ኢትዮጵያ፡ ክልተ መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኢህኣፓን ጠበቓ ኣቶ ታየ ደንደኣን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, EZEMA/ABERA NIGUS
መራሕቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኢህኣፓ ኣበበ ኣካሉን ይስሃቅ ወልዳይን ከምኡ'ውን ጠበቓ ሚኒስተር ዲኤታ ሰላም ነበር ታየ ደንደኣ፡ ኣበራ ንጉስን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እዞም ክልተ ፖለቲከኛታትን እቲ ፍሉጥ ጠበቓን ካብ ንጐሆ ሰኑይ 27 ሓምለ 2018 [ግ] ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ሰዓታት ብ"ፖሊስ ፈዴራል" ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት ስድራቤት፡ ጠበቓን ፕረዚደንት ሰልፊ ኢህኣፓን ሓቢሮም።
ቀዲሙ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኣበራ ንጉስ፡ ጠበቓ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ተቓወምቲ ውድባት ኮይኑ ብምስራሕ እዩ ብስፍሓት ዝፍለጥ።
ኣብ እዋን ብሙሉ ነጋ [ዶ/ር] ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ክልል ኰይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ኣቶ ኣበራ፡ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ንፈለማ ግዜ ኣይኰነን።
ኣብ 2016 ዓ. ም ድማ "ኲናት ይኣክል" ብዝብል መደብ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብዝነበሮ ተሳትፎ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ኣባል ስድራቤት፡ ትማሊ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 1፡30 [ብኣቈፃፅራ ኢትዮጵያ] ኣባላት "ፌደራል ፖሊስ" ናብ እንዳ ጠበቓ ኣበራ መፂኦም ከምዝወሰዱዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣበራ፡ ኣብቲ እዋን ናብ ስራሕ ክወፍር ይሸባሸብ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ "ሃንደበት ምስ መፅኡ ሰንቢዱ" ኢሉ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ፌደራል፡ ኣበራ "ንሕቶ ይድለ" ከምዘሎ'ውን ኣዘኻኺሮሞ።
ብመሰረት እቲ ምንጪ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
ንሱ ወሲኹ፡ ኣቦ ክልተ ቆልዑ ዝኾነ ኣበራ፡ ትኽክለኛ ዝርከበሉ ሃለዋት፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ሓቢሩ።
ሎሚ ሰሉስ ግን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ገዝኡ ንተፍትሽ መፂኡ ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ንማእሰርቲ ጠበቓ ኣበራ ንጉስ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ዘቃልሑ ቀዳሞት ሰባት ሓደ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰልፊ ኢህኣፓ፡ ይስሃቅ ወልዳይ እዩ።
ይስሃቅ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ሓፈሻዊ መረጻ ነዚ ሃገራዊ ሰልፊ ወኪሉ ሕጹይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ከይዲ ንርእሱ ከምዘግለለ ይግለፅ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ንማእሰርቲ ተቓሊዑ ምንባሩ ይንገር።
ዓርኪ ጠበቓ ኣበራ ዝኾነ ኢሳቕ፡ ሰዓት 8፡30 ናይ ቀትሪ [ብኣቆፃፅራ እቲ ከባቢ]፡ ካብ ገዝኡ በፖሊስ ፌዴራል ተታሒዙ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ፕረዚደንት ሰልፊ ኢህኣፓ፡ ኣቶ ኣብርሃም ሃይማኖት በላይ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሕደ ምንጪ ብወገኑ፡ ይስሃቅ ካብ መኪና ወሪዱ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ፈደራል መርመራ ገበን ክኣቱ ከምዝረኣዮ ኣረዲኡ።
ንማእሰርቲ እዞም ፖለቲከኛታት ኣመልኪቱ ቢቢሲ ንፕረዚደንት ኢህአፓ ኣቶ ኣብርሃም ሃይማኖት ተወኪስዎ ነይሩ።
ኣብዚ ሰዓት'ዚ ዝርከብሉ ሃለዋትን፡ እቲ ሒዙዎም ዝብሃል ዘሎ ኣካል ኣመልኪትና ንዘቕረብናሉ ሕቶ ድማ "ክሳብ ሕዚ ብዘለና ሓበሬታ፡ ፖሊስ ፈደራል ከምዝሓዞም ኢና ሰሚዕና። ን ኣብነት ኣበራ ንጉስ መርሚሮም ሎሚ ንግሆ ንፈተሻ ናብ ገዙኡ ወሲዶሞ ነይሮም። ስለዚ ሰለስቲኦም ፈደራል ፖሊስ ኣብ መክሲኮ ዝርከብ ገበን መረመራ ሕዝዎም ከምዘሎ እዪ፡ ካብዚ ግና ናይ ሓደ ኢና ኣረጋጊጽና" ክብል መልሲ ሂቡ።
እቲ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ከምዘምልክቶ፡ ኣበራ ንጉስን ይስሃቅ ወልዳይን ካብ መንበሪ ቤቶም እዮም ወሲደሞም። ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ግን ካብ ገዙኡ ኣይኮኑን ሒዞሞ። ስድራቤቱ ኣብ ከቢድ ጭንቀት እዮም ነይሮም።
መእሰሪ ምኽንያቶም ብዝምልከት ዛጊድ ዝተገልፀ ነገር ከምዘየለ ዝዛረብ ፕረዚደነት እቲ ሰልፊ፡ "ፖለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ግን ይርዳኣና እዩ። እዞም ሰባት ሰለማውያን ተቃለስቲ እዮም፡ ኣብዚ ስለማዊ ቃልሲ ኮይኖም ሓሳቦም ብናጽነት ምግላጾም ዘምጻኣሎም መዘም ክከውን ይኽእል ኢልና ኢና ንኣምን" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር፡ ብዙሓት ዝእሰርሉ ዘለዉ ምኽንያት፡ ሓሳብቶም ብናጽነት ብምግላፆም ምዃኑ ድማ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ኣበበ፡ ዝርከበሉ ኩነታት ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ኣባለት ስድርኡ ከምዘይተራኸበ ይዛረብ።
ጠበቓ ኣበራ'ውን፡ ምስ ስድርኡ ከምዘይተራኸበ፡ ሓደ ምንጪ ሓቢሩ።
እቶም ክልተ ፖለቲከኛታትን እቲ ጠበቓን ክሳብ ሕጂ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ እቲ ምንጪ ወሲኹ ሓቢሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም ሰለስተ ውልቀሰባት ካብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ሓላፊ ክፍሊ ሚድያን ኮምዩኒኬሽንን ፖሊስ ፌደራል ኣይተ ጀይላን ኣብዲ፡ ኣብዚ እዋን ርእይቶ ክህቡ ከምዘይክእል ገሊፁ።

![ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ [የማነይ] ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ዓረብን ኣፍሪቃን ማሳድ ብሎስ [ጸጋማይ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/990d/live/06c4c2b0-908e-11f1-a253-e98660850eb3.jpg.webp)








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
