ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ መብጣሕቲ ዝተገበረሉ 'ተኣምረኛ' ናጽላ

 መይሲ ምስቲ እቲ ኣብ ማህጸና እንከሎ መጥባሕቲ ዝተኻደሉ ትዮ ድሕሪ ሕርሳ ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Maisie Savage

መግለጺ ስእሊ, መይሲ ምስቲ እቲ ኣብ ማህጸና እንከሎ መብጣሕቲ ዝተኻደሉ ትዮ ድሕሪ ሕርሳ ዝተወሰደ ስእሊ
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ሓካይም ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ገና ዘይተወለደን ጸገም ኣፈጣጥራ ዝነበሮን ናጽላ፡ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ መብጣሕቲ ብምክያድ ታሪኽ ኣመዝጊቦም።

ኣደ እቲ ናጽላ ነባሪት ለንደን ኰይና መይሲ ሳቬጅ ትበሃል። ጥንሳ ገና 26 ሰሙን ኣብ ዝገበረሉ እዋን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸና ዝነበረ ናጽላ ኣብ ኣመሪካ መብጣሕቲ ተኻይድሉ።

እዚ ትዮ ዝተሰመየ ህጻን ሕጂ ወዲ ሓሙሽተ ወርሒ ኰይኑ፡ ኣብ ጽቡቕ ጥዕና ይርከብ።

እቲ ናጽላ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ ከብዱ ማዕረ ካልእ ኣካላቱ ይዓቢ ስለ ዘይነበረ፡ መዓናጥኡ ኵሉ ካብ ኣካላቱ ወጻኢ እዩ ዝዓቢ ነይሩ።

ሓካይም፡ እቲ ናጽላ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ ንኸብዲ ኣዲኡ ብምኽፋት፡ ንኸብዱ ቀዲዶም ነቲ ኣብ ደገ ዝዓቢ ዝነበረ መዓናጥኡ ናብ ውሽጢ ከብዱ ኣእትዮምዎ።

ትዮ፡ ኣብ ታሪኽ እቲ ሳልሳይ ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከሎ መብጣሕቲ ዝተገበረሉ ናጽላ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገበረ መብጣሕቲ ግን ብፍሉይነቱ ናይ መጀመርታ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ጓል 29 ዓመት መይሲ ሳቬጅን ወዲ 36 ዓመት ኣቦ ትዮ ጆሽ ፈረንችን ክልቲኦም መምህራን እዮም። እቲ ገና ብዓይኖም ዘይረኣይዎ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ውላዶም ዕዉት መብጣሕቲ ምስ ተገበረሉ ሓጐሶም ክቈጻጸርዎ ኣይከኣሉን።

መይሲ ሳቬጅ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕተት፡ "ተኣምረኛ ዝዀነ ህጻን እዩ፤ ሓቐይ እንዶ?" ብምባል ገሊጻቶ።

ወለዲ ትዮ፡ ውላዶም እዚ መብጣሕቲ እዚ ኣብ ግዜኡ እንተ ዘይግበረሉ ነይሩ፡ እቲ ታሪኽ ካልእ ክኸውን ከም ዝኽእል ክልቲኦም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ሕማም ብስነፍልጠታዊ ኣጸዋውዓ ጋስትሮስኪሲስ ይበሃል። ብደረጃ ዓለም ምስ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዝውለዱ ዕሸላት ቍጽሮም ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ ኰይኑ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ዓመታዊ ሓደ ካብ 3,000 ዕሸላት ምስ ከምዚ ዓይነት ጸገም ይውለዱ።

ብመሰረት ኣብ 2025 ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ደቡብ ኣመሪካ እታ ዝበዝሐ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ዝርኣየላ ኣህጉር እያ።

