እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጠንቂ መቕፃዕቲ ጋንታ ኣርጀንቲና ክኸውን ዝኽእል ባነር ደሴታት
ኣርጀንቲናውያን ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ዋንጫ ዓለም 2026፡ ንኢንግሊዝ ድሕሪ ምስዓሮም፡ 'ደሴታት ፎልክላንድ ናትና እዮም' ዝብል ባነር ሒዞም ብምፅንባሎም፡ ብፊፋ ብግድፈት ስነምግባር ክቕፅዑ ይኽእሉ እዮም።
ኣብቲ ኣብ ኣትላንታ ዝተኻየደ ግጥም፡ እታ ናይ ሕዚ ሻምፒዮን ኰይና ዘላ ኣርጀንቲና ኣብ ምዝዛም እቲ ፀወታ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ትፅቢት ዘይተገበሮ ብቕዓት ብምርኣይ፡ ነታ ብቶማስ ቱሄል ትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ኢንግሊዝ 2 ን 1 ብምስዓራ፡ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ዝካየድ ናይ ፍፃመ ፀወታ ምስ ስፔን ክትገጥም እያ።
ዳኛ እቲ ፀወታ ከም ዝተዛዘመ ናይ መወዳእታ ፊሽካ ኣብ ዝነፍሐሉ፡ ኣርጀንቲናውያን 'ላስ ማልቪናስ ሶን ኣርጀንቲናስ'- 'ደሴታት ፎልክላንድ ናይ ኣርጀንቲና'ዮም' ዝብል ባነር ብምሓዝ ንዓወቶም ፀንቢለሞ።
እቶም ኣብ ደቡብ ምዕራብ ውቅያኖስ ኣትላንቲክ ዝርከቡን ብዓባይ ብሪጣኒያ ዝመሓደሩን ደሴታት ፎልክላንድ፡ ሕዚ'ውን ብሪጣንያን ኣርጀንቲናን ብሉኣላውነት ዝካትዓሎም ኰይኖም ቀፂሎም ኣለዉ።
ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እዚ ካብ ኣርጀንቲና 300 ማይልስ ርሒቑ ዝርከብ እኩብ ደሴታት ናትና'ዩ ብዝብል፡ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሰነ 1982 ዓ.ም ተዋጊአን እየን።
እቲ ን74 መዓልታት ዝተኻየደ ኵናት ፎልክላንድ፡ ጠንቂ ሞት 655 ኣርጀንቲናውያንን 255 ኣባላት ሰራዊት ብሪጣንያን ኰይኑ። ኣብተን ደሴታት ዝነብሩ ሰለስተ ሲቪላት'ውን ሞይቶም።
ኣብ 2014 ዓ.ም፡ ኣርጀንቲና ምስ ስሎቬንያ ኣብ ዘካይድኦ ምሕዝነታዊ ፀወታ፡ ተፃወትቲ ኣቐዲሞም ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዝሓዘ ባነር (ጭርሖ) ብምርኣዮም፡ ፊፋ ንማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና 20 ሽሕ ፓውንድ ምቕፅዑ ይዝከር።
ኣመሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ ዓለም- ፊፋ፡ እዚ ተግባር ምስ ፖለቲካዊ ንጥፈታትን ናይ ጋንታ ጉድለት ስነምግባርን ንዝዛመዱ ሕግታት ዝጠሓሰ ከም ዝኾነ ገሊፁ።
ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ረቡዕ ዓወት፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ቪክቶርያ ቪላሩኤል ኣብ ኤክስ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ ንወተሃደራት ኣርጀንቲና ዘርእይ ብዝመስል ቪድዮ ኣሰንያ፡ "እዚ ተራ ፀወታ ኣይኰነን ነይሩ" ኢላ።
ቪክቶርያ ቪላሩኤል፡ "ፎልክላንድ ናይ ኣርጀንቲና እዩ። ናብ ስታዲዮም ሒዝናዮም ከይንኣቱ ከልኪሎምና፤ ዝረስዕዎ ግና ኣብ ደምናን ልብናን ከም ዝሓዝናዮም'ዩ" ኢላ።
እታ ምክትል ፕረዚደንት ቅድሚ እቲ ፀወታ'ውን፡ እቲ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ "ንወረርቲ ኣብ ቦትኦም (ልክዖም) ምቕማጥ'ዩ" ብምባል ተዛሪባ ነይራ።
ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና'ውን፡ ኣብ መበል 16 ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንግብፂ ብዘደንቕ ውፅኢት 3 ን 2 ብምስዓር ድሕሪ ምዕዋቶም፡ ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ደሴታት ፎልክላንድን እቶም ብሉፃት ተፃወትቲ ዲያጎ ማራዶናን ሊዮኔል ሜሲን ዝዝክሩ ጭርሖታት ብሓባር ዘሚሮም እዮም።
እንተኾነ፡ ቅድሚ እቲ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ኣሰልጣኒ ሊዮኔል ስካሎኒ፡ " ኩዕሶ እግሪን ፖለቲካን ከም ዘይሓናፍፅ" ተዛሪቡ ነይሩ።
ሊዮኔል ስካሎኒ፡ "እቲ ሓቂ፡ እዚ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ንነገራት ክሓዋውስ ኣይኽእልን። ብፍላይ ድማ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብዘጋጠመ ነገር ንዝተጎድኡ ወገናት ብዘለኒ ኣኽብሮት ኣንፃር" ኢሉ ነይሩ።
"ኣብ ታሪኽና እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን እዋን'ዩ ነይሩ፣ እቲ ሓቂ ግና ሕዚ ብዙሕ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን።"
"ኣብ ካልኦት ሃገራትን ክፍለ ዓለማትን ከበድቲ ነገራትን ኵናትን የጋጥሙ ኣለዉ፤ ንሕና ድማ ንኵናት ንኹንን ኢና። በርግፅ ነቶም ብኵናት(ፎልክላንድ) ዝተጐድኡ ወገናት ንዝክሮም ኢና። እንተኾነ እዚ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ እዩ- ክልቲኡ ክንሓናፍፅ ኣይግበአናን" ኢሉ።
እቲ ኢንግሊዝ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ብኤንዞ ፈርናንዴዝን ላውታሮ ማርቲኔዝን ብዝተመዝገባ ክልተ ሸቶታት ዝተሰዓረትሉ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ወጥሪ፡ ኣብ ትሕቲ ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታ'ዩ ተኻይዱ።