ሰራዊትኢትየጵያ፡ 'ኣብ ዶብ ጥራይ ከምዘይድረት' የጠንቅቕ
ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትማሊ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት‘’ኣይዕወትን’ዩ’’ ብምባል ከም ኣካል ናይቲ ብጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሃገር ዘይምርግጋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቲቪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝመደበሩ ጕጅለ ህወሓት ከም ውክልና ትጥቀመሉ ከምዘላን ጸጋታት ትእክብ ከምዘላን ከምኡ’ውን ግብጽን ሱዳንን ክኖኡ'ውን "ካልኦት ሓይልታት" ንህወሓትን ኤርትራን ይድግፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ ሓላፊ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ውግኡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ጥራይ ከምዘይድረት" ኣጠንቂቑ።
ብርሃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ውግእ ግን ኣይተዛረበን። መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ሓደሽቲ ምዕባለታት ብዓቢኡ ሸለል ኢለንኦ ኣለዋ።