ከምዚ ዓይነት ጸገማት ምስ ዘለዎም ዝውለዱ ህጻናት፡ ምስ ተወለዱ ንሓያለ ሰሙናት ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ክጸንሑን ብትቦታት ክምገቡን ይግደዱ። ነብሶም ድልድል ምስ በለ ከኣ፡ ብመብጣሕቲ እቲ መዓናጥኦም ናብ ውሽጢ ከብዶም ከም ዝኣቱ ይግበር።

ልክዕ ከምዚ ናይ ትዮ ጸገማት ዘለዎም ህጻናት፡ ክሳብ ደቂ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝዀኑ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ክጸንሑ፡ ተደጋጋሚ መብጣሕቲ ክግበረሎም፡ ክሳብ ደቂ ክልተ ዓመት ዝዀኑ ብትቦ ክምገቡን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ክሳብ መዓናጥኦም ብናይ ካልእ ሰብ ዝትካእ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም።

ትዮ እቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ናይ መጀመርታ መጥባሕቲ ናይ ካስትሮስኪሲስ ዝተኻየደሉ እንግሊዛዊ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Texas Children’s Hospital

መግለጺ ስእሊ, ትዮ እቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ናይ መጀመርታ መብጣሕቲ ናይ ካስትሮስኪሲስ ዝተኻየደሉ እንግሊዛዊ'ዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዋላ ኣብተን ኣዝዩ ምዕቡል ዝበሃል ስርዓተ ጥዕና ዘለወን ሃገራት እውን፡ ከምዚ ናይ ትዮ ዓይነት ጸገም ዘለዎም ህጻናት ካብ ዓሰርተ እቲ ሓደ ይመውት እዩ።

ወለዲ ትዮ ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ተጠኒሱ ዝነበረ ውላዶም ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን።

ወላዲ ትዮ ጆሽ፡ "እቲ ጥንሲ ናብ መበል 20 ሰሙን ምስ ተጸጋገዐ፡ ስካን ብምግባር ምስሊ ውላድና ክንርኢ ተሃንጢና ኢና ነይርና፤ ኣብቲ እዋን ወዲ ድዩ ጓል እውን ንፈልጥ ኣይነበርናን" ይብል። ጆሽ ኣስዒቡ፡ እቲ ናጽላ ሕማም ጋስትሮስኪሲስ ከም ዘለዎ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ከም ዝሰንበዱ ይዝክር።

እቲ ጥንሲ 24 ሰሙን ምስ ኣቈጸረ ከኣ፡ ኣብ ለንደን ዝርከቡ ላዕለዎት ሓካይም፡ እቲ ናጽላ ምስ ተወለደ እተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ እንታይ ክመስላ ምዃነን ንኽልቲኦም ወለዲ ጽቡቕ ገይሮም ኣረዲኦሞም።

ኵነታት ናይቲ ናጽላ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለ ዝነበረ ግን፡ እቶም ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሓካይም ናብቲ ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ግዝኣት ቴክሳስ ዝርከብ ሆስፒታል ክኸዱ ምዒዶሞም።

ናብ ሂዩስተን (ቴክሳስ) ምስ ከዱ ከኣ ብዶክተር ሚካኤል ቤልፎርት ዝምራሕ ጕጅለ ሓካይም፡ ኣብ ታሪኽ ሕክምና ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ነቲ ኣብ ደገ ዝዓቢ ዝነበረ መዓናጥኡ ናብ ከብዱ ንምምላስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናጽላ መብጣሕቲ ንምክያድ ድልውነቶም ኣረጋገጹ።

እቶም ወለዲ እውን ነቲ ዝቐረበሎም ሓሳብ ተቐቢሎሞ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዶክተር ሚካኤል ቤልፎርት ዝመርሖ ጕጅለ ሓካይም፡ ሓደ ገለ ክፋል ኣዕጽምቲ ዓንዲ ሕቖኡ ኣብ ልዕሊ ቈርበቱ ዝዓቢ ዝነበረ ናጽላ፡ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣዲኡ እንከሎ ዕዉት መብጣሕቲ ኣካይዶምሉ ነይሮም እዮም። እዚ ከምዚ ዓይነት ጸገም ድማ ብስነፍልጠታዊ ኣጸዋውዓ 'ስፓይና ቢፊዳ' ይበሃል።

መይሲ ኣብ ለንደን እንከላ፡ ናብ ቴክሳስ ቀልጢፋ ክትከይድን ክሳብ ትሓርስ ኣብኡ ክትጸንሕን ተነጊርዋ።

"ኣዝዩ ዓቢ ውሳነ እዩ ነይሩ" ብምባል ከኣ ነቲ እዋን ትዝክሮ። ቅድሚ ናብ ቴክሳስ ምኻዳ ግን፡ ናብ ርእሰ ከተማ በልጁም፡ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብምኻድ፡ ንኸብዳ ሓሊፉ ንኸብዲ እቲ ናጽላ ዝበጽሕ መርፍእ ክትውጋእ ነይርዋ።

እዚ ከኣ ናይቲ ናጽላ ኣብ ከባቢ ከብዱ ዝርከብ ጭዋዳታት ቈርበት ንኽዛነ ዝሕግዝ እዩ ነይሩ፤ ነቲ መብጣሕቲ ንምቅላል ዝግበር መስርሕ ድማ እዩ።

 መይሲ ብዓል ቤታ ጆሽን ትዮን

ምንጪ ስእሊ, Maisie Savage

መግለጺ ስእሊ, መይሲ ብዓል ቤታ ጆሽን ትዮን

ብድሕሪ እዚ እዮም መይሲን ብዓል-ቤታ ጆሽን ናብ ቴክሳስ ኣምሪሖም። እቲ ጥንሲ 26 ሰሙን ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር መብጣሕቲ ተገይሩሉ።

ጆሽ ነታ መዓልቲ ክዝክራ እንከሎ፡ "ኣብታ መብጣሕቲ ዝገበረትላ መዓልቲ፡ እንታይ እዩ ዝግበርን ዘጋጥምን ዘሎ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ግዜ ክነውሓካ ግድን እዩ፤ እታ መዓልቲ ከኣ ከም ሓደ ሰሙን ኰይናትኒ፡" ይብል።

እቲ መስርሕ፡ ከብዲ መይሲ ቀዲድካ፡ ንማህጸና ከፊትካ ናብቲ ናጽላ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ከብዲ እቲ ናጽላ በጢሕካ ነቲ ኣብ ደገ ዝዓቢ ዝነበረ መዓናጥኡ ናብ ውሽጢ ከብዱ ኣእትኻ ምስፋይ እዩ ነይሩ፤ ዕዉት ከኣ ነይሩ።

መይሲ ምስ በሰላኣ፡ ድሕሪ እቲ መብጣሕቲ ንዝቐጸለ 14 ሰሙናት እቲ ናጽላ ኣብ ከብዳ እዩ ጸኒሑ። እቲ ናጽላ ዓንቂሩ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኰይኑ ክሽንደሕ እንከሎ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ይስምዓ ምንባሩ ትገልጽ።

"ከቢድ ቃንዛ እዩ ነይሩ፤ ግን ከኣ ከምዚ ዓይነት ተኣምረኛ ቍልዓ ንምውላድ ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ እዩ፡" ትብል።

ትዮ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሆስፒታል ብዘይ ዝዀነ ተወሳኺ መብጣሕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ምስ ምሉእ ጥዕናኡ ብንቡር ተወሊዱ።

ነቲ ታሪኻዊ መብጣሕቲ ዝመርሐ ዶክተር ሚካኤል ቤልፎርት፡ ትዮ ምስ ተወለደ ንሱን ጕጅለኡን ኣዝዮም ከም ዝተሓጐሱ ይገልጽ። "እታ ኣደ፡ እቲ ህጻን፡ እቲ መብጣሕቲ፡ እቲ መብጣሕቲ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ኵሉ ዕዉት እዩ ነይሩ፤ ኣብ እዋን መብጣሕቲ እውን ዝዀነ ዝተሓላለኸ ነገራት ኣየጋጠመናን፡" ይብል።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ከምዚ ዓይነት መብጣሕቲ ዕዉት ካብ ኰነ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እውን ተመሳሳሊ መብጣሕቲ ከካይዱ ከም ዝኽእሉ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ዩኒቨርስቲ ኮሊጅ ለንደን (UCL) ፕሮፌሰር ፓውሎ ዲ ኮፒ ይገልጽ።

"ኣብ ቀረባ ግዜ ብሰፊሑ ተመሳሳሊ መብጣሕቲ ክግበር ተስፋ ኣለኒ፡" ይብል።

እቲ መስርሕ መጥባሕቲ ከመይ ከምዝነበረ ዘርኢ ስእልን መግለጽን

ምንጪ ስእሊ, Texas Children’s Hospital

መግለጺ ስእሊ, እቲ መስርሕ መጥባሕቲ ከመይ ከምዝነበረ ዘርኢ ስእልን መግለጽን

እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ሕክምናን እቲ ኣብ ቴክሳስ ብዶክተር ሚካኤል ቤልፎርት ተመሪሑ ነቲ መብጣሕቲ ዘካየደ ጕጅለ ሓካይምን፡ ኣብ መጻኢ ብሓባር ብምዃን ዝዓበየ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ቤልፎርት ብሓበን ይገልጽ።

"ኣብ ውሽጢ ማህጸን ንዘሎ ናጽላ መብጣሕቲ ምግባር ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እዚ ሕጂ ዝገበርናዮን እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘካየድናዮ ናይ ስፓይና ቢፊዳን፡ ክልተ ጸገማት ጥራይ ኢና ክንፈትሕ ክኢልና፤ እቲ ኣብ ማህጸን እንከለዉ ኣብ ናጽላታት ዘጋጥም መብጣሕቲ ዘድልዮ ሕማማት ግን ብዙሕ ስለ ዝዀነ እቲ መንገዲ ነዊሕ እዩ፡" ይብል።

መይሲን ጆሽን ናብ ዝነብርሉ ለንደን ተመሊሶም ንወዶም ትዮ የዕብዩ ኣለዉ።

"እቲ ዘካየድሉ መብጣሕቲ ፈጺሙ ንዅሉ ነገር እዩ ቀይርዎ። ቀዳሞት ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ዕድመኡ ኣዝዩ ከቢድ ምዀነ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ሳላ እቲ መብጣሕቲ፡ ንሱ ሕጉስ ኣሎ ንሕና'ውን ሕጕሳት ኢና፤ ጥዕንኡ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዘሎ፡" ይብል ጆሽ።

ኣስዒቡ፡ "ንሱን ንሕናን ኣዚና ዕድለኛታት ኢና። እቶም መብጣሕቲ ዘካየዱ ሓካይም ኣብ ህይወትና ዓቢ ውዕለት እዮም ፈጺሞም። ካብ ዓዲ እንግሊዝ ጀሚርካ ክሳብ እቶም ኣብ ቴክሳስ ዝርከቡ ብዶክተር ሚካኤል ቤልፎርት ዝምርሑ ሓካይም ብጽቡቕ እዮም ተቐቢሎሙና። ኣብኡ [ኣብ ቴክሳስ] ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ዝግበረልና ዝነበረ ክንክን ኣዝዩ ልዑል እዩ ነይሩ። ነቲ ኣሰንባዲ ዝነበረ እዋንና ከም ዝቐልል ገይሮሞ። እዚ ጽቡቕ ቍልዓ ድማ ረኺብና፤ ካብዚ ዝዓቢ ሓጐስ እንታይ ክህሉ እዩ?" ብምባል ጆሽ ይድምድም።