ኤርትራ፡ ፕሮጀክት ምምካት ደርቂ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ 'ዘመዝገቦ ዓወት'

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤርትራ ደርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ንምዕባይን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ዝዓለመ ፕሮጀክት (DRSLP V) ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ይሰላሰል ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

እዚ ፕሮጀክት'ዚ፡ ኣካል ናይቲ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ "ንዓመታት ዘካየዶ" ስትራተጅያዊ ስራሓት ሕርሻን ትሕተ-ቅርጽን ኰይኑ፡ ነቲ ተደጋጋሚ ዝኽሰት ዘሎ ጽልዋ ለውጢ ኵነታት-ኣየር ንምምካት ዝዓለመ ምዃኑ ወሲኹ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ ብ17 ምያዝያ 2026 ዝወጽአ እዋናዊ ጸብጻብ፡ እቲ ፕሮጀክት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ንልዕሊ 24 ኣዋርሕ ተቋሪጹ ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ግን "ኣፈጻጽማ እቲ ፕሮጀክት ብዝተዓጻጸፈ መንገዲ ተመሓይሹ እዩ፡" ይብል።

እቲ ኣብ መጋቢት ዝተኻየደ ገምጋም፡ ካብቶም ክህነጹ ዝተወጠኑ 21 ሓጽቢታት፡ ህንጸት እቶም 18 ብምሉእ ከም ዝተዛዘሙ ይገልጽ።

እዞም ሓጽቢታት፡ ንእንስሳታት፡ ሕርሻን ተጠቃምነት ሰባትን ዝውዕል ማይ ዝእክቡ ኰይኖም፡ ካብቲ ዝተተለመ ሽቶታት ብላዕሊ 101.59% ዓወት ከም ዝተመዝገበ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምትሕብባር ዝተጐድአ ኣከባቢ ናብ ንቡሩ ንምምላስ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሕ ከም ዘሎ ወሲኹ ይጠቅስ።

"ብተሳታፍነት ህዝቢ፡ ኣስታት 2,100 ሄክታር መሬት ዳግማይ ንምሕዋይ 3.1 ሚልዮን ኣግራብ ተተኺሉ እዩ። እዚ ስራሕ እዚ፡ ኣብቲ ከባቢ ሓመድ ከይባኽን፡ ሓጽቢታት ብድበት ከይመልኡን ኣብ ምክልኻል ተፈጥሮ ዓቢ ረብሓ ኣለዎ።"

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ናብራ ገጠር ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ብዝያዳ እናጐልሐ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ "መነባብሮ ንምምሕያሽን እቶት ንምፍጣርን ዝዓለመ ዕደላ ናውቲ ሕርሻ ብምሉእ ተዛዚሙ ምህላዉ፡" ገሊጹ።

እዞም ዝስዕቡ ንጥፈታት ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሶም ኣለዉ፤ ምንጪ እቶት ስድራቤታት ንምዕባይ ዝዓለመ፤ ጨቓዊት፡ ቆፎ ንህቢ ከምኡ'ውን መበርበሪ መዓር ምዕዳል፣ ፍርያት ዘራእቲ ንምምሕያሽ ምሩጽ ዘርኢ መሸላን ዘርኢ ኣሕምልትን ምዕዳል፣ ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 20 ክሊኒካት እንስሳ፡ ንኽታበታትን መድሓኒታትን ዝውዕሉ ፍሪጃት "ዘተኣማምን ምንጪ ጸዓት" ንምርካብ፡ መሳለጥያታት ጸሓያዊ ጸዓት ከም ዝረኽባ ምግባር ዝብል ዘርዚሩ ኣሎ።

ኣብ ኣጠቓቕማ ባጀት'ውን ርኡይ ምምሕያሽ ከም ዘሎ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ናይቲ ፕሮጀክት ኣፈጻጽማ ገንዘብ፡ ካብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ዝነበሮ ትሑት ደረጃ፡ ሕጂ ናብ ልዕሊ 74% ክብ ኢሉ ይርከብ።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ መደምደምታኡ፡ "ሸቶታት ልምዓት እዚ ፕሮጀክት፡ ዋላ'ኳ ብሰንኪ ኮቪድ-19 መባእታዊ ምድንጓያት እንተ ኣጋጠሞ፡ ክህረም ዝኽእል ሽቶታት እዩ፡" ብምባል ንኣፈጻጽማኡ ሞጒሱ።

እቲ ፕሮጀክት፡ "ክሳዕ መጋቢት 2027 ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መሳለጥያታት መስኖን ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ስራሓት ህንጸት ሓጽቢ ንምዝዛምን ብንጥፈት ይሰርሕ ኣሎ፡" ብምባል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጸገማት ንምፍታሕ ሓሙሽተ ዓበይቲ ሸቶታት (High 5s) ዝብል ስትራተጂ እዩ ዝኽተል።

ንሳቶም ድማ፡ "ንኣፍሪቃ ብጸዓት ምብራህ፡ ንኣፍሪቃ ምምጋብ፡ ንኣፍሪቃ ብኢንዱስትሪ ምምዕባል፡ ንኣፍሪቃ ኣብ ሓድሕዳ ምትእስሳር፡ ከምኡ'ውን ናብራ ህዝቢ ኣፍሪቃ ምምሕያሽ፡" ዝብሉ እዮም።

እዚ ደርቂ ንምምካት ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ኣካል ናይቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ 2025 ዝሓንጸጾ ንዓመታት 2025–2027 ዝጸንሕ ግዝያዊ ስትራተጅያዊ ውጥን (I-CSP) እዩ።

እዚ ስትራተጂ'ዚ፡ ኤርትራ ንዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ትሑት ኣፍራይነትን ክሊማዊ ጸቕጥታትን ንምምካት፡ ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ዓውድታት—ማለት ጸዓት፡ ማይን ጽሬትን ከምኡ'ውን ቍጠባዊ ምሕደራን- ዘተኰረ እዩ።

ከም ኣካል ናይዚ ስትራተጂ'ዚ፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ጋሽ ባርካ (ተሰነይ፡ ከርከበትን ባረንቱን) ቀረብ ኤለክትሪክ ንምምሕያሽ ናይ 58 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።

እዚ ወፍሪ'ዚ፡ 34 ሜጋ-ዋት ዝዓቐኑ ጸሓያዊ ጸዓት ብምትካል፡ ንኣስታት 306,000 ሰባት ተረባሕቲ ክገብርን ንኣግሮ-ኢንዱስትሪታት ከተባብዕን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።

ምስቲ ኣብ ደቀምሓረ ዝተጀመረ ናይ 30 ሜጋ-ዋት ጸሓያዊ ጸዓት ፕሮጀክትን ካልእ ብጠቕላላ 119.7 ሚልዮን ዶላር ዝምወል መደባትን ተደሚሩ፡ ኤርትራ ጽሩይ ጸዓት ክትጥቀምን ንለውጢ ኣየር ዝጻወር ድልዱል ቍጠባ ክትሃንጽን ንምሕጋዝ ዝተወጠነ እዩ።