እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣላማጣ ብመጥቃዕቲ ድሮን 14 ተቐቲሎም፡ ኣመሪካ ኣብ ቃፍላያት ረድኢት ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኰኒና
ትማሊ 22 መስከረም 2026 ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ኣብ መንበሪ ገዛውትን ኣብያተ ትምህርትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝቘሰሉን ካብ ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ሞጎስ ሽፈራውን ነበርትን እታ ከተማን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልከት።
ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ሞጎስ ሽፈራው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ደብዳብ ንግሆ ሰዓት 9:30 [3:30 ኣቈጻጽራ ኢትዮጵያ] ከም ዝጀመረ ብምሕባር፡ "ኣብ ልዕሊ ከተማና ልዕሊ ሓሙሽተ ድሮንን ሓንቲ ጀትን ምንቅስቃስ ገይረን፡ ልዕሊ 21 ግዜ ዝኣክል ደብዳብ ከኣ ኣካይደን፡" ይብል።
እቲ ከንቲባ ኣስዒቡ ኣስታት 14 ናብ ዕዳጋ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉን 22 ዝዀኑ ሰባት ድማ ከቢድን ፎኲስን መቝሰልቲ ከም ዘጋጠሞም ሓቢሩ።
"እዚ ምኽንያት ዝወለዶ ድማ ኣብ ከተማና ኣብቲ ህዝብና ሰፊሕ ናይ ስነ ልቦና ማህሰይትን ካብን ናብን ምንቅስቓስ ጠጠው ዝበለሉ፡ ህዝብና ናብ ከቢድ ራዕዲ ዝኣተወሉ መዓልቲ'ዩ ኰይኑ ውዒሉ፡" ኢሉ።
ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ኣቶ ሞጎስ ሽፈራው እቲ ዝውረደ መጕዳእቲ ኵሉ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ከም ዝወረደ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሰራዊት ዝበጽሕ ጕድኣት ከም ዘለሎለ ኣመልኪቱ።
"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሰራዊት ይህሉ'ዩ ብምባል፡ ንኽልተ ኣብያተ ትምህርቲ ብደብዳብ ከዕንወን'ዩ ውዒሉ።"
እተን በቲ ደብዳብ ዝተሃሰያ ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ዝኽረ መለስ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከምኡ`ውን እያሱ በርሀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝበሃላ'ውን እቲ ከንቲባ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፈደራል ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርስታትን መዕቘቢ ዕጡቓትን መሐከሚ ህሩማትን ይዀና ኣለዋ ብምባል፡ ነተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨረስትታት ብምዕጻው ነቶም ኣብአን ዝነበሩ ተማሃሮ ናብ ካልእ ዩኒቨረስታት ክሰጋገሩ ይሰርሕ ምህላዎም'ዩ ዝሕብር።
ከንቲባ ሞጎስ ሽፈራው'ውን እተን ኣብያት ትምህርቲ ሰራዊት ፈደራል ኣቐዲሙ ከም መዓስከር ይጥቀመለን ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ "በቲ ዘሎ ወጥሪ ኵሉ ዕጡቕ ኣብ ድፋዕ'ዩ ዘሎ፡" ብምባል፡ ኣብዚ እዋን ግን ዝዀነ ዕጡቕ ትግራይ ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘይነበረ ሓቢሩ።
ትምህርቲ ገና ስለ ዘይጀመረ ግን ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝዀነ ተማሃራይ ከም ዘይነበረ እቲ ከንቲባ ገሊጹ።
ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ከተማ ኣለማጣ ቀበሌ 04 ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብተን ክልተ ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር፡ "ብተወሳኺ ኣብ ኣየር ማረፍያ ዝብሃል ቦታ'ውን ከም ዝደብደብት ሰሚዕና፣ ብፍላይ እቲ ቦታ ናብ ሰፈርና ዝቐረበ ቦታ'ዩ ኣብ ስቪል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣይርኣኹን፣ ኣብቲ ዕጡቓት ዘለውዎ ቦታን ምስኦም ዝሰርሑ ናይ ቀበሌ ሰራሕተኛታትን ከም ዘጋጠመ ኢና ርኢና፡" ኢሉ።
ቀጺሉ "ኣምቡላንስ ክትሓለፍ እንከላ ዝተቘረጹ ኣእጋር ርእየ ነይረ፣ ኣብቲ ናይ ኣላማጣ ዘሎ ሆስፒታል ኣምቡላንስ ክመላለሳ ክርኢ ውዒለ። እቲ ሆስፒታል ብወተሃደራት'ዩ ዝሕሎ ዘሎ ናብቲ ሕክምና ከይንመጽእ ተነጊሩና'ዩ፡" ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ካቶሊካዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ጽዒነን ዝነበራ ቃፍላይ መካይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ብምዅናን፡ ሰብ መዚ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣጻርዮም ዳግማይ ተመሳሳሊ ክስተት ነኸየጋጥም ንዝረኸብዎ ሓበሬታ ከካፍሉ ተላብዩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣስዒቡ፡ ኵሎም ወገናት ነቲ ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ብቕጽበት ብዘተ ክፈትሕዎ'ውን ጸዊዑ።
መግለጺ ኣመሪካ ነቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ኰይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ንልዕሊ 56,000 ተመዛበልቲ ተባሂሉ ዝተልኣኸ ቀረብ መግቢ ከም ዝተቓጸለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊጹ ነይሩ'ዩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ረድኤት ጽዒነን ዝነበራ መካይን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብ20 መስከረም [10 መስከረም 2019] ኣብ መንጎ ዓዲ ነብሪ ኢድን ዓድ ዳዕሮን'ዩ ተፈጺሙ።
ቤት ጽሕፈት ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ብ20 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እታ ብድሮን ዝተሃረመት ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ተሳሓቢኣ ልዕሊ 41 ሜትሪክ ቶን ኣገዳሲ መግቢ ጽዒና ከም ዝበረት ብምሕባር፡ ካብኡ እቲ 35.9 ሜትሪክ ቶን ዕፉን፡ ልዕሊ 5 ሜትሪክ ቶን ድማ ዘይቲ ጽዒና ከም ዝነበረት፡ እቲ ጽዕነት ድማ ናብቶም ኣብ ሸራሮ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ይኸይድ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
እቲ ሓገዝ ን 56,273 ኣዝዩ ንኸቢድ ጸገም ዝተቓልዑ ተመዛበልቲ ንኽውዕል ይኸይድ ከም ዝነበረ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈለላየ ከባቢታት ትግራይ ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።
ፖለቲካዊ ኵነታት ትግራይ፡ ካብቲ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር (ብጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዝነበረ) ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ እናኸፍአ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ብምምላስ ድማ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት ገይሩ ሸይሙዎ።
እዚ ስጕምቲ'ዚ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን፡ ምስ ዝሕታለ ትግበራ፡ ኲናት ትግራይ ጠጠው ዘበለ- ውዕል ፕሪቶርያ፡ ብዝዛመድ ክካሰሱ ምጽንሖም ይዝከር።
ዝሓለፈ 7 ሓምለ 2026 ግን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንዂናት ይዳሎ ከም ዘሎ ከሲሱ ነይሩ፤ ኤርትራ ነዚ ክስታት ትነጽግ።
ቅድሚ ውሑዳት መዓልታት ህወሓት ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ኣንጻር ፌደራል ዝቃለሱ ዕጡቓት ናይ ሓባር ጥምረት ከምዝፈጥረ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ከይዓርግ ብዙሓት ስግኣሮም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።