ጅቡቲ፡ ግዝኣታ መበገሲ ስርሒታት ኣንጻር ሑቲ ክኸውን ከም ዘይተፍቅድ ኣፍሊጣ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

መንግስቲ ጅቡቲ፡ መሬቱ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ የመን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት መበገሲ ክኸውን ከም ዘይፈቅድ፡ ምኒስተር ፋይናንስ እታ ሃገር ኢልያስ ሙሳ ዳዋለ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ንምክያድ ንዘቕረቦ ጠለብ፡ መንግስቱ ዳግም ናይ ምምርማር ሓሳብ እንተ'ልይዎ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ መርገጽ ሃገሩ ከም ዘይተለወጠ ኣስሚሩሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ሕቶዚ ኣገዳሲ ኣይኰነን። ዝዀነ ይዅን [ብመሬትና ኣቢሉ] መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝደሊ ወይ ካባና ገለ ነገር ዝጠልብ ኣካል እንተ'ልዩ፡ ንሕና ነዚ ጠለብ'ዚ ንምእንጋድ ፍጹም ድሉዋት ኣይኰንናን፡" ብምባል፡ ጂቡቲ ኣብቲ ግጭት ብወተሃደራዊ መንገዲ ናይ ምእታው ድሌት ከም ዘይብላ ገሊጹ።

ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ጥራይ ተወሲኑ ክተርፍ ከም ዝግባእ ኣረዲኡ።

"ዝዀነ ይዅን ኣካል፡ ብፍላይ ድማ ጐረባብትና፡ ብወተሃደራዊ መንገዲ ናባና ገጾም ከቕንዑ ኣይንደልን ኢና፡" ይብል ዳዋለ።

ጅቡቲ፡ ብመንገዲ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ማዕዶ የመን እትርከብ ኰይና፡ ነቲ ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዘራኽብ ስትራተጅያዊ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ኣዝያ ቀረባ እያ።

ዳዋለ፡ ቅሉዕነትን ውሑስነትን እዚ መተሓላለፊ ባሕሪ ንፖሊሲ ሃገሩ መሰረታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ባብ ኣል-መንደብ ክፉት ክኸውን ኣለዎ፡" ዝብል ሓሳብ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩሉ።

ቀጺሉ፡ ጅቡቲ ርግእቲ ሃገር ብምዃና፡ እቲ ቅልውላው ንባሕሪ ሰጊሩ ናብኣ ክልሕም ከም ዘይትደልን እቶም ኣብ ኲናት የመን ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ብዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ከም እትጽውዕን ኣረዲኡ።

ሰብኣዊ ጸቕጥን ፍልሰት ስደተኛታትን

እቲ ምኒስተር፡ ሓድሽ ዝተወልዐ ውግእ የመን ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ጾር የኸትል ከም ዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ወሽመጥ ዓደን ሰጊሮም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዘለዉ ዜጋታት መብዛሕትኦም ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ኣንስትን ህጻናትን እዮም።

ጅቡቲ ብመጠነ-ስፍሓት ንእሽቶን ውሱን ዓቕሚ ዘለዋን እኳ እንተዀነት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ንስደተኛታት ማዕጾኣ ምኽፋት ዝለመደቶ ተግባር ምዃኑ ዝሓበረ ዳዋለ፡ "ፈጣርን ዓቕምናን ክሳብ ዝፈቐደልና፡ ልብናን ኣእዳውናን ወትሩ ክፉት እዩ፡" ኢሉ።

እዚ ሓድሽ ፍልሰት፡ ነቲ ድሮ ብሰንኪ ስደተኛታትን ናብ ሃገራት ዓረብ ንምስጋር ኣብ ጅቡቲ ዝዓርፉ ተጓዓዝትን ዝተፈጥረ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸቕጢ ዘጋድድ ምዃኑ እውን ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ህይወቶም ንምድሓን ዘገደዶም ብምዃኑ፡ ኵነታት ናይቶም ካብ የመን ዝመጽኡ ስደተኛታት ፍሉይ ትዅረት ከም ዘድልዮ ኣረዲኡ።

ብመዳይ ጅኦግራፊ፡ ጅቡቲ ብሰንኪ ኲናት የመን ብቐሊሉ ንዝወርድ ሳዕቤን ዝተቓልዐት ምዃና ዘረድአ ዳዋለ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ርሕቀት ብገምጋም ካብ 70 ክሳብ 80 ኪሎሜተር፡ ኣብ ገለ ገማግም ድማ ክሳብ 22 ኪሎሜተር ጥራይ ዝሓጸረ ምዃኑ ጠቒሱ።

በዚ ምኽንያት ድማ ንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ ናይ ባሕሪ ጕዕዞ ብትሕቲ ሓደ ሰዓት ክዛዝማኦ ስለ ዝኽእላ፡ እቶም ካብ ኲናት ዝሃድሙ ሰባት ብቐሊሉ ናብ ጅቡቲ ይበጽሑ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቍጠባዊ ሳዕቤን

እቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ግጭት ንቝጠባ ጅቡቲ እውን ብኸቢድ ይጸልዎ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ ምኒስተር፡ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዝነበረ ንግዲ ምንቍልቋሉን ኣብ መጓዓዝያ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ዕንቅፋታትን ንእቶት እታ ሃገር ከም ዘዳኸሞ ገሊጹ።

"ኣብ ንግዲ ዘጋጥም ዝዀነ ይዅን ጸገም፡ ኣብ እቶትና እዩ ዝጸሉ፡" ድማ ኢሉ።

ወሰኽ ክፍሊት መጓዓዝያ ንዋጋታት መሰረታውያን ኣቑሑ ክብ ብምባል ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ተወሳኺ ጾር ከየስዕብ ዘጠንቀቐ ዳዋለ፡ ነዚ ብኣብነት ንምርኣይ ድማ ክፍሊት ኮንተይነራት ኣልዒሉ።

ብመሰረት ሓበሬታኡ፡ ዋጋ ሓንቲ ኮንተይነር ኣቐዲሙ ካብ 200,000 ክሳብ 250,000 ፍራንክ ጅቡቲ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ካብ 1 ሚልዮን ክሳብ 1.4 ሚልዮን ፍራንክ ጅቡቲ ደዪቡ ኣሎ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ንኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታትን መዓልታዊ ምልውዋጥ ኣቑሑትን ዝምርኰሱ ዜጋታት ግዳይ እዚ ዝወሰኸ ወጻኢታት ይዀኑ ከም ዘለዉ ዝሓበረ እቲ ምኒስተር፡ መንግስቲ ነቲ ኵነታት ብቐረባ ብምክትታል፡ ንህዝቢ ካብዚ ቍጠባዊ ጸቕጢ ንምክልኻል ኣድላይ ስጕምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።

ጉዳያት ጸጥታን ዞባዊ መርገጽን

ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ፡ ሰላምን ምርግጋእን ጅቡቲ ምሕላው ምዃኑ ዘስመረሉ ዳዋለ፡ መንግስቲ እቲ ኣብ የመን ዘሎ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝኽእል ተገንዚቡ ብንቕሓት ይከታተል ከም ዘሎን እቲ ኲናት ናብ መሬት ሃገሩ ክልሕም ከም ዘይደልን ኣነጺሩ።

ጅቡቲ ነቶም ስደተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ድልውቲ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኣቐዲምና ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪብና ነይርና ኢና፡" ብምባል፡ ተወሳኺ ኣህጉራዊ ደገፍ ከይተገብረ እቶም ሰባት ብኸምኡ ክሕደጉ ከም ዘይግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ መደምደምታ፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ሃገራት ወሽመጥ፡ ነቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዘተ ሰላማዊ መዕለቢ ንምርካብ ክዓያ ጸዊዑ።

ጅቡቲ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ዞባውያን ሓይልታት መበገሲት ናይ ምግባር ሓሳብ ድማ ነጺግዎ።

እቲ ምኒስተር፡ ጅቡቲ ንሓርነትን ጸጥታን ወሽመጥ ባብ ኣል-መንደብ ምድጋፍ ከም እትቕጽል ብምግላጽ፡ እቶም ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ገዛእ ርእሶም ክገትኡን ብዘተ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩን ጻውዒት ኣቕሪቡ።