ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ምንታይ ኵነታት ይርከብ?

 ጀነራል ታደሰ ወረደ፡
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ነቲ ክልል ንሓደ ዓመት ዝመርሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ 30 ሚያዝያ [ግእዝ] ካብ ስልጣኑ ብዘይፍቓዱ ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ዝርከበሉ ኵነታት ዝገልፅ ዝዀነ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣይነበረን።

ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብመንግስቲ ፈደራል ዝተናወሐሉ ስልጣኑ "በይናዊ ውሳነ" ብምባል ዘይተቐበለ ህወሓት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን በቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ካቢነ ክትካእ ብምውሳን፡ 30 ሚያዝያ ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕረዚደንት ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ።

"እዚ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጕልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ እደሊ፡" ይብል ጀነራል ታደሰ ኣብቲ መዓልቲ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ።

ነዚ ናይ መወዳእታ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝርከብ፡ ናይ ብዙሓት ሕቶ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ትግርኛ'ውን ነቲ ኵነታት ንምፅራይ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ እዩ።

ብረቡዕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኤርቪን ማሲንጋ ናብ መቐለ ዝገበሮ ጕዕዞ ስዒቡ፡ ጀነራል ታደሰ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተወሳኺ ፃዕሪ ድሕሪ ምግባር፡ ንፈለማ እዋን ካብ መቕርባቱ ጭቡጥ ሓበሬታ ረኺብና ኣለና።

ምስቲ ተኣፋፊ ኵነታትን ወጥሪ ዝመልኦ እዋንን፡ ኣስማቶም ዘይንገልፆም መቐርባቱ ከም ዝሓበሩና፡ ኣምባሳደር ማሲንጋ፡ ምስ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንምርኻብ ቈፀራ ሒዙ እዩ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ ተበጊሱ።

"ርግፅ ኣምባሳደር ማሲንጋ ንጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ሕዚ ጥራይ ኣይኰነነን፣ ቅድሚ ሕዚ'ውን ፈቲኑ ኣይሰመረሉን፡" ዝብል እቲ መቕርብ፡ ካብኡ ግን ተሰሪዙ'ዩ ምባሉ ይዝክር።

ስለዝዀነ'ውን፡ እቲ ናይ ረቡዕ ካልኣይ ቈፀራ ምንባሩ እዮም እቶም ናይ ቀረባ ምንጭታት ዝገልፁ።

"እቲ ናይ ትማሊ፡ ቈፀራ ምስ ተትሓዘ 'ክራኸቡ እዮም' ዝብል ትፅቢት ነይሩና፤ ሰዓት ሓሙሽተ እዩ ቈፀረኦም ነይሩ፤ ንሱ'ውን ቆፀራ ከም ዘለዎ እዩ ዝፈልጥ፤ እቲ ኣምባሳደር መቐለ ከም ዝኣተወ'ውን ይፈለጥ እዩ ነይሩ፤ ካብኡ ግን ኣስታት ሰዓት ኣርባዕተ ረፋድ፡ ናብቲ ዋና ሓለዋ ስልኪ ተደዊሉ፡ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።"

ብዛዕባ እቲ ኵነታትን እዞም መቕርባት ዝሃቡዎ ሓበሬታ ንምግርግጋፅን ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ድሕነትን መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

እቲ ትእዛዝ እንታይ ይብል ነይሩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ቈፀራ ክኣክል ሓደ ሰዓት ምስ ተረፎ፡ ካብ ሓላፊ ቪኣይፒ ሓለዋ [ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ] ዝተደወለ ስልኪ ነቲ ኵነታት ከም ዝቐየሮ ይዛረቡ።

"ምንም ዓይነት ዕጀባ ከይትገብሩ፤ ምንም ዓይንት ምንቅስቓስ ከይትገብሩ፤ መኪናታት ከይንቀሳቐሳ፤ እዚ'ውን ንባዕሉ [ንጀነራል ታደሰ] ኣፍልጡዎ፡" ዝብል ትእዛዝ እዩ ተመሓላሊፉ።

"ነዚ ትእዛዝ ተመሓላሊፍኩም ዝዀነ ምንቅስቓስ እንተ ገይርኩም ድማ ካልእ ሓይሊ ኣሎ ክዓግተኩም ዝኽእል፤ ስለዚ ዝዀነ ፀገም ከይፍጠር፤ ምንም ዓይነት እንቅስቃሴ ከይትገብሩ፡" ዝብል ቍርፂ ትእዛዝ ከም ዝነበረ እቲ መቕርቡ ይዛረብ።

እዚ ንባዕሉ ንጀነራል ታደሰን ንኹሎም ሹፌራትን ሓገዝቱን ክንገሮም ድማ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።

እቲ ሓላፊ ሓለዋኡ፡ እዚ ትእዛዝ ንጀነራል ታደሰ ምስ ኣፍለጦ፡ እቲ ጀነራል ከም ዘይተቐበሎን፡ 'ባዕለይ መኪና ገኒሐ ክኸይድ እየ' ኢሉ ተበጊሱ ከም ዝነበረ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ኵነታት ኣብ ልዕሊ ሓለውቱ ኰነ ኣባላት ስድርኡ እዝዩ ዘጨንቕ ከም ዝነበረ እቶም ምንጭታት ቢቢሲ ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣባላት ስድራኡ፡ 'ይትረፍካ፡ ምስቲ ዘሎ ኵነታት እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፍለጥን' ኢሎም ከም ዝለመንዎን ከይወፅእ ከም ዝተማሕፀንዎን ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር ንጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ተስፋ ገይሩ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ በቲ ናይ ቤተሰብ ማዕዳ ተመሊሱ፡ ደዊሉ ነቲ ኵነታት ከም ዘረደኦን ይዛረቡ።

"ብድሕሪኡ ብስልኪ ተዘራሪቦም" ዝብሉ እቶም ምንጭታት፡ ን20 ደቒቓ ዝኣክል ከም ዘውግዑ፤ እንተዀነ፡ ትሕዘቶ እቲ ዘተ ምፍላጥ ኣይተኽኣለን።

ሓደ ናይ ቀረባ ምንጪ፡ "እዚ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ዓዲ ይመርሕ ዝነበረ ጀነራል፡ ናይ ምዝራብ መሰሉ፡ ሰባት ናይ ምርካብ መሰሉ፡ ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ብወግዒ ተዓጊቱ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።

"ወፂኡ ነይሩ እንተ ዝኸውንከ እንታይ እዩ ከጋጥም ነይሩ?" ብዝብል ድማ ይሓትት።

መምርሒ ጥሒሶም 'በይንኻ ኣይንሰደካን ምሳኻ ክንከይድ ኢና' ዝበሉ ኣባላት ሓለዋ ከም ዝነበሩን እንተ ዘይሰምዖም ነይሩ እንታይ ክፍጠር ይኽእል ከም ዝነበረን ዛጊድ የተሓሳስቦም ኣሎ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ምስ ምክትል ህወሓት ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ዝርከቦም ሰብስልጣን፡ ብዛዕባ ውዕል ፕሪቶርያን ኵነታት ተመዛበልትን ተዘራሪቡ ከም ዝኸደ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ [የማን] ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል [ጸጋም]
መግለጺ ስእሊ, ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ [የማን] ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል [ጸጋም]

ጀነራል ታደሰ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ድዩ ዘሎ?

ብኣጋጣሚ ኰይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ኰነ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኰይኑ ስራሕ ስለ ዝበዝሖ፡ ብዙሕ ውፅእ ውፅእ ዝብል ከም ዘይነበረ እዩ ዝዝረብ።

"ብፍላይ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ግን፡ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ከም ዘሎ እዩ ዝስመዐና፡" ይብሉ መቕርባቱ።

30 ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ከም ዝተተከአ ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከይዱ ከም ዘይፈልጥን ምስኣቶም ዝዀነ ርክብ ከም ዘይገብርን ይዛረቡ።

እንተዀነ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ናብ ዝርከብ ናይ ውልቁ ቤት ፅሕፈት ከም ዝኸይድን ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ገዝኡ መፃሕፍቲ ብምንባብ ከም ዘሕልፎን፡ እቶም ምንጭታት ቢቢሲ ይዛረቡ።

ኣብዛ ቤት ፅሕፈቱ ሓሓሊፉ ድማ ኣብ ፕላኔረት ሆቴል ሰብ ይረክብ ከም ዝነበረን፣ እንተዀነ ብናታቶም ሰናይ ፍቐድን ኣብ ናታቶም ናይ ድሕነት ቍፅፅርን ከም ዝዀነ'ውን ይግምቱ።

"ካልኦት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጣሪ ኵነታት ይምልከተና እዩ ዝብሉ፡ ንጀነራል ታደሰ ክረኽብዎ ይደልዩ እዮም፡" ዝበሉ እቶም ምንጭታት፡ ዝረኸብዎ ኣካላት ከም ዝነበሩ ኣረጋጊፆሙልና።

ንኣብነት ድማ ሓደ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተልኣኸ ከም ዝዀነ ዝእመን፡ ነባር ነርወያዊ ኣምባሳደር፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣዛሪቡዎ ከም ዝኸደ ይገልፁ።

ምስ ኣምባሳደር ኣመሪካ ክራኸብ ክፈቕድሉ እዮም ዝብል ግምት እዩ ነይሩዎም። "እዚኣ፡ ስለ ዘይደለዩዋ ከይትኸውን ገይሮም፡" ይብሉ።

ስለዚ፡ ብፍላይ ብድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ተጓንፎ፡ ንሱ ዝቈፃፀሮ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለን ኣብ መፃኢ እንታይ ክፍጠር ከም ዝኽእል ንቤተሰብን ንመቕርባቱን ዘጨንቕ ኰይኑ ከም ዘሎን፡ ቢቢሲ ካብቶም ምንጭታት ክርዳእ ክኢሉ።

ዛጊድ ኣባላት ሓለውኡን መኪናኡን ምስኡ ከም ዘለዉ፣ እንተዀነ፡ ብዘይስሩዕ መንገዲ እቲ ሓለዋ ከም ዝቕነስን መኪናኡ ከም ዝውሰድን ይሰምዑ ከም ዘለዉ፡ እቶም ንድሕነቶም ክንብል ዘይንጠቕሶም መቕርባቱ ይዛረቡ።

"እቲ ናይ ትማሊ ትእዛዝ ኣዝዩ ዘበሳጩን ዘቘጥዕን እዩ ነይሩ፣ ናይ ምዝራብን ናይ ምንቅስቓስን መሰሉ ተሓዲጉ ከም ዘሎ እዩ ዘርኢ።"

ኣብቲ ዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ወርሒ፡ ብዙሕ ካብ ገዛ እንተ ዘይወፅአ'ኳ፡ እቲ ናይ ትማሊ ተግባር ግን ኣሰካፍን ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከም ዘሎ ብቕሉዕ ዘርኢ ከም ዝዀነን እዮም ተዛሪቦም።

ኣብ ክሊ እቲ ዝፀንሐ ነባር ሓለዋ፡ ካልእ ዙር ሓለዋ ኣሎ ብዛዕባ ዝበሃል ዝተሓተቱ ኣባላት መቕርባቱ፡ 'ብልክዕ ኣይንፈልጥን' ብምባል ጥርጣራታት ከም ዘለዎም ግን ኣይሓብኡን።

"ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን" ዝብል ትእዛዝ ኣብ ልዕሊኡ ዝመሓላለፍ እንተዀይኑ፡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘሎ ምግማት ከም ዘየፀግም ይዛረቡ።

ሓደ ዓመት ስልጣኑ ኣብ ዝተናወሐሉ እዋን

ምንጪ ስእሊ, EBC

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ታደሰ፡ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተናወሐሉ እዋን

ወጥሪ ዝመልኦ ኵነታት

ኣብ ትግባረ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ተፈራረምቲ ኣካላት፡ ምክሳስ ክስማዕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ኵነታት ናብቲ 30 ሚያዝያ ዘጋጠመ 'ዕልዋ ዝመስል' ኵነታት ኣምሪሑ።

ሓለፍቲ ህወሓት፡ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብቂዑ'ዩ ብምባል፡ ነቲ ቅድሚ ምውላዕ እቲ ኲናት ዝተመረጸ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ዳግማይ ናብ ስልጣን ምምላሶም ይዝከር።

ኣውሓስቲ እቲ ውዕል ዝዀኑ መንግስቲ ኣመሪካን፡ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ነቲ ስጕምቲ ህወሓት ብምዅናን፡ ናብ ትግባረ ውዕል ፕሪቶርያ ክምለስ ይምሕፀኑ ኣለዉ። ብፍላይ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 'ኣኽረርቲ' ዝበሎም ብስም ዘይረቑሖም መራሕቲ ህወሓት፡ ኣባለት ቤተሰቦምን እግድ ቪዛ ኣንቢሩ ኣሎ።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰበስልጣኑ ዝወሰዶ እገዳ ቪዛ "ጐደሎን ዘይሚዛናውን" ክብል ብምጽራሕ ነጺጉዎ።

እቲ ኣመሪካ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ክውንነት ዘየንጸባርቕን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሓላፍነት ዘግልልን እዩ ክብል ወቒሱ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ 24 ግንቦት [ግእዝ] ዝፀደቐ ሓድሽ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ትግራይ ስዒቡ፡ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ግፋ፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፡ ኣብ መንእሰያትን ወለድን ድማ ብፍላይ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብዚ እዋን "ስግኣት ብሄራዊ ህልውና" ከም ዘለዎም እዮም ዝምጕቱ።

እቲ ወጥሪ እናዓረገ ዝመፅአ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ፓርላማ ውዕልኡ፡ ኣብቲ ክልል "ኲናት ንኽለዓል ሰፊሕ ድልየት ኣሎ፡ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ኢና እምቢ ኢልና፡" ክብል ተሰሚዑ።