መጻብቦ ሆርሙዝን ቀይሕ ባሕርን፡ መጓዓዝያ ነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝኸፍአ ስግኣት ወዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከብ ካልእ ኣገዳሲ መስመር ባሕሪ ተኸታታሊ መጥቃዕቲታት ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ መጓዓዝያ ነዳዲ ዘንጸላሉ ዘሎ ስግኣት ካብ ምጅማር ውግእ ኢራን ንደሓር ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ክኢላታት ይሕብሩ።
እዚ መጠንቀቕታ ዝወጽእ ዘሎ፡ ኢራን ንመስመር መጻብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ገለ መጓዓዝያ ነዳዲ ከም ኣማራጺ ይጥቀምሉ ኣብ ዝነበሩ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ድሕሪ ምስዓቡ እዩ።
ኢራን፡ ምስ ኣመሪካ ብዛዕባ ዳግም ምኽፋት እቲ መጻብቦ ትዘራረብ ከም ዘላ ዶናልድ ትራምፕ ንዝተዛረቦ ዝነጸገት ኰይና፡ ንድሕነት እቲ መስመር ባሕሪ ብዝምልከት ግና ምስ ዖማን ትዛተ ከም ዘላ ገሊጻ።
ሓደ ካብ ክኢላታት ትካል ምክትታል ምንቅስቓስ መራኽብ 'ክፕለር' ዝዀነ ማቲው ራይት፡ "ነዳዲ ንምምልላስ ብዘለዎ ስግኣት ክርአ ከሎ፡ እዚ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብቲ ዝኸፍአ እዋን ኢና ዘለና፡" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ክፕለር፡ ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 100 መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ይሓልፋ ነይረን፤ ዝሓለፈ ሰንበት ግና ሸሞንተ፡ ቀዳም ድማ 11 ጥራይ መራኽብ እየን ሓሊፈን።
ቅድሚ እቲ ግጭት፡ 20 ሚእታዊት ናይቲ ኣብ ዓለም ዝንቀሳቐስ ነዳድን ጋዝን በዚ መጻብቦ እዩ ዝሓልፍ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ሰነ ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ሰላም፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ክውስኽ ገይሩ ነይሩ፤ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ግና ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ግጭት ዳግም ብምጅማሩ እቲ ዋሕዚ መራኽብ ኣዝዩ ክጐድል ደሪኹ።
ብዙሓት መራኽብ ካብ ራዳር ንምስዋር፡ እቲ መለለዪ መሳርሒታተን ብምዕጻው፡ ብምስጢር እየን ነቲ መጻብቦ ዝሰግራ ዘለዋ።
ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ውግእ፡ ገለ ካብ ስዑዲ ዓረብ ነዳዲ ዝጽዕና መራኽብ፡ ኣብ መንጎ እታ ንግስነትን ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዝርከብ ኣማራጺ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ይጥቀማ ነይረን።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ የመን ዝመደብሮም ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እተን ነዚ መስመር ዝጥቀማ መጓዓዝያ ነዳዲ ስዑዲ ዝፈጸምዎ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ስግኣት መሊሱ ኣጋዲድዎ ይርከብ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብ 20 ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ወደባት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ "ከበባ" ከም ዝገበሩ ዝግለጹ ኰይኖም፡ ትካል ንግዳዊ ምንቅስቓስ ባሕሪ ዓዲ እንግሊዝ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ጸብጺቡ።
ራይት ወሲኹ፡ "ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዘሎ ኵነታት ንዋሕዚ ነዳዲ ይዓናቕፎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ንዕዳጋ ንምርግጋእ ዓቢ ተራ ዝጻወት ዝነበረ ኣማራጺ መንገዲ እውን ኣብ ትሕቲ ስግኣት ወዲቑ ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ርእሲ ሽግር ካልእ ሽግር እዩ ዝፈጥር ዘሎ፡" ክብል ገሊጹ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ 'ኢንተርታንኮ' ቲም ዊልኪንስ ብወገኑ፡ "እናገፍሐን እናገደደን ዝኸይድ ዘሎ ዝተሓላለኸ ናይ ጸጥታ ጸገም የጋጥሞ ኣሎ፡" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ፡ "እቲ ልዑል ስግኣት ዘለዎ ከባቢ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብን ገለ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ሰፊሑ ይርከብ፤ እዚ ድማ ኣብ ዕዳጋን ናጽነት ምንቅስቓስ ባሕርን ጽልዋ የሕድር ኣሎ፡" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ 'ክፕለር'፡ ቀዳም ብባብ ኤል-መንደብ ካብ ዝሓለፋ 28 መራኽብ፡ እተን ሽዱሽተ ንኸይተሓዛ መለለዪ መሳርሒታተን ኣጥፊአን ክጓዓዛ ተገዲደን።
ስግኣት ሑቲ ንመራኽብ ስዑዲ ጥራይ ዝዓለመ ብምዃኑ፡ ኵለን መራኽብ ካብቲ መስመር ኣይተዓገታን፤ ስለዚ ድማ ጠቕላላ ብዝሒ ምንቅስቓስ መራኽብ ምስቲ ቅድሚ መጥቃዕቲ ዝነበረ ክወዳደር ከሎ ኣብ 50 ሚእታዊት ይርከብ።
ይዅን'ምበር፡ ናብ እስያ ነዳዲ ብምልኣት ዝጽዕና መራኽብ ቍጽረን ኣብ መዓልቲ ናብ ኣርባዕተ ወሪዱ ኣሎ፤ እዚ ድማ ካብ መጀመርታ እቲ ውግእ እቲ ዝተሓተ ቍጽሪ እዩ።
ወሃቢ-ቓል ዓለማዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ 'ሃፓግ-ሎይድ'፡ ገለ ካብ መራኽቦም ገና ብቐይሕ ባሕሪ ይሓልፋ ከም ዘለዋ፡ ይዅን'ምበር ነቲ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
"መጻብቦ ሆርሙዝ እንተ ተኸፊቱ፡ መብዛሕትአን መራኽብ ካብቲ ዞባ ብቕልጡፍ ክወጻ ይኽእላ እየን፤ ንቡር ምንቅስቓ ንግዲ ንምክያድ ግና ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ። ኣገልግሎታት ተቋሪጹ መራኽብ ድማ ናብ ካልእ ተዋፊረን ስለ ዘለዋ፡ ናብ ንቡር ንምምላስ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
ምስ ዖማን ዘተ ይካየድ እኳ እንተ ሃለወ፡ ኢራን ግና እቲ መጻብቦ ንንቡር ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ ዝኽፈተሉ ስምምዕ ከም ዘየሎ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ወሃቢ-ቓል ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን እስማዒል ባቓኢ፡ "ትምክሕቲ" ኣመሪካ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ዝዀነ ስምምዕ ነቲ ዘሎ ገደብ ከም ዘየልዕሎ ገሊጹ።
ካብ ትካል 'ክፕለር' ዝዀነ ራይት፡ ምስ ዖማን ዝግበር ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ዝዀነ ስምምዕ ግን ኢድ ኣመሪካ ክህልዎ ከም ዝግባእ ገሊጹ።
ብዘይ ናይ ክልተኦም ወገናት ስምምዕ እቲ ዘተ "ናይ ሓሶት መጀመርታ" ጥራይ ከይከውን ስግኣቱ ገሊጹ።
ይዅን'ምበር፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ከካይዶ ዝሓሰቦ መጥቃዕቲ ብምስራዝ ዘተ ከም ዝቕድም ድሕሪ ምግላጹ፡ ዋጋ ነዳዲ ብዝለዓለ መጠን ወሪዱ ኣሎ።
ዋጋ ሓደ በርሚል ጥረ ነዳዲ 'ብሬንት' ብ4.4 ሚእታዊት ብምጕዳል 84.05 ዶላር ኰይኑ ኣሎ።
ካብ ትካል ምክትታል መራኽብ 'ክሰኔታ' ዝዀነ ፒተር ሳንድ፡ እቲ ውግእ ነቲ መጓዓዝያ ባሕሪ "ናብ መንቀሊኡ" ከም ዝመለሶን ኵነታት ኣብ "ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ" ከም ዘሎን ገሊጹ።
"ኣማራጺታት መጓዓዝያ ነዳዲ ኰነ ካልእ ኣቑሑት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም... ገና ንጹር ፍታሕ ዘይረኣየሉ ዘተሓሳስብ እዋን እዩ ዘሎ፡" ክብል ሓቢሩ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
