እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ትራምፕ ንደሴት ኻርግ ክቈጻጸር ይሓስብ፣ እንተዀነ ስምምዕ ዘተ-ሰላም ‘ብቕልጡፍ’ ክካየድ ይኽእል እዩ

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ወተሃደራት ንስርሒት ኣጋር ይዳለዉ ከም ዘለዉ ገሊጾም፣ ትራምፕ ግና ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍጸም ከም ዘኽእል ሓቢሩ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ንደሴት ካርግ ምቍፅፃር፡ ንዕጫ መፃብቦ ሆርሙዝ ኣይክቕይሮን

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ኣብ ኢራን ዘሎ ነዳዲ ከግዕዞ" ከም ዝደሊ ይዛረብ ኣሎ።

    ከምቲ ኣመሪካ ኣብ ጥሪ ንፕረዚደንት ቬንዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣለየቶ ዝገበረቶ ማለቱ እዩ።

    ትራምፕ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣመሪካ ነዚ ክትገብር እትኽእል፡ ነታ ማእከል 90 ሚእታዊት ሰደድ ነዳዲ ኢራን ዝዀነት፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ እትርከብ ደሴት ካርግ ብምቍፅፃር እዩ።

    ደሴት ካርግ ምቍፅፃር ይከኣል ይኸውን፣ እንተዀነ ግን ከምቲ ኣብ ቬንዙወላ ዘጓነፈ ቀሊል ኣይኰነን ይብሉ - ተንታንቲ ጂአ-ፖለቲካ ቢቢሲ።

    ብዙሕ ሓይሊሰብ - እግረኛ - ምውፋር ዘድሊ ከም ዝዀነ፤ ከምኡ ኰይኑ’ውን ንዅነታት መጻብቦ ሆርሙዝ ዝቕይሮ ኣይኰነን።

    ንደሴት ካርግ ምቍፅፃር ዋላ እንተ ተኻእለ፡ ካብኣ እትወጽእ ዝዀነት መርከብ ሕዚ’ውን ካብ ኢራን ኣይተምልጥን ይብሉ።

  2. ሃገራት ወሽመጥ ኣመና ተቓላዕቲ - ኣብ ህዝበን ዝወርድ ሳዕቤን ድማ ሰፊሕ

    ዶናልድ ትራምፕ ‘ነዳዲ ኢራን ክወስድ’ ምዃኑ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብሳዕቤን ናይ ከምዚ ዝበለ ስርሒት ክጭነቓ ጀሚረን ኣለዋ።

    ንጹር መጥቃዕቲን መልሰ-መጥቃዕትን እዩ ዝካየድ ዘሎ፤ ትሕተ-ቕርጺ ጸዓት ኢራን ክውቃዕ እንከሎ፡ ወሽመጥ ዓረብ ከም ግብረመልሲ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ መሰረተ-ልምዓቱ ክጽበ ግድን ኰይኑ’ሎ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ እስራኤል ንትካል ጋዝ ደቡባዊ ፓርስ ኢራን ዒላማ ድሕሪ ምግባራ፡ ኢራን ኣብ ቐጠር ንዝርከብ መሳለጥያ ፈሳሲ ባህሪያዊ ጋዝ ራስ ላፋን ኣጥቂዓ።

    ንለይቱ ሓደ መሳለጥያ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኢራን ተሃሪሙ፣ ነዚ ስዒቡ ድማ ሓደ ካብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክን መሳረዪ ማይ ጨውን ኩዌት ተሃሪሙ፡ ሓደ ህንዳዊ ሰራሕተኛ ከም ዝሞተን ኣብቲ መሳለጥያ ርኡይ ጉድኣት ወሪዱ።

    መራሕቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኖምዎ።

    ኣብ ትሕተ ቅርጺታት ጸዓት ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ሳዕቤኑ ብደረጃ ዓለም ሓደገኛ ስለ ዝዀነ፡ ዕርገት እቲ ኵነታት ከቢድ ሻቕላ ፈጢሩ።

    ዞባ ወሽመጥ፡ ተፈጥሮኣዊ ጽሩይ ማይ ዝውሕደሉ ደረቕ በረኻ ስለ ዝዀነ፡ ማይ ባሕሪ ናብ ዝስተ ማይ ዝቕይሩ ኣማኢት መጻረዪ ትካላት፡ ነዚ ዘይምቹእ ክፋል ዓለም ንናብራ ዝከኣል ይገብርዎ።

    ኣብዚ ከባቢ፡ 90% ዝስተ ማይ ካብ ጨው ማይ ባሕሪ ተጻርዩ ዝቐርብ ብምዃኑ፡ እቶም መሳለጥያታት እንተ ተሰናኺሎም፡ ህዝቢ ኣመና ተቓላዓይ ምዃኑ ንጹር’ዩ፣ ኣብ መነባብሮ ዘስዕቦ ጽልዋ ድማ ዓቢ’ዩ።

  3. ጉዳይ ዘተ ሰላምን ምድላው ወተሃደራት ኣመሪካን

    ስሞም ዘይተገልጸ ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ምድራዊ ስርሒት ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ኢራን ንጠለባቱ ክትቅበል ቀሪባ ከም ዘላ ይገልጽ ኣሎ።

    ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ከም ዘለዉን ፍሉያት ሓይልታትን ፓራቱፐርን ከኣ ኣብ መንገዲ ከም ዘለዉን ክንገር ጸኒሑ እዩ።

    ምምሕዳር ኣመሪካ፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ነታ ቀንዲ ምንጪ ነዳዲ ኢራን ዝዀነት ደሴት ኻርግ ካብ ምሓዝ ክሳብ ነቲ ትራምፕ “ንዩክለሳዊ ዶሮና” ኢራን ዝብሎ ኣዝዩ ዝሃብተመ ዩራንየም ንምሓዝ ደፋር፡ ግን ከኣ ዘይእመን ስርሒት ንምክያድ ይሓስብ ከም ዘሎ ግልጺ ገይሩ እዩ።

    ትማሊ ምሸት ኣብ ኣየር ፎርስ ዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን ከተረክባ ድልውቲ ምዃና - እንተ ዘይኰይኑ ድሕሪ ሕጂ ሃገር ከም ዘይትኸውን ገሊጹ።

    ኣፈኛ ባይቶ ኢራን መሓመድ ባቕር ጋሊባፍ፡ ትራምፕ ንዘተ ሰላም ከም መሸፈኒ ነቲ ዝሓስቦ ዘሎ ምድራዊ መጥቃዕቲ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኢራን ኢዳ ከም ዘይትህብ ብምግላጽ፡ ወተሃደራቱ ድማ ነቶም ወተሃደራት ኣመሪካ ይጽበዩ ከም ዘለዉን ኣብ ገሃነብ ከም ዝስኽትቱዎምን ገሊጹ።

  4. ስለምንታይ ደሴት ኻርግ ኣብ ዓይኒ ትራምፕ ኣትያ?

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃገሩ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢራን እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ኻርግ ክትሕዝ ከም እትኽእል ኣተንቢሁ ነይሩ።

    ትራምፕ ኣብቲ ብሰንበት ምስ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ነዳዲ ኢራን "ክወስድ" ከም ዝደሊን ነዚ ድማ ንደሴት ኻርግ ንምሓዝ መደብ ከም ዘለዎን እዩ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ግን እቲ ስርሒት “ንዝተወሰነ እዋን ኣብኡ [ኣብ ደሴት ኻርግ] ንምጽናሕ እዩ፡” ኢሉ።

    ትራምፕ ብ13 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብታ ደሴት ንዝነበረ ወተሃደራዊ ዒላማታት “ምሉእ ብምሉእ ከም ዝደምሰስዎ”፣ እንተዀነ ሰራዊት ኣመሪካ ንትሕተ-ቅርጺ ነዳዲ ዒላማ ካብ ምግባር ከም ዝተቘጠበ ገሊጹ።

    ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ማዕከን ዜና ኣመሪካ ኣክሲዮስ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣርባዕተ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ኢራን መጻብቦ ሆርሙዝ ንኽትከፍት ጸቕጢ ንምግባር፡ ምምሕዳር ዋሽንግተን ነታ ደሴት ንምሓዝ ወይ ንምዕጻው ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

    ኣመሪካ ነታ ደሴት ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያት፡ ንቝጠባዊ ህይወት ኢራን ዝዀነ ነዳዲ ቀንዲ ምንጪ ስለ ዝዀነት እዩ።

    ነዛ ደሴት ምሓዝ ማለት ድማ ንሰደድ ነዳዲ ኢራን ንምስንኻል ጥራይ ዘይኰነስ ምድራዊ መጥቃዕቲ ንምግባር መንገዲ ንምጽራግ ስለ ዘኽእል እዩ።

    ነታ ደሴት ምሓዝ፡ ንሓደ ቀንዲ ምንጪ እቶት እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብኣድማዒ መንገዲ ክቘርጽን ንናይ ኲናት ዓቕሙ ዝጸሉን ምዃኑ ተንታኒ ጸጥታ ቢቢሲ ማይኪ ኬይ ይገልጽ።

    ዝዀነ ይዅን ስርሒት ኣመሪካ ነታ ደሴት ንምሓዝ ብተዛማዲ ንእሽቶ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ በዳሂ ክኸውን'ዩ ክብል ፖድካስተር ኣሮን ማክሊን ንቢቢሲ ገሊጹ።

  5. ግጭት ማእከላይ ምብራቕ ናብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይሰፍሕ, ጽማቝ ምዕባለታት'ዚ ዕለት

    ዕጡቓት ሑቲ-የመን ትማሊ ቀዳም ናብ እስራኤል መጥቃዕቲ ሚሳይል ድሕሪ ምክያዶም እቲ ኲናት ዝያዳ ይሰፍሕ’ሎ።

    እቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ ከጥቅዕ እንተ ጀመሩ፡ ካልእ ሕማም ርእሲ ዓለማዊ ዕዳጋ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

    ፔንታጎን፡ ኣብ ኢራን ንናይ ሰሙናት ምድራዊ ስርሒታት ይሸባሸብ ከምዘሎ፡ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺባ። ትራመፕ ነቲ ዕማም ዘፅደቘ ምዃኑ ንፁር ኣይኰነን።

    ሰራዊት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሞት ሓደ ወተሃደር ኣረጋጊጹ፤ኣብቲ ከባቢ ናይ መሬት ስርሒታት ከካይድ ዝጸንሐ እዩ።

    እስራኤል፡ ኣብ ኢራን- ቴህራንንማእከላት ተሃደራዊ እዝታትን ማእከላት ኣጽዋርን ዒላማ ዝገበረ ማዕበል መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ቀዳም ምዝዛዘመት ገሊጻ።

    ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓቢረን፤ ኣብ ባሕረይን ክልተ ሰራሕተኛታት ብኢራን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መጉዳእቲ በፂሑዎም ተባሂሉ።

    ኣብ ኢማራትን ኩዌትን፡ ስርዓት ምክልኻል ኣየር፡ መጥቃዕቲ ድሮንን ሚሳየላትን ንምዕጋት ክንቀሳቐስ ከምዝሓደረ ተሓቢሩ።

  6. ኣብ ፓኪስታን፡ ዝርርብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ይካየድ ኣሎ

    ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ ተሳትትፎ ክህልወን ይጠልባ ኣለዋ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፡ ምስ መዛኑኡ ግብጻዊ፣ ፓኪስታናዊን ቱርኪን ኣብ ኢስላማባድ [ርእሰ ከተማ ፓኪስታን]፡ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዝዓለመ ዝርርብ ክገብር እዩ።

    እቲ ዝርርብ ሎሚ ሰንበትን ፅባሕ ሰኑይን ንኽልተ መዓልቲ ክቕፅል ትፅቢት ይግበር።

  7. “ጸላኢ፡ ንህዝቢ ብዛዕባ ልዝብ ይዛረብ፡ ብሕቡእ ንምድራዊ መጥቃዕቲ ይዳሎ'ሎ” - ኣፈኛ ባይቶ ኢራን

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንመዘከርታ 30 መዓልታት ዝወፅአ መልእኽቲ ኣፈ-ጉባኤ ፓርላማ ኢራን መሓመድ ባገር ጋሊባፍ ኣቃሊሐን ኣለዋ።

    ጋሊባፍ፡ ኣብ መልእኽቱ፡ "ጸላኢ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ልዝብ ይጠልብ ከምዘሎ ይሕብር፡ ብሕቡእ ድማ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ይውጥን ኣሎ" ይብል።

    ወሲኹ ድማ ኣመሪካ፡ "15 ነጥብታት ዝሓዘ ድሌታታ ትገልጽ ኣላ፡ ብውግእ ከተዕውቶ ዘይከኣለት ሃቐነ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

    ጋሊባፍ ብተወሳኺ ሓይልታት ኢራን "ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ መሬቱ ክኣትዉ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓዊ ከዘንቡሎም እዮም" ክብል ድማ ተሓንዩ።

    ጋሊባፍ ብዓረብኛ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዓላማ ኢራን ንፁር ምዃኑን "ውርደት" ከምዘይትቕበልን ይዛረብ።

    ገለ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ፡ ጋሊባፍ ከም መሻርኽቲ ምምሕዳር ትራምፕ ክኸውን ዝኽእልን፡ ምናልባት እውን መጻኢ መራሒ ኢራን ክኸውን ከምዝኽእልን ይሕብሩ።

  8. ቀይሕ ባሕሪ ብሑቲ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ሓዲሽ ደበና ስግኣት

  9. ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ናብ ጥቓ ኢራን ተጸጊዖም

    ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ትማሊ ቀዳም ናብቲ ዞባ ተንቀሳቒሶም ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።

    ፔንታጎን ኣብ ኢራን ንሰሙናት ንዝካየድ ምድራዊ ስርሒታት ይዳሎ ከምዘሎ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ኣሎ።

    ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝዀነ መጥቃዕቲ ከይፍፀም፡ ንተወሳኸቲ ዓሰርተ መዓልቲ ኣናዊሑ ዘሎ ትራምፕ፡ ነቲ ምድራዊ ስርሒት ከፅድቘ ድዩ ክነፅጐ ዛጊድ ንጹር ኣይኰነን።

    እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መርከብ ውግእ ዩኤስኤስ ትሪፖሊ ናብቲ ዞባ ከምዝኣተወት ኣፍሊጡ ኣሎ።

    እቲ እዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እታ መርከብ መጓዓዝያን ነፈርቲ ውግእን፡ ኣስታት 3500 ባሕረኛታትን ተዋጋእቲ ዝሓቖፈ ኣሃዱ ሒዛ ከምዝተጉዓዘት ገሊጹ።

  10. ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘስዓቦ ሲቪላዊ ክሳራ

    ኣብቲ ብ28 ለካቲት ዝጀመረ ግጭት ኢራን፡ ብውሕዱ 217 ህጻናት ዝርከብዎም 1,464 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ትካል ዜና ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት (HRANA) ሓቢሩ።

    ሰራዊት ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 12 ሽሕ ቦምባታት ኣብ ቴህራን ጥራይ ድማ 3600 ቦምባታት ከምዝደርበየ ክገልጽ እንከሎ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ድማ ኣብ መላእ ኢራን ልዕሊ 9 ሽሕ ዕላማታት ከም ዝወደቐ ይገልጽ።

    ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መብዛሕትኦም ንመደበራት ፖሊስ፡ ህንጻታት ምልሻ ባሲጅ፡ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ዩኒቨርሲቲታት ወተሃደራውን ፖሊስን፡ ውሑስ ገዛውቲ፡ ኣባይቲ ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ከምኡ’ውን ዝተጠርጠሩ መኽዘናት ተተኮስትን ነቝጣታትን ዒላማ ዝገበሩ እዮም።

    እዞም ዒላማታት ግን ኣብ ውሽጢ ጽዑቕ ሲቪላዊ ከባቢታት እዮም ዝርከቡ።

    እቶም መጥቃዕትታት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምዕላቦም፡ ዋላ ኣብቶም ቅድሚ ሕጂ ንስርዓት ኢራን ዝነቕፉ ዝነበሩ ሰባት ከይተረፈ ቂምታ ከዕምቖ ሓደጋ ከምዘለዎ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

    ቢቢሲ ኣብዚ ጸብጻብ ብዛዕባ ዘጋጠመ ፍጻመታት ካብ ሰራዊት እስራኤል ርእይቶ ሓቲቱ። እቲ ሰራዊት እቶም መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ተወሳኺ ርእይቶ ግን ኣይሃበን።

    ምኒስትሪ ምክልኻል ኣመሪካ ድማ መልሲ ኣይሃበን።

    ኢራን እውን ብፍላይ ድማ ኣብተን መሻርኽቲ ኣመሪካ እትብለን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ሲቪላዊ ትሕተ ቅርጽን መንበሪ ህንጻታትን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ፈጺማ እያ።

    ነበርቲ ቴህራን፡ ሰበስልጣን ነቲ ኲናት ዝሃብዎ ምላሽ ብምንቃፍ፡ ህዝባዊ መዕቆቢ፡ ካብ ሓደጋ ምውጻእ ወይ ንዝተመዛበሉ ግዝያዊ መንበሪ ሓዊሱ መሰረታዊ ስጕምትታት ድሕነት ኣብ ምሃብ ብዙሕ ከምዘይሰርሑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    ኢንተርነት ኣብ ዝተቛረጸሉን ንጹር ርክብ ኣብ ዘይብሉን እዋን፡ ብዙሓት ተቓላዕነት ከም ዝተሰምዖምን ዝቕጽል መጥቃዕቲ መዓስን ኣበይን ክዓልብ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ከም ዘይኰኑን ይገልጹ።

  11. እዋናዊ ምዕባለታት ማእከላይ ምብራቕ, 10 ኣመሪካውያን ቆሲሎም

    ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየዱ መጥቃዕትታት ሕጂ’ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

    ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ዝዀነ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣመሪካ "ኣብዚ ሰሙን'ዚ" ምስ ኢራን ክትዘራረብ ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።

    ወሲኹ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዝተገልጸ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ መልሲ "ትጽበ" ከምዘላ ሓቢሩ።

    ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰዓታት ኣብ ቴህራን ከቢድ መጥቃዕቲ ተሰሚዑ ኣሎ።

    ኢራን፡ ኣብዚ ወርሒ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ መመንጨዊ ኑክሌሳዊ ሓይሊ ቡሸር መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጻ። ብተወሳኺ እስራኤል ኣብ ማእከላይ ኢራን ኣብ ዝርከብ ትካል ማይ ኣራክ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሓቢራ።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን ንሲቪላዊ ቦታታት ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ከም ዝጸብጸባ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓባስ ኣራግቺ ሓቢሩ።

    ሓያሎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ሓድሽ መጥቃዕትን ምክልኻልን ይካየድ ከምዘሎ ሓቢረን። ኢማራት ዓረብ ድማ ምክልኻል ኣየራ፡ ካብ ኢራን ዝተወንጨፉ ባልስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ምዕጋት ከም ዝተዋፈረ ገሊጻ።

    ኢራን፡ ኣብልዕሊ መደበር ኣየር ልኡል ሱልጣን ስዑዲ ዓረብ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዓሰርተ ወተሃደራት ኣመሪካ ከም ዝቘሰሉ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እቲ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ዘጠቓለለ ምዃኑ እቲ ምንጪ ሓቢሩ።

    እቶም ኣመሪካውያን "ኣዝዩ ከቢድ" መጕዳእቲ ኣጋጢምዎም።

  12. ኣመሪካ፡ ዓበይቲ መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣዋፊራ

    ዩኤስኤስ ጆርጅ ኤች ደብሊው ቡሽ ብዝብል እትጽዋዕ ልዕሊ 80 ነፈርቲ እትስከም መርከብ ኣመሪካ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ትዋፈር ከምዘላ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሮም።

    እታ መርከብን ሰራሕተኛታትን ስልጠናኦም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ድሕሪ ምዝዛም ኣብቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት ክጽንበሩ ከምዝኽእሉ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሲቢኤስ ገሊጾም።

    ዩኤስኤስ ዶናልድ ኩክን ዩኤስኤስ ሜሰንን ብዝብል ዝጽዋዓ ክልተ ኣዕነውቲ ሚሳይላት እውን ኣብዚ ሰሙን ካብ ኣመሪካ ተበጊሰን ኣብ መንገዲ ይርከባ።

    ካልእ ዩኤስኤስ ሮስ ዝተባህለት መርከብ’ውን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣመሪካ ዝተበገሰት ኰይና ናበይ ተቕንዕ ከምዘላ ግን ብንጹር ኣይተገልጸን።

  13. ኢራን ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ መራኽብ ክምለሳ ገይራ

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ዝፈተና ሰለስተ ናይ ጽዕነት መራኽብ ክምለሳ ከዘገደደ ገሊጹ።

    እስላማዊሓለዋ ሰውራ ኢራን ሎሚ ንግሆ ዝወጽኦ መግለጺ፡ "ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኮንተይነራት ዝጸዓና ሰለስተ መራኽብ፡ በቲ ዝተፈቐደለን መራኽብ ዝሓልፋሉ ፍሉይ መስመር ክሓልፋ ፈቲነን። ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ሰውራ ብዝተወሃበን መጠንቀቕታ ግን ንድሕሪት ተመሊሰን" ይብል።

    ብተወሳኺ “መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጽው ብምዃኑ፡ ዝዀነት መርከብ ክትሓልፍ እንተፈቲና ሓያል ግበረ መልሲ ክጽበያ’ዩ” ክብል ኣጠንቂቑ።

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ንመንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብ “ቻይና፡ ሩስያ፡ ፓኪስታን፡ ዒራቕን ህንድን” ዝመጻ መራኽብ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ክሓልፋ ሕቶ ከምዘቕረባ ሓቢሩ።

    ወሲኹ ድማ ብዓይኒ ኢራን፡ መጻብቦ ሆርሙዝ “ምሉእ ብምሉእ ዕጹው ኣይኰነን፡ ንጸላእትና ግን ዕጽው’ዩ” ኢሉ።

  14. ኢራን፡ ኣብ ከተማ ቆም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ሞይቶም

    ኣብ ኢራን ከተማ ቆም ለይቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 18 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

    ብእስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ዝድገፍ ማዕከን ዜና ፋርስን ታስኒምን እቲ መጥቃዕቲ ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከባቢ ፓርዲሳን ከምዘጋጠመ ጸብጺበን።

    ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሽዱሽተ ከምዝዀነ ተገሊጹ ነይሩ።

    ድሒሩ ግን እቲ ኣሃዝ ዝተመሓየሸ ኰይኑ፡ ካልኦት 10 ሰባት እውን ከምዝቖሰሉ እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ኢራን፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩ ሓቢሩ ኣሎ።

  15. ዘንቈንቍል ዘሎ ተቐባልነት ትራምፕ

    ትራምፕ ኣብ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ኣብ ህዝቢ ኣመሪካ ዝነበሮ ተፈታውነት ብቐጻሊ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ።

    ድሕሪ ስለስተ ሰሙን ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ጋዝ ንሓደ ጋሎን ብማእከላይ ገምጋም ናብ ኣስታት 4 ዶላር ወሲኹ። ደረጃ ቁጠባዊ ምጽዳቕ ትራምፕ ድማ ናብ 29% ኣንቈልቊሉ።

    ክሳብ’ቲ ኲናት ዝጀመረሉ 28 ለካቲት፡ 42% ኣመሪካውያን ጥራይ እዮም ኣብ ልዕሊ ትራምፕ እወታዊ ኣረኣእያ ዝነበሮም። ኣብዚ ሰሙን እዚ ግን እዚ መለክዒ ናብ 40% ወሪዱ። እቲ ኣብ ዝተወሰነ መቓን ግዜ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝተራእየ ቅልጡፍ ምንቁልቋል ተቐባልነት፡ መብዛሕትኡ ኣመሪካዊ ንወተሃደራዊ ምትእትታው ኣመሪካ ናብ ኢራን ካብ ፈለማኡ ስለ ዝተቓወሞ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።ፖለቲካዊ ማእከል ደገፍ ትራምፕ ይቕጽል ከምዝህሉ ብማእከል መጽናዕቲ ፒው ዝተቐመጠ ኣሃዛት የመልክት።

    ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኲኒፒያክ ዝተኻየደ ዳህሳስ ከኣ 86% ሪፓብሊካን ነቲ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዝድግፉን 80% ድማ ትራምፕ ብኸመይ ይሕዞ ከምዘሎ ከምዘጽድቑን ኣረጋጊጹ። ካብ መላእ መራጺ ህዝቢ ኣመሪካ እንክርአ ግን እዚ ደረጃታት ናብ 39%ን 34%ን ኣንቈልቍሉ።

  16. ምንዋሕ መጥቃዕቲ ‘ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኰነን’

    ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢራን ዝነበረ ሮበርት ማሊ ንውሳነ ምንዋሕ ግዜ መጥቃዕቲ ትራምፕ ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ትራምፕ ዝወሰዶ ውሳነ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ከምዘየመልክት ገሊጹ።

    ማሊ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ንመመንጨዊ ጸዓት ኢራን ንምውቃዕ ዝሃቦ ናይ 10 መዓልታት ገደብ ግዜ፡ እቲ ግዜ ቅድሚ ምውዳኡ “ምድራዊ ወራር ኣይእዝዝን ማለት ኣይኮነን” ይብል።

    እቲ በዓል ስልጣን ነበር ወሲኹ፡ ትራምፕ እቲ ምንዋሕ ግዜ ኣብ ዝርርብ ብዝረኸቦ ምዕባለ ምኽኑይ እዩ ምባል “ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ማለት ኣይኮነን” ብምባል ንዘይተጨባጥነትን ዘይተገማትነትን እቲ ምምሕዳር ኣሚቱ።

    ፔንታጎን ኣብዚ ሰሙን ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብቲ ዞባ ኣዋፊሩ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ኣመሪካ ንኢራን 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ከም ዘቕረበት ገሊጻ።

    እቲ ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ውጽኢት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ "ዓቢ ስምምዕ" ዘይኮነስ፡ ትራምፕ “ከም ዝተዓወተን ዕላማኡ ከምዝረኸበ ምስ ዝውስን... ብፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ድማ ክሳቐ እዩ፡” ይብል።

  17. ትራምፕ፡ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ብ10 መዓልታት ኣናዊሑ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ብሰኑይ ኣዊጅዎ ዝነበረ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መመንጨዊ ጸዓት ኢራን ከምዘናውሐን ኣፍሊጡ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለጺኡ ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ "ቀጻሊ" ከምዘሎ ጠቒሱ።

    እቲ ዝለጠፎ ጽሑፍ ከምዚ ይብል፤

    “ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ኢራን፡ እዚ መግለጺ እዚ ግዜ መጥቃዕቲ መመንጨዊ ጸዓት ብ10 መዓልታት - ማለት ክሳብ ሰኑይ 6 ሚያዝያ 2026፡ (ብኣቈጻጽራ ሰዓት ምብራቕ) 8 ድሕሪ ቀትሪ ደው ኣቢለዮ ከምዘለኹ ንምሕባር ከገልግል ይፍቀደለይ። ዘተ - ዋላ’ኳ ብኣንጻሩ ብናይ ሓሶት ማዕከናት ዜናን ካልኦት ጌጋ መግለጺታት እንተተዋህበ - ጽቡቕ ይቕጽል ኣሎ፤ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ኣቓልቦ ስለ ዝሃብኩምና የቐንየልና!”

    ፕረዚደንት ዶናልድ ጀይ ትራምፕ!

  18. ኣመሪካ 10 ሽሕ ኣጋር ሰራዊት ክትልእኽ ትሓስብ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 10 ሽሕ ተወሳኺ ኣጋር ሰራዊት ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምልኣኽ ይሓስብ ከምዘሎ ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ።

    እቲ ክግበር ዝኽእል ወፍሪ ወተሃደራት፡ ንትራምፕ “ምስ ቴህራን ዝግበር ዝርርብ ሰላም እናመዘነ ዝያዳ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት” ንምሃብ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣተሓሒዙ የረድእ።

    እቲ ሓይሊ፡ ኣጋር ሰራዊትን ድሩዓት መካይንን ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ድሮ ናብቲ ዞባ ተዋፊሮም ዘለዉ 5000 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ምዃኑን እቲ ዎል ስትሪት ይሕብር።

    እቲ ሰራዊት ብልክዕ ኣበይ ከም ዝዋፈር ግን ንጹር ኣይኮነን።

    ቢቢሲ ርእይቶ ንምርካብ ምስ ዋይት ሃውስን ፔንታጎንን ተወኪሱ’ሎ፤ ዛጊት ግን ምላሽ ኣይረኸበን።

  19. ትራምፕ፡ 'ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም፡ ግን ድማ ሓያላት ተዛተይቲ' ኢሉ ።

    ሕጂ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት የካይድ ኣሎ።

    ንሱ፡ 28 ለካቲት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣመሪካ ንወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ‘ውሑዳት ጥራይ ብዝረእዩዎ ደረጃ’ ክትሃርሞ ጸኒሓ'ያ ይብል።

    ኣመሪካ ንሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ኢራን "ምሉእ ብምሉእ" ከም ዝደምሰሰትን፡ "ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ኣገmaገm" ናይ መወንጨፊ ሚሳይላት ኢራን፡ ምናልባት’ውን፡ ልዕሊ 90% ካብቶም ሚሳይላት ከም ዘዕነወት ትራምፕ ተዛሪቡ።

    ንሱ ወሲኹ፡ “ኢራናውያን ሰነፋት ተዋጋእቲ እዮም ግን ከኣ ሓያላት ተደራደርቲ” ኢሉዎም።

    ትራምፕ፡ ሕጂ እታ ኩuዕሶ ኣብ ሜዳ ኢራን ከምዘላ ብምምጓት፡ እቲ ስርዓት ነቲ ዝቐረበ ውጥን-ሰላም እንተዘይተቐቢሉ፡ ገና ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ከም ዝፅበዮ ኣጠንቂቑ።

    “እንተዘይገይሮምዎ፡ ንሕና’ኮ ንዐኦም ኣዚና ኢና ነፍርሖም” ኢሉ ትራምፕ።

    “በቃ ብዘይ ምቍራፅ፡ ብቐፃሊ ክንብቍፆም ኢና"።

    ኣመሪካ ንኢራን ናብ መኣዲ ዘተ ብኸመይ ከተእትዋ መደብ ከምዘለዋ ግን ኣይተገልፀን።

  20. ኢራን፡ ንውጥን ሰላም ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ቅድመ-ዅነት ኣቕሚጣ, ንመጻብቦ ሆርሙዝ ናይ ምቁጽጻር 'ሕጋዊ መሰል’ ከምዘለዋ ገሊፃ

    ካቢኔኡ ዘዘራርብ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ እንታይ ከምዝብል ንምስማዕ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን እዩ፡ ኢራን ግብረ መልሲ ሂባ።

    እዚ፡ ኢራን ነቲ በዓል-15 ነጥቢታት ውጥን ኣመሪካ ኣመልኪታ፡ ዝሃበቶ ፈላማይ ግብረ መልሲ እዩ።

    ምስ እዚ- ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ፡ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ቴህራን ነቲ ኣመሪካ ዘቕረበቶ 15 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም ምላሽ ከምዝሃበትሉ ፀብፂቡ።

    ታስኒም ንሓደ "ሓበሬታ ዘለዎ” ዝበሎ ስሙ ዘይተፅርሐ በዓል ስልጣን ብምጥቃስ እያ፡ ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ-ኵነት ኢራን ፀብፂባ።

    • "ብጸላኢ ዝፍፀም ተግባራት መጥቃዕታትንን ቅንፀለታትን- ደው ክብል
    • "ኲናት ዳግማይ ከምዘይለዓል ጭቡጥ ዘተኣማምን ኩነታት ክቐውም
    • "ካሕሳን ካሕሳ ኲናትን ክረጋገጽን ብንጹር ክውሰንን
    • "ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኩሉ ግንባራትን ንኹሎም ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ጉጅለታት ክተግበር ኣለዎ" ይብል።

    እቲ ናይ መወዳእታ ነጥቢ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መሓዙትን ኢራን ብምጥቃስ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።

    እቲ በዓል ስልጣን፡ ልኡላውነት ኢራን ኣብ ልዕሊ መጻብቦ ሆርሙዝ ብምጥቃስ፡ "ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰል" እታ ሃገር ከምዝዀነ ነቲ ማዕኸን ዜና ከምዝገለፀ ተሓቢሩ።