ኢትዮጵያ፡ ፈተና ዛዚሞም ዝምለሱ ዝነበሩ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ግዳይ መጥቃዕቲ ተዅሲ ኰይኖም

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ቢቡኝ፡ ፈተና ዛዚሞም ብመኪና ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዝነበሩ ተመሃሮ 12 ክፍሊ ብዘጋጠሞም ናይ ተዅሲ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ተመሃሮ ምቝሳሎም ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ መጥቃዕቲ ሓሙስ 9 ሓምለ 2016 (ግእዝ) ምሸት ሰዓት 12፡30 ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን፡ ኣብ ቢቡኝ ወረዳ ፍሉይ ስሙ "ግርገራድ" ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ምፍጻሙ ተሓቢሩ። እቶም ተመሃሮ ካብ ደብረ ማርቆስ ናብ ድጎ ጽዮን ከተማ ብመኪና ይምለሱ ከም ዝነበሩ ተገሊጹ።

ሰበስልጣን እቲ ወረዳ ከም ዝሓበርዎ፡ ካብቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ተመሃሮ እቶም ክልተ ከቢድ መውጋእቲ ክወርዶም ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ቀሊል ማህሰይቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።

ኵሎም ዝቘሰሉ ተመሃሮ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ሆስፒታል ቢቡኝ ሕክምናዊ ረድኤት ይረኽቡ ምህላዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ሓላፊ እቲ ወረዳ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዕጡቓት እዩ ዝርከብ።

እቶም ዕጡቓት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብቲ ዞባን ወረዳን ብብዝሒ ክንቀሳቀሱ ከም ዝጸንሑ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ "እቲ ምስ መደበኛ ሰራዊት ምክልኻል ምግጣም ዝሰኣነ ጽንፈኛ ጕጅለ፡ ርእሱ ኣወዲቡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተረከብቲ ሃገር ዝዀኑ ተመሃሮ ተዅሲ ብምኽፋት ጉድኣት ኣብጺሑ፡" ኢሎም።

ብዘይካ እቶም ተመሃሮ፡ ኣብታ ተመሃሮ ጽዒና ዝነበረት "ኣይሱዙ" ተባሂላ እትጽዋዕ መኪና እውን ዕንወት ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ። እታ መጥቃዕቲ ዝበጽሓ መኪና፡ 44 ተመሃሮ ጽዒና ካብ ደብረ ማርቆስ ተበጊሶም ብሸውዓተ ኣውቶቡሳት ዝጓዓዙ ዝነበሩ ተመሃሮ ስዒባ ኣብ መወዳእታ ትጓዓዝ ዝነበረት እያ።

ከም መግለጺ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ኣብ ቢቡኝ ወረዳ ካብ ዝርከባ 19 ቀበሌታት እተን 13 ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር እቶም ዕጡቓት እየን። ብሰንኪ እዚ ዝተኸሰተ ናይ ጸጥታ ስግኣት ድማ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝርከባ 43 ኣብያተ-ትምህርቲ እተን ሸሞንተ ጥራይ እየን ስሩዕ ትምህርቲ ክህባ ጸኒሐን።

እቶም ተመሃሮ ንፈተና ናብ ደብረ ማርቆስ ክኸዱ ከለዉ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተሰንዮም ከም ዝነበሩ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ክምለሱ ከለዉ ግን እኹል ናይ ጸጥታ ሓለዋ ከም ዘይነበሮም ኣረዲኡ። መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብቲ ቦታ ከም ዝበጽሑን እቶም ዕጡቓት ድማ ከም ዝሃደሙን ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ምያዝያ 2015 ጀሚሩ ዝተወልዐ ግጭት፡ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ ንመሰናኽል ይዳርግ ኣሎ።

ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ዕንወት ንብረትን ይፍጸም ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የሎን።