እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ሓድሽ ናይ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምኽፋት ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጣ
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ቍጠባዊ እገዳ ንምልዓል ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ "ሃናጺ ፖለቲካዊ ጽቡቕ ድሌት ዘንጸባርቕ፡" እዩ ክብል ንጋዜጣ 'ኣል-ሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ' ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ገሊጹ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ወፍርን ንግድን ዘተኰረ ሓድሽ ናይ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ምዕራፍ ንምኽፋት ባይታ ከጣጥሕ ከም ዝኽእል'ውን ኣመልኪቱ።
ኣቶ የማነ ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ንሓሙሽተ ዓመታት ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፡ "ካብ መበገሲኡ ብዝዀነ መዐቀኒ ቅቡል ዘይነበረን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ከቢድ ቍጠባዊ ጕድኣት ዘስዓበን እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ምልዓል እዚ እገዳ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ስጕምቲ "ንወፍርን ዝሰፍሐ ርክባትን ዕንቅፋት ኰይኑ ንዝጸንሐ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ብምእላይ፡ ዝጠፍኡ ዕድላት መሊስካ ብቕልጡፍ ንቕድሚት ናይ ምስጓም፡" ተስፋ ከም ዘለዓዕል ኣረዲኡ።
እዚ መግለጺ ኣቶ የማነ ዝወጽእ ዘሎ፡ ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ብቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር ንብረት ወጻኢ ኣቢሉ፡ ብመሰረት ውሳነ ፈጻሚ ቍጽሪ 14046 ተኣዊጁ ዝነበረ ሃገራዊ ህጹጽ ኣዋጅ ግዜኡ ምብቅዑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝነበረ ቍጠባዊ እገዳ ብምሉእ ከም ዘልዓሎ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን እዩ።
እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ኮርፖረሽን ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ፡ ትካል ሕድሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወትን ተነቢሩ ዝጸንሐ ናይ ንብረት ምእጋድን ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ምኽልካልን ቀይድታት ዘብቅዐ እዩ ነይሩ።
ኣቶ የማነ ምስ ኣመሪካ ዝካየድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ስጕሚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ቡሎስ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ምስ ምኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተራኺቦም ከም ዝተመያየጡ ገሊጹ።
እዚ ርክብ'ዚ፡ "ኣብ ወፍርን ንግድን ዘተኰረ ሰፊሕ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ንምምስራት ባይታ ዘንጽፍ ናይ መጀመርታ ዘተ፡" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ምልዓል እቲ እገዳ ነዚ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከቀላጥፎ ተስፋ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።
ኤርትራ ኣብ ኵሉ ዓውድታት ዘለዋ ዓቕሚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዝውዕሉ መዳያት ንወፍሪ ክፍትቲ ምዃና ኣስሚርሉ።
ዋሽንግተን ነዚ እገዳ ዘልዓለትሉ ኵነታት፡ ምስቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝረአ ዘሎ ስትራተጅያዊ ምቅይያራት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ተንተንቲ ይሕብሩ።
ምኒስተር የማነ ምስ ግብጺ ዘሎ ርክብ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብቕልጡፍ ደረጃ ከም ዝማዕበለ ብምጥቃስ፡ ክልተአን ሃገራት ኣብ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ማያዊ መተሓላለፊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ብምዃነን፡ "ካብ ጭርሖታት ሓሊፈን ንዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ዘረጋግጹ ሓባራዊ ናይ ዕማም ኣሰራርሓታት ኣተግቢረን ኣለዋ፡" ኢሉ።
ኤርትራ ኣብ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን ቀይሕ ባሕርን ዘለዋ ልዕሊ 1,200 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ጸጥታ ንግዲ ባሕሪ ንምሕላው ወሳኒ ግደ ከም ዘለዎ ዝፍለጥ እዩ።
ምኒስተር የማነ ብዛዕባ ኣህጕራዊ ሽርክነት ሃገሩ ክገልጽ ከሎ፡ ዝምድናታት ኤርትራ፡ "ካብ ጽግዕተኛነትን ዘይሚዛናዊ ረብሓታትን ዝረሓቐ፡" ኰይኑ፡ ወትሩ ኣብ ማዕረ ተጠቃምነትን ዘላቒ ሓባራዊ ረብሓን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
እዚ ብ2021 ኣብ እዋን ውግእ ትግራይ ብምምሕዳር ባይደን ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅስን ሰላምን ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ እናገደደ ኣብ ዝመጸሉ ህሞት እዩ ተላዒሉ።
ምኒስተር የማነ ኣብ መዛዘሚ ቃለመሕትቱ፡ ኤርትራ "ተነጺላ እያ" ተባሂሉ ዝወሃብ መግለጺ፡ "ነቐፍቲ ዘናፈስዎ ናይ ሓሶትን ተንኰልን ትረኻ፡" እዩ ክብል ነጺግዎ።
እዚ ኣበሃህላ`ዚ ምስቲ ስትራተጅያዊ ጅኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን ቍጠባዊ ዓቕማን ፈጺሙ ከም ዘይቃዶ ብምሕባር፡ "ኣስመራ በዚ ሓደሽቲ ዲፕሎማስያዊ ዕድላት ተጠቒማ መሰረታዊ ሃገራዊ ረብሓታታ ንምዕባይ ብጽንዓት ክትሰርሕ እያ፡" ኢሉ።