዝፈልጥ ነይረ፡ ክሳዕ ዝጠንስ ኣይምተጸበኹን ነይረ... ምኽንያቱ ቅድሚኡ ብዙሕ ስቓይ እየ ኣሕሊፈ።"