ኣንጻር ኤርትራ ዝገጥሙ ተጻወትቲ ኬንያ ስለምንታይ ካብ ልምምድ በዂሮም?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ቀዳም ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ቀዳማይ እግሪ ንመጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ጸወታ ተሰሪዕሎም ዘሎ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ምስ ክፍሊት ብዝተሓሓዝ ጉዳይ ልምምድ ከም ዘየካየዱ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዘካየድዎ ጸወታታት ንዝተኣተወሎም መብጽዓ ኣበል ኣይተኸፈልናን ብምባል ካብ ልምምድ ከምዝበዀሩ ማዕከናት ዜና ኬንያ ኣቓሊሐን።

ድሕሪ 18 ዓመታት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝኣተወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ናብቲ ኣብ 2027 ኬንያ፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ብሓባር ዘአንግደኦ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምሕላፍ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጊኒን ኬንያን'ዩ በጺሕዋ ዘሎ።

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ቀዳማይ መጻረዪ ጸወታ ንምክያድ ብሰሉስ ናብ ኬንያ ብምእታው ድሮ ልምምድ ጀሚሮም ምህላዎም ይፍለጥ።

ሃራምበ ስታርስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ኵሎም እቶም ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተመረጹ ተጻወትቲ ሰሉስ ልምምድ ክጅምሩ ተሓቢርዎም ነይሩ።

ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዝጥርነፍሉ ቅድሚ ሕጂ መብጽዓ ዝተኣተወሎም ኣበል ክውሃቦምን ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ክግበረሎምን ብምጥላብ'ዮም ካብ ልምምድ ቦዅሮም።

ደይሊ ኔሽን ዝተበሃለት ማዕከን ዜና ኬንያ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፡ እቶም ተጻወትቲ ናይቲ ኣቐዲሞም ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ሰኔጋልን ለሴቶን ዘካየድዎ ጸወታ ብመሰረት ዝተኣተወሎም መብጽዓ ንነፍሲ ወከፎም 80 ሽሕ ሽሊን [620 ዶላር] ክውሃቦም'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

ብመሰረት ደይሊ ኔሽን ዝዘርግሓቶ ዜና፡ ኣብ ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኬንያ ሓላፊ ፕሮጀክትን ሃገራዊት ጋንታን ኣንቶስ ኦባንጎ "እቲ ምስ ሰኔጋል ዝገበርዎ ጸወታ ክወሃቦም ዝነበሮ ኣበል ኣዝዩ ደንጉዩ'ዩ። ኣብ ልዕሊኡ'ውን ናይቲ ምስ ለሴቶ ዝገበርዎ ኣበል'ውን ንነፍሲ ወከፍ ተጻዋታይ 80 ሽሕ ሽሊን'ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ" ኢሉ።

እቲ ሓላፊ፡ ምኽፋል ኣበል ናይቶም ተጻወትቲ ንመንግስትን ንፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኬንያን ከም ዝምልከት ብምጥቃስ፡ እቲ ሕቶኦም ቅልጡፍ መልሲ ክረክብ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ገለ ካብቶም ኣብዛ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትገጥም ተሓርያ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ዝርከቡ ተጻወትቲ ኣብቲ ሃገሮም ኣቐዲማ ኣንጻር ሰኔጋልን ለሴቶን ዝገበረቶ ጸወታ ዘይነበሩ'ኳ እንተዀኑ፡ ንሕቶ ደቂ ጋንታኦም ብምድጋፍ ንሶም'ውን ኣብ ናይ ልምምድ ቦታ ኣይተረኸቡን።

ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ብ4 ሰነ ከምኡ ከኣ 27 ሰነ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ለሴቶ ምሕዝነታዊ ጸወታ ብምክያድ ኣብ ቀዳማይ ጸወታ ማዕረ 1 ብ 1 ኣብ ካልኣይ ጸወታ ከኣ 4 ብ 1 ከምዝተሰዓረት ይዝከር።

8 ሕዳር 2025 ከኣ ኣብ ቱርኪ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሰኔጋል ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ጸወታ'ውን 8 ብ 0 ተሳዒራ ነይራ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቤኒ ማካርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 24 ናብታ ሃገራዊት ጋንታ ዝመረጾም ስም ዝርዝር ኣብ ዘፍለጠሉ፡ ብምልኦም እቶም ዝመረጾም ተጻወትቲ ኣብ ደገ ዝጻወቱ ምዃኖም ዓቢ ክትዕ ፈጢሩ ቀንዩ'ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ድሕሪ እዚ ቀዳም 26 መስከረም ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እተካይዶ ጸወታ 1 ጥቅምቲ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ'ዩ ግጥም ተሲዑላ ዘሎ።

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ ከምዚ ዓይነት ኣድማ ከካይዱ እዚ ናይ መጀመርታኦም ኣይኰነን።

ኣብ 2005'ውን ጸወታታት ሴካፋ ንምክያድ ናብ ኪጋሊ ኣብ ዝተበገስሉ ኣበል ከይተውሃበና ናብ ነፋሪት ኣይንስቀልን ኢና ብምባል ኣዲሞም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን እቲ ዝጠለብዎ ኣበል ተማሊእሎም'ኳ ናብ ኪጋሊ እንተኣምርሑ፡ ናብቲ ጸወታ ካብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ደንጊዮም ብምእታዎም ካብቲ ውድድር ምግላፎም ይዝከር።

ብዛዕባ'ዚ ኤርትራ ትርከቦ ምድብ

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 48 ሃገራት ኣብ 12 ምድብ ተደላዲለን'የን ጸወታታተን ከካይዳ።

ብዘይካ ኣብተን ሃገራውያን ጋንታታት ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን ዘለወአን ምድባት ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ'የን።

ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን'የን።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ቀዳመይትን ካልኣይትን ዝወጽኣ'የን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ክሓልፋ። እንተዀነ ኣብዚ ኤርትራ በጺሕዋ ዘሎ ምድብ እትርከብ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ፡ ምስ ታንዛንያን ዩጋንዳን ብምዃን ነዚ ውድድር ካብ ዘአንግዳ ሃገራት ብምዃና እተመዝግቦ ውጽኢት ብዘየገድስ ብቐጥታ'ያ ክትሓልፍ።

ካብተን ዝተረፋ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ጊኒን ከኣ ዝሓሸ ነጥቢ ዘለዋ ጋንታ ክትጽንበራ'ያ።

ስለዚ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ንኬንያ ኣውጺእካ እተን ዝተረፋ ሰለስተ ሃገራውያን ጋንታታት ንሓንቲ ኮታ'የን ክጻወታ።

በዚ ከኣ እዚ ምድብ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ፡ ጊኒን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝጸበበ ዕድል ሒዘን'የን ነዚ ጸወታ ዝኣትወኦ ዘለዋ።

ነቲ ካብ 19 ሰነ ክሳብ 17 ሓምለ 2027 ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ታንዛንያን ዩጋንዳን'የን ብልፍንቲ ከአንግደኦ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ሜዳአን ሰለስተ፤ ካብ ሜደአን ወጻኢ ከኣ ሰለስተ ጸወታታት ከካይዳ'የን።

እቲ ቀዳማይ ኣርባዕተ ጸወታታት ኣብ ወርሓት መስከረም ጥቅምትን ሕዳርን ከካይደኦ'የን።

እቲ ዝተረፈ ጸወታ ከኣ ኣብ መጋቢት 2027 ክካየድ'ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣንጻር ኢስዋቲኒ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ቅድመ ምጽራይ ሜዳኣ ነቲ ካፍ ዝጠልቦ ነጥብታት ስለ ዘየማልአ እቲ ኣብ ሜዳኣ ከተካይዶ ዝነበራ ጸወታ ኣብ ሞሮኮ'ያ ኣካይዳቶ።

ንኢስዋቲኒ ኣብ ሞሮኮን ኣብ ኢስዋቲንን ኣብ ክልቲኡ ብምስዓር ብድምር 4 ብ1 ተዓዊታ'ያ ናብዚ መጻረዩ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ።

ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ ሱሌማን ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢስዋቲኒ ሰለስተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ክደምቕ ክኢሉ'ዩ፤ ብፍላይ ከኣ እታ ኣብ ሜዳ ኢስዋቲኒ ብኣኩራባት ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ ታሪኹ እታ ዝበለጸት ሸቶ ምዃና ባዕሉ ክዛረብ ተሰሚዑ'ዩ።

ብግብጻዊ ኣሰልጣኒ ሓሺም ያኪን እትስልጥን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ደገ ዝመደበሮም ተጻወተቲ ብምምራጽ ንከም ሓለቃ ጋንታ ዓብለሎም ተኽለዝጊ፡ ዓሊ ሱሌማን፡ ምኩር ተጻዋታይ ሮቤል ተኽለሚካኤል፡ ዮናታን ሱልጣን፡ ሮሜል ዓብዱ፡ ሴም እዮብ፡ ናሆም ነታባይ፡ ናሆም ታደሰ፡ ተስፋልደት ተኪኤ፡ ማሊክ ዓብዱራሕማንን ሄኖስ ኣስመላሽን ካልኦት ሒዛ'ያ ነዚ ውድድር ተዳልያ ዘላ።

ኣግማል ቀይሕባሕሪ፡ ካፍ ዝጠልቦ ሜዳ ስለይብላ ኵሉ ኣብ ሜዳኣ ከተካይዶ ዝግብኣ ጸወታታት ካብ ሜዳኣ ወጻኢ'ያ ከተካይዶ፤ በዚ መሰረት እቲ ን30 መስከረም 2026 ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሜዳኣ ከተካይዶ ዝነበራ ጸወታ ኣብ ግብጺ'ያ ከተካይዶ።

ሕሉፍ ጸወታታት ኤርትራን ኬንያን

ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራ ኬንያ ቅድሚ ሕጂ ዓሰርተ ግዜ ተጻዊተን ኣለዋ ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ክትስዕር እንከላ ኬንያ ሽዱሽተ ግዜ ስዒራ ሓንሳብ ከኣ ማዕረ ተፈላልየን።

ናይ መጀመርታ ርክብ እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ታሕሳስ 1994 ኰይኑ ኣብ ሴካፋ ቻልንጅ ካፕ'የን ተራኺበን።

ኣብ ቀዳማይ ርከበን ከኣ ኬንያ 1 ብ 0 ተዓዊታ ።

ኣብ ሓምለ 1999 ኣብ ዘካየደኦ ተመሳሳሊ ውድድር ኬንያ ብተመሳሳሊ ውጽኢት ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ ሕዳር 2000 ማዕረ 0 ብ 0 ተፈላልየን።

ክሳብ 2003 ኣብ ዝነበረ ተመሳሳሊ ኣርባዕተ ጸወታታት ኬንያ'ያ ብዓወት ወጺኣቶ።

ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኬንያ መዝገበሮ ዓወት ኣብ መስከረም 2006 ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየደኦ ጸወታ ኤርትራ 2 ብ 1 ተዓዊታ፡ ኣብ ሰነ 2007'ውን ኤርትራ ኣብ መጻረዮ ዋንጫ ኣፍሪቃ 1 ብ 0 ክትረትዕ ክኢላ'ያ።

እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ንመወዳእታ ግዜ ዝተራኸባሉ ኣብ ታሕሳስ 2019 ኣብ ውድድር ሴካፋ ኰይኑ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኬንያ 4 ን 1 ክትዕወት ክኢላ'ያ።

እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዘካየዳኦ ሰለስተ ናይ መወዳእታ ርከበን ኣብ ሰለስቲኡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ'ያ ተዓዊታ።