ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ምስሕሓብ ናብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝሰገረሉ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, FBC
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መስቀል ኣደባባይ ንሎሚ ክካየድ ብዛዕባ ዝተሓሰበ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ውድባትን ትግራይ ጽኑዕ ናይ ቃላት ምስሕሓብ ፈጢሩ።
ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ) ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ሰልፊ ብምድጋፍ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ሰልፊ "ኣንጻር ሓፈሳ፡ ኣንጻር ደብዳብን ምግፋዕን ኣዴታት ትግራይን ኣንጻር ዝቐጸለ ምፍንቓል ኣማኢት ኣሽሓት ተጋሩን፡" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ሰልፊ ኣንጻር እቲ "ብስቓይ ህዝቢ ትግራይ ህልውናኡ ከረጋግጽ ዝደሊ ጕጅለ" ዘቕነዐ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ከም ዝግብኦ ድምጹ ዘስምዓሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
"ህልውናን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ዘገድሶ ኵሉ ድምጹ የስምዕ፡" ክብል እውን ጸዊዑ።
ብኣንጻሩ፡ ቢሮ ጉዳያት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ነቲ ሰልፊ "ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓን ፍትሓዊ ቃልስን ህዝቢ ትግራይ ዝዓለመ" ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ዝተዳለወ "ናይ ጥፍኣት ሰልፊ" እዩ ክብል ኰኒኑዎ።
እቲ ቢሮ፡ ስርዓት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ንህዝቢ ትግራይ ንምብርካኽን ሓድሽ ኲናት ንምውላዕን" ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ሰልፊ ድማ ነዚ ዕላማ እዚ ንምፍጻም ዝተኣለመ ሽርሒ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ወሃቢ-ቓል ህወሓት ኣቶ ሚኪኤለ ኣስገዶም ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ጆኖሳይድ ንምቕጻልን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ንምዕንቃፍን ዝዓለመ እዩ፡" ኢሉ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ብምስታፍ ንመንነቶምን ታሪኾምን ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ኣተሓሳሲቡ።
ነቲ ሰልፊ ዘዳሉ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት "ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን" ብዝብል ዝተመስረተ ኣካል ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ለውጢ ክልላዊ መንግስቲ ንምምጻእ ዝሰርሕን መስርሓት ስግግር ንምምችቻእ ከም ዝንቀሳቐስን ይገልጽ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቢሲ ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ እቲ ሰልፊ "ሓፈሳ ደው ይበል፡ ሰላም ይስፈን" ብዝብል መሪሕ ቃል ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ዕላማ እቲ ሰልፊ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ እናገደደ ይኸይድ ንዘሎ ቅልውላው ንምዅናንን ንፈደራላዊ መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለምን መልእኽቲ ንምሕላፍን ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕን ሓላፊት ቤትጽሕፈትን ህወሓት ፈትለወርቅ ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ወተሃደራዊ ግፋ፡ 'ፍጹም ሕሶትን ጸላእቲ ዝመሃዙዎ ኣጀንዳን' ክትብል ብምንጻግ፡ ንመግለጺታት መንግስቲ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቒፋ ምንባራ ኣይርሳዕን።
ንሳ፡ ብኣንጻሩ መንግስቲ ፈደራል ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ትግራይ፡ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ እያ ትኸስስ።
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ብሰንኪ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ሎሚ ንግሆ ሰዓት 11 ጀሚሩ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዘእትዉ ዓበይቲ ጐደናታት ንተሽከርከርቲ ዕጹዋት ከም ዝዀኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ካብ መገናኛ፡ ቦሌ፡ ጎተራ፡ ሜክሲኮን ኣራት ኪሎን ዝመጽኡ ጐደናታት ክሳብ መወዳእታ እቲ መደብ ንመጓዓዝያ ዕጹዋት ኰይኖም ክውዕሉ እዮም።
ካብ ትናኩ ምሸት ጀሚሩ ድማ ኣብቲ ከባቢ ተሽከርከርቲ ደው ምባል ምሉእ ብምሉእ ዝተኸልከለ ምዃኑ ተገሊጹ።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